በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።    ይ.ካ.  ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን- ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲኡ ይ.ሕ. በዓብይ ኃይል ወስልጣን- ብዓብይ ሓይልን ስልጣንን ይ.ካ.  አሰሮ ለሰይጣን-ንሰይጣን ኣሰሮ ይ.ሕ.  አግኣዞ ለአዳም-ንኣዳም ኣግዒዙዎ ይ.ካ.  ሰላም-ሰላም ይ.ሕ.  እምይእዜሰ-ካብ ሎሚ ንደሓር ይ.ካ.  ኰነ-ኮነ ይ.ሕ.  ፍስኃ ወሰላም-ሓጎስን ደስታን።   ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ወንጌል ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፉ ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት” ዮሓ.1:4 ብምባል እታ ናይ ኩሉ ሕይወት ብርሃን ኣብቲ ናይ ትንሣኤና ተስፋ፥ ናይ እምነትና ምንጪ፥ ናይህላዌና መሠረት፥ ናይ ክርስትናና መሥራቲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝነበረት  ንሳ ድማ ጸልማት ከም ዘይሰዓራ ይዛረብ። ኣብ መንጎ ኣይሁድዝተገልጸ ኢየሱስ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን መተዓረቒ ገንሸል ኮይኑ ክስዋእ ዝቐረበ ኣምላኽ ብኣይሁድ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን።ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ “ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ግን ኣይተቐበሉዎንን”።ዮሓ. 1:11። ብምባል ከም ዝጸሓፈልና ኣይሁድስለዝተቃረንዎ ክቀትልዎ ሓሰቡ፥ ሓሲቦም እውን ኣይተረፉን ነቲ ናይ ህይወት ምንጪ ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሸፋቱሰቐልዎ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  “እንተዝፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐሉዎን ነይሮም”።1ይ ቆሮ 2፡8። ነቲ ህይወትን ናይ ህይወትወሃቢን ዝኾነ ጐይታ ኣብ መንጎ ሸፋቱ ሰቀልዎ።    ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ ነብያት ኰነ ድሕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጹ ሓዋርያት ንሙታን ህይወት ክኅቡ ከለዉ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጽላይን ብምልማንን ነበረ።  ኤልሳዕ ንወዲ እታ ሹማናዊት ሰበይቲ ካብ ሞት ዘተንሥኦ ብጸሎት እዩ። “ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ከኣነቲ ማዕጾ ሸጎሮ፥ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ጸለየ።” 2ይ.ነገ 4:33። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከምዚ ኣይነበረን፡ ከም በዓል ሥልጣን ድማ ይምህሮምነበረ ኢሉ ከም ዝተጻሕፈ ሞት’ውን ኣብ ትሕቲ ሥልጣኑ ስለዝኾነ  ንወዲ እታ መበለት ካብ ሞት ከተንሥኦ ከሎ “ኣታ ጎበዝ ተንሥእ እብለካ ኣለኹ።” ሉቃ 7፡14-15።  ኢዩ ዝበለ፡ ብተመሳሳሊ ናይ ጓል ኢያኢሮስ ማር 5፡41-42።  ኮነ ናይ ኣልኣዛር  ዮሓ. 11፡ 43-44። ትንሳኤ ከምዚ ብኃይሊ ሥልጣንመለኮቱ ነበረ ከመይሲ ንሱ ወኃቤ ህይወት ስለዝኾነ።ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ሥልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ። ኣይሁድ ነዚ ኢዮምዘየስተውዓሉሉ፡ ከምቶም ዝቐተሉዎም ነብያት ከምቶም ዘሳጎጉዎም መምህራን ሞይቱ ዝተርፍ፡ ተቐቢሩ ብድሕሪኡ ዘይዝከር፣ ንሳቶም ድማዘይናወጹሉ ነገር ክፈጥሩ ነበረ እቲ ጻዕሪ፡ እንተኾነ ግና መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብነብያት ከም እኒ ቅዱስ ዳዊት “ሽዑእግዚአብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ዀይኑ ተንሥአ” መዝ 78፡65። እቲ ወኃቢ ህይወትህይወትና ክመልስ ህይወቱ ኣብ መስቀል ዘወፈየ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝነግሥ ጅግና እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወት እዩ፦ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ “ህይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ                      ነበረት” ዮሓ 1:4። ኢሉ ከም ዝጸሓፈልና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና ኢዩ። ነዚ’ዩ ከኣ ነታ ሓዋ ሞይቱዋ ኣብ ሓዘን ዝነበረት ማርታ ብዛዕባ ትንሳኤናይ ኣልኣዛር ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ቃላት ምልልስ “ትንሣኤን ህይወትን ኣነ ኢየ፡እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብህይወት ክነብር ኢዩ።” ዮሓ.11፡25። ዝበላ። ነዚ ብምምልካት ቅዱስ ኤፍሬም ክዛረብ ከሎ “ናትና ሞት ወሲዱ ናቱ ህይወት ኃበና፡ንዕዑ ክብርን ምስጋናን ይኹን።”ዝበለውዳሴ ማርያም  ነቶም ናይ መምህሮም ካብኣቶም ከም ዝፍለ ምስማዕ  ኣጨኒቕዎም ብሕቶ ተዋጢሮም ዝነበሩ ደቂ መዛሙር ክምልሰሎም ከሎ“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ”ዮሓ 14፡6። ብምባል ናይ ህይወትና ምንጭን ናይ ምንባርና መንገዲን ንሱ ምዃኑ ዘብርኃሎም። ከኣሊ ኩሉ ዝዀነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ሲዒሩ ምትንሥኡ ንዓና ብክርስቶስ […]

Continue reading

ኪርያላይሶን፡ ኪርያላይሶን፡ ኪርያላይሶን!!! ናይ ሰንበት በረከት ኣብ ግብረ ሕማማት ዘለዉ ቃላት ብግእዝ ይኹን ብትግርኛ ከይተተርጎሙ ከም ዘለውዎ ካብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተወሲዶም ንጥቀመሎም ቃላት ኣለዉ ። ናይዞም ቃላት እዚኣቶም ትርጉም ከምዚ ዝስዕብ እዩ። 1, ኪርያላይሶን፥ ኪርያላይሶን ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ኣናብብኡ “ኪርዬ ኤሌይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማላት “እግዝእትነ” ማለት ክኸውን ከሎ “ኪርዬ” ማለት ድማ “እግዚኦ” ማለት እዩ። […]

Continue reading

ዓርቢ ስቕለት

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ምስ ሞተ ኣብ ሰማይ 3 ኣብ ምድሪ 4 ዝተፈጸማ ሽውዓተ ተኣምራት 1. ፀሐይ ብርሃና ከልኪላ 2. ወርሒ ደም ኮይና 3. ከዋክብቲ ናብ ምድሪ ወዲቆም 4. ናይ ቤተመቅድስ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርተረ 5. ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ 6. መቃብራት ተከፍቱ 7. ብዙሓት ካብ ምውታተ ተንስኡ /ማቴ 27፣45-54 ,ሉቃስ 23፣44-48/ ጐይታ ኢየሱስ […]

Continue reading

ሆሣዕና

ምስባክ እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ። በእንተ ጸላኢ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ። ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ.1- 2 (8-2)    ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31።      ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ         እብ.9፣11-ፍጻሜ       1ይጴጥ.4፣1-12 ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ነዛ ዝተመስገነላ ዑደተ ሆሳዕናኡ ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለትማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንተላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያንተመዝጊቡ ይርከብ። (ማቴ ፳፩፥፩-፲፯ ማር ፲፩፥፩-፲ ሉቃ ፲፱፥፳፱-፴፰ ዮሓ ፲፪፥፲፪-፲፭) እዞም ንባባት ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብትንቢት ብዛዕባ’ዛ ዕለት ዝተነግረ’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እዩ። (ዘካ ፱፥፱ ካልኣይ ነገ ፱፥፲፫ መዝ ፻፲፯፥፳፭-፳፮ ኢሳ፶፮፥፯ ኤር ፯፥፲፪ መዝ ፰፥፪) ኣብዚ ዕለት ዝግበር ጸሎትን ቅዳሴን ካብቲ ካልእ ፍሉይ ኣቀራርባን ንውሓት ዘለዎን እዩ። ጐይታ ኣብኣድግን ዒሉን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝኣተወ ንምርኣይ ድማ ብዝምስጥን ዝረአን ሥርዓት እዩ እቲ ቅዳሴ ዝጅምር።  ኣብዚ ዕለት ሕጻናትን ኣዕሩግን ዝዘምርዎ መዝሙር ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእናኣብ ኣርያም” ዝብል ነበረ። እዚ መዝሙር ዓሚቕ ምሥጢር ዝሓዘለ እዩ። ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይውን ሕጂ ኣድኅን ከም ማለትእዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ፡ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱን ፍጹም ሰብ ኮይኑን ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራትገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ሥጋዌኡን ሰብ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚመንክር ዕለት ተነብዩላ ነይሩ። “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) (መዝ ፻፲፯(፰)፥፳፭) ክብል ነዛ ቃል ገሊጽዋ ነበረ።ብህጻናት’ውን ከምዝምስገን ኣቐዲሙ ተነብዩ ነበረ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ብዙኅ ትንቢት ተነብዩላ ነበረ። ኣርያምማለት ከኣ መኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔርሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ዘለዎ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ሕዝቢ እናመስገኑ ጸሎት ዝሓዘለ መዝሙር ናብ ጐይታ የቕርቡነበሩ። ናይ ሥጋን ነፍስን ልማኖ ዝሓዘለ ድማ እዩ። ንጊዜኡ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን ናጻ ከውጽኦም ልማናኦም ምቕራቦም ኮይኑፍጻሜኡ ግና ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ክገብሮም ንዘመናት ኣቦታቶም ንዝለመንዎ ልማኖ ሰሚዑ ኣብ መዓልቱ ነዚ ክፍጽምዝመጸ ምዃኑ ዘዘካኽር እዩ።   ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ሠለስተ ዓመት ተዘዋዊሩ ኣብ እስራኤል ድኅሪ ምስትምሃሩን ሕገ ወንጌልምሥርዑን ናብ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ጥቓ ደብረዘይት ናብ ዝተደኰነት ቤት ፋጌ ንሓዋርያቱ ልኢኾዎም። ከምቲዝበሎም ድማ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ተኣሲራ ከምዝጸንሓቶምን ክፈትሕዋ ንዝረኣይዎምን ንዝሓተትዎምን ድማ ጐይታ ከምዝደልያከምዝነገርዎምን ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ትንቢት ክፍጸም ድማ እቲ ለዋህ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉኣን ተጻዒኑ ብኽብሪ ናብኢየሩሳሌም ኣተወ። ክኣትው ከሎ ድማ ሓዋርያት ክዳውንቶም ጠይቂ ከምዝገበሩን ንሱ ድማ ከምዝተወጠሐን እቶም ሕዝቢ ድማክዳውንቶም ኣብ መንገዲ እናንጸፉ ካልኦት ድማ ኣእዋም ስየ እናሰልዑ ኣብ መገዲ ይንስንሱሉ ነበሩ። ኵሎም ድማ ብዓቢይ ክብሪብቕድሚትን ብድኅሪትን ተሰሊፎምን ዓው ኢሎም እናመስገኑ ድማ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚአብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ይብሉ ነበሩ። ናብታ ቅድስቲ ከተማን ቤት ጸሎት እተሰመት ቤተ መቕደሱን ድማ ብምስጋና ኣተወ። እዚ በቲ ሕዝቢ ዝተወፈየ ድንቂ ምስጋናንክብርን ግና ነቶም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍት ፈሪሳውያንን ባህ ኣየበሎምን። ተበሳጪዮም ድማ ክቃወምዎ ተራእዮም። ጐይታ ግናእዚ ዝፍጸም ዘሎ ትንቢተ መጽሓፍ ምዃኑ ነገሮም። “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን?” ድማ በሎም። ንሳቶም ግና ነቲ ዝፈልጥዎ ንባብ ኣይስተውዕልዎን ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን እንተዝፈልጥዎሲ ንጐይታ ክብሪኣይመሰቐልዎን ኢሉ ነይሩ። ጐይታ’ውን ሰባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዘይምስትውዓሎም ከምዝስሕቱን ዝወቐሰሉን ጊዜ’ውን ኣሎ።ኣይሁድ ጸሓፍት ከምኡ ገበሩ፤ ንሕና ከ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንታይ ይብሉ ከምዘለዉ ነስተውዕለሎም ዶ? ሎሚ’ውን ጽሑፍን ቃልንእግዚአብሔር እንታይ ይብል ከምዘሎ ብዘይ ምስትውዓልና ንጥፍእ ዘሎና ክንደይ እሞ ክንበሃል? እቶም መጻሕፍቲ ንምርምር ኢናዝብሉን ንርእሶም ፈላጣት ገይሮም ዝሰመይዋ ጸሓፍት ፈሪሳውያን፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩን ልቢ ዘይገበሩን ሕጻናት ንኣምላኾም ከመስግኑከለዉ ንሳቶም ግና ነቢያት ዝተነበይሉ ሱባኤ ዝቖጸሩሉን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከምቲ እተጻሕፈሉ እናኸደኣዕይንቶም ስለዝዓወረ ግና ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ክምስግን ከሎ’ውን ኣዕይንቶም ደም መልአን ኣስናኖም’ውን ሓርቀሙ። ሎሚ’ውንነስተውዕል። ቃለ እግዚአብሔርን መጻሕፍትን ስለዝፈለጥና ጥራይ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኮይንና ማለት ኣይኮነን። ነቲ እንፈልጦክንነብሮ ይግባእና። ነቲ ምስጋና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ምስጋና ይግብኦ እዩ እሞ ነመስግኖ። ብዘሎና ፍልጠት ወይውን ካልእነገር ኣይንመካሕ። ዝምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ እዩ ዝብል ጽሑፍ። ትምክሕቲ ሥጋ ዑረተ ልቦና እዩ ዘኽትል። እግዚአብሔርግና ነቶም ትሑታን ይፈቱ፤ ልዕል ድማ የብሎም። ነቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ ድማ ከስተውዕሉ ምእንቲ ድማ ዓይነ ልቦናኦምየብርሃሎም እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ንፈልጥ ንርእይ ኢና እናበሉ እዮም ብዙኃን ኣፎም ተለኲቱ ምስጋና ንእግዚአብሔር ምቕራብተሓሪሞም ዘለዉ። ኣይንተዓሾ ክንፍጠር ከሎና’ውን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከሥመረና ዝኽእል ንእግዚአብሔር ምስጋናምቕራብ እዩ። እግዚአብሔር ንምስጋና ዝተፈጥረ ሰብ እንተዘየመስገኖ ኣእማን ቢታንያ ከምዘመስግንዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽናኣመስጊንና ኽብርን ጸጋ ንረክብ ንሕና ኢና እምበር ኣብ ኽብሪ ጐይታ ንውስኾ ነገር የልቦን። ንሱ ብባህርዩ ክቡርን ምስጉንን እዩ።ሎሚ’ውን ብዙኅ ነገረ ትንቢት ኣብ ቅድሜና ይፍጸም ኣሎ፤ ሰሚዕናን ርኢናን ነስተውዕል እሞ መገድና ነስተካኽል። ካብ ጸጋም ናብየማን ተመሊስና ንእግዚአብሔር ዘመስግን ስራሕ ንስራሕ። ከይተፈለጠና’ውን ኣብ መገዲ ስሕተት ዘሎናን ቤተ ክርስቲያንና ነጽርፍዘሎና ርእስና ንመርምር። ጐይታናን ኣምላኽናን ሰረቕቲ ንዝሰረቕዎምን ዝኣሰርዎምን ኣእዱግ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ኣዘዞም። ብኣጋንንትንክፉእ ግብሮምን ዝተኣስሩ ደቂ ሰባት ኵሎም ክፍትሑ ጐይታ ንሓዋርያትን ድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ካህናትን ሥልጣን ሂቡ ኣዚዝዎምእዩ። ንሳቶም ዝፈትሕዎ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን ድማ መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ካብ ጐይታ ተቐቢሎምእዮም። እሞ ኸ ደኣ ሎሚ “ሑሩ መሓሩ ውስተ ኵሉ ዓለም” ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብዝግባእ ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ ዶ? ሎሚኸ ብነፍሲ ዝተኣስሩ እሞ ክፍትሑ ዝግብኦም ደቂ ኣዳም ነዛ ምድሪ ይመልእዋ የለዉን ድዮም? ሎሚ ጐይታ ደቁ ዳግም ካብማእሰርቲ ክፍትሑ ይደሊ ኣሎ እሞ ልኡኻነ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ዕዮ ወንጌል ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ሎሚ ኸ ደቂ ኣዳም ኣበይኣሎና? “ኣቤል” ኃውና ኸ?   ኣብ ዝባነ ኪሩብ ኮይኑ ብቅዱሳን ኣእላፍ መላእኽቲ ንዘለዓለም እናተመስገነ ዝነብር ጐይታ ብትሕትና ኣብ ኣድጊ ክውጣሕ ፍቓዱኮነ። ሎሚ’ውን እቶም ካብ ማእሰርቶም ዝፍትሑ ንሱ ይደልዮምን ብጸጋ ድማ ምስኦም ይኸውንን ኣይፍለዮምን ከኣ እዩ። ፈጣሪዓለማት ዝተወጠሓላ እታ ኣድጊ ክንደይ ዕድለኛ እያ። ቅዱስ ዳዊት እግዚአብሔር ኣምላኹ ዝኸውን ሕዝቢ ብፁዕ እዩ ይብል እሞንሕና’ውን ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ሃይማኖትናን ብሰናይ ግብርን ደቂ ሥላሴ ምዃንና ነመስክር። ብሓቂ መኅደር ኣምላኽንኹን። ነቲ ብጥምቀት ዝተቐደሰ ሰብነትና እግዚአብሔር ብዝጽየፎ ነገራት ኣይነራኽሶ።   ጐይታ ሓቀኛ ሰላም ንደቂ ሰባት ክዕድል ዝመጸ ናይ ሰላም ኣምላኽ እዩ እሞ ብምሳሌ እቶም ቀዳሞት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ። እቶምሕዝቢ’ውን መድኃኒትነቱ እናመስከሩ ወዲ ዳዊት ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። በዚ ድማ ክርስቶስ ኣምላኽና ንሱ ንኣዳምን ደቁን ክብጆብሥጋ ከምቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ካብ ወገን ዳዊት ምዃኑ ተመስከረ። ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ’ውን ነቢያት ንዝተነበይሉ ጐይታ፡ንሱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ክርስቶስ ምዃኑ ነቶም ኣይሁድ ኣመሳኺሩን ኣርጊጹን ከረድእ እንድዩ ኣብቲ ቅዱስወንጌል “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ክብል መጽሓፉ ዝጀመረን ወለዶ ዝጸብጸበን። እቶም ዕዉራት ይኾኑ ካልኦት “ወልደ ዳዊት” ኢሎም ክጽውዕዎን ክምኅጸንዎን ከለዉ ድማ ነዚ ምሥጢር ዘመሳኽር እዩ።   ዕለተ ሆሳዕና ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብን ድምቕን ብዝበለ ኣገባብ እያ ትኽበር። ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርትን ምሥጢርን ዘለዋዕለት ድማ እያ። ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመላ፥ ጐይታ ዝተመስገነላ፥ ቤቱ ድማ ካብ ጓሓላሉን ሰረቕትን ድማ ዘጽረየላ ዕለት እያ።ስለዚ ናብ በብሰበኻናን ቀረባናን ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ካብ ለይቲ ጀሚርና እንታይ ዓይነት “ዝንበብ” ዘይኮነስ “ዝረአ” ሕያው ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከምዘላና ነስተውዕል። ኣቦታትና እንታይ ዓይነት ጸጋን ሃብትን ከምዝገደፉልና ንርኣይ። እቲቃለ እግዚአብሔር ብኸመይ መገዲ ከምዝገልጽዎን ጐሊሑ ከምዝረአ ከምዝገብርዎን ክንፈልጥ ጽን ንበል። እዚ ሰማያዊ ሃብቲ እዩ።ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት ክልውጡ ዘዕሽዉና ዘለዉ ልኡኻት መን ምዃኖም ንንቅሓሎም።   እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘስተውዕል ኣዕይንትን ኣእዛንን ልቦናና ከፊቱ ነዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ከነስተውዕልን፤ ንንሕና’ውን ከምቲዝግባእ ንኣምላኽና እናመስገንና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።                                                          ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት ወስብሐት ለእግዚአብሔር ። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለስቀሉ ክቡር።

Continue reading

  ነግህ ሠለስቱ ስድስቱ ተሰዓቱ ሰርክ ዘጸ 17፡8-15 ግብረ 1፡15-20 መዝ 55፡11-12 ሉቃ 22፡1-14 ዘጸ 32፡30-35, 33፥1-3 ሚክ 2፡3-13 ጥ.ሲራ 24፡1-11 መዝ 94፡21 ማቴ 26፡17-19 ኤር 7፡2-15 ሕዝ 20:39-44 ሚክ 2፡7-13, 3፡1-8 ሶፎ 1፡7-18, 2:1-3 ጥ.ሲራ 12፡13-18, 3፡1 መዝ 31፡13-14 ማር 14፡12-16 ዘፍ 22፡1-19 ኢሳ 61፡1-7 ኢዮ 27፡1-22  28:1-13 ሚል 1፡9-14, 2፡1-4 መዝ 23፡1 ሉቃ 22፡7-13   ዘፍ 18፡1-23 ዘጸ 14፡29-31 15፡1 ኢያ 3፡13-17 ኢሳ 4፡2-4, 55፡1-12 ሕዝ 36፡25-29,  47፡2-9 1ይ ጢሞ 4፡9-16 5፡1-10 መዝ51፡7-10 ዮሓ 13፡1-19 ኤር 31:15-26 ኢሳ 32:1-20, 33:1-11 52:14-16, 53: 1-12 […]

Continue reading

ምንባብ ዘ፩ ሰዓተ  መዓልት ዘሠሉስ ኦሪት ፡ ዘፀኣት።  ምዕ ፤ ፲፱ ፡ ፩-፰    ኢዮብ ምዕ ፳፫  ፤ ፩ - ፲፯    ምዕ ፳፬  ፤ ፩ - ፳፭ ኢሳያስ ምዕ ፩  ፤ ፳፩- ፴፩ ሆሴዕ ምዕ ፬  ፤ ፩ - ፰ መዝ  ፴፬ ፤ ፬ ወንጌል ፡  ዘማቴዎስ ምዕ ፳፯  ፡ ፩ - ፲፯   ወይ ክኣ መዝ ፻፲፱  ፤ ፪ (ወንጌል ፡  ዘዮሐንስ ምዕ ፰  ፤ ፳፩ - ፳፱) ዘጸኣት ምዕ ፲፱  ፤ ፩ - ፲፪   ወይ ክኣ ምንባብ ዘሠለስቱ  ስዓተ መዓልትዘሠሉስ ዘዳግም ምዕ ፰  ፤ ፲፩ - ፲፱ ሲራክ ምዕ ፫  ፤ መዝ ፻፲፱  ፤ ፻፶፬-፻፶፭ ወ.ማቴ  ምዕ ፳፫ ፤ ፴፯ - ፴፱ ምንባብ ዘሠለስቱ ስዓተ  መዓልትዘሠሉስ ዘዳግም ምዕ ፰  ፤ ፲፩ - ፲፱ ሲራክ ምዕ ፫  ፤ መዝ ፻፲፱  ፤ ፻፶፬-፻፶፭ […]

Continue reading

ምንባብ ፡ ዘ፩ቱ ፡ ሰዓተ ፡ መዓልት ፡ዘረቡዕ  ኦሪት ፤ ዘፀኣት ምዕ  ፲፯ ፤ ፩ -፯  ኢሳያስ ምዕ ፪፡፩ - ፲፩  ምሳሌ ሰሎሞን ምዕ  ፫ ፤፭ - ፲፭  ሆሴዕ ምዕ ፭ ፤ ፲፫ - ፲፭ ምዕ ፮ ፤ ፩ - ፫  መዝ ፹፪ ፡ ፭ ወንጌል ዘዮሓንስ ምዕ ፲፩ ፡ ፵፮ - ፶፬ ምንባብ ፡ ዘ፫ቱ ፡ […]

Continue reading

ኣብ ዓርቢ ስቅለት ዝንበብ

  ነግህ ዘ ፫ቱ ሰዓት ዘ፮ቱ ሰዓት ዘ፱ቱ ሰዓት ዘ፲፩ ሰዓት ዘ፲፪ ሰዓት ዘዳ 8 ፡ 18-19 ዘፍ 48 ፡ 1-19 ዘኁ 21፡1-9 ኢያ 5፡11-12 ዘጸ 12፡1-14 ሰቆ 3፡1-62 ዘዳ 9፡ 1-24 ኢሳ 63 ፡ 1-19 ኢሳ 53፡7-12 ሩት 2፡11-14 ኢሳ 51፡9-23 መኃ 1-6 ኢሳ 1፡2-9 ኢሳ 64 ፡ 1-4 ኢሳ 12፡2-6 ኤር 11፡18-23 ኢሳ […]

Continue reading

ኒቆዲሞስ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ።  ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3   (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10      ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ        ሮሜ.7፣1-19       1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም  ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻብዓይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ኒቆዲሞስ ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ክብርቲ ዕለት ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን።   እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ ለይቲለይቲ እናኸደ ብዛዕባ ምሥጢር ጥምቀትን ዳግም ምውላድን ካብ ጐይታ ከም ዝተማህረ እናጠቐሰ ነቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል (ምዕራፍ፫) ንዝተጻሕፈ ታሪኽ ስለዝዝመረሉ እዩ። ርእሲ ናይቲ መዝሙር’ውን “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለ ይዝምር።  ኒቆዲሞስ ምሁረ ሕገ መምህር ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ነበረ።ፈሪሳውያን ድማ ካብቶም ቀንዲ ማኅበረ ኣይሁድ ኮይኖም ሕግን ሥርዓትን ኦሪት ልዕሊ ካልኦት ሓለውቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡዝነበሩ እዮም። ስለ ሕገ ኦሪት ድማ ኣዝዮም ቀናዕትን ምኩሓትን እንተነበሩ’ውን ነቲ ዝብልዎን ዝምህርዎን ዘይገብርዎ ግቡዛት ድማእዮም ነይሮም። ጐይታ ድማ ስለዚ ግብሮም ድማ ወቒስዎም እዩ። (ማቴ ፳፫፥፩-፴፮) ጐይታ’ውን ነቲ ምስሉይ ግብሮም ይቀልዖንብዙኅ ጊዜ’ውን ይወቕሶም ስለዝነበረን ብዙኃን’ውን ትምህርቲ ጐይታ እናሰምዑ ክስዕብዎን ተኣምራቱ እናረኣዩ ድማ ክሰሓቡንምስረኣዩ ብቅንእን ካልእን ምኽንያት ንጐይታ ይጻብዕዎ ነበሩ። ካብ ቅንኢ ሓሊፎም’ውን ምኽንያት እናፈጠሩ ከእስርዎን ክቐትልዎንይደልዩን ይመኽሩን ይፍትኑን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ክፋእ ናቶም ኣብኡ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነሲ ብኡኡ ንዝኣምኑን ንሱ እቲነቢያት ዝተነበየሉ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ንዝምስክሩን ካብ ምኵራቦም ክፈልይዎም መምርሒ ክሳብ ምውጻእ በጺሖም እዮም።(ዮሓ ፱፥፳፪ ፲፪፥፵፪)   ኣብቲ ኣይሁድ ንጐይታ ብብዙኅ ዝተፈላለየ ርድኢትን ጥርጣረን ይርእይዎን ተንኰላት ይመኽሩን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ድማ እዩኒቆዲሞስ ዝነበረ። ኒቆዲሞስ ብተኣምራትን ትምህርትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተተመሰጠ’ውን ኣይሁድከይቃወምዎ ክብል ግና ብሕቡእ ለይቲ ለይቲ ንጸልማት ከውሊ ገይሩ ናብ ጐይታ እናመጸ ይመሃር ነበረ። (ዮሓ ፫፥፩-፳፩) ጐይታድማ ነቲ መምህረ ኣይሁድ ሰብ መንግሥተ ኣምላኽ ክወርስ እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ኵሉ ዳግማይ ካብ ማይን መንፈስን ክውለድከምዘድልዮ እናነገረ ምሥጢረ ጥምቀት ይምህሮ ነበረ። ኒቆዲሞስ ነዚ ዓቢ ኣፍ ደገ ኵለን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ምሥጢረጥምቀት ካብ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ዝኾነ ጐይታ ምምሃሩ እግዚአብሔር ዝመረጾን ዝዓደሎን ኅሩይ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ኒቆዲሞስ ድማንትምህርቲ ጐይታ እናስተንከረ፤ ንዘይተረድኦ ድማ ይሓትት ነበረ። ጐይታ ድማ “መምህረ እስራኤል ኢኻ” እናበለ እናወደሰ በቲሓደ “ነዚ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እናበለ ዘይምፍላጡ እናወቐሱ በቲ ካልእ ንኵሉ ክፈልጦ ዝግባእ ምሂርዎ እዩ፤ ብዛዕባ ውልድነትዘውህብ ጥምቀት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ካብ ሰማያት ምውራዱ፡ እምነት፡ ግብሪ፡ ፍርዲ ወዘተ ከምኡ’ውንስለ ድኅነት ዓለም ዝኸውን ስቕለቱን ምሳሌኡን ገሊጹሉ እዩ። ንዝተማህሮ ምሥጢርን ንዝረኣዮ ፍቕሪን ድማ ኣብ ልቡ የጽንሖንምንባሩ ድኂሩ ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዮሓ ፯፥፶ ፤ ዮሓ ፲፱፥፴፰)። ኵሉ ፈሪሁ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ብቀትሩ ካብመልዕልተ መስቀል ንጐይታ ኣብ ምውራድን ኣብ ምግናዝን ድማ እሙንን ፍቑርን ኮይኑ ተረኽበ። ከምቲ ጐይታ “እቲ ፍርዲ እዚእዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃንይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” ኢሉ ዝመሃሮ ድማ ብርሃን መረጸ። ናብ ብርሃን ድማ መጸ። ነቲ ብርሃን ድማረኸቦ።   ሎሚ’ውን ዘለዎም ዓለማዊ መዝነትን ሥጋዊ ክብርን ከምኡ’ውን ሃብቲ ዓለምን ልዑል ምህሮን ፍልጠትን ካብ ዘለዉዎ ጸልማትወጺኦም ናብ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ከይመጹን ኣብ መንገዲ ሓቂ ከይመላለሱን ዕንቅፋት ዝኾኖም ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ኒቆዲሞስነዚኦም ዝኣመሰሉ ልዕልንኦም መዐንቀፊ ዝኾኖም ሰባት ዓቢይ ኣብነት እዩ።   ገለ ሰባት ብዝተማሃርዎን ብዘለዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ንዝምክሑ’ውን መምህር ኮይንዎም እዩ። ኒቆዲሞስ ከምቶም መዛንኡ ብሥጋከቢሩ ክነብር እናኸኣለ ናብ ምንጪ ፍልጠትን መገዲ ሓቅን ዝኾነ ክርስቶስ መጺኡ ብትሕትና ይመሃር ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንዓለምከግህዶ ብዛዕባ ካብ ዝመደቦ ምሥጢር ነቲ ሓደ መሊኡ ከሢትሉ እዩ። ገና ካብ ኣምላኽ ክንመሃሮን ከነስተብህሎን ዝግባእናምሥጢራት ስለዘሎ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዓውዲ መዝገብ ምሥጢራቱ እያ እሞ ኵልሳዕ ብትሕትና ንመላለስ፤ ኣምላከ ቅዱሳንዘይንፈልጦ ምሥጢሩ ክገልጸልና እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ዘይፈልጦን ዝጐድሎን ከኣ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ኣሰረ ፍኖት ኒቆዲሞስክንስዕብ መልእኽቲ እዛ ሰንበት እያ።   ኒቆዲሞስ ተጊሁ ለይቲ ለይቲ ነቲ ቃል እግዚአብሔር ብምስምዑን ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስለዘሕድረን ኣብቶም ምኩሓትንልዑላትን ኣብ ዝጋብኡሉ መጋብእያ ነቲ ሓቂ ክምስክር በቕዐ። ክፉእ ምኽሮም ድማ በቲ ናይ ሓቂ ትምህርቱ ገይሩ ቀልዖን፤ ነቶምምኩሓት ድማ ኣብ ጉባኤያቶም ኣሕፈሮም። ብሓቂ ስለ ሓቂ ኣብ ኵሉ መድረኽን ዓውድን እሙን ምዃን ዓቢይ ጸጋ እዩ።ኒቆዲሞስ’ውን ስለዚ ጕዳይ መምህር ሓቂ እዩ። ነታ ናይ ልቡ እምነት’ውን ኣብታ ሓቀኛ ሰዓት ኣግሂድዋ እዩ።   ኒቆዲሞስ ካብ ኣይሁድ ግብዝና ርሒቑ ብዘርኣዮ ኣትኅቶ ርእስ (ትሕትና)፡ ጐደሎኻ ምእማን፡ ምሥጢራት ንምቕባል ዝተዳለወኣልዕሎ ልቦና ምውናን፡ ስምዐ ጽድቅ (መስካሪ ሓቂ) ምዃን፡ ንቃለ እግዚአብሔር ዝነበሮ ትግሃት ለይቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕንካልእን ካብኡ ክንመሃር ንኽእል። አማን ብአማን ኒቆዲሞስ ዓቢ መምህርና እዩ፤ ካብ ደምበ ምስሉውይነት “ሕይወት ኣይሁድ" ወጺኦም ናብቲ ኣቦታትና ቅዱሳን ዝተጋደሉሉ ደምበ ሓቀኛ ሕይወትን ብርሃንን ክጽምበሩ ዝግብኦም ኣለዉ እሞ ቤተ ክርስቲያንናንኸምዚኦም ትብህጎም እያ። ናይ ዘመንና ኒቆዲሞሳውያን’ከ ነቲ ብርሃን መዓስ ይርእይዎን የስተውዕልዎን ይኾኑ? ቅድስት ቤተክርስቲያና’ውን ኣብዚ ዕለት ንእኡ ምዝካራ ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ እሞ ኣብነቱ ስዒብና በረኸቱ ክንረክብ ቅዱስ ኣምላኽና ፍቓዱይኹነልና።  ከምኡውን በዚ ዕለት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብዲያቆናት ዝተነበ ወንጌል ሓደ ዓቢ መልእክቲ ይመሓላለፈልና፣ (1ይ ዮሓ 4፣20) ‘’ ነቲዝረኣዮ ሓው ዘይፍቀረስ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከፍቕር ኣይከአሎን እዩ’ሞ ንሓው እናጸልአስ ንኣምላኽ ኣፍቕሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱሓሳዊ እዩ። ነቲ ብከምኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ‘’ እቲ ንኣምላኽ ዘፍቕሮ ንሓዉ ድማ የፍቕሮ ’’ እናበለ ፍቕሪ ብጽይ ይምህረና።ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ጴጥ.5፣3 ንኣምላኽ ምፍቓር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ከም ዝነበረ ይነግረና ‘’እቲ ትእዛዛተይ ተቐቢሉዝሕሉ ንሱ እዩ ዘፍቕረኒ‘’ ይብለና እቲ ፍቕርና ዝጸምአ ኣምላኽ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ገዲድዎ ሒወቱ በጃ ሂቡ ብፍቕሪ ከም ዝዐደገናሕጂውን ምስኡ ንክንነብር ፍቕሩ ከም ዘለና ክንገልጸሉን ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ብምሃብ ‘’ተፍቕረኒ እንተኮይንካስ ትእዛዛተይ ሓሉ’’ ኢሉእዩ ሕጉ ብፍቕሪ ዘንበረልና (ማር.8፣14) ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ብሞቱ ፍቅሪ ዝመሃረና ንሕናውን ነዚ ፍጹም ፍቕሪ እናዘከርናመግለጺ ፍትወትና ብፍቕሪ ብትሕትና ክንእዘዞ ይግባእ። ከምኡውን በዚ መዓልቲ’ዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንዓና ንደቂ ሰባት ንምድሓን ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ዓቢ ፍቅሪ ዝገልጸልና ዕለት’ዩከምቲ ኣብ ዮሃ. 3፣16 “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ፣ ኣምላኽንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ክሳብ ክንድ’ዚ ኣፍቀራ እምበአር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ዘብጽሖ ፍቅሩንዓና ዝገበረልና ውዕለታት እናዘከርና ንሕጉ ብፍቅሪ ተገዚእና ንሓድሕድና እናተፋቀርና ነታ ሰማያዊት መንግስቱ ክንቅበል ናይኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ናይ ኣዴና ቅዱስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተራዳእነት ኣይፈለየና። ከም ግብርና ዘይኮነስ ከምምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።   ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት ወስብሐት ለእግዚአብሔር ። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር።

Continue reading

ገብርኄር

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ።  መኑ ውእቱ ገብርኄር ።  ምስባክ ከመ እንግር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ.39፣8 (40-8)  ወንጌል ማቴ.25፣14-31      ግ.ሓዋ.1፣6-9           2ይጢሞ.2፣1-16       1ይጴጥ.5፣1-12 ቅዳሴ. ባስልዮስ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻዱሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊትእግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ከምቲ ቃሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዝዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓትኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዝዝመርመዝሙር’ውን “መኑ ውእቱ ገብርኄር?” (መን እዩ እቲ እሙን ኣገልጋሊ?) እናበለ ዝቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታንኵሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ፳፭፥፲፬-፴(25፥14-30) ዘሎ ታሪኽ እዩ።ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ፲፱፥፲፪-፳፯(19፥12-27) ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላይደግመልና።   ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦመኽሊት ወንጌል ድማ ንኵሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቃሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶምዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጸበዮም ዘመልክት እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ኵሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ኮይኑን ተዳልዩን ግብኡፈጺሙ ክጸንሕ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ መጻእያት ዝተባህለ ይበሃል ወትሩ ግና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጐይታ ዳግም ክመጽእ እዩ፥ንኵልና ክጸባጸበና’ውን እዩ። ንኵልና ድማ ከከም ግብርና ክፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ።  ጐይታ በዚ ትምህርቱ ንርእሱ ከም ሓደ ብዓል ጸጋ መሲሉ እቲ ብዓል ጸጋ ንካልእ ርሑቕ ዓዲ ክብገስ ኣብ ዝሓሰበሉ ነቶምኣገልግልቱ ጸዊዑ ክሳብ ዝምለስ ምእንቲ ክዓይዩሉ መኽሊት ከምዝሃቦምን ሕድሪ ከምዝገደፈሎምን ይነግር። በዚ መሠረት ነቲ ሓደሓሙሽተ ነቲ ካልኣይ ድማ ክልተ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሃቦም። ድኅሪ ነዊሕ ዘመን ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ምስተመልሰነቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ክጸባጸብ ጀመረ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ወሪዱን ደይቡንደኺሙን ነተን ሓሙሽተ መኽሊቱ ሓሙሽተ ረቢሑለን ነቲ ጐይታ ፲(10) መኽሊት ኣቕረበ። እቲ ብዓል ክልተ’ውን ከምኡ ክልተረቢሑ ፬(4)ኣቕረበ። እቲ ብዓል ሓደ ግና ኣብ ክንዲ ወሪዱን ደይቡን ምርባሕ መኽሊቱ ዝገብር ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ክፉእሓሳባትን ኣትዩ ነበረ እሞ ጐይትኡ ክጸባጸቦ ከሎ ዘይተባህሎ ጭካነ ጐይትኡ ገሊጹ ነታ ዝተዋህበቶ ከይረበሐ ሓቢኡ ከምዘቐመጣገለጸ። እቲ ብዓል ጸጋ’ውን ነቶም መኽሊቶም ረቢሖም ዝጸንሕዎ “ሕራይ፥ ኣታ ሕያዋይ፥ እሙን ባርያ፥ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻእሞ፥ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ” እናበለ ብምውዳስ “ናብ ሓጐስ ጐይትኦም” ክኣትዉ ፈቐደሎም። ነቲ መኽሊቱ ዝቐበረ ብዓል ሓደግና “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ” ተባሂሉን ነታ ሓንቲ መኽሊቱ ድማ ከም ዘግድፍዎ ኮነ። ስለ እቲ ዘይጠቅም ግብሩ ድማ ኣብቲብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ተደርበየ።   ትርጉም’ዚ ምሳሌ ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠንዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማት ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማከከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዝግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲይምልከት። ብካልእ ወገን ድማ ከከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመገዲ ቅድስናን ክመርሑን ኣብነታውያን ክኾኑን ኣብ ፵/40ን ፹/80ንመዓልቲ ካብ አብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ኵሎም ምእመናን ይምልከት።   እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተጊሆምን ነቒሖምን እሙናት ድማ ኮይኖም ንምእመናን ኣባጊዑ ከውፍሩን ክሕልዉን ከብዝኁን፥ስብከተ ወንጌል ከስፍሑ፥ ወዘተ እዮም ነቲ መኽሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተቐቢሎም። ስለዚ ድማ ከምቲ ዝግባእ ዝዓየዩሉን ወሪዶምደይቦም ኮታ ደኺሞም ግቡኦም ፈጺሞም ኣብቲ ጊዜ ጸብጻብ ኣበርኪቶም ንጐይትኦም ዘረክቡ “አግብርት ኄራን ወፍቁራን” ተባሂሎም ናብቲ ሓጐስ ጐይትኦም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ተባሂሎም ዘለኣለማዊ መንግሥቱ ክኣትዉ ዝፍቐደሎምን እዮም።እቶም ንስሙ ጥራይ መኽሊት ተቐቢሎም ምእመናን ዘይጓስዩሉን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ከድህቡን ዝነብሩ ድማ ሃካያት ግናብቝዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእል ናብቲ “ጸልማት” ክድርበዩ እዮም።   ዋና መኽሊት ክርስቶስ ኣምላኽና እዩ። ዋና መኽሊት ድማ ከም ፍቓዱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ጸጋ ይህብ እዩ። እቶም ቀዳሞትክልተ ድማ ንዝተዋህቦም ሕድሪ እሙናት ኮይኖም ክፍጽምዎ ጽዒሮም ከርብሕዎ ተረኺቦም። ስለዚ ድማ ኣብ ጊዜኡ ዕጽፊ ዓስቢረኸቡሉ። ኣገልገልቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ንእግዚአብሔር ብትግሃት ከገልግሉ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ይርከቡ። እቲ ሓደ ናይቲካልእ ክጥምት፥ ናቱ ገዲፉ ኣብ ዘይናቱ ክኣቱ ዘይኮነስ፥ ንዝተዋህቦ መኽሊት ኣለልዩ ኣብኣ ተጊሁ ክርከብ ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያንናዓውዲ ኣገልግሎታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኵሎም ደቃ ከከም መኽሊቶም ተጊሆም ኣብ ምርባሕ ዝርከቡ እንተደኣ ኮይኖም ዕብየታንህንጸታን ክንርእይ ጊዜ ዝወስድ ኣይኮነን። ግና መኽሊትና ንፈልጦ ዶ? ነርብሖ ዶ ኣሎና? ወይስ ቀቢርናዮ ኢና? መን እዩ ገብርኄር(እሙን ባርያ ክርስቶስ)? ኵልና ኣካል ክርስቶስ ካብ ኮንናን ኣብዛ መንፈሳዊት ቤት ክንህነጽውን እንተደኣ ኮይንና ከክእለትናነበርክተላ።   እዚ መኽሊት ንስዩማት ኣገልግልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንኵሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምእመና’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያንዘበርክትዎ ዘለዉን ከበርክትዎ ዝግባእን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም መኽሊቶም ከርብሑን ብሰናይግብሪ ንካልኦት ኣብነት ክኾኑ ይግብኦም። ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ዝምርኮስ ምኽንያት ዝመልኦ ሕይወት ኣሊና ኵልና ደቂ ቤተክርስቲያን ስለ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተንሢእና ንስራሕ። ኣይመልከተናን እዩ ኣይንበል። ስለ ቤት እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን እሙናት ኣገልገልቲ ንኹን።   ካብዚ ምስላ ካብ እንመሃሮ ሓደ ድማ ኵሉ ከከም ጸጋኡ ከገልግል እዩ። ሓደ ሰብ ብምሉእ ኃይሉን ጕልበቱን ክሰርሕን ከፍርንእንተደኣ ኮይኑ ኵሎም ኣካላቱ ነናቶም ስራሕ ከምቲ ዝግብኦም ክዓዩ ይግባእ። ዓይኒ ናይ ዓይኒ፥ ኢድ ናይ ኢድ፥ እግሪ ድማ ናይእግሪ ወዘተ፥ እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ዝኣቱ እንተደኣ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ክስራሕ? እቲ ሓደ ድማ ስራሕን ኣበርክቶን እቲካልእ ዘቖናጽብን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ጥዕና ክርከብ? ንኵሉ ዝኣልይ ርእሲ (እእምሮ/ ልቦና) ልዕሊ ኵሉ ንኵሎምኣካላት ከወሃህድን ከስምርን ይግብኦ። እቲ ርእሲ እንተዘይጠዓየኸ? ኣደ ኵልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ግና ሎሚ ከምኡ እዩ ኮይንናዘላ። ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ደቃ ግና ተስፋ ኣይንቑረጽ፥ ሰብ ማዕርግ ዝኾንና ከከም ማዕርግና፥ ምእመናንን ምእመናትንድማ ከምቲ ዝተጻሕፈልና ተጊህና ጥራይ መኽሊትና ነርብሕ። ኣብ መዓልቱ ኵሉ ክገሃድ እዩ። ሰባት ብዝደለይዎ መገዲ ነቲ ሓቂክኽውልዎ ይፈትኑን፡ ስለ ሓሶት ድማ ይጽዕቱን ምኽንያት ይፈጥሩን እታ ፍርዲ ግና ኣብ ኢድ እቲ ርቱዕ ዝፈርድ ኣምላኽ እያ። ንሕናግቡእና ንዕየይ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ድኹም ግብርና ዘይኮነስ ከምቲ ምሕረቱ ክርእየና ኣብዚኅና ንለምኖ።  “በከመ ምኀረትከ አምላክነ ወአኮ በከመ አበሳነ” ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስፍቓዱ ይኹነልና።         ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ማዕዶት ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ […]

Continue reading