ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቀም ናብ ናኩላቢ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ከደት። ፈይስቡክ ምስ ከፈተት 8 መልእኽትታት ጸንሐ። ነቲ መልእኽቲ ሓደ ብሓደ ከተንብብ ምስ ጸንሐት ናይ ሳሚ ስፍሕ ዘበለ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተረዲኣ ኣብ መወዳእታ ከተንብቦ ናብቲ ካልእ መልእኽትታት ሰገረት። ነቶም መልእኽታት ዝሰደዱላ ሰባት መልሲ ድሕሪ ምሃባ ኣብ መዋዳእታ ናብ ናይ ሳሚ መልእኽቲ ተመልሰት። “ሰላም ቤዛ ሓፍተይ። […]
ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ […]
ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን) ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ ማእከል ከተማ ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ […]
ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ […]
ዲ.ክብሮም "እንታይ ደኣ ኣሽኪዕካና ምሳ ማማ ኣብረሀት ኣለኹ እናበልካ ካን በቃ ምስ ቤዛ ትዛወር ኣለኻ። ክገርመካ ኣነ እኳ ጠርጢረካ ኔይረ። ግና ሓዲኡ ዘይተፍሉጡና ኢኹም እዚ ምቅርራብኩም ምዓልቦ ዘይትገብሩሉ። ንስኹም መዓረፈኩም ንሕና ከኣ ካብ ሕሜታ ምተኣለና። ስለዚ በጃኹም ሒዲኡ ግበሩ እሞ ንሕና ንሕጎስ ንስኹም ከኣ ትቀስኑ"። ሳሚ "ዲያቆነይ ምስ ሓፍትኻ’ዶ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ፧ ግዜ እንተ ኣለካ […]
ሳሚ ናይ ዲቁና ማዕርግ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ተቀበለ። ቤዛ "ናይ ዲቁና ማዕረግ ምስ ተቀበልካ መንፈሳዊ ማዕረግካ ንምኽባር ሻሂ ከስትየካ" ኢላ መብጽዓ ኣትየትሉ ሰለ ዘነበረት ቤዛ ንሳሚ ናብቲ ኣብ ጋርደን ሲቲ ዝርከብ ዝበለጸ እንዳ ሙቁር ሕብስቲ ወሰደቶ። ሳሚ ዓይኒ መድሪ ክጥቀም ሰለ ዝደለየ ቤዛ ደስ ዝበለኪ ንኽልቴና ኣዚዚ ኢልዋ ሽንት ቤት ከደ፡ እታ ሒዝዋ ዘነበረ […]
ቤዛ ካብ ገዛ ካብ ዘይትወጽእ ካልኣይ መዓልቲ ኮይኑ፡ ሳሚውን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልቲ ገዝኦም ኣይተቐልቀለን ። ቤዛ ናይ ሳሚ ነገር ከሰክፋ ጀመረ። እታ ቀጻሊ “ኣብ ሕይወት ተበዳሊ እምበር በዳሊ ኣይትኹን። ኣብ ክርስትና ሕይወት ንሰባት ዕንቅፋት ከይትኸዉን ቀጻሊ ነብስኻ ሕኸኽ ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትካ ደጋጊምካ ምዘን“ ዝብላ ዘነብረ ቃላት እናሻዕ ኣናተመላለሰ ንኣእምርኣ ቃጨሎ። ንመን በዲለ ደየⵗ ንመን […]
ኣኼባ ምስ ተወደአ ከም ወትሩ ቤዛን ሳምን እናተጻወቱ ናብ ገዝኦም ኣምርሑ። ኣብ መንገዲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኣርእስቲ ክዛራረብሉ ጀመሩ። ቤዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ደኣ ከመይ ረኺብካዮⵗ ሳሚ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ዝፈለዮ ዋላ ሓድሽ ነገር የለን። ሰለ ቤተ-ክርስቲያን ዕብያት ዘቲና። ቤዛ፡ ሓቂ ዘይትዛረብ ቅድሚ ሕጂ በዛዓባ ንሓድሕድና ዘላና ርክብ ተዛሪብና ንፈለጥ ዲናⵗ ኣወዳት […]
ነታ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዋ ዲ.በረኸት ግብረ መልሲ ናይ ዲ.መርሃዊ ካብ ገጹ ንምንባብ ናብ ዲ.መርሃዊ ገጹ ጠመተ። ዲ.መርሃዊ ክልቲኣን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝን በለ። ስምዓኒ መራ ዘይተጸበኻዮ መልሲ ኣይኮነን ደሓር ከኣ ዓይንኻ ኣንቈሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ክንደይ ካብዛ ጓል ዝበልጻ ኣለዋ። ፈጺሙ ኣይርደኣንን ዘሎ ናይ ቤዛ ነገር፡ ደሓር ከኣ መልሳ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል ብንጹር ኣብዚ ዳብዳቤ […]
ዲያቆን መርሃዉን ዲያንቆን በረኸትን ውሽጢ ቤት መቅደስ ከጸራርይዎ ድሕሪ ምውዒሎም ኣብ ጥቃ ቤተ ክርስቲያን እትርከብ መሸጣ ድኳን ኮካ ክስተዩ ተኣለዩ። ድያቆን በርኸት ምስ ድያቆን መርሃዊ ኣዝዩ ጥቡቅ ዕርክነት ኣለዎ። በሬ ሓወይ ፍቃድ እግዚአብሔር ኮይኑ ኤምባሲ ኣሜርካ ቪዛ ሂቦሙኒ ኣለው።ዲያቆን በረኸት፡ ዲ.መርሃዊ ናብ ኣሜርካ ኣብ ቀረባ ግዜ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ነገሮ ኣይታሕጓስ ኣይጓሂ ኮነ። መራ ሓወይ […]
- 1
- 2