“ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቅስት” “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሑኻ ሰደቕ ዕላማ ሃብካዮም” መዝ 60፡ 4 መስቀል ዝብል ቃል ክለዓል ከሎ ዝተመሳቀለ ዕንጸይቲ ጥራይ ዝመስሎ ሰብ ስቅለተ ክርስቶስ ዝርስዕናጽነቱዝዝንግዕ ጥራይ ኢዩ። ምናልባት መዝገበ ቃላት ገንጺልና ኣብ ነንብበሉ ጊዜ መስቀል ዝብል ቃል “ዝተመሳቐለ ነገር” ከምኡውን ናጽነት ዝብል ቃል “ካብ ባርነት ሓራ ምዃን” ብምባል ካብቲ ነቲ ካልእ ቃላት ዝትርጉሞ ብዘይበልጽ ክጽሕፎ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። ንዓና ግን መስቀል መንነትናሰንድቅ ዕላማ ካብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና! ዘመነ ዮሓንስ ወንጌላዊ 2008 ዓ.ም ግእዝ (2015/16 ዓ.ፈ) ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ ንስሓ ይግበረልና። ኣሜን። ሓዲሽ ልብን ሓድሽ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ ሐ/ ዓቢይጾም(ጾመኣርብዓ) እዚ ጾም እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እዩ።ዓቢይ ጾም ምባሉ እውን ጐይታ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነን ካብቶምዘለው ኣጽዋማት ብብዝሓት ቁጽሪ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ስለዝኾነን ከምኡውን ብዘለዎ ምሥጢርን እዩ። ጐይታ ብዘመነ ሉቃስ ብ11 ጥሪ ሠሉስ ፍርቂለይቲ ኣብ ሳላሳ(30)ዓመት ብማየ ዮርዳኖስ ብኢድ ባርያኡ ዮሓንስ ምስ ተጠመቐ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትንጾመ። ሽዑ ዲያብሎስ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበኃሉ ተፈታተኖ። 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝተባህሉ÷ 1,ስስዕቲ (ዘይተዋህበካ ምድላይ)፥ 2,ትዕቢት (ኣምላኽነት ምድላይ)፥ 3,ፍቕሪ ገንዘብ (ይኣኽለኒ ዘይምባል) እዮም። መጀመርያ እቲ ፈታኒ መጺኡ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ደኣ ኮይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል"በሎ።ዲያብሎስ÷ኣቐዲሙ ጐይታ ኣብ ሩባዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፥እግዚአብሔር ኣቦ"ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ"ክብል ሰሚዕዎ ነበረ እሞ፥ነዚ ሒዙ ወዲእግዚአብሔር እንተድኣ ኮይንካስ…ብማለት ፈተናኡ የቕርብ። ነቲ መጀመርታ ፍጥረት ሰብ ዝኾነ ኣዳም ዘስሓቶውን ብብልዒ ምኽንያትስለዝነበረ፥ቅዱስ ወንጌል ከም ዝበሎ ክርስቶስ ምስ ጠመየ፥ሕብስቲ፡እንጌራ ርእዩስ ግዲ ይስሕተለይ ይኸውን ኢሉ"እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹናበል"በሎ።ዲያብሎስ ምስ እዚ ካልእ ክፉእ ዝኾነ ስውር ተንኮውን ኔሩዎ እዩ።ንሱ ከኣ"ከምዚ ኣቕሪበሉ ዘለኹ፥'እንተ ደኣ ፈጺሙዎ'ናይ ሰይጣን ተኣዛዚከብሎ እየ፥እንተዘይገበሮ ከኣ" ድኹም እዩ ከብሎ"እየ።ድሕሪዚ ድኻሙ ርእየ ይቐርቦ"ዝብል ነበረ።ጎይታ ግና ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ ኮይንካ ንዝርከብብልዒ(ረብሓ)ብምንቃፍ"ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ"ኢሉመለሰሉ(ዘዳ8፥3)።ሰብ ዝድሕን ውጽኢት ሓረስታይ ብዝኾነ እንጌራ ጥራይ ዘይኮነ፥በዓቂበ ሕጊ፥ብትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እውን እዩ ማለቱ እዩ። *መግለጺ÷ንሰብ እንስሳዊ ባህሪይ፥ መንፈሳዊ ባህሪይ ኣለዎ። እንስሳዊ ባህሪኡ ካብ ማይ ካብ ምግቢ እንተተኸልከለ ማለት እንተዘይበልዐንእንተዘይሰተየን ኣብ ሞት ይበጽሕ።ከምኡ መንፈሳዊ ባህሪኡ ድማ ካብ ቃል እግዚአብሔር እንተተኸልከለ ማለት ቃሉ ካብ ምስማዕ፥ንሕጉ ካብምሕላውውን እንተረሓቐ፥ ናብ ሞተ ነፍስ ይበጽሕ፥ከመይሲ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ምግብን መንፈሳዊ ስቴንእዩ(ኣሞጽ8፥11)ተመልከት።ኣንድም፥"ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኮይንካስ በዚ ጠምዩ፥ደኺሙ ዘሎ ሰብነትካ እዘን ኣእማን ሕብስተሕይወት፥ሕብስተ መድሓኒት ይኹና በል"ምባሉ ዘመክት እዩ። ጐይታ ድማ ነዚ÷"ሰብ ዝድኅን ኣካላዊ ቃል ብዝተወሃሃዶ ሥጋ ደኣ እምበር፥ብናይ ዕሩቕብእሲ ሥጋ (ብናይ ተራ ሰብ ሥጋ)ጥራይ ኣይኮነን"ዚብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ ናይ ምምላሱ ዘመልክት እዩ።ከምዚ ጌሩ"ብስስዕቲ"እንተ መጽኦ ብትዕግስቲሰዓሮ(ማቴ4፥1-3)። ሽዑ ንካልኣይ ግዜ ደጊሙ ከኣ ናብታ ቅድስቲ ከተማ (ኢዮሩሳሌም)ወሲዱ፥"ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ሓደ’ውን በቲ ናይ መጀመርታዘቕረበሉ ፈተና ምስተሳዕረን ዘይኮነሉ ምዃኑ ምስ ፈለጠን ቀጺሉ ካልኣይ ግዜ"ብትዕቢት" ክፍትኖ ደለየ እሞ፥ብሓሳቡ"ንካህናት ፈቲነ ስዒረሉ ኣብዘይፈልጥ ገዳም ስለዝኾነ እዩ እምበር፥ንካህናት ኣብ ዝስዕረሉ ቤተ መቕደስ እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ"በለ።እዚ ከኣ ካህናት ኣእምሮናዓሚቕ፥መዓርግና ምጡቕ (ልዑል) እዩ"ብምባር ጾሮም ዕቢት ስለዝኾነ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፥ሓሳቡ ፈሊጡ ናብኢዮሩሳሌም ብምዃድ ናብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ መቕደስ ወጽኣሉ።ሽዑ ኃይሉ ንምግምጋም ኢሉ እዩ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ድኣ ኮይንካስ፥እግርኻብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ክጾሩኻ፥ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፥እስከ ንታሕቲ ጽደፍ"በሎ። ካልእ ኣብዚ ዝነበረስውር ተንኮሉ ድማ፥"በዚ ጸዲፉ እንተተሰብረ ይዓርፍ'፥እንተዘይተሰብረ ድማ ምትኃት እዩ ከብሎ (ምትኃት እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ። ካልእ ከኣእንተገበሮ ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ፥እንተዘይገበሮ ድማ ድኹም ከብሎ ። (ዘይገበሮ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ'በዚ ነገር እንተኾነውንንድኻሙ ምኽንያት ጌይረ ይቐርቦ እንተዘይኮነ ግን ብኻልእ መንገዲ ድማ ይፍትኖ" ዝብል ነበረ። ጐይታ ከኣ፥ነቲ እቲ ፈታኒ ዘቕረቦ ጽሑፍ፥ብጽሑፍመሊሱ÷'ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ። 'ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ" ብማለት ኣሕፈሮ። ከምዚ ኢሉ ብትዕቢት ንዝመጽኦ ብትሕትና ስዓሮ። (ማቴ4፥4-6)። ሳልሳይ ግዜ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሲዱ፥"መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉክኅበካ እየ" በሎ።