በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።   ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል። ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወልደ፤ እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ) መዝ ፹፮፥፭ (87፥5) ብምባል ብዘይናወጽ […]

Continue reading

ጾመ ነብያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።   ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣  ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ ፣ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቐቢሉ ኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ፣ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻል’ውን ንኣዳም ዝተዋኅቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ […]

Continue reading

እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ)

እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ) “ ዘረባ ሓማዪ ከም ጥዑም ኵልሶ እዩ፡ ሰብ ከአ ተሓጕሱ ይዉሕጦ” ምሳ18፡8 ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ንፍዕቲ  ሰበይቲ ነበረት። እዛ ሰበይቲ ንደቃ ብስነ-ስርዓት ትኣሊ፡ ንበዓል ቤታ  ደማ ኣዝያ ተፍቅሮ ። ዓመታዊ  ክብረ በዓል  ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንነዳያን ኣብ ቤታ ኣኪባ ብስም ቅዱሳን ጸበል ትገብር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ቀጻሊ […]

Continue reading

እንቋዕ  ናብ  ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብጸሓና! ምስባክ ይትዐየን መልአከ እግዚአብሔር ዐውዶሙ ለእለ ይፈርህዎ ወያድኅኖም ጣዕሙ ወታእምሩ ከመኄር እግዚአብሔር። መዝ. 33 (34)7-8፣ ኤፊ.1፣13-ፍጻሜ።  ይሁዳ.1፣9-14። ግ.ሓዋ.1፣10-12። ማቴ. 25፣14-31። ቅዳሴ ተንሥኡ አው ባስልዮስ   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቅዱስ ሚካኤል “ መን ከም እግዚአብሔር ከም እግዚአብሔር ማንም የለን። ” […]

Continue reading

ደብረ ቁስቋም

ሕዳር ፮ (6)  በዓታ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም ምስባክ ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤተ ወማዕነቅኒ ኀበ ታነብር እጐሊሃ ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን መዝ. 83-3 (84-3) 2ይቆረ.8፣1-6። 2ይዮሓ.1፣9። ግ.ሓዋ. 1፣12-1። ወንጌል. ማቴ. 2፣19። ቅዳሴ.  ዘእግዚእነ (ነአኲተከ)   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን።   ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ […]

Continue reading

ምሥጢር ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እናማሳሣጠረ፣ ብብዙኃ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እናዛመደ ዝነግር እዩ። 1. ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብማርያም ዕፀሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ። “ኣህዛብ ብኣኺ ዝዝተባረኹ ናይ […]

Continue reading

ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ(2ይ ክፋል)፧ እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣ ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣ ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣ በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡ ቅዱስ ዳዊት ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ናብ ከተማ ክኣቱ ከሎ ብሙሉእ ኃይሉ ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ክዝምር  ሜልኮልምስ ረኣየቶብልባ ኒዒቓቶ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር […]

Continue reading

ማኅሌተ ጽጌ ካባይ መጸ፧ ትርጉመ’ኸ እንታይ ማለት እዩ፧ (ቀዳማይ ክፋል) እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፉሉይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና  ኣገልግሎት ዝውዕልግዜ ግን  ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ኢዩ።ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ  ስደት ዘምርሓትሉ መሪርን ኣድካምን እዋናት ዘሕለፈትሉ ዘመን እዩ። ኣብ ሃገርና ወርሓ መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባን  ዕንበባ (ዘመነ ጽጌ)  ወርሓት እዮም። እዚ እዋን ኣኽራናት […]

Continue reading

ዘመነ ጽጌ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ። ኣብ ሃገርና መስከረም 25 ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ መስከረም 26 ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ጽጌ ማለት ዕምበባ ማለት ክኸውን ከሎ ዘመኔ ጽጌ  ማለት ናይ ዕንበባ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ዕንበባ ዝዕንብበሉ መሬት ብዕንበባ ትምዕርገሉ እዩ።          እዚ እዋን ብቅድስቲ ቤተክርስቲያና […]

