ቤዛዊት 11 ክፋል

ዲ.ክብሮም "እንታይ ደኣ ኣሽኪዕካና ምሳ ማማ ኣብረሀት ኣለኹ እናበልካ ካን በቃ ምስ ቤዛ ትዛወር ኣለኻ። ክገርመካ ኣነ እኳ ጠርጢረካ ኔይረ። ግና ሓዲኡ ዘይተፍሉጡና ኢኹም እዚ ምቅርራብኩም ምዓልቦ ዘይትገብሩሉ። ንስኹም መዓረፈኩም ንሕና ከኣ ካብ ሕሜታ ምተኣለና። ስለዚ በጃኹም ሒዲኡ ግበሩ እሞ ንሕና ንሕጎስ ንስኹም ከኣ ትቀስኑ"። ሳሚ "ዲያቆነይ ምስ ሓፍትኻ’ዶ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ፧ ግዜ እንተ ኣለካ ግዳ ምሳና ነዓ ቁሩብ ኮፍ በል"። ቤዛ "ዲያቆነይ ቁሩብ ግዜ ሃበና ነዚ ሓድሽ ድያቆንና ከኣ ካብ ተመኩረኻ ተካፍሎ"። ሓቃ’ያ ቤዛ ድያቆን እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸዉን ኣለዎ ቁሩብ ካብ ተመኵረኻ ኣካፍለና።ወሪድኒ ኣነ ንባዕለይ ኣብ ልምምድ እየ ዘልኹ ግና ካብ በልኩም ኣቦታት ካብ ዝመሃሩኒ ከካፍለኩም ብምባል ሰድያ ስሒቡ ኮፍ በለ።
"ዲያቆን ካብ ቋንቃ ሶርያ ዘወጸ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኣገልጋሊ ማለት’ዩ። ዲያቆን እቲ ናይ መጀምርታ ዝተሓተ ናይ ክህነት ማዕረግ’ዩ። ቀንዲ ስራሑ ንካህናትን ጳጳስትን ኣብ ዝግበር መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምትሕግጋዝ’ዩ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቃል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ….................. እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። …........ ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም (ግብ6፡1-6) ከም ዝብሎ እቶም ናይ መጀመርያ ድያቆናት ብሓዋርያት ተሓርዮም። ድያቆን እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸዉን ከም ዘለዎ ከኣ ሓዋርያ ጳዉሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ ሓቢርዎ ኣሎ ”ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ” 1ይጢሞ3፡8-11። ናይ ሎሚ ዲያቆን ናይ ጽባሕ ካሃን ኢኻ እሞ እዛ ዲቁናኻ ኣጽኒዕካ ሓለዋ ሳሚ"። "ኣብ ጸሎትካ ሓግዘኒ ድያቆን ሓወይ ከምቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝደልዮ ኣገልጋሊ ቤት መቅድስ ክኸውን ወትሩ ብጸሎትካ ደገፍካ ከድልየኒ’ዩ"። ዲ.ክብሮም ንቤዛ እናጠመተ "ጸሎት ቅዱሳን። ጠፊእካዶ እንሃልካ ርኢኻ ንክህነት ምስ ቀረብካ ከኣ ንዓኻ ትኸዉን ድንግል ጓል ምስ ዝኾነ ወዲ ዘይራ ዘይትፈልጥ ካብዘን መዘምራን ሃሰስ ትብል ኣብ ምድላይ ባዕለይ ክተሓባበረካ’የ"።
ቤዛ ከምዚ ዘይተረድኣ ክትመስል ብፍላይ እታ ምስ ወዲ ዘይዞረት ትብል ቃል ሰለ ዘይተዋሐጠላ እንታይ ኢልካ ዲ.ክብሮም እንታይ ኢኻ ክትተሓባበሮ በለቶ። ሓደ ዲያቆን ዝምርዓዋ ጓል ምስ ዝኾነ ወዲ ዘይራ ወይ ተዓራሪኻ ዘይትፈልጥ ክትከዉን ኣለዋ እምበር ኣብ ፈቀድኡ ትዕንድር ዝነበረት ንዲያቆን ኣይትኸዉን’ያ በላ። ከምዚ ከማኺ ብርኽቲ ጓል እዝጊሀር ነማጻሉ በላ እናሰሓቀ። ንሓደ ሰዓት ዝኸዉን ካብ ተመክርኡ ኣብ ሕይወቱ ዘገጠሞ ፈተነ ሓደ ብሓደ ኣዕለሎም ። ዕላሎም ኣብ ኣጋ ምዉድኦም ቤዛ ሕሳብ ክትከፍል ኢላ ናብቲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ቦታ ኣምርሓት ። ገንዘብ ካብ ቦርስኣ ከተዉጽእ ሃስስ እንተበለት ዋላ ጪል ትብል ሳንቲም ኣብ ቦርስኣ ኣይረኸበትን። ንሳሚ ጸዊዓ ገንዘብ ክኽፍሎ ለመነቶ፤ ሳሚ ካብ ጅብኡ ገንዘብ ምዉጻእ ምእንታን ክጥዕሞ እታ ኣጀንዳ ኣብ ኢዱ ዘነበረት ንቤዛ ሃባ።ቤዛ ተቀቢላ ኣብ ቦርስኣ የእተወታ። ቤዛ "ሳሚ ሓወይ ንዲያቆን ክብሮም እንታይ ከምዘጋጠመ ከይትነግሮ" በለቶ። እዚ ዓይነት ተግባር ደኣ ክነግሮ ኣለኒ እምበር ጽባሕ ንግሆ እኳ ቤዛ ከፊላቶ ኢሉ ንዓኺ’ዩ ከመስግን። ምስ ከፈለ ኣታ ዲ.ክብሮም ሻሂ ክስትየኩም ኢላ ቤዛ ናብዚ ኣምጺኣትናስ ክብል ምስ ጀምረ ቤዛ ከቋርጾ ቅንጡዉ ኣበለቶ። ዲ.ክብሮም ኢሂ እሞ ጋቢዛትና እንድያ፥ ቤዛ ብሕፈረት ኣብ ጽፍራ ኪትኣቱ ደለየት ሕጂ ከኣ ጀላተ ክገዝኣልኩም ትብለና ኣላ። ይኣኽለና ሕጅስ ተበሃሂሎም ናብ ገዞም ተመልሱ። ሳሚ ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ኣጀንደኡ ሃሰስ እንተ በለ ምስ ቤዛ ከም ዝገዶፎ ዘከረ። ንቤዛ ጽባሕ ንግሆ ገዝኦም ክመጽእ ምዃኑ ብናይ ጽሑፍ መልእክቲ ሓበራ። ቤዛ ነታ መልእኽቲ ምስ ረኣየት ተሓጎሰት ኮነ ኢላ ነታ ናይ ሳሚ ኣጀንዳ ኣብ ቦርስኣ ከም ዝሓብኣታ ዘኪራ በይና ፍሽኽ በለት።
ንጽባሒቱ ንግሆ ሳሚ ናብ እንዳ ማማ ኣብርሀት ኣምርሐ። ከባቢ ሰዓት 10፡00 ቅ፡ቀ ምዃን’ዩ፡ ማማ ኣብርሀት ድሮ ቆሪሰን ዕዮ ክሽነ ኣፋሪቀንኦ መጎጎ የጸራርያ ነበራ። ሳሚ፡ ማማ ኣብርሀት ከመይ ሓዲርክን በለን። ሳሚ ውደይ ሓደርካ፡ እንታይ ድኣ በይንኽን ኣብዚ ክሸነ ቤዛ ኣይምልከታን ድዩ ናይ ክሽነ ስራሕ፧ ሓፍትኻ ልባ ኣጢፊኣ ደቂሳ ኣላ። ክልተ ግዜ ንቁርሲ ተዳሄያ ወይከ ክትስኣለይ ኣይከኣለትን። ሳሚ እናስሓቀ ወይዛ በላዒት ኣቫካዶ!  ኣቫካዶ በሊዓ በሊዓ ደኣ ከመይ ጌራ ኣንጊሃ ክትንስእ ንወላዲታ ከይትሕግሲ ክሳብ ሕጂ ደቂሳ በለን ። ቤተ-ክርስቲያን ኣንጊህና ተሳሊምና ምስ መጻና ኣብዛ ዓራት ምስ ደየበት ካን ስጥም ኢላ ኣብቲ ዓራት። ማማ ኣብርሀት እንዳስሓቃ ኣንታ ዲያቆን ወደይ እዛ ቤዛ ጓለይ እዚ ኣቫካዶ ዝብሃል ምብላዕ ካብ ትጅምር ድቃስ ንድቃስ ኮይና ተሪፋ፡ ኣብቲ ኣስመራስ ንግሆ ምስ ተንስአት ዋላ ዋላ ብጭራሹ ቀትሪ ምድቃስ ኣይትፈቱ’ያ ዝነበረት። ሳሚ "እወ እዚ ኣቫካዶ ብዙሕ ናይ ስብሒ (fat) ትሕዝቶ ስለዘለዎ ድቃስ ንድቃስ ኢዩ ዝገብረካ፡ ስለዚ መዓልታዊ ኣቨካዶ ዝበልዕ ሰብ፡ዳርጋ መዓልታዊ ገዓት ከምዝበልዕ ኢዩ በለን እናሰሓቀ፡ ብምቅጻል እዚ ሎሚ ሎምስ ቤዛ ዝብል ኣፍ ተሪፉስ ኣቨካዶ ኢለ እናጸዋዕክዋ ተዋሪደ" በለን። ማማ ኣብርሀት ወይለይ እዚ ካዝሜር ዓድናስ ስም እዛ ብርኽቲ ጓልይ ክወርስ ጀሚሩ። ወይ ሰብ ደቀይ ተካል ኣቨካዶ በላ ንሰን 'ውን ፍሽኽ ኢለን። ማማ ኣብርሀት ኣቫካዶ እቲ ዝበለጸ መግቢ’ዩ ብፍላይ ነኸምዚ ከማይ እስካቡሊ ቀንዲ መዓልታዊ መግብና’ዩ። ናይ ቤዛ ግን ሕሉፍ’ዩ ሓንሳብ ብሰላጣ ኣይትገድፍ፡ ብጽማቅ ኣይትብል ትንፋስ ከሊኣቶ ነዚ ኣቫካዶ ካብ ሚሕር ኣቫካዶ ምብዛሕ ቤዛ ጽቡቅቲ ኣቨካዶ መሲላ በዚ ምክንያት’ዩ ድማ ሽማ ካብ ኣፍና ዝሃድመና ዘሎ በለን። ማማ ኣብርሃት ምስ ቤዛ ጓለን ምቅላድ: ቤዛ ነጻ ኮይና ዘጋጠማ ነገር ምዕላል ሰለዝሕግዘን ምቅላድ ምስ ጓለን ለሚደንኦ እየን።
ሓቅኻ ዝወደይ ከምኡ ዘየብል ኣይኮነን፡ቤዛ ዩጋንድ ካብ ትመጽእ ሚዛና ወሲኻ። እዚ ኵሉ ክዕልሉ ከለው ቤዛ ኣብ ዓራታ ብኾበርታ ተሸፊና ነቲ ዝዕልልዎ ዘነብሩ ተሓዊሳቶ ነበረት። ሳሚ ኣብ መንጎ ዕላሎም ማማ አብርሀት ብሓደ ጉዳይ እየ መጼክን ከተማኽራኒ ደልየ ኔይረ በለን። ዋይ ሳሚ ወደይ ናይ ድሓን ይግበሮ፡ ናይ ደሓን ዲኻ ዝወደይⵗ ኣብቲ ክሸነ ኣትዩ ኮፍ ክብል ሓንቲ ኮፍ መበሊ ጣውላ ሃብኦ ። ናይ ደሓን’የ ማማ ኣብርሀት እ---- እ -----ኢሉ ደው በለ ። ኣብዚ እዋን ቤዛ እንታይ እዋና ካብ ዓራታ ነጢራ ምስኦም ከምዝተጸንበረት ዘገርም ኢዩ፡ ቅድሚ ሰላምታ ኢሂ ሳሚ ሓወይ ኣይድሓንካን ዲኻⵗ በለት። ሳሚ ህድእ ኢሉ ኣጆኺ ቤዛ ሓፍተይ ዋላ ሓንቲ ኣይኮንኩን ብምቅጻል እወ ማማ ኣብርሀት ከምዚ ክብለኪ ዝጸናሕኩ እዚ ናይ ሓወቦይ ወርሓዊ ምወላ ከየሰከፈኒ ኣይተረፈን ስለዚ ኣብ ጁባ ንእሽተይ ንግዲ ክፍትን ሓሲበ ኣለኹ። ሓደ ቁሩብ ገንዘብ ከተለቅሓኒ ደልየ ከመይ ይመስለክንⵗ ማማ ኣብርሀት ካብ መዓሙቅ ልበን ብምስትንፋስ ድሓን እዚ ወደይ ብዘዓባዝስ ጸገም የለን ኮፍ ኢልና ቡንና እናሰተና ንላዘበሉ በልኦ። ቤዛ ጓለይ ናዉቲ ቡን እስኪ ቀራርብለይ በልኣ ንቤዛ።ቤዛ፡ሳሚ ንጁባ ክኽየድ’የ ዝብል ኣርእስቲ ተንኪፍላ ሰለ ዘይፈልጥ ድቦላ ዝወደቃ ኮይኑ ተሰመዓ። ዘውትር ዕላሎም መንፈሳዊ ኣርእስቲ’ዩ ዝዕብልሎ። ገጽ ሳሚ ከም ቀደሙ በሪሁ ሰለ ዘይረኣየቶ ብዉሽጣ ከምዚ ሓዊ ዝተኣጎዳ ኣካላታ ተሓመሰ ። እቲ ብሩህ ገጻ ክጽምሉ ጀመረ: ንዩጋንዳ ንኽትፈትዋ ዝሓገዛ ፍጡር ወዲ ኣዳም፡ ንቤተ-ክርስቲያን ዝያዳ ንኽትጽጋዕ ዝሓገዛ ሰብ፡ ኣብ ሕይወት ዓቢ መቀይሮ ዝገብረ ሰብ ሃንደበት ካብ ጎና ክፍለ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠላን። ዩጋንዳ ብዘይ ሳሚ ኣብ ሕልንኣ ድሕሪ ምቅራጽ ኣብ ኣዒንታ ንብዓት ቋጸረት።
ቁርሲ በሊዖም ቡን እናሰተዩ ማማ ኣብርሀት ሳሚ ወደይ እዚ ዝበልካዮ ሓሳብ ጽቡቅ’ዩ የግዳስ ናይ ካናዳ መንገድኻ እናተቃረበ’ዩ፡ካልኣይ ድማ እዛ ዲቁና ሕጂ ኢኻ ወሲድካያ ከይቀደስካላ ከይወደስካላ ከይትቁጸየካ ብምባል ጉዕዝኡ ከታርፎ ስድራቤታዊ ምኽሪ ለገሳሉ። ሳሚ ወደይ እዘን ተሓተኒ ዘለኻ 300 ዶላር ንኸለቅሓኻ በቂቀ ኣይኮንኩን ንኽትተርፍ ዝደፋፍኣካ ዘለኹ፥ ንዓኻ ደኣ ካልእ እንደዩ ዝግበኣካ ዝወደይ ብሩኽ፥ ናይ ናብራ ነገር ዘሸግረካ እንተ ኾይኑ ኣብዚ ገዛና ምስና ዘይትቕመጥ ንቤዛ ከኣ ሓዊ ትኾና በልኦ። ሕሰበሉ ኣጸቢቃካ! ናይ ገንዘብ ነገር ጸገም የለን ክህበካ ይኽእል እየ ግና ጉዳይ መንፈሳዊ ትምህርትኻ ግበር’የ ዝብለካ ስራሕ ደኣ ኣብ ካናዳ ከተርክበሉ እንዲኻ በልኦ። ቤዛ ኣብ ጥቃ ማማ አብርሀት ኣብራኻ ሰይራ ተኾርምያ ኮፍ ኢላ ነቲ ማማ ኣብርሀት ተኸዲነንኦ ዝነበራ ሽፎን ሕዝ ግድፍ እናበለት ሳሚ ስመዓያ ንማሚተይ በለት። ምሳና ዘይትኸዉን አብዚ እዛ ናተይ መደቀሲ ንዓኻ ትኸዉን ኣነን ማሚተይን ከኣ ኣብታ ሓንቲ ገዛ ንድቅስ በለቶ። ሳሚ ማማ አብርሀትን ቤዛን ዘምጻሉ መኽሪ ኣይተቀበሎን። ሓሳብክን ጽቡቅ ኔይሩ ደሓን ግና ማማ ኣብርሃት እተን ገንዘብ ኣዳልዋለይ እሞ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ክብግስ ወሲነ’የ ።
ሳሚ ብግስ ክብል ከሎ ቤዛ ክተፋንዎ ወጸት ኣብ ደገ ካብ ገዝኦም ርሕቅ ምስ በሉ ሳሚ ሓወይ በጃኻ እዚ ናይ ጁባ (ደቡብ ሱዳን) ሓሳብ ግደፎ ።ናይ ካናዳ መንገዲ ድሮ ተቀራሪቡ ክፈላልየና’ዩ ባዕሉ። እዚ ዘጀመርካኒ መንፈሳዊ ጉዕዞ እባ ክፍጽሞ ሓግዘኒ፡መገሻ ዝብሃል ካብ ኣእምርኡ ከውጽኦ ተላበወቶ። ሳሚ ቤዛ ሓፋተይ ዕድመ ንምዕባለ ዓለም ብተሌፎን ቀጻሊ ክንራኸብ ኢና። ክንዲ ሰብ ኣኺለ ካብ ሰብ ሓገዝ ክሓትት ሕልናይ ፈጺሙ ኣይተቀበሎን። ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበደ ነገር ካብ ሰብ ምጽባይ’ዩ። ሳሚ ሓወይ ኵሉ ከተርክበሉ ኢኻ ካናዳ ምስ ከድካ ክትሰርሕ እንዲኻ እዘን ዘለዋ ዉሑዳት ኣዋርሕ ግና ንዕቤት መንፈሳዉነትካ ተጠቀመለን በጃኻ፥ ንመነባብሮኻ ዝኸዉን ገንዘብ ክህበካ ኣብ ካናዳ ምስ ኣተኻ ትመልሰይ። የቀንየለይ ቤዛ ሓፍተይ ጁባ ዋላ ሪኢየ'ዮ ከመጽእ’የ ካብ ሓሳበይ ኣይተቋርጽኒ በላ ።
ንጽባሒቱ ሶኑይ ድሕሪ ጉባኤ ሳሚ ምስ ጠርነፍቲ ቤት/ት ሰንበት ማለት ምስ ቢንያምን ኤፍሬምን ዲ.መርሃዊን ተራኺቡ ብዛዕባ መደባቱ ነገሮም። ንሳቶም ግና ብትሪ ተቃወምዎ፡ ዲ.መርሃዊ ግና ካብ ዝሓሰቦ መደባት ከቋርጽዎ ከም ዘይብሎም ኣጥቢቑ ተዛረቦም። ናይ ሳሚ መገሻ ንቤዛ ንምርካብ ክጥቀመሉ ይኽእል'የ ኢሉ ሰለ ዝሓሰበ’ዩ። ቢንያም ማሕበር ካባኻ ብዙሕ ነገራት’ያ ትጽበ ናይ ዲ.መርሃዊ ምፍላይ ከይኣኽለናስ፡ ናትካ ምፍላይ ድማ ንማሕበርና ኣዝዩ ክሃስያ እዩ ብሎ። ዘተኦም መዕልቦ ከይገበሩሉ ድማ ተፈላለዩ። ናይ ቢንያምን ኤፍረምን ተቃውሞ ምስ ናይ ማማ ኣብርሀትን ቤዛን ተሓዋዊስዎ ንልቡ ክርብሾ ጀመረ። ሽዑ ምሸት ናብ ዝኾነ ቦታ ከይተኣለየ ትኽ ኢሉ ናብ ገዝኡ ኣምርሐ፡ ሸውሃቱ ስለዝተዓጽወ ሓንቲ ኩባያ ጸባ ሰትዩ ናይ ድቃስ ጸሎቱ ኣብጺሑ ናብ ዓራቱ ደየበ፡እንተኾነ ግን ብዘይተረጋግአ ሓሰብ ስለዝተረበሸ ድቃስ ኣበዮ። ሞባይሉ ብምሓዝ ድማ ክጠዋዉቅ ጀመረ፡ ሞባይሉ ብናይ ቤዛ ናይ ጽሑፍ መልእኽትን፡ብናይ ተሌፎን ደወልን መሊኡ ጸንሖ። ድሕሪ መደብ ዘይኣመሉ ንቤዛ ከየፋነዋ ሓዲግዋ ንገዝኡ ከም ዝተመርቀፈ ፈጺሙ ኣይተረደኦን። ኵሉ ነገር ኣጽሊእዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ወሰነ፡መዝሙር ዳዊትን፡ምሳሌን ኣንቢቡ ናብ ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ ቀጸለ ኣብ ምዕራፍ 27፥1-2  ዘሎ ሃይለ ቃል ድማ ንሓሳቡ ዳግመ ግምት ንክገብረሉ ቀይሕ ምልክት ሃበቶ። እታ ጥቅሲ ድማ ከምዚ ትብል: "ክረብሑ ክብሉ ናብ ሓጢኣት ዝኣትዉ ብዙኅት እዮም፡ ከመይ ክህብትም ዝደሊ ዓይኑ ክዕምት ኣለዎ። ከምቲ ኣብ መንጎ ክልተ እምኒ መንደቅ ኣቕሑ ብጽኑዕ ዘተሸክለ መስቀል ኣቕሑ፡ ሓጢኣት ድማ ከምኡ ኣብ መንጎ መሸጣን ምዕዳግን ብጹኑዕ ተሸኺላ ትርከብ “።
ሰብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ቤዛ-ናቱ
ዓሰርተው ክልተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

Comments are closed.