ደብረ ዘይት

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረዘይት። ምስባክ እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ። ትርጉም ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። መዝ.49-3 (50፣3)                        ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣     ግ.ሓ.24፣1-22    1ይተሰ.4፣13     2ይጴጥ.3፣7-15። ቅዳሴ አትናቴዎስ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሓሙሸይትን ኣብ ፍርቂ ዓብይ ጾም እትርከብ ሰንበትን ምስኡ ዘሎ ሰሞንን ደብረዘይት ተባሂላ ትፍለጥ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝግባእ ከነኽብራን ካብ በረኸታ ሱታፌ ክህልወናን ቅዱስፈቓዱ ይኹነልና።  እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙርጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፥ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከምዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያትክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ከምዚ ይብል፦ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰኢየኃልፍ” (ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹምተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።) በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘከርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ፳፬፥፩- ፍ (24፥1-ፍ)፥ ማር ፲፫፥፩-ፍ (13፥1-ፍ) ፥ሉቃ ፲፬፥፭-ፍ (14፥5-ፍ)  ደብረ ዘይት ብሸነኽ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። ብግእዛዊ ልሳን ትርጉም ስያሚኡ ድማ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝመልኦ ጎቦማለት እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣብዚ ደብርን ኣብ እግሩን እተፈጸሙ ዓበይቲ ታሪኻት ኣዝዮም ብዙኃትእዮም። ጐይታ’ውን ቀጻሊ ኣብ ደብረ ዘይት ተረኺቡ ይምህር ድማ ነበረ። “መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ።” ይብል (ሉቃ ፳፩፥፴፯/21፥37) ከምኡ’ውን ነገረ ምጽኣቱዝመሃረሉን ክዓርግ ከሎ’ውን ዕርገቱ ዝተፈጸመሉን ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ። (ግብረ ሓዋ ፩፥፲፪/1-12) ጐይታ ክመጽእ ከሎ ከምቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ከምዝተረኽበሉ ኵነት ዘይኮነስ፥ ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ ዝመጽእ። ጐይታ ንዝጽበይዎ ኵሎም ዓስቦም ክህብ፥ንዘይተቐበልዎን ብቃሉ ንዘይጸንዑን ድማ ፍድኦም ክቕበሉ፥ ምድራዊ ሥርዓት ክሥዕር፥ ምድርን ሰማይን’ውን ከም ብራና ጠቒሉሉከሕልፎም፥ ንፈተውቱ መንግሥቱ ከውርስ፥ ንሓጥኣን ሑሩ እምኔየ ኢሉ ክወቅስ፥ ንጻድቃን ድማ ንዑ ብሩካኑ ለአቡየ ኢሉክውድስ፥ ብሕቡእን ብጋህድን ዝተገብረ ኵሉ ግብሪ ሰብ ክቃላዕ ኢዩ። ስርናይ ካብ ክርዳድ ዝፈልየሉን ዓውዱ ዘጽርየሉን እዋን እዩ።ነዛ ናይ መወዳእታን መፈጸምታን መዓልቲ ብዓቢ ናይ ንስሓን ተዳሊኹም ጽንሑ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ብኣንክሮ ተኽብራ።ኣብዚ ዕለት’ውን ብሰፊሑ ብዛዕባ ንስሓ ይስበኽ። ሎሚ ሎሚ ይተርፍ ኣሎ እምበር ምእመናን ኣብዚኣ ዕለት ብፍላይ ናብ ቤትመምህረ ንስሖኦም ብምብጻሕ ከከም ዓቕሞም ህያባት ዝውፍይሉን ዝሕግዙሉን እዩ ነይሩ።  ኣብዚ ዕለት ንዝንበብ ወንጌል ርግእ ኢልና ብምስትውዓልን ብምስትንታንን እንተደኣ ኣንቢብናዮ፥ ብፍላይ ምስዘለናዮ ዘመንን ኵነታትዓለምን ኣዛሚድናዮ ከኣ፥ ቃለ እግዚአብሔር ብግሁዶ ይዛረብ ከምዘሎ ብዘይ መስካሪ ክንርእዮን ሓቅነቱ ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና።ንኵሉ ዘርዚርና ክንገልጾ ኣብዚ ዝከኣል እኳ ኣይኮነን እምበር ነፍስ ወከፍ ቃል ነናቱ ዓሚቕ ምሥጢርን መልእኽትን ዘለዎ እዩ። ገለብድፉኑ ንምግላጽ ግና ነዘን ዝስዕባ መጠንቀቕታ ዝሓዘላ ምልክትታት ነስተውዕለለን።  “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ንቡዙኃትውን ኬስሕቱእዮም።”  “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።”  “ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፥ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ።”  “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።”  “ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።”  “ሽዑ ብዙኃት ኪዕንቀፉ፥ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ፥ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም።”  “ብዙኃት ነብያት ሓሶት ኪትንሥኡ፥ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም።”  “ዓመጻ ስለ ዝበዝኄ ድማ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።”   ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ከምዝግባእና’ውን ባዕሉ ክነግረና ከሎ፦ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታዚዕገስ ግና ኪድኅን እዩ።” ይብል።  እዚ ወንጌል መንግሥቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣሕዛብ ኣብ ኩሉ ዓለም ኪስበኽ እዩ፥ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ፥ ድኅሪ ምባሉ እቲብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፥ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡  “ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህድሙ።”  “ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።”  “ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድኅሪት ኣይመለስ።”  “በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን።”  ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፥ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፥ ከቶ ድማ ዳግማይ ዘይከውን እዩ እሞ፡  “እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።”  […]

Continue reading

መጻጕዕ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ  አምላኩሰ ለአዳም።  ምስባክ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ  ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ  አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ። መዝ. 41፣3-4  ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣      ግ.ሓ.3፣1-1-12           ገላ.5፣1      ያዕ.5፣14 ቅዳሴ. ነአኩተከ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ናብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብበረኸታውን ክንሳተፍ ዘፍቐደልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን።  እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙርንሕሙማትን ድኑሳትን ጐይታ ብተኣምራቱ ከምዘሕወዮም ዝገልጽ ብምዃኑ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ነቲ ፴፰(38) ዓመት ለሚሱዝነበረ መጻጉዕ ከምዘድኃነ ንዝገልጽ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ፴ወ፰ ክረምተ ሐመ” (፴፰(38) ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ገበረ” ብዝብል መዝሙር ርእሲ ዝኸፍትንኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ድውያት፡ ብኣጋንንት ንዝተተሓዙ ወዘተ እናጠቓቐሰ ከምዘሕወዮምን ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበንዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ።   በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘክርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፬፥፳፬ ፳፮ (4፥24-26), ማቴ ፰፥፪-፴፬ (8፥2-24), ማቴ ፲፬፥፲፬-፴፮ (14፥14-36),  ማቴ ፲፥፵፮-፶፪ (10፥46-52), ማቴ ፳፥፳፱-፴፬ (20፥29-34)  ማር ፫፥፩-፮ (3፥1-6), ማር ፪፥፫-፲፪ (2፥3-12)  ሉቃ ፮፥፮-፲፱ (6፥6-19), ሉቃ ፲፩፥፲፬-፳፫ (11፥14-23), ሉቃ ፲፫፥፲-፲፪ (13፥10-12),  ሉቃ ፲፰፥፴፭-፵፫ (18፥35-43) ዮሐ ፭፥፭-፲፰ (5፥5-18) , ዮሐ ፱፥፩-፴፫ (9፥1-23) እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ብተኣምራቱ ብዙኃትድውያንን ድንሳትን ብምሕዋዩ ኣይሁድ ስለምንታይ ብሰንበት ከምዚ ዓይነት ግብሪ ትሰርሕ ኣሎኻ፥ ነዚ ክትገብር’ከ መን ሥልጣንሃበካ፥ እናበሉ ይቃወምዎ ነይሮም። ኢየሱስ ግና “እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት” እዩ እሞ ንሱ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፥ ሰንበትድማ ብኸመይ ኣገባብ ክትኽበር ከምዝግባእ የርእዮም ነበረ። ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ እዩ እሞ ነቶም ጥፉኣት ኣባጊዑ ከናዲንክእክብን፥ ኣብ ልዕሌኦም ሠልጢኑ ንዝነበረ ደዌን ኣጋንንትን እናርሓቐ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ብግብሪ መስከረ።   […]

Continue reading

ምኵራብ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ምስባክ እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ’ውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፥ ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኰንኩዎም እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። መዝ 69:8-9 ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣ ግ.ሓ.10፣1-9 ቆላ.2፣16 ያዕ.2፣1-9 ቅዳሴ. ነአኩተከ ኣብ ዓቢይ […]

Continue reading