Continue reading

መስቀል2

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም። “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ” መዝ ፶፱፥፬ (“ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም ፈተውትኻ ምእንቲ ክናገፉ” መዝ 60፥4)   መስቀል ኣብ ዘመነ ብሉይ  መስቀል ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት በበይኑ ትርጉምን ዕላማን ከምዝነበሮ ይንገርእዩ። ኣብ ፈሪሳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ከለዳውያን፡ ሮማውያንን ከም መቕጽዒ ገበነኛ፤ ኣብ ኣይሁድ ከም ምልክት መርገም ወቦ ዘተርፈይውሰድን ይጥቐሙሉን ነበሩ። (ዘዳ ፳፩፥፳፪/21፥22) ብኸምኡ ኸኣ ብዙኃት ገበነኛ ምዃኖም ዝተበየነሎም ሰባት፡ ብመስቀልተቐጺዖምን ጽዋዕ ሞት ኣልዒሎምን እዮም።    ዋላ ሓደ በደል ንዘይተረኽቦ ጐይታ፤ እኩያን ሰባት ንሞት ክፈርድዎ ከለዉ ነቲ ንሳቶም ዝኸፈአ መቕጽዒ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ናይመስቀል ሞት መሪጾም ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰባት ብኽፍኣቶም ብኸምኡ ይሕሰቡ ደኣ እምበር፡ እግዚአብሔር ንኵሉ ብመደብስለዝገብሮ፤ ጐይታ ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ክስቀል ምምራጹ፡ ኣቐዲሙ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ምንባሩ ደቂ ሰባትኣየስተውዕልዎን ነበሩ። ነቲ ትንቢት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን ነበረ። ብሓቂ ድማ መድኃኒታ ኣብ ቅድሚኣ ተሰቒሉ ከሎእስራኤል ኣይፈለጠቶን ነበረት። ስለዚ ኸኣ ነገረ መስቀል ጐይታ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤዝተቖጽረሉ ምዃኑ መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። ደቂ ሰባት ኣብ ዝንዕቕዎ ስፍራ መብልዕ ማል ብትሕትናዝተወልደ ጐይታ፤ ነቲ ሰባት ከም መርገምን ውርደትን ዝቖጽርዎ ናይ መስቀል ሞት ክመውትን፡ መርገምና ክጸውርን ኅስረትና ናብክብረት ክልውጥን ፍቓዱ ስለዝኾነ፤ ጐይታ፡ ሰባት ምልክት መርገም ንዝሓስብዎ ዝነበሩ መስቀል መረጸ። ብክቡር ደሙን ቅዱስሥግኡን ኸኣ ንመስቀል ቀደሰ፡ ኣኽበረ። እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ኣቦታት ነገረ መስቀሉ ብመንፈስ ኣቐዲሞም ተረዲኦም ይባረኹሉከምዝነበሩ ያዕቆብ ኣብነት ይኾነና እዩ። ያዕቆብ ኣእዳዉ ብኣምሳል መስቀል ኣመሳቒሉ ንደቁ ከምዝባረኾም ጽሑፍ እዩ። (ዘፍ፵፰፥፰-፲፮/ 48፥8-16) ምሳሌን ኅብረ ነገርን ናይ መስቀል ዝኾኑ ነገራት ኸኣ ኣቐዲሞም ካብ ኦሪት ኣትሒዞም እግዚአብሔርብፈተውቱ ኣቢሉ የርእይን ይፍጽምን ነበረ። ንኣብነት ያዕቆብ ቅድሚ ምማቱ ኣብ መተርኣሱ ዝሰገደላ በትሩ (ዘፍጥ፵፯፥፲፬/47፥14)፤ ባሕሪ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፍ ፲፬/14)፤ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰቐሎን ኣስራዝ ተመን ዝገበረሉን (ዘኁ፳፩፥፩-፱/21፥1-9 ዮሐ ፫፥፲፬-፲፭/3፥14-15) ወቦ ዘተርፈ ምጥቓስ ይከኣል።    መስቀል ኣብ ዘመነ ሓዲስ  ድኅሪ ልደት ክርስቶስ ግና መስቀል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖርሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ብምዃኑ፡ትእምርቲ መርገምን ውርደትን ምዃኑ ተሪፉ፡ ትእምርቲ በረኸትን ልዕልናን ኮይኑ ኣሎ። ትእምርቲ ሓፍረትን ሕስረትን ዘይኮነስትእምርቲ ክብርን ናጽነትን ኮነ።    መስቀል መሠረት ሕይወትናን ምልክት ድኅነትናን እዩ። መስቀል ኃይልነ፤ መስቀል ጽንዕነ፤ መስቀል ቤዛነ፤ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነከምቲ እንብሎ መስቀል ካብ ክፉእ ዘበለ እንድኅነሉ ኃይልና እዩ። ንርእሱ ብክቡር ደምን ቅዱስ ሥጋን ክርስቶስ ተባሪኹ፡ ነቲ ናትናዘበለ ኸኣ ንባርኸሉን ንቕድሰሉን ክቡርን ቅዱስን ንዋይ እዩ። መስቀል ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ፍጹም ሰላምን ዕርቅንከምዝወረደ ዘብስር ናይ ክርስቲያን ኮኸብ እዩ። ሰይጣን ከምዝተሣዕረ ዝምስክር ዋልታ ክርስቲያናት እዩ። ሓድሽ ኪዳንከምዝተተኽለ ዝሰብኽ ዓንዲ ሃይማኖት እዩ።    መስቀል ቅድሚ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስቃሉ ካልእ ናይ ውርደትን መርገምን ታሪኽ እኳ እንተነበሮ፤ ጐይታ ግና ነዚ ታሪኽ መስቀልቀይርዎ እዩ። ክርስቲያናት ኣምላኾም ብምስማር ተሸንኪሩ፡ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ ቅዱስ ሥግኡ ዝቖረሰሉ ስለዝኾነ ነዚ ፍቕሪእናዘከሩ ዝምክሑሉ ቅዱስ ትእምርቲ እዩ።    ሊቃውንት’ውን ምሳሌን ፍጻሜን እናመሳሰሉን እናመሣጠሩን ከምዝገልጽዎ፦ ሞት ብምኽንያት ዕፅ (በለስ) ከምዝኣተወ፡ ሕይወት ኸኣብዕፀ መስቀል ተረኺቡ። ብዕፅ ምኽንያት ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ናይ ሞት ኣርዑት፡ ብምኽንያት ዕጽ(መስቀል) ተሰብረልና። ዲያብሎስንኣዳም ብምኽንያት ዕጽ ከምዝሠዓሮ፡ በትሪ ብበትሪ ከምዝምከት ጐይታና ከኣ ብዕፀ መስቀል ሠዓሮን ርእሲ ናይቲ ጥንተ ጸላኢናተመን (ዲያብሎስ) ቀጥቀጦን። ከምቲ ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበረ ