ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት ወዲ ቐሺ ኢየ፡ ወዲ ሊቀ ሊቃውንት። ኣቦይ ዕድመ ልክዑ ቃለ እግዚአብሔር ክምህር’ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ። ወዲ ሰብ ክልተ ምርጫ ኣለዎ ፡እቲ ሓደ ንፈጣሪኡ እናመሰለ ዘወዲ ናይ ሰማይ ርስቲ ዘይበሊ ምዉራስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ነቲ ገዛኢ እከይ ዝኾነ ድያብሎስ ምግልጋል እዩ። በቲ ሁዱእ ቃሉ ደቀይ ሓደራኹም ነቲ ካባኹም ረብሓ ምስ ደለበ ኣብ […]
ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ቃል ኣምላኽ ክመሃር፡ መዝሙር ክሰምዕ ፍሉይ ባህታ ይፍጠረለይ ኴኖዚ ግና ነቲ ዘተመሃርክዎ ከስተማቅሮን ከስተንትኖን ተለኽ ክብል ከለኹ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍቅሪ ኣብ ልበይ ፈኸም ይብል።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣንጊሀ ተንሲአ “እንተዘይ ረዲእኻኒ ንበይነይ’የ ኣማንኤል ጐይታይ “ ትብል መዝሙር ወሊዓ ፡ ጮቕጮቕ ዝብል ድምጺ ጨራሩ እና ሰማዕኩ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸሓይ የስተማቅረሉ […]
" እቲ ንህድኣት ዘፍቅር ንኣምላኽ ቀረባ'ዩ ንሱ ምስ ኣምላኹ ብምስጢር ይራኸብ ኣምላኽ ከኣ ንልቡ የብርሃሉ። ክርስቶስ ንጴላጦስ ብህደኣት ኣሕፈሮ ደቂ ሰባት ምስ ዝህደኡ ንትዕቢት ጃህራን ብቀሊሉ ይስዕርዎ"(የሐንስ ኣፈወርቅ) ትብል ጥቕሲ እናኣንበበት ኣብ መዓሙቅ ሓሳባት ተዋሕጠት ። ብፍላይ ምስ ሳሚ ዘለዋ ርክብ ብሽፋን ርእሰ መትላል ከይከደነት ብቅንዕና ምስ ነብሳ ክትላዘብ ጀመረት። ክሳብ መዓስ ንነብሰይ ዘታልላ ሎሚ […]
ቤዛዊት 16 ክፋል ቤዛ ኣብ ገዛ ኮይና መዝሙር ክትላምድ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንታይ ዓይነት መዝሙር ንድራማ ከም ትመርጽ ስለ ዝጸገማ ኣብ መዝሙር ምምራጽ ክሕግዛ ናብ ሳሚ ደወለት እሞ ሳሚ ትቅብል ኣቢሉ ቤዛ ሥራሕ ጽዒቅኒ ስለ ዘሎ ናይ ምሽት ወይ ከኣ ጽባሕ ክድውል’የ ብምባል ይዓጽዋ።ቤዛ መልሲ ናይ ሳሚ ባህ ኣይበላን ።ሳሚ ዋላ’ኳ መዓልታዊ ኣይድዉለላ እቲ ዘልመዳ […]
ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቀም ናብ ናኩላቢ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ከደት። ፈይስቡክ ምስ ከፈተት 8 መልእኽትታት ጸንሐ። ነቲ መልእኽቲ ሓደ ብሓደ ከተንብብ ምስ ጸንሐት ናይ ሳሚ ስፍሕ ዘበለ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተረዲኣ ኣብ መወዳእታ ከተንብቦ ናብቲ ካልእ መልእኽትታት ሰገረት። ነቶም መልእኽታት ዝሰደዱላ ሰባት መልሲ ድሕሪ ምሃባ ኣብ መዋዳእታ ናብ ናይ ሳሚ መልእኽቲ ተመልሰት። “ሰላም ቤዛ ሓፍተይ። […]
ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ […]
ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን) ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ ማእከል ከተማ ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ […]
ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ […]
ዲ.ክብሮም "እንታይ ደኣ ኣሽኪዕካና ምሳ ማማ ኣብረሀት ኣለኹ እናበልካ ካን በቃ ምስ ቤዛ ትዛወር ኣለኻ። ክገርመካ ኣነ እኳ ጠርጢረካ ኔይረ። ግና ሓዲኡ ዘይተፍሉጡና ኢኹም እዚ ምቅርራብኩም ምዓልቦ ዘይትገብሩሉ። ንስኹም መዓረፈኩም ንሕና ከኣ ካብ ሕሜታ ምተኣለና። ስለዚ በጃኹም ሒዲኡ ግበሩ እሞ ንሕና ንሕጎስ ንስኹም ከኣ ትቀስኑ"። ሳሚ "ዲያቆነይ ምስ ሓፍትኻ’ዶ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ፧ ግዜ እንተ ኣለካ […]
ሳሚ ናይ ዲቁና ማዕርግ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ተቀበለ። ቤዛ "ናይ ዲቁና ማዕረግ ምስ ተቀበልካ መንፈሳዊ ማዕረግካ ንምኽባር ሻሂ ከስትየካ" ኢላ መብጽዓ ኣትየትሉ ሰለ ዘነበረት ቤዛ ንሳሚ ናብቲ ኣብ ጋርደን ሲቲ ዝርከብ ዝበለጸ እንዳ ሙቁር ሕብስቲ ወሰደቶ። ሳሚ ዓይኒ መድሪ ክጥቀም ሰለ ዝደለየ ቤዛ ደስ ዝበለኪ ንኽልቴና ኣዚዚ ኢልዋ ሽንት ቤት ከደ፡ እታ ሒዝዋ ዘነበረ […]
- 1
- 2