ጾመ ጽጌ ካልኣይ ክፋል

ሰቆቃው ድንግል

‹‹አይቴ ኀለፈት እምዕያማ ማርያም ጣዕዋ ኀሴሥክዋ በቤተልሔም ወኢረከብክዋ እሴእለክሙ ሰብአ ሰገል ገሊላ እመ ርኢክዋም ንገሩኒ ዜናሃ ወአርእዩኒ ፍናዋ ኀበ ሖረት በብካይ እትልዋ”

ትርጉም ፣ እሓተኩም ሰብኣ ገሊላ ፣ ማርያም ጣዕዋ ወዳ ሒዛ ካብ መሕደሪኣ ናበይ ከይዳ ? ኣብ ቤተልሔም ደልየያ ኣይረኸብኩዋን ብብኽያት ክስዕባ ዜናኣ ንገሩኒ መንገዳ ሓብሩኒ እንዳበልኩ እልምነኩም።

ሓተታ፣  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ጣዕዋ ማለት ንምንታይ እዩ እንተ ኢልና ፧ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅድሚ ምጽናሳ ኢያቄምን ሃናን ብሕልሚ ጻዕዳ ጣዕዋ ናብ ደንቢኦም ክትኣቱ፣ ክትወጽእውን ጣዕዋ ንጣዕዋ ክትወልድ ርእዪም ኔሮም፣ እዮም እሞ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወዳን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጣዕዋ መሲሊዎም።

 ርኢክሙኑ ወለተ ደክታመ

  ሐዚላ ሕጻና ትጎይይ ገዳመ      

  አኀሥሠኪ ወእብል እንዘ አዐይል አድያመ

 ማርያም ጸዋሪት ኃይል ዘኢለመድኪ ድካመ     

አንደደኒ ሥራሕኪ ከዊኖ አፍሐመ።

ትርጉም፣ ሕማም ዘይለመድኪ ንኃያል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሸለምኪ ድንግል ማርያም መከራኺ እሳት ኮይኑ ኣንዲዱኒ ፣ ንወዳ ሓቒፋ ካብ ካብ በረኻ ክትሃድም፣ ድኻ ዕባይ ዝኾንነት ድንግል ማርያም ሪኢኹማዶ፣ እንዳበልኩ ኣብ ኩሉ ኣድያማ ክደልየኪ እየ።

ሓተታ ፣ ንኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድኻ ዕባይ ማለቱ ብህጻና ካብ ወለዳ ተፈለያ ኣብ ቤተ መቅደስ ምዕባያ ንኸመልክት እዩ። ሕማም ዘየለመድኪ ማለቱ ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ልዑለ ባሕርይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማኅጸና ጼራ ዋላ ድኻም ኣይተሰመዓን ኔሩ እዚማለት ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ክትወልድ ፣ ድሕሪ ምውላዳ’ውን ልማደ ኣንስቲ ኣይረኸባን ፣ ብኅልዮ ብነቢብ ኮነ ብገቢር ፣ ኃጥያት ዘይለኸፋ ። ብኅልና ንኃጥያት ብምሕሳብ ፣ ሓሲብካ ብምዝራብ ፣ ተዛሪብካ ምፍጻም ካብ  እዚ ኹሉ ተግባረ ኃጥያት ንጽሕት ስለዝኾነት ሕማም ዘይለመድኪ ኢልዋ ።

ርኢክሙኑ ነአሰ መርዐተ
ሐዚላ ሕፃና እንዘ ተሐውር ፍኖተ
አኀሥሠኪ ወእብል እስከ እትከደን መሬተ
ማርያም ፈላሲተ ቁስቋም ዘአልብኪ ቤተ 
አውዐየኒ ንግደትኪ ከዊኖ እሳተ።

ትርጉም፣ ንወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዚልኪ መሕደሪ ሲኢንኪ ቁስቋም ኣብ ዝበሃል ሃገር ዝተሰዲድኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ንእስቲ መርዓት ሪኢኹማዶ፣ ስደትኪ እሳት ኮይኑ ኣቃጹሊኒ ካብ መሬት ተፈጢረ እየ እሞ ስጋብ ናብ መሬት ዝምለስ።  እንዳበልኩ ስደትኪ ይሓስብ ።

ሓተታ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንእሽተይ መርዓት ማለቱ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቁመተ ሥጋ ብስፍሓት ኣካላት ከም ኩሉ ሰብ ክትከውን ከላ ብኽብሪ ግና ካብ መላእኽቲ ካብ ፍጡራን ትበልጽ እያ። አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ ‹‹እንዘ ንስቲት አባል አንቲ፣ ›› ብሠለስተ እመትን ሥድርን ቁመት ዝተወሰንኪ ክነስኺ በመዓርግ ደኣ’ምበር ብኣካልስ ካብ ሰብ ኣይትበልጽን እያ። ዓሠርተ ኃሙሽተ እመት ቁመት እንተ ዝነብራ’ውን ኣይትውስኖን፣ መዓርጋ ንምግላጽ እዩ።  << መንበር ኪሩባዊ ዘያንጸበርቅ ወዘየዓውዶ ነደ እሳት አይቴኑ ተደለወ ወአይቴኑ ተተክለ በውስተ ከርሥኪ እንዘ ንእስት መርዓት አንቲ>> ጓል ዓሰርተ ኃሙሽተ ዓመት ቈንጆ ክንስኺ ነደ እሳት ዝኸበቦ ንዓይኒ ዘንጸባርቕ ኪሩቤል ዝሰከምዎ መንበር ኣብ ከርሥኺ ኣበይ ተዘርግሐ ኣበይከ ቆመ፣ ብዝጸንዐ ምንጋር ማለት እዩ። ጋል ዕሥራ ወይ ሠላሳ ዓመት ኔራ እንተ ትኸውን’ውን እትውስኖ ኣይኮነትን ዕብየታን መዓርጋን ምግላጽ እዩ። ኢሳ.6፣1-2። ቅዳሴ ማርያም ትርጉም ቁ.77-80።

ካብ ብዙሕ ውሕዱ ካብ ሰቆቃው ድንግል ዝረኣናዩ አርኬ እዩ። 

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱ ረዲኤቱ የብዝሓልና፣ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.