ኣብ ኩሉ" ወሰዶ ወሰዶ"ማለቱ ተገዲዱ ምዃዱ ዘመልክት ኣይኮነን፥ሓሳቡ ንምርኣይ ባዕሉ ስለዝኸደሉ እዩ።ንሱ እቲ ፈታኒ በቲዘቕረቦ ካልኣይ ፈተና’ውን ምስ ሓፈረን ምስ ተሳዕረን፥ ንነገሥትታት ክስዕረሉ ኣብ ዘይክእል ኣብ ቤተ መቕደስ ስለዝኮነ እምበር፥ ነገሥትታት ኣብዝስዓርሉ ኣብ እምባ (ብስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን) እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ ስለዝበለ፥ጐይታ ድማ ሓሳቡን ፍቕዱን ፈሊጡ ከደሉ። ኣብኡ ከኣከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ክብርታቱን ኣርእዩ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ኽኅበካእየ"በሎ። ንጉሥ ብመንግኅቱ ሰብኣይ ድማ ብሰበይቱ ከም ዝቐንኡ፥እግዚአብሔር ኣምላኽ እውን ብኣምላኽነቱ ቀናእ ስለዝኾነ ። ዘጽ.20፥3-5 )። ሽዑጐይታ" ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ፥ንዕኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን"ኢሉ ገሰጾን ኣባረሮን። (ማቴ4፥7-10)። ሓደ’ውን፥ካብቶም ደድሕረይ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ማለቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ ድያብሎስ ርሓቕ ምስ በሎ፥ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ኣብዚ’ውን ብፍቕሪገንዘብ እንተፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ሰዓሮ። ጐይታ ንድያብሎስ ዝሰዓሮ ብሰብነቱ እምበር ብኣምላኽነቱ ኣይነበረን።ብኣምላኽነቱ ስዒርዎ እንተዝኸዉንጾሙ ዝድነቕ ኣይምኾነን ኔሩ። ብኃይሉ ምስ ኣምላኽ ክማዓራረ ዝኽእል ኣካል’ውን የልቦን። እዚ ጾም እዚ ጐይታ ዝጾሞ ጾም ምዃኑ ርኢና፥ኮይኑ ግና" ሎቱ ስብሐት"ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ፥ከምቲ ንሕና ኃጢኣት ኃልዩናሥርየት ክንረኽበሉ፥ ትሩፋተ ጽድቂ ክኾነና፥ ክንባረኽ፥ ክንቅደሰሉ ኢልና እንጾሞ ዘይኮነ ንዓና ኣርኣያን ስሌናን ዝጾሞ እዩ። ብዛዕባዚኣቐዲሙ÷"ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማኃሩ ኪኾኑ እዮም። "ተባኂሉ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ኢሳ.54፥13። ዮሓ.6፥45/) ረኣ። ካልእ ጐይታ ባዕሉውን "ካባይ ተምኃሩ። "ኢሉ ኣሎ:: (ማቴ11፥29)። መምህር ብቃልን ብግብርን ክምህር ይግባእ።ብሓፈሻ ሓደ ክርስትያን እየ ዝብል ነዚ ክልተ ማለት ቃልን ተግባርን ከም ነፍስን ሥጋን ኣዋሃሂዲ ዝሓዘክኸውን ይግባእ። ጐይታ"እምበኣርሲ ካብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዘፍረሰ፥ከምኡውን ንሰብ ዝመኃረ፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንእሽቶ ክበኃልእዩ።እናፈጸመ ዝምህር ግና፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓቢይ ኪበኃል እዩ"ዝበሎ ምእንቲ’ዚ እዩ። (ማቴ,5፥19)። ጐይታ ዝጾሞ እምበኣር ብኹሉ ንዓናኣርኣያ ንምኻንን ስሌናን እዩ።ብግብሪ ዝጾሞ እዚ ጾም እዚ እዩ፥ብቃል ድማ÷"እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ርኹስ መንፈስ ግና ብጸሎትን ብጾምንእንተ ዘይኮኑ ኣይወጽእን እዩ። "ኢሉ ናይ ጾም ጥቕምን ዕብየትን ምኂሩ ኣሎ።(ማቴ17፥14-21)።ንሕና ድማ ናቱ ሰዓብቲ፥ ኣባጊዑ ስለዝኾና ብዝኃበናትምህርትን ኣርኣያነትን መሠረት ጌርና ንጾሞ። ከመይሲ÷"እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ ይስምዓ እየን፥ድምጹ ስለዘለልያ ድማ ይስዕቦ። "ተባኂሉ ዝተነግረእዩ። (ዮሓ.10፥2-4)። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥"ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። " ዝበሎ’ውን ነዚ ዘጉልሕ ቃልእዩ። (1ይቆሮ11፥1)። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና፥ ንዓና ኣርኣያን ትምህርትን ዝጾሞ ጾም እዩ ክንብል ከሎና÷ v ስሌና ጐይታ ስሌና 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እቲ ፈታኒ(ዲያብሎስ) መጺኡ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ማለት ብስስዕቲ፥ብትዕቢት ብፍቕሪገንዘብ ምስፈተኖ፥ ብስስዕቲ ንዝመጾ _ብትዕግስቲ፡ ብትዕቢት ንዝመጾ _ብትሕትና፡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሐንስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን!! ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ቅዱሳት […]
በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ትምህርና ኃጢያትና በሠለስተ ዓይነት መንገዲ ክንናሳሕ ትእዝዘና። ቀዳማይ ምስ ነብስና ብምዝርራብ ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ካህን ብዝርዝር ንንሳሕ ፡ ሣልሳይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክ ብጸሎትን ብስግዳንን እናተኣሰነና ንንሳሕ። ቀዳማይ ምስ ነብስና ምንሳሕ ከም ዝግብኣና ዝምህረና እቲ ናይ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ንመልከት። እቲ ናይ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 2ይ ክፋል ቅዱስ ጳውሎስ በዚ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ናይ መለኰታዊ ምሥጢር ሰባኺ ኮይኑ። ሃናንያ ከምዚ”ሉ ከምዝነግሮ ። “ እቲ ክትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ ዝተራእየካ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን ናባኻ ልኡኹኒ በሎ ።” ግ.ሓዋ.9፣17። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከርግጽ ከሎ “ ከም ሓሳበይ ግና ከምቲ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። በዓለ ጰራቅሊጦስ ሎሚ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና መበል ፦ ኃምሳ መዓልቲ በጺሕና ኣለና።እዚ መዓልቲ ፣ በዓለ መንፈስቅዱስ፣ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፣ በዓለ ኃምሳ ተባኂሉ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ ዓርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእ¶ለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67፣18 (68፣18) ወንጌል ዮሓ.14፣1-22 ግ.ሓ.2፣1-14 ኤፌ.4፣1-17 1ይዮሓ.2፣1-18 ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ መንፈሳዊ ጸጋኡ ኣብዚ ዕለት ብምልኣት ኣባና ወሪዱ እዩ’ሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጣዕመ ዝማሬ ልዕል ልዕል ነብሎ። ዋላ እካ ዝረኸብናዮ ጸጋ ልዕልንኡንምግላጽ ናትና ቃላት ድኹም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን፡፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-በዓቢይ ኀይል ወሥልጣን፤ ኣሰሮ ለሰይጣን-ኣግዐዞ ለአዳም፤ ሰላም- እምይእዜሰ፤ ኮነ-ፍሥሐ ወሰላም፡፡ ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበምድር ወለዘበሰማያት። ቈላ.፩፡፳። ብእኡ ብደመ መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ቈላስ.1፣20።እግዚአብሔር ኣምላኽና ነታ “ሰሙነ ፍሥሐ” እተሰምየት ሰሙነ ሕማማት “ያፈጽመነ ዛተ ሰሙነ በዳኅናወበሰላም፡ ወያርእየነ ብርሃነ ትንሣኤሁ በፍሥሐ ወበሐሴት” ኢልና ከም ዝለመንናዮ፡ ነዛ ሰሙን ብሰላምኣፈጺሙ፡ ናብዚ ዓቢይን ክቡርን በዓል ትንሣኤኡ ስለ ዘብጽሓና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን፡፡ ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣዳምን ንደቁን ከም ዜድኅኖም ዚሃቦ ተስፋ ድኅነት ንኽፍጽም፡ፍቕርና ስሒብዎ ሥጋ ድሕሪ ምልባሱ፡ እተን ኣብ መወዳእታ ዝፈጸመን ናይ ድኅነት ሥራሓት፡ ስቕለቱንትንሣኤኡን እየን፡፡ ብስቕለቱ ንጹህ ዝኾነ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዓና ካብ ኩሉ ኃጢኣትና ኣንጽሃና፡፡ በቲ ካብ ጎኑ ዝፈሰሰማይ ከኣ ዳግማይ ወለደና፡፡ ብመስቀሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ዘስዕብ ዝነበረ፡ ብጌጋ ናይቲቀዳማይ ሰብ አዳም ዝመጸና ናይ ሞት መርገም ስዒሩ፡ ንሞት ኃይሉን መውግኢኡን መንዚዑ፡ ናብ ገነት (መንግሥተሰማያት) መእተዊ፡ ብእኡ ኣቢልና’ውን ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንኸደሉ መንገዲ ገበሮ፡፡ ብኣካለሥጋ ናብ መቓብር ምስ ኣውረድዎ’ውን፡ ነቶም ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመናት ኣብ ትሕቲ ባርነትዲያብሎስ፡ ኣብ ሲኦል ብእግሪ ኣጋንንቲ ይርገጹ ንዝነበሩ ነፍሳት፡ መለኮት ብዘይተፈለያ ነፍሱ ናብ ሲኦል ወሪዱግእዛን (ሓርነት) ሰበኸሎም፡፡ 1ይጴጥ 3፡19። ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሳገሮም፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ንሓዋርያትነጊርዎም ዝነበረ ድማ፡ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ንሞት ስዒሩ ተንሥአ፡፡ እዚ በዓል እቲ ክሰዓርዝነበሮ ኃያልን ናይ መወዳእታን ጸላኢና ሞት ዝተሳዕረሉ በዓል እዩ፡፡ ዕብ 2፡14-16። ሕጂ ግና እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ ሞት፡ ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ “ክርስቲያናት ዝረግጽዎ፡ ስኑ ዝረገፈ፡ኃይሉ ዝደኸመ ኣንበሳ” ኮይኑ እዩ፡፡ ስለዚ ሞት፡ ሰማእታት ምእንቲ ስሙ እናመስከሩ ብጥብዓት ዝቕበልዎ፡ ጻድቃንከኣ ብወለንታኦም ናብ ኣምላኾም ኪኸዱሉ ዝምነይዎ መሕለፊ (ፋሲካ) ኮነ፡፡ ብእብራይስጥ ‘ፋሲካ’ ማለት- ‘ምሕላፍ’ ማለት እዩ፡፡ ብግእዙ’ውን፡ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት ብሂል፡ በዘቦቱ ዓዶነ እሞት ውስተ ሕይወት-ፋሲካማለት ምስጋር፡ ምሕላፍ ማለት እዩ፡ ብኡኡ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና ” እዩ ዝብል፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳንእስራኤላውያን፡ ሞተ በኵርን መግዛእቲ ግብጽን ካብ ነፍሶም ንኽሓልፈሎም፡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ዘብዓልዎበዓል እዩ፡፡ ኣምላኽ ብብርቱዕ ቅልጽምን ብኃያል ኢድን፡ ካብ መግዛእቲ ግብጺ ኬናግፎም ምስ ፈተወ፡ አብ ምድሪግብጺ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ተኣምር፡ ንበዅሪ ግብጻውያን ምውቃዕ ነበረ፡፡ እዚ ንበዅሪ ኩሉ ፍጥረት ዚቐትልናይ ሞት መንፈስ ከይትንከፎም ምእንቲ ኪሓልፍ፡ ሓደ ገንሸል ወሲዶም ኪሓርዱን ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳትቤቶምን ክልቲኡ ቀዋምን ኪለኽይዎ፡ ነቲ ሥጋ እቲ ገንሸል ከኣ ብማይ ዝበሰለ ወይ ዝሕላ ዘይኮነ ጠቢሶምኪበልዕዎ፡ ሕቖኦም ተዓጢቖም፡ ክዳኖም ተኸዲኖም፡ ሳእኖም መሊሶም፡ ኣባትሮም ሒዞም እናተሃወኹንኺበልዕዎ ድማ ሥርዓት ተዋሂብዎም ነበረ፡፡ ነዚ ምስ ገበሩ ኸኣ እቲ ናይ ሞት መንፈስ ነቲ ደም እናረኣየ ሓሊፉኸደ፡ ፋሲካ ኰነ፡፡ እዚ ሥርዓት እዚ ንግዚኡ እስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጽ ብኸመይ ከም ዝወጹ ምእንቲክዝክርዎን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን ‹ንምንታይ ኢና ብኸምዚ ዝበለ ሥርዓት እነብዕሎ› ኢሎም ምስ ሓተትዎም በቲሥርዓት ጌሮም ነቲ ዝነበረ ኩነታትን ዜደንቕ ግብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ኬዘንትዉሎምን እዩ፡፡ ዘጸ. 12፡1-ፍ.ም። እዚኩሉ ግና ነቲ ኣማናዊ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ዝነበረ፡፡ ገለ ካብኡ እንተረኣና እኳ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸልናይቲ ብዛዕባ ኃጢኣት መኽሰሲ ዘይተረኽቦ፡ ንጹሃ ባህርይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡፡ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ ተታሒዙ ኣብመበል አሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሕራዱ፡ ናይ ጐይታ ምኽሪ ሞቱ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ(ሰኑይ) ጀሚሩ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ ምሳሌ እዩ፡፡ ኪመሲ ከሎ ይሕረድዎ ዝበለ፡ ጐይታ ኣብ ጊዜ ሠርክ ከም ዝሞተ ኬረድእ ከሎ እዩ፡፡ ነቲልዳት ምልካዮም ንግዚኡ፡ ንእኡ እናረኣየ መቅሰፍት ምእንቲ ኪርሕቀሎም እዩ፡፡ ፍጻሜኡ ግና ሎሚ ሥግኡንደሙን ንዝቕበሉ ምእመናን ኣጋንንቲ ከም ዘይቀርብዎም ምሳሌ እዩ፡፡ ሳእንኹም ኣብ እግርኹም ጌርኩም ማለትግብሪ ወንጌል እናሠራሕኩም፡ ሕቖኹም ተዓጢቕኩም ማለት ንጽህናኹም ሓሊኹም፡ ኣባትርኩም ሒዝኩምማለት ነገረ መስቀሉ እናሓሰብኩም፡ እናተሃወኽኩም ብልዕዎ ማለት ከኣ ንግዚኡ መንገደኛታት ስለዝኾኑንፍጻሜኡ ግና ዕለተ ሞት፡ መቓብር ኣሎ እናበልኩም ንበሩ ክብል ከሎ እዩ፡፡ “አብድ ውእቱ ዘይሔሊ ዘእንበለመቃብሩ ዘውእቱ ርስቱ፣ ካብታ ርስቱ ዝኾነት መቓብሩ ካልእ ዝሓስብ ዓሻ እዩ።” ከም ዝበለ ኣረጋዊ መንፈሳዊ፡፡ዐጽሙ ኣይትስበሩ ማለቱ ብዕለት ዓርቢ ናይቶም ክልተ ፈያት መሓዅልቶም ክስበር ከሎ፡ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ግና ‹ ኢሰበሩ ቍይጾ › ከም ዝበለ ዓጽሙ ከም ዘይተሰብረ ምሳሌ እዩ፡፡ ዮሓ. 19፡33። ደራሲ ናይ መልክአኢየሱስ ከም ዝበሎ “በዓለ ትንሣኤ ፋሲካነ ዝንቱ፡ እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ።” እቲ ናይ እስራኤላውያንፋሲካ፡ ናትና ናይ ትንሣኤ በዓልና እዩ፡፡ ብትንሣኤ መርገምን ሞትን፡ ኃጢኣትን ሲኦልን ስለ ዝሓለፈልና ትንሣኤፋሲካና እዩ፡፡ ፋሲካ ብትርጉሙን ብምሳሌኡን ንትንሣኤ ስለ ዜርኢ ኸኣ፡ ንትንሣኤ ፋሲካ እናበልና ነብዕሎ ኣሎና፡፡ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ባህረ ሓሳብ ዝሠርዕ ድማ፡ (ከባቢ 280 ዓ.ም.) ኩሎምክርስቲያናት ንበዓለ ትንሣኤ ኣብ ዕለት ፋሲካ ኣይሁድ፡ ወይ ከኣ ኣብታ ድሕሪኣ እትውዕል ሰንበተ ክርስቲያን (እሁድ) የብዕልዎ ነበሩ፡፡ ብድሕሪኡ ግና ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት እተሰማምዓሉ፡ ኣብ መንበረ ዲሜጥሮስ ዝተሰየመ ናይእስክንድርያ ፓትርያርክ፡ ናይ በዓል ደብዳበ (Festal Letter) ናብ ኩሉ ኪሰድድ እሞ ብሓደ ኬብዕላኦ ናይ ነዊሕ ዘመንልምዲ ነበረ፡፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ካብ መስቀል ኣውሪዶም፡ኣብ ሓዲሽ መቓብር ምስ ቀበርዎ፡ ኣይሁድ “ ክትንሥእ እየ ብል ነይሩ እዩ እሞ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲመጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ዝገደደ ስሕተት ከይኸውን፡ እቲ መቓብር ንሠለስተ መዓልቲ ብጽኑዕ ይተሓሎ።” ኢሎምንጲላጦስ ነጊሮም፡ ነቲ መቓብር ማኅተም ገበሩሉ፡ ብብዙሕ ሠራዊት’ውን ከም ዝሕሎ ገበሩ፡፡ ጐይታ ግና ካብመስቀሉ፡ ብኣካለ ነፍስ ናብ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብ ሲኦል ብሃረርታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነፍሳት “ሰላምለኩልክሙ” ኢሉ ናይ ሓርነት ብሥራት ኣወጀሎም፡፡ “እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሐ፡ ሰበከ ሎሙግዕዛነ” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ፡፡ “ዐረገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ ። ነቶም ምሩኻት ማሪኽካ ናብኣርያም ደየብካ። ” ንዝብል ትንቢት ዝፈጸመ ጐይታ፡ ንሲኦል ጥራሓ ኣትሪፉ፡ ነቶም ነፍሳት ናብ ገነት ኣእተዎም፡፡ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ናይ ትንሣኤ ትምህርቱ (Paschal Sermon) “ሲኦል ተሳዒራ እያ እሞ ብርቱዕ ሓዘንሓዘነት፡ ሲኦል ተዋሪዳ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ጥራሓ ተሪፋ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ተደርቢያ እያ እሞ ሓዘነት፡ሲኦል ብመቝሕ ተኣሲራ እያ እሞ ሓዘነት፡፡ ንሳ ንሥጋ ዝወሰደት መሲልዋ ምስ ኣምላኽ ፊት ንፊት ተራኸበት፡ምድራዊ ናብኣ ዝኣተወ መሰላ ንሱ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ጸንሓ፡ ነቲ ዝረአ ወሲዳ ኣብ ኢድ እቲ ዘይርአ ወደቐት፡፡” በለ፡፡ጐይታ ነዚ ዕዮኡ ምስ ወድአ፡ ከምቲ ብትንቢትን ብምሳሌን ዝተነግረሉ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ብኃይሊ ሥልጣኑተንሥአ፡፡ ነዚ’ውን ኣቐዲሙ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ… ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋእምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን፡፡ በጃ ከሕልፋ ሥልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ክወስዳ’ውን ሥልጣን ኣሎኒ፡፡” ኢሉ ከምዝተዛረበ፡ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸቐጥዎ እምንን ዝሓተምዎ ማሕተምን ከይሓዞ፡ ከምቲስኻር ዝሓደጎ ኃያል ሰብን፡ ከም ካብ ድቃስ ምብርባርን ተንሥአ፡፡ ዮሓ. 10፡17-18። መዝ,77-65 ) ሞት ከምቶምቀዳሞት ሰባት ንዕኡ’ውን ኪሕዞ ሓሰበ፡፡ ንሱ ግና ብፍቓዱ ደኣ እምበር፡ ሞት ኪሕዞ ዘይክእል ኃያል ኣምላኽስለዝኾነ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፡ ንሞት ቀቲሉ ተንሥአ፡፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው “ወበከመከይሲ ዘኮነ ያመልክዎ ሰብአ ባቢሎን ሶበ ውህጠ መብልዐ ዘመጠዎ ነቢይ ተሠጥቀ እማእከሉ፡ ከማሁ ተሰጥቀሞት ሶበ ውህጠ ሥጋሁ ለእግዚእ፥ ወሶበ ውህጠ ውእተ ሥጋ ቅዱሰ ሠጠቀ ከርሶ ወተንሥአ እሙታን ሕያወ።” “ከምቲ ሰብ ባቢሎን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኣራዊት፡ ነቲ እቲ ነቢይ (ዳንኤል) ዝሃቦ መብልዕ ምስ ወሓጦ ካብ ማእከሉዝተጨደ፤ ከምኡ ሞት’ውን ናይ ጐይታ ሥጋ ምስ ወሓጠ፡ ነቲ ቅዱስ ሥጋ ምስ ወሓጦ፡ ከብዱ ጨደዶ፡ ካብ ሙታንድማ ህያው ኮይኑ ተንሥአ” ብምባል ጐይታ ንሞት ከመይ ከምዝሰዓሮ ይገልጽ፡፡ (ሃ.አ. ፷፯፡፲፰) ምትንሥኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መልክአ ኢየሱስ “ዐቀብተ መቃብር ኣዕላፍ እንበለ ይስምዑ ቀርነ ጽዋዔ” ዝተባህለ፡ብሕቱም ደንግልና ከም ዝተወልደ ካብ ሕቱም መቓብር እዩ፡፡ እቲ ነቶም ሓለውቲ ከም ምውታት ዘውደቖምንራዕራዕ ዘበሎምን “ዐቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ግና፡ እቲ መልኣኽ ኪወርድ ከሎ ደኣ እምበር ጐይታ ኪትንሥእ ከሎምዃኑ ኣይንረክብን ኢና፡፡ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር፡ እሬሲ መድኅኒተ ወአግህድቦቱ።”፡ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ጸሩ።” ወዘተ ዝብል ትንቢታት ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ተፈጸመ፡፡ እቲሰማያትን ምድርን ኪጾርዎ ዘይከኣሎም ኣምላኽ፡ ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ሓዲሩተንሥአ፡፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዚትንሥእ ብትንቢት፡ “ወበሠሉስ መዋዕል ይሤርየነ ወያሐይወነ-ብሳልሰይቲመዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ፡፡ ኣብ ቅድሚኡ’ውን ብሕይወት ክንነብር ኢና።” ሆሴ. 6፡1-2። ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ፡፡ምሳሌኡ ኸኣ፡ አብርሃም ንይስሓቅ ብሕሊናኡ ምስ ሠውኦ፡ ኣብ ሣልቲይ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ እዩ፡፡ ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝተዛረቦ’ውን “ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓቢይ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትንከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን” ገይሩ እዩ፡፡ ዘፍ.22፡2.4.12። ት.ዮና.2፡1 ማቴ. 12፡40። ሠለስተ መዓልቲ ናይ ምዃኑ ምሥጢር ከኣ፡ ጐይታና […]
ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ […]