ቤዛዊት 12 ክፋል

ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን  ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ  ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ ብግስ ክትብለ ኣቦይ ቐሺ ማዕጾ ቤተ-ክርስቲያን ክዓጽዉ ድሕሪ ምጽናሕ ናበይ ደኣ ቤዛዊት ጓለይ ምሳና እባ ክትቆርሲ  በልዋ። ኣቦይ ቀሺ ምስ ዲ.ሳሚ ቆጸራ ኣለኒ እሞ ከይድንጕዮ ፍቃድኩም እንተ ኾንይኑስ ክኸይድ ። እሞ ስራሕ ሰለ ዘለዎ’ዩ እዚ ብሩኽ ወደይ ሎሚ ዘይመጸ ደሓን በሊ ምስ ብሩኽ ወደይ እንተ ኾይኑስ  ኪዲ እግዚአብሔር የሳልጠልኩም ። ምስ ረኽብክዮ ከኣ  ኣቦይ ቀሺ ምጸኒ ኢሎሙኻ ኣለዉ በልለይ ኢኺ ሓደራ ከይትርስዒ። ቤዛ እቲ ተኸዲናቶ  ዘነበረት ነጸላ ንማማ ኣብርሀት ክሕዛላ ስለ ዝሃበተን ነዛ ቀልጢፋ ምዉጸኣ ኣሰኪፍዋ ንኣቦይ ቐሺ ቁሊሕ ኢላ ክትርእዮም ኣይከኣለትን ክሳዳ ጓዕጺጻ ንመሬት ብእግራ እናጻሕተር ደማ ሕራይ ኣቦና ክነግሮ’የ ኢላ ተሳሊማቶም  ናብ ሳሚ ተበገሰት።

ቦዳ ቦዳ( ሞተር ሳይክል) ተሰቂላ “ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነ ሓጥእ’የ እሞ መሓረኒ" እናደጋገመት ኣብ እንዳ ሳሚ በጽሐት። ሳሚ ኣብቲ ኣፍደገ ናይ ገዝኦም ኮይኑ ጸሓይ እናተጸልወ ስኑ ክምዉጽ ጸንሓ።  ቤዛ ብድሕሪኡ ተሓቢኣ እምባሕ  በለቶ። ፈጺሙ ኣብ ሓሳቡ ዘይጸንሐት ቤዛ ኣንጊሃ ናብ ቤቱ ምምጽኣ ዝገረሞ ሳሚ "እንታይ ደኣ ንግሆ ምድሪ ናብ ገዛዉትና ዘምጽእ ረኺብኪ" ቀቲሩ እንድዩ ሕጂ ደኣ ኣበይ ሓዲርካ ክሳብ ሒጂ ደቃሲ፡  ድያቆንን ደቃስን ኣበይ ዓዲ ተራእ’ዩ። ክገርመኪ ቤተ-ክርስቲያን ክመጽእ ሰዓት 5 ተሲአ ግና ደሓን ቁሩብ ጽንሕ ኢለ  ክኸይድ’የ ቁሩብ ክድቅስ ክሳብ ዝወግሕ ምስ በልኩ  እንታይ ከም ዝሓዘኒ ኣይፈልጥን  ገለ ጸቂጡኒ ብኡ ጌረ ደቂሰ። ገዛ እተዊ ቁርሲ በሓባር ንቆርስ ። እንታይ ከተቁርሰኒ ሳሚ ዳኣ ? ፉል መሰላሕ ናይ ሱሉጣት ቀልጢፈ ጣዕ ጣዕ ክብላ’የ  ወይ ኣቮካዶ  ። ይትረፈኒ ፉልሲ ድቃስ ንድቃድ ክገብረኒ’ዩ ክዳንካ ቀይር እሞ ንዓናን ኣብ ሓደ ቦታ ኣካይደኒ ባዕለይ ከቁርሰካ’የ ። ሎሚ ኣነ ዝሰራሕክዋ ኢኺ ትቆርሲ ? ከም ዘቁረስካኒ ሓሲበዮ  ኣለኹ  ሳሚ ሓወይ  ካልእ መዓልቲ ተቑርሰኒ ፡ ንእግረ መገድና  ኣብ ናንዶስ (ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ  ቤት-ቁርሲ  ኣብ ካምፓላ) ከቁርሰካ 'የ ።

ከም ናይ በቀዳማይ ከየጋጥመኪ ባዕለይ ክኸፍሎ ኢልኪ ክሳራ ንኽሳራ ከይትገብርኒ ጁባኺ ፈትሺ ኣብዚኣ እናረኣኹኪ። ከጥፍኣካየ ንዓኻስ ኢላ ሕቁኡ ክትሃርሞ ኢዳ ወስ ምስ ኣበለት ካብ ጥቅኣ ኣምለጠ ሓንቲ ቀዳድ ረኺብካለይሲ ዓመት ዘየብልዕ ዓመት የዛርብ እምበር ጌርካያ ገንዘብካ ክህበካ’የ ድሕሪ ሕጂ ግና እዛ ዘረባ ከይተልዕላ  ።ነቲ ልዳት ናይ  ማዕፆ ናይ ገዝኦም ተጎዝጔዙ, ታሪኽ እንዲኺ ሰሪሕኪ ቤዛ ከመይ ጌረ ክርስዖ  በላ  እናሰሓቀ  ጽቡቅ ቱታ ከኣ ናይ መዓስ ደኣያ  ርኢናዮ ዘይንፈልጥ። ንዒ በሊ እተዊ  ዋላ ምቁራስ እንተ ኣበኽስ ገዛና ትርእዮ ። ኣታ ሳሚ ሓወይ ሰብ ደቂሱ ከይህሉ ደሓን ካልእ መዓልቲ ይርእዮ ። ሰብ የለን በዓል መስፍን ኩዕሶ ክጻወቱ ኣንጊሆም ወጽዮም ኢዮም  ገዛና ከኣባ  በረኸትኪ ክካፈል ። ሎሚ ኣብ ቤተ- ክርስቲያን ዝተነበበ ወንጌል ፡ትኣምረ ማርያም ፡ ድርሳነ ሚካኤል ፡ ስንክሳር ኣባኺ ሓዲሩ ሰለ ዘሎስ ካብዚ በረኸት ከተቋድስና ንዒ እተዊ በጃኺ ። ቅዱስ ሓመድ ናይ ቤተ-ክርስቲያን   ዝረገጻ ኣእጋርኪ እባ  ጸበል  ክትነግፍልና ምስ በላ  ክትኣቱ ተሰማምዓት። እትዉ ምስ በለት ኣብ  ፊታ ዓቢ ስእሊ ናይ ጐይታንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ረኣየት። ኣብ ጎኑ ከኣ ወላዲተ ኣምላክ ምስ ፍቁር ወዳ ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ደማ “ እቲ ንጽዮን ዝፈትዋ ኣይክደክምን ተጻሒፍዎ ነበረ። ቤዛ ንኩሉ እቲ ጥቅሲ ኣብ ገዛ ተሰቂሉ ዝነበረ ከተንብብ “  ዓቅሊ ኣብ ሕይወትና  ብቕልጡፍ  ምስ ዝዓቢ  እዚ መርኣያ ብሱውር ዝዕደለና ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝተኻሓስና ዘመልክት’ዩ ። ሓይሊ ዓቅሊ እቲ ካብቲ ኣብ ልብና ዝምንጩ ዘሕጉሰ ሓሳባት ይበልጽ” (ሶርያዊ ቅዱስ ኢሳቅ )ትብል ምስ ረኣየት ደጋጊማ ኣንበበታ ። ሳሚ ሓወይ እዛ ጥቅሲ ፈቴያ ኣለኹ ካበይ ረኺብካያ ሃበኒ እባ ንዓኻ ካልእ ትገዝእ በለቶ። ኣቲ ንስኽስ  ፍልይቲ ኢኺ  ገዛኹም ኣይኣቱን’የ  ክትብሊ ከም ዘይጸናሕክስ  ደቂቅ ከይገበርኪ ሃበኒ ምባል በጺሕኪ፡ ክዳነይ ክቕይር እየ ምስ ተመለሱ ክንዘራረቡሉ ኢና ። ክዳኑ ቀይሩ ክሳብ ዝመጽእ ነቶም ኣብ ገዝኡ ዝነበሩ ተንጠልጢሎም ዘነብሩ  ጥቅስታት  ሓደ ብሓደ ደጋጊማ ኣንበበቶም ። ገዛኹም ደኣ   ክንደይ ክፍተወካ’ዩ  ሳሚ ሓወይ ፡እሞ እዛ ጥቅሲ ሃበኒ ክማልኣ ምሳይ ። ካልኣይ ግዜ ገዛና ምስ ትምለሲ ክህበኪ’የ። እታ ዝፈትዋ ጥቅሲ ኢኺ ከኣ ክትወስድያ ደሊኺ ። ንኺድ በሊ ቅልጥፍ ኢልና ክገርመኪ  ገዛና መጺኽኒ  ኮንኪ እምበር ምስዚ ናብ ጁባ መገሻ ዝሓስቦ ዘለኹ  ላዕልን ታሕትን ክብል ድርጋ ግዜ  ዝበሃል የብለይን ቤዛ፡  ሳሚ ብሃታ ሃታ ክብገስ  ማሊኡ ከም  ዝገምጠሎ ርእያ ስሓቀት  ሳሚ ማልያኻ ተገምጢሉ ኣሎ በለቶ ።  ብውሽጣ ግና ብጣዕሚ ሓዘነት ፡  ሰላምታይ ሳሚ ኣብ ዝኾነ ስርሑ ሃዲኡ ሓሲቡ ረጊኡ እንተዘይ ኮይኑ ብታህዋኽ ኽዓይይ ርእያ  ሰለ ዘይትፈልጥ።

ታኽሲ ተሰቒሎም  ኣብ ከባቢ  ናንዶስ በጽሑ። ቅድም ንቁረስ  እሞ ድሕሪ ቁርሲ ነርክበሉ ኢና ጉዳይ ናተይ ሳሚ  ። ካብ በልክስ ሕራይ እንታይ ኢኺ እሞ ከተቁርስና ሓተተ ሳሚ። ድላይካ  ኣነ ከም ናይ ቀደመይ ካፒቺኖ  ምስ ዶናት ክቆርስ’የ በለት ። ፋዱስ ክኸውን ስለ ዝቀረበ ሓደ ኣፊቱ ጽቡቅ ጌርና ዘይንበልዕ ፒሳ ክእዝዝ ፍቃድኪ ድዪ  ኣብ ክሳራ ይእቲኻኒ ከይትብሊ ጽባሕ ንግሆ ከኣ ምስታ ዝፈትዋ ኣደይ ማማ ኣብርሀት ከይተባእስኒ ። ወሪድዋ ማማየይ ክሳብ ክንድኡ ኣይትቋጻጸረንን’ያ  መውረዲኸ እንታይ ኢኻ  ትሰቲ ⵗ  ኮካ ክሰትየ ካብ መዓስ ደኣ ኮካ ትሰቲ ንጥዕናኻ ጹብቅ ኣይኮነንዶ ትብለኒ ኣይነብረካን   ። ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ኣይብለካን’ዩ ቤዛ ሓፍተይ። ሕራይ በል ካብ በልካስ ። ቤዛ ስራሕ ዝበሃል ኣይነበራን ቀንዲ ዕላምኣ ንሳሚ ከትህድኦን ስለምንታይ ሃንደብት ናብ ጁባ ክኸይድ ምዉሳኑ ክትፈልጥ ስለ ዝደለየትን’ያ ንኸተማ ሒዛቶ ዝወጸት። ሎምስ ሕቶን መልስን ካብ ዘይንጻወት ብዙሕ ጌርና ክሳብ ዝኣዘዝናዮ ዝመጸና  ሕቶን መልስን ንጻወት  ። ሳሚ ዝኾነ ክትሓቶ ዝደለየት ነገር ዘሎ ኮይኑ ሰለ ዝተሰመዖ ንሕቶኣ ንምርሳዕ ሎሚ ኣነ’የ ቀዳማይ ዝሓትት ። ጸገም የለን ሕተትኒ  በለት ቤዛ ። 1ይ ሕቶይ ኣብ ሕይወትኪ ዘሕጉሰኪ ነገር እንታይ እዩⵗ

ምስ ስድራቤትካ ትሕልፎ ግዜ ከምኡ  ድማ ምስ መሓዙትካ ሓቢርካ ተሕልፎ እዋናት ብጣዕሚ  ባህ የበልኒ። ሰብ ክሕጎስ እንተ ርእየ ብጣዕሚ ይሕጎስ።  ጹቡቅ ምኽዳን ኣሕምልቲ መምጋብ ብጣዕሚ ይሕጉሰኒ ። ግዜይ ብግቡእ ዉጽኢታዊ ስራሕ እንተ ኣፍርየሉ ብፍላይ ብጣዕሚ ደስ የብለኒ ። ምንባብ መጻሓፍቲ ብፍላይ ከኣ ብጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተደርሰ ኣብ ሓቀኛ  ዛንታ ዝተመርኮሰ ታሪኽ ደስ የብለኒ   ከምኡዉን  ግጥሚ ምንባብ ብጣዕሚ ባህ የብለኒ ።

ካልኣይቲ ሕቶ ኣብ ሕይወትኪ  ተድንቅዮም ሰባት በዓልም መን’ዮምⵗ ሰለምንታይ ከ ተድንቅዮም ⵗ ኣብ ሕይወት ዝድንቆም ሰባት ብዙሓት’ዩም ። ቀንዲ ግና ንኣደይ ብጣዕሚ’የ ዘድንቃ። ኣደይ ንዓይ ንግስተ’ያ  መኽዘን ምኽረ’ያ። መዓልታዊ ዘንብባ መጽሓፈይ ኣደያ። ቅድሚ ኹሉ ነገር ንዓይ ብቀዳምነት ትሰርዓኒ ምኽሪ ምስ ዝደሊ ብቀዳምነት ናብ ኣደየ ዘምርሕ። ካብ ኣደይ ወጻኢ ከኣ ጸላም ኣሜርካዊት ማያ ኣንጀሎ ትበሃል ደራሲትን ሃያሲትን ፡ ብጣዕሚ የድንቃ።ኣብ ግዜ ንእስነታ  ዘጋጥማ  ዘነበረ ማእለያ ዘይብሉ ሽግራትን ግድላትን ሰጊራ ዕላምኣ ክትሃርም ምኽኣላ ዘዉዲ ዓወት ክትጭብጥ ብጣዕሚ የድንቃ።

3ይ ትጸልእዮ ነገር ⵗ ወለሐደ ነገር ኣይጸልእን’የ። ዋላ ካብ እንስሳታት ወይ መግቢ  ⵗ ካብ እንስሳታት ኣንጭዋ ብጣዕሚ’የ ዝጸልእ ካብ ኣሕምልቲ ከኣ ኮሚደረ ኣይፈቱን’የ። ብብዝሒ ሽሮ ምምጋብዉን ደስ ኣይብለንን’ዩ።

4ይ ትፈትዉያ ጥቅሲⵗ ማለት ቀጻሊ ኣብ ሓንጎልኪ ተመላለሰኪ ጥቕሲⵗ ብዙኃ ጥቅሲ  ይዝክር  ብፍላይ ግና መዝ120፡1” ብጸበባይ ናብ እግዚአብሔር  ኣእወኹ፡ ንሱዉን መለሰለይ” ። ንእግዚአብሔር ኣብ ግዜ ፈተናይ ምስ ዝጽዉዖ እቲ ዘጋጥመኒ ጸገማት ብሰላም ካብ ሕይወተይ ሰለ ዝርሕቀለይ እዛ ጥቅሲ የፈትዋ። ከሙኡውን “ናብ ክርስቶስ ጸሎት ተባሂላ ትስመ ሓጻር ጸሎት “ ኦ ጐይታ ኢየስሱ ክርስቶስ ኣነ ሓጥያተኛ’የ እሞ መሓረኒ “’ ግድነት መዓልታዊ ይደጋግማ ።

ይኣኽለካ ሐጂ ከኣ ታራ’ዩ ኣነ ክሓተካ’የ ንስኻ ትምልስ ። ሓንቲ ናይ መወዳእታ  ክሓተኪ እሞ ድሕሪ’ኡ ትሓትኒ።  ሕራይ ብምባል ቤዛ ተሰማምዐት። ኣብ ሕይወትኪ ዘጣዕሰኪ ነገር ወይ ዝሕዝነኪ ነገር እንታይ’ዩ መዓስ ከⵗ እሱ ደኣ ምሽ ነጊረካ ቅድሚ ሕጂ ። ኣብ ዘይእዋኑ ግዜ ምስ ዘይመስለኒ ሰብ ኣብ ፍቅሪ ዓለም ዝበሃል ምእታወይ። ብቀሊል ነገር ተታሊለ ኣብ ዘይደልዮ ዓዘቅቲ ኣትየ ናይ ትምህርቲ ግዜይ ብኸንቱ ምጥፍአይ ብጣዕሚ የጣዕሰኒ። ከምዚ ኢላ ክትዛረብ ከላ ዓይና ንብዓት ሰረበ ፡እቲ ዝኸፍአ ነገር  በቐዳማይ ዲ.ክብሮም ዓርኪ ዝሓዘት ምስ ድያቆን ክትዋሰብ ኣይትኽእል’ያ ምስ በላ ብጣዕሚ ልበይ ተሓሪዱ ። ሕልሚ ናይ ማማ ከም ትኪ ክበንን ተራእዩኒ ። ይገርመካ’ዩ ሓደ ሓደ ግዜ  ኣብ ጉዕዞ ሕይወትካ ትገብሮም ንኣሽቱ ጌጋታት ንመጻኢ መደባትካ ሃደሽ የብልዎ።

ሳሚ  ንቤዛ ኣብ ዘይሓሶቦ ሕማቅ ትዝታ ሰለዘእተዋ ሕማቅ ተሰምዖ። ትዛረቦ ዝነበረት ኣርእስቲ ንምቅያር ቤዛ  ሕጂ ከኣ ናትኪ  ተራ’ዩ ድሌትኪ ሕተትኒ። ሕራይ በለት  ቤዛ ፡ ሳሚ ሓወይ ጸሎት  እሞ ግበረልና እናበላዕና ክሓተካ’የ።

ትፈትዋ ጥቅሲ  ነገረኒ ? ሳሚ “ ንምስማዕ ቅልጡፍት ንምዝራብ ግና ደንጉዩ ” ትብል ናይ ሓዋርያ ያዕቆብ  መልእኽቲ ብጣዕሚ’የ ዝፈትዋ እዛ ጥቅሲ። ነዛ ጥቅሲ ክዝክር ከለኹ ካብ ቃላት  ሰባት ክመሃር ቀጻሊ ይብህግ ብፍላይ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ኣቦታት ወይ ኣዴታት ምስ ዘጓኑፉኒ  ታሪኽ ሕይወቶም ክሰምዕ ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዘብለኒ። ብፍላይ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስንክሳር ፡ ድርሳናት ፡ ኣዋልደ መጽሓፍት ኣንቢቦም ክገልጽዎ  ከለዉ ካብ ጎኖም ተፈለ ኣይመጸንን።

ሕራይ ትጸልኦ ነገር ⵗ ብዙሕ ነገር ይጸልእ። እቲ ቀንዲ ነገር ዘጽልኣኒ ግና ምስ ሰብ ምብኣስ ወይ ምጽላእ  ፈጺምካ ኣይፈቱን’የ። ከም ባእስን ቆዮቋን ዘጽልኣኒ ነገር ኣብ ዓለም የለን። ቆየቋ ብፍላይ ዓቅለይ’ዩ ዝጽብበለይ። ዝኾነ ሰብ ብቁጥዓ ናይ ሕርቃን  ቃላት ካብ ኣፉ ከዉጽእ ምስ ዝጅምር ብቐልጡፍ ዉሽጣዊ ሰላመይ ክርበሽ ይጅምር ። ምስ ዝኾነ ሰብ ተባኢስካ ኣይትፈልጥ ኢኻ ማለት ደዩ ሓተተት ቤዛ ⵗ ክገርመኪ እንትርፎ ተሓራሪቂ እምበር ተባኢሰ ኣይፈልጥን’የ። ኣደይ እንታይ ትብለኒ መስለኪ  ቆልዓ ከለኹ ደቂ ካንሾለና እታ ዝፈትዋ መጻወቲት እንተ ኣሕዲጎሙኒ ከም ቆልዓ ኣይበክን’የ ኔረ ። ኣደይ መጻወቲኻ ኣበይ ኣላ ምስ ትብለኒ ተሰይራ ጉሒፈያ ይብላ ኔረ ። ንኣደይ  ምስ ዝኾነ ጎረቤትና ክትበኣስ ኣይደሊያን’የ ኔረ።

3 ተድንቆ ሰብ? ኣነ ዝድንቆም ቅዱሳን ኣቦታትናዮም ። ብፍላይ ዓለም ንዓታቶም ዘይትበቅዕ ኮይና ኣብ በረኻታትን ኣብ ምድረበዳን ዝቅመጡ ኣቦታት መግለጺ’የ ዝስእነሎም ። ንሳቶም ዝሰርሕዎ  ቤተ-ክርስቲያናት ክርኢ ከለኹ በጣዕሚ ይግረም። ብዓቅሚ ሰብ ክለዓል  ዘይከኣል ዓንድታት ንደመና ከም ባቡር ወይ ነፋሪት ተጠቂሞም ካብዝን ናብዝን ከጓዓዙ ምኽኣሎም የደንጽወኒ ። ንጸሎት ዘይተኣደነ ዓመታት ክቆሙ ፡ ንዓመታት ንኣዋርሕ ብዘይ ማይን መግብን ብጾምን ጸሎትን ነቂሖም ምስ ፈጣሪኡም ክራኸቡ ከለዉ ብጣዕሚ ይድነቅ።

ቤዛ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝበልካኒ መሲሉኒ እየ እምበር ዋላ ኣነ ቅዱሳን ኣቦታተይን ኣዴታተይን እምነቶም ቀንዲ ዘድንቆም ደቂ ኣዳም’ዮም ። ሕቶታተይ ምስ ወዳእኩ ንዓይ ደጊምካ ትሓተኒ ኢኻ ሳሚ ።

ኣብ ሕይወትካ ዝሕፍር ነገር ዝገበርካዮ ⵗ ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ሓድነት ይመሃር ኔይረ።ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ሓለዋት ወይ ፎፎል ክንገዝእ  ምስ ሮቤል ሽሙ ዓርከይ ተሓቛቔፍና ኢና ንኸይድ ። ሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዚንጎ ናይ ቤት-ንብባ (ላይብረሪ)  እናጠመትኩ ከለኹ ሮቤል ናይ ዕርፍቲ ሰዓት ከይኣክል ስለ ዝፈርሐ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሉ ሓዲጉኒ ይኸይድ ኣነ ከኣ ምሳይ ዘሎ መሲልኒ ንላዕሊ እናጠመትኩ ንሓንቲ በቲ ጥቃይ ትሓልፍ ዝነበረት ጓል ክፍልና (ክላስና)  ምጽላል ትበሃል ሓቂፈያ  እናተዛረብኩ ይኸይድ ። ምጽላል ኣብ ክላስና ካብተን ዘይሓፍራ ጸወታን ቀልድን ዝፈትዋ ዝነበራ ኣዋልድ’ያ ።  ሓደ ደቂቅ ዝኸዉን እናተዛረብኩ ይኸይድ  እሞ ንሳ ከኣ ሱቅ ኢላ ዕላለይ ትሰምዕ ኣብ መንጎ ቁሊሕ እንተ በልኩ ምጽላል ምዃና ፈሊጠ ብሕፍረት ተዋሒጠ ኣብ ዝኣትዎ ጨነቁኒ ። ኣብ ክፍልና መስሓቂ ሰብ ከም ትገብረኒ ስለ ዝፈለጥኩ ቦርሳይ ተሰኪመ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ናብ ገዛይ ከይደ። ቤዛ ሰሓቅ ክርትም በለት።

ኣብ ሕይወትካ ፈጺምካ  ዘይትርስዖ ነገር ⵗ ዘርይስዖ ነገር ናይ ኣብ ማሕበርና ዝነበረ መንፈሳዊ  ሕይወት’ዩ ። ብፍላይ ከኣ ጽባሕ ኣዉድኣመት ንገብሮ ዝነበርና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ፈጺመ ኣይርስዖን። በዓል ሰላም፡ሓና፡ናጽነት፡ ጸጋ ዝመሃራኒ ተግባራዊ መንፈሳዊ ጉዕዞ ፈጺመ ኣይርስዖን። እንታይ ንገብር ኔርና መስለኪ ቅድሚ ኣዉድኣመት ምእካሉ  ፈቀዶ ገዛ እናዞርና  ንኣዴታት ሓሩጭ ሃባና ንብል ንሰብኡት ገንዘባዊ ሓገዝ ከበርክቱ ንሓቶም ። ዝተዋጽአ ሓሩጭ ክልተ ሰለስተ መሶብ እንጀራ  ይስንክትኦ ንሕና ከኣ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ በጊዕ ወይ ጤል ገዚእና ሓሪድና ንህበን እሞ ጸብሒ ይሰርሕኦ። ኵሉ ነገር ምስ ተዳለዉ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኬድና እቲ ዝተዳለወ መግቢ ነቶም እሱራት ንህቦም። ኣብቶም እሱራት ዝርአ ሓጎስን ባህታን ፈጺምካ መግለጺ የብሉን። ኣብቲ እስርቤት “ ናይ ደናግል መመክሒና ናይ ነብያት ገዳም ኣዉድ ኣመትና ባርክልና ድንግል ማርያም “ ንዝምር  ምስቶም እሱራት ኮንና ብሓባር ጸሎት ነብጽሕ። ክገርመኪ ኣብ ኣስመራ ዘለዋ እስርቤት ዳርጋ ኩለን በጺሐየንየ።  ንጽባሒቱ ከኣ ካሪመለ ብሽኮትን ሒዝና ናብ ሓሊበት ንኸይድ ነቶም ሕሙማት ርሑስ ኣዉድኣመት ንብሎም። ስድራቤት ዘይብሎም ሕሙማት እንተ ረኺብና ከኣ ባዕልና ብብተራ እናተመላለስና ምሳሕ ነብጽሓሎም ብዓቅምና ከኣ  ክንኣልዮም ንፍትን። ብፍላይ ወይኒ ትበሃል ጓል ማሕበርና  ፍሉይ ዓይነት ጸጋ’ዩ ኔርዋ ቀዳም ቀዳም ሓሊበት ሆስፒታል  ቀጻሊ እናከደት ቤተ ሰብ  ዘይብሎም ሰባት ትሕግዞም ኔራ ። ዳኒኤል ዓርከይ ከኣ  ምስ ሃና ናብ ቤት ማእሰርቲ እናኸዱ ነቶም ዝተኣስሩ ሰባት የጸናንዕዎም ኔይርም። እዚ ሕይወት ፈጺመ ኣይርስዖን’የ። ሳሚ ሓወይ ብጣዕሚ ቀኒአ ኣብ ኣስመራ ክፈልጠካ ኔሩኒ።

ዕላል ኣብዚሕና መስለኒ ናብ ጉዳይና’ዶ ንኺድ በለ ሳሚ ። ቤዛ ፡ ሳሚ ከም ዝተረጋግአ ምስ ኣረጋገጸት ዋላ ሓንቲ ጉዳይ ከም ዘይብላ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክትረኽቦ ዝደለየት ሃንደበት ናብ ጁባ ክገይሽ ምዉሳኑ ሕማቅ ሰለ ዝተሰመምዓ ምዃኑ ሓበረቶ።  ንሓደ ሰዓት ዝኸዉን ብዛዕባ መገሽኡ ተዛራረቡ ሳሚ ግና ዉሳንኡ ክቅይር ኣይከኣለን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክብገስ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋገጸላ። ኣቦይ ቐሺ ተሌፎን ደዉለልይ ኢሎሙዃ ኔሮም እሞ  ካብ ትድውለሎም  ብኣካል ርኸቦም ንዓይ ከኣ ተፋንወኒ ንእግሪ መገድኻ ምስ በለት ቤዛ ሕራይ ብምባል ብሓባር ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣምርሑ።

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ-ናቱ

ዓሰርተው ሰለስተ ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

 

Comments are closed.