ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ […]
በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና። ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ክርገም ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ […]
ይዝከረኒ እቲ እዋን ቅድሚ ክልተ ዓመት ድሮ በዓል ልደት እዩ ዝነበረ፡ነታ ብልቢ ዝፈትዋ ራሄል መሓዛይ ህያብ ክዕድግ ኢለ እየ ብኣግኡ ካብ ስራሐይ ወጺአ፡ንዓኣ ዝኸውን ኪቡር ህያብ ንምድላይ ድማ ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን ኪናጠር ጀመርኩ ። እታ ዝነበረት ምውቅቲ ጸሓይ ግዜኣ ኣኺሉ ቦታኣ ንጸልማት ኣረኪባ ኪትእለ ጀመረት፣፡ ምስቲ ጸላም ዝመጸ ዒፍዒፍታ ድማ መሬት ናብ በረድ ተለወጠ፡ሳላ […]
እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንታይ ብሥጋ ተገልጸ፧ ግብሪ ሰይጣን ከፍርስ። /1ይዮሓ. 3፣8/ ንዝጠፍአ ክደሊ ንዝተጎድዐ ክፍውስ። /ሉቃ .19፣10/ ንዲያብሎስ ካብ ስልጣኑ ክስዕር። /እብራ 2፣14-18/ ሓጢያተኛታት ከድኅን /1ይዮሓ. 1፣15/ ስለ ሓቂ ክምስክር። /ዮሓ. 18፣37/ ትንቢት ነብያት ክፍጽም። /ሉቃ. 24፣48/ ድኅነት ክሰብኽ። /ሉቃ. 4፣17/ ናይ ዘለዓለም ህይወት ክህበና። /ዮሓ.3፣16/ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ በኸመይ መንገዲ ተገልጸ፧ ሰብ […]
ሓደ ባሕታዊ ብሓሳቡ ኣብ ናይ ምንዝርና ፈተና ምስ ወደቐ ናብ ካህን ከይዱ ነዚ ሕማቕ ምስጢር ነገሮ። ክጽልየሉ ድማ ተማሕጸኖ። እቶም ካህን ድማ ትብዓት ኣስኒቑ ኣበርቲዑ ንኽጽሊ መኸሮ። ናብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ምስ ኣተወ እቲ ፈተና ካብቲ ዝነበረ በርተዖ። ናብቶም ካህን ተመሊሱ ዘጋጠሞ ነገሮ። ከምኡ ክብል ብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። እቶም ካህን ድማ ተሰፋ የስንቕዎ ነበሩ። ከምዚ እናበሉ […]
"እታ ድንግል ሄዋን ናይ ተመን ቃል ሰሚዓ ዘይምእዛዝ ሞት ጸነሰት፣ ቀታሊ ሓዉ ዝኾነ ንቃኤል ወለደት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ናይቲ ብርሃናዊ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራትዊ ቃል ሰሚዓ ተኣዚዛ ንህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ጸነሰት ምእንቲ ሕዝቡ ንዝመውት መድኃኒና ወለደት።" ሰማዕት ቅዱስ ዮስጢኖስ "ንዘመናት ተስፋ ስኢንና ክነብር ከለና ኣብ መወዳእታ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና መሊሱልና ሰለዚ […]
ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት […]
"ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።" ሉቃስ 5=16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኩሉግዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ፡ ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋነ ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና'ዩ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ'ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ […]
ተጋድሎ ምንኵስና “ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር” ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበውኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲመዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦም’ውንኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበውእናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ […]
መእተዊ “በመኑንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ” ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስንተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናንጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውንከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶምብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም […]