ሰሙነ ሕማማት ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት […]
ዕለተ ሰኑይ ነግህ ዲያቆን ደወል እንዳወለ ሠለስተ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ይዞራ። ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም አንቀጸ ብርሃን ፣መዝሙረ ዳዊት 150 ተዓዲሉ ይንበብ። ድሕሪኡ እቲ መምህር (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ የዝይም። ናይ ሎሚ ሰኑይ ብየማን ዘሎ መምህር እንተ መሪሑ ሰሉስ ከኣ ብጸጋም ዘሎ ይመርሕ። ከምዚ እንዳተዘዋወረ ከኣ ይቅጽል። ናይ ዕለት ድጓ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣመላሊሶም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ በእንተ ጸላኢ። መዝ.8- 2። ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ.8-2። ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31። ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ እብ.9፣11-ፍጻሜ 1ይጴጥ.4፣1-12 ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። "ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፣ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር (መዝ112፡7) እዞም ጻድቅ ኣቦ ምስ እኒ ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ ካብ ዝነበሩ ተመሃሮን ኣርድእትን ሓደ ኮይኖም፡ ብቅዓቶም ተመስኪሩሎም ብባርኾት ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንዑስ ዞባ ዓረዛ (ብወገን ሰሜን ሩባ ዑበል) ንዝርከብ ገዳም ወግረ ስኂን ዝመሥረቱ ቅዱስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ። ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው። መዝ.16፣3። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.17-3። ወንጌል ዮሓ.3፣1-10። ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ ሮሜ.7፣1-19 1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ […]
ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ ኣብ ብዙሕ ክሾመካየ ።” እዚ ማለት ኣብ ምድራዊ ዓለም ብነገራት ኩሉ እሙን እንተኾንካ ኣብ ሰማያት ክሸመካ እየ ማለት እዩ። ኣብዚ ዓለም እሙን ኮንካ ምርካብ ማለት ሽልማት ኣብ ዘልዓለምዊ ሕይወት ክሸመካ እየ። ማለት እዩ። እዚ መምርሒ ብብዙሕ ባእታት ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 20 መጋቢት መጽሐፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፡ መበል 57 ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ኣባ ሚካኤል ዘዕረፉሉ ዕለት እዩ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ከተንሥኦ ዝመጻሉ ዕለት እዩ፡ ቅድስትን ብርኽትን ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ዘዕረፈትሉ ዕለት እዩ። - ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣባ ዮሓንስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ። መኑ ውእቱ ገብርኄር ። ምስባክ ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። መዝ.39፣8 ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ. 40-8። ማቴዎስ 25፣14-31። ግ.ሓዋ.1፣6-9 2ይጢሞ.2፣1-16 1ይጴጥ.5፣1-12 ቅዳሴ. […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት። ምስባክ እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ። መዝ.49-3 ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። መዝ.50፣3። ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣ ግ.ሓ.24፣1-22 1ይተሰ.4፣13 2ይጴጥ.3፣7-15። ቅዳሴ አትናቴዎስ ሓሙሻይ ሰሙን ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ ደብረ ዘይት […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። በዚ ዕለት ናይ ጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር መስቀል ኣብ መስከረም ዕለት ፲፯/17 ተጀሚሩ ከም ሎሚ ዕለት ፲ መጋቢት ዝተረኽበሉ ዕለት እዩ። ነዚ ዕለት ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ካብተን ናይ ጐይታ ትሸዓተ ንኡሳን በዓላት መዲቦምዎ እዮም። በዚ ድማ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ማህሌት ዝበሃል ኣብ ናይ ቅዱስ ያሬድ […]