ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን

ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት […]

Continue reading

"ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።" ሉቃስ 5=16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኩሉግዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ፡ ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋነ ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና'ዩ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ'ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ […]

Continue reading

ተጋድሎ ምንኵስና “ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር” ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበውኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲመዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦም’ውንኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበውእናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ […]

Continue reading

መእተዊ “በመኑንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ” ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስንተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናንጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውንከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶምብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም […]

Continue reading

ጾመ ሐዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ኣብጸሓና! ቅድሚ ኵሉ ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን ብሓጐስ ንዝክረለን ፶ መዓልትታት ኣኅሊፍና ጽባሕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናብ ዝኣቱ ጾመ ሐዋርያት ብምሕረቱ ኣብጸሓና፤ ኣብጸሓኩም። ከምቲ ኣቦታትና ብዘለዋ ሰማያዊ ጸጋ፡ ረብሓ ጾም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጥዋ ብናፍቖት እዮም ዝጽበይዋ። ንሕና’ውን ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘኪርና፡ ኣብዚ እዋን ጾም ምብጻሕና […]

Continue reading

እናረኣይዎ ዐረገ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!  እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደመና ተቐበለቶ። ግ.ሓዋ. 1:9 ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መበል 40 መዓልቲ ዘላ ሓሙስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብምዝካር እትኽበር በዓል ኢያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሞት ስዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ን40 መዓልቲ ጸኒሑ። ኣብ መበል 40 መዓልቱ ከኣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ዕርገት ጐይታና […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ግንቦት ሓደ ተወሊዳ። ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ካብ ዝተጸንሰትሉ ዕለት ጀሚራ ፣ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዲኣ ከላ ብዝሕ ተኣምራት ዝገብረት እያ።  ድምጸ […]

Continue reading

ዳግማይ ትንሣኤ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ይትፌሣሕ  ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን                ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65  ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።  ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ  ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያትብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ […]

Continue reading

ብሂላት ብዛዕባ ጾም

ከምቲ ሓያል መድሃኒት ብርቱዕ ሕማማት ዝፍውሶ ክምኡ ከኣ ብጾም ዝተሰናየ ጸሎት ድማ ንኽፋእ ሓሳባት ነቒሉ የውጽኦ” ቅድስት ሲንቅለጢያ “መብልዕሰ ኢያረብሃነ ወኢያነክየነ” ብልዒ ኣየርብሓናን ኣየነክየናን “ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ጾም ርእስኻ ገዚእካ ስምዒትካ ገቲእኻ ጸጋኻ ሓሊኻ ርእሲ ኩሉ ንምዃን ዘኽእል መንፈሳዊ ቁልፊ እዩ ኣቡነ ሲኖዳ ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ፣ ወታጸምም ኩሎ ፍተወታተ ዘስጋ ጾም ቁስሊ […]

Continue reading

ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ። መዝ.። 16፣ 5።  ወንጌል ሉቃ.24፣13-33 ግ.ሓ.21፣31-ፍጻሜ ።2ይቆረ.2፣11-ፍጻሜ። 2ይጴጥ.3፣14-ፍጻሜ። ቅዳሴ. ዲዮስቆሮስ    ወበይቲ ዕለት እንዘ ይሀውሩ ክልኤቱ አርድዕት እምውስቲቶሙ ።  ወንጌል ሉቃ.24፣13-33።   “ወተእኅዘ አዕይንቲሆሙ ከም ኢያእምርዎ ።  ከየለልይዎ ግና  ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።”  ሉቃ. 24፣16።  እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ክልተ ካብ ቅዱሳን አርድዕት ካብ ኢዮርሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቑ ወጺኦም ካብኤማሁስ እትብኃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።  ዕላሎም ከኣ ብዛዕባ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምትንሥኡ፣ ካብቅዱሳት ኣንስት ናብቲ መቓብር ከይደን ዝረኣዮኦን ዝሰምዖን፣ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሕያው ከምዝኾነ ከምዝተንሥአ ዝነግሮምን ኩሉእቲ ዘጋነፈ ነገራት ነሓድሕዶም እንዳተዘራረቡ እዮም ዝጎዓዙ  ዝነበሩ።  ቀልዮጳን እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ከምዝነግረና ባዕሉ ወንጌላዊ ሉቃስ እዩ ይብለና።  እዞም ክልተ ቅዱሳን ካብታብቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እትምሰል ኢዮርሳሌም እንዳረሓቑ እዮም ዝኸዱ ኔሮም። ዕላሎም ሓሳባቶም ግና ብዛዕባ ኣምላከ ቅዱሳንመድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝነበረ ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብቲ መገዶም ሓቢሩ ምስኣታቶም ክኸይድጀመረ። ከምቲ ። “ ብስመይ ክልተ ወይ ሰለስተ ኮንኩም ብስመይ እንተተኣከብኩም ኣነ ከኣ ምሳኻትኩም እየ።” ኣብ ማቴ.18፣20።ዝበሎ። ዕላሎም ሓሳባቶም ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ስለዝነበረ ኣብ ማእለሎም ተረኺቡ።  ከየለልይዎ ግና  ኣዒንቶም ተሰዊረንነበራ ። ወኃቢ ህይወት ዝኾነ ክርስቶስ ብሞቱ ናትና ሞት ናብ ትንሣኤ ከምዝለወጠ ኣይኣመኑን። ብሞቱ ትንሣኤ ከምዝገለጸ’ውንኣይተረድኦምን ። በኩረ ትንሣኤ ንዝዀነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣየለለይዎን።  ኩሉ ግዜ ምስኦም ዝነበረ  ብሥጋንብነፍስን ንዝመገቦም ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን።  ኣብ መገዲ ከለዉ እንታይ እዩ ዘዛርበኩም ዘሎ ኢሉ ምስ ሓቶቶም መድኃኒ ዓለምኢየሱስ ክርስቶስ “ንሕና ግና እቲ ንእስራኤል ዘድኅን ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና።”ሉቃ. 24፣21። ብምባል እዮም  ናይ ተስፋምቁራጽ ዘረባ ዝተዛረብዎ ። እዚ ከኣ እምነቶም ስለዝደኸመ  ንክርስትና ይሰብክዎ እምበር ክነብሩዎ ኣይጀምሩን ። ቀዲሙውን ንኹሎም ሓዋርያት ከምዝትንሥእ ብዝተፈላለይ መገዲ ሓቢሩዎም እዩ።  “ ካብ ሙሴን ኩሎም ነብያትን ሒዙ ከኣ እቲ ብዛዕብኡ ኣብ ኩሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጎመሎም ጀመረ።” ሉቃ.24፣27። ብዘይምስትውዓሎም ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ድኽመት እምነቶም እንዳረደአ ኩሉ ኣብርሂ ምስ ደጊሙ ገሊጽሎም።  ባዕሉኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዝትንሥእ ብዙሕ ግዜ ኣምኂርዎም እዩ። ዮሓ.16፣16።ዮሓ.16፣17። ቅዱሳንኣንስቲ ኣብ ኣፍ መቓብር ዝተረኸብኦ ቅዱሳን መልኣኽቲ ከምዝተንሥ ነጊሮመን መጺኤን ከምዝነገርኦም። ሉቃ. 24፣1 – 11። ናይቅዱስ ጴጥሮስ ወሪዱ ኣብ መቓብር ምስክርነት ቅዱሳት ኣንስቲ ከምዝጽንዐ። ሉቃ.24፣12።  እዚ ኽሉ እንዳፈለጡ ግናእምነቶም ግና ድኹም እዩ ዝነበረ። ነዚ  እዩ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝደኸመ እምነቶም ከበርትዖ ምስኦም ዝነበረ።  “መሰዩ እዩ እሞ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ ምሳና ሕደር ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ከኣ ምሳኣታቶም ኪሕእደር ኣተወ። እቶ ኢሎምዓዲሞሞ እሞ።  ኣትዩ ነቲ እንጌራ ባሪኹ ቆሪሱውን ምስ ሃቦም። ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ። ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።”  ሉቃ.24፣32። ሙሉእ መዓልቲ ተጓዒዞም ኣብ ጸሓይ ዕራብ እዮም ኣላልየሞ።  ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኪትርጉመሎም ከሎ ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን ።  በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢዮርሳሌም ከኣተመልሱ ይብለና። ኩሉ ነገር ምስ ተረድኦም ብዘይ ወዓል ሕደር እዮም ናብ ኢዩርሳሌም ተመሊሶም። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን […]

Continue reading