መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ

 እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና!

ምስባክ

ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።

< ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም

፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።>   መዝ. 59፣40 (60፣40)።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል ናይ ሰላምናን ድኅነትናን ቅድስናን ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድኅን፣ ናይ  ዘለዓለም ሕይወት ንኽህበና መሥዋእት ዝኸፈለሉ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፈሰሰሉ መንበር ክኸውን ከሎ፣ ንኣምላኽና ንርእየሉ መስትያት እዩ።

እዚ በዓል’ዚ ኣዝዩ ዓቢይ ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ይኽበር ኣሎ። በዓል መስቀል ኣብ ፲፯ መስከረም ዝኽበረሉ ምኽንያት፡ ኣይሁድ ድኅሪ ስቅለት ጐይታ ብዕጸ መስቀሉ ዝግበር ዝነበረ በበይኑ ተኣምራት ርእዮም ስለዝቐንኡ፡ ሰባት በቲ ተኣምራት ተሳሒቦም ናብ እምነት ከይመጹን ግብሩ ተደፊኑ ምእንቲ ክተርፍን፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ቀቢሮሞ ነበሩ። ብኣዋጅ ድማ ኵሉ ነባሪ ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ክጕሕፈሉ ብምእዛዝ ኣብ ልዕሊ ጓሓፍ ካልእ ጓሓፍ እናተወሰኾ ጎቦ ኮይኑ ኣሰር መስቀል ንኽሰኣን ተደርበየ። ናይ ደቂ ሰባት ዕሽነት ኸኣ እዚ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ዝንስሑ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ጌጋ ክፍጽሙን፡ ምስ ኃይሊ እግዚአብሔር ክራጸሙን ዝረኣዩ ምዃኖም እዩ። ኃይልን ምኽርን ሰብ ጊዜያዊ ስለዝኾነ፡ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ኣምላኽ ከልካሊ ዓጋቲ ስለዘይብሉ መስቀሉ ተቐቢሩ ክተርፍ ኣይከኣለን። ንግብሪ ኣምላኽ ሰብ’ውን ሓቢኡ ዝሓብኦ ስለዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ጊዜ ክግሃድ ግድን ኮነ። 

እምበኣር እግዚአብሔር ዝሰርሓሉ ናቱ መደብን እዋንን ስለዘለዎ፡ ድኅሪ ኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሰቃቒ ዘመነ ሰማእታት ኣብ ምብቕዑ፡ ንኣደ መፍቀሬ ሃይማኖት ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ፍቕሪ መስቀሉ ኣኅዲሩ ኣልዓዓላ። እቲ ንጉሥ’ውን ምሉእ ሮም ጠቕሊሉ ቅድሚ ምሓዙ፡ ነቲ ሓደ ክፋል ሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነገሥታት “ኣብያተ ክርስቲያናት ይትዓጸዋ፤ ኣብይተ ጣኦታት ይረኃዋ” ዝብል ኣዋጅ ከምዝነበሮም ይዝከር። ንሱ’ውን ምስቲ ኣንጻሩ ዝነበረ ኣረማዊ ንጉሥ (መክሲሚያኖስ) ክገጥም ኣብ ዝተበገሰሉ እግዚአብሔር ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ በዚ ምልክት ክትዕወት ኢኻ ዝብል ቅርጺ መስቀል ኣርእይዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንሠራዊቱ ኣብ ዋልትኦምን ኣፍራሶምን ምልክት መስቀል ክገብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። ብኸምኡ ኸኣ ስለዝተዓወተ እምነትን ፍቕርን መስቀል ሓዲርዎ ነበረ። ኣቐዲማ’ውን ኣዲኡ ካብ ኣረማዊ ንጉሥ ቍንስጣ ዝወለደቶ ወዳ ቈስጠንጢኖስ ክርስቲያን እንተኮይኑላ፡ ካብ ቍስጥንጥንያ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳጊራ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከተውጽእን፡ ዝፈረሱ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክትሓንጽን ተማባጺዓ ነበረት። እቲ ጸሎታን ትምኒታን ስለዝሠመረላ ኸኣ ከም መብጽዓኣ ነቲ መስቀል ከተናዲን፡ ካብቲ ዝተቐብረሉ ከተውጽኦን ሓሰበትን ተበጋገሰትን። ወዳ ድማ ብሓሳባ ተሓጒሱ ብዝኅ ዝበለ ገንዘብን ሠራዊትን ኣማሊኡ ናብ ኢየሩሳሌም ክሰዳ ፍቓደኛ ኮነ። 

ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ድማ እግዚአብሔር ክገልጸላን ሓሳባ ከፈጽማን ሱባኤ ኣተወት። ነቶም ኣንጻር መስቀሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ክነግርዋ ዝገበረቶ ፈተነ ኸኣ ኣይሰለጣን። ስለዚ ኸኣ ንግሥት እሌኒ ኣብ ከባቢ ፫፻፳፯ ዓ.ም. (327) ነዚ መስቀል ንኽትረክብ ብፍጹም እምነት ንእትገብሮ ጻዕሪ መጀመርታ ካብ ኣባ መቃርስ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ፈለመት፤ ንሱ’ውን ሓመድ ኣብ ልዕሊኡ ተኾሚሩ ከምዝተደርበየ ብታሪኽ ከምዝዝንቶ ነገራ። ቀጺሉ ኸኣ ንኣረጋዊ ኪራኮስ ረኺባ ኣቦታቱ ኣብ ከባቢ ቀራንዮ ከምዘሎ ከምዝነገርዎ ኣዘንተወላ፤ ካብ ሱባኤኣ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ብዝነገራ ንሕዝቢ ኣዚዛ ዳሜራ ተኺላ (ደሚራ) ዕጣን ወሲኻ፡ ጸሎትን ምሕለላን ብምብጻሕ ንኣምላኽ ምስ ለመነቶ፡ እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ደይቡ፡ ነታ ቦታ ከመልክት ኣብቲ ቅዱስ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታ ብምውራድ ሓበረ (ሰገደ)። ካብቲ ሕዝቢ ዳሜራ (ዕንጨይቲ) ኣኪባ ዘቃጸለትሉን ምልክት ዝሃባን ዕለት ፲፮ መስከረም እዩ። ኵዕታ ኸኣ ፲፯ መስከረም ከምዝተጀመረ ይግለጽ። 

ብመሠረት ሓበሬታ እቲ ተኣምራታዊ ትኪ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ ቦታ ተዃዒቱ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም መስቀለ ክርስቶስ ፲ መጋቢት ክርከብን ክውጽእን ኸኣለ። ካብቶም ምስኡ ዝተረኽቡ መሳቅል ከኣ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ክፍለ ክኢሉ። ሎሚ ዳሜራ ደሚርና እነኸብሮ ፲፮ መስከረም ቅድስት እሌኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕኒጻ ዝተባረኸሉ ክኸውን ከሎ፡ ፲፯ መስከረም ድማ ቅዳሴ ቤቱ ዘኽበረትሉን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ፲ መጋቢት ከይከውን ግና እቲ እዋን እቲ ናይ ጾም (ዓቢይ) እዋን ስለዝኾነ፤ ኣብ ጊዜ ጾም ድማ ሓጐስን ይባቤን ምግባር ክልኵል ስለዝኾነ፡ ከምቲ ልማድ ሊቃውንቲ በዓል ምስ በዓል ብምዝማድ ኣብዚ መስከረም ተሳሒቡ ከምዝኽበር ይግበር ኣሎ። ነቲ እሌኒ ዝፈጸመቶ ታሪኽ ንምዝካር ድማ ዳሜራ ኣብሪህና ነብዕሎ ኣሎና። እቶም ምእመናን ድማ ነቲ ብብዙኅ ድኻም ዝተረኽበ መስቀል ዜናኡ ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም፡ ነቲ ዜና ነቶም ዘይሰምዑ ንምብሳር ሆየ ሆየ እናበሉ ሽግ ንዝወልዕዎ ምኽንያት ብምግባር ኸኣ ሽግ ንውልዕ።

እዚ መዓልቲ ጠፊኡ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ብፍቓድ እግዚአብሔር ዝተረኽበሉን ንዝክረሉ በዚውን ንሕጎሰሉን ንፍሥኅሉ ዕለት እዩ።

መስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ሰባት ዝቐብርዎን ካብ ዓለም ክኸውልዎን ዝፈተኑሉ ስፍራ፡ ድኅሪ ፫፻ ዓመት ቅድስት እሌኒ ደልያ ናይ ዝረኸበቶን ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘኅነጸትሉን ዘኽበረትሉን በዓል ቤተ ክርስቲያን ብምኻኑ ከኣ ክብ ብዝበለ ሥነ ስርዓት ተኽብሮ እያ። መስቀል ኃይልና፤ መስቀል ጽንዓትና፤ መስቀል ቤዛና፤ መስቀል መድኃኒት ናይ ነፍስና ስለዝኾነ ኸኣ ንሕና ክርስቲያናት ብሓጐስን ብምስጋናን ብፍሉይ ኣገባብን ሥርዓትን ከነኽብሮ ንነብር ኣሎና። 

በረኸትን ረድኤትን መስቀሉ ኣይጋደፈና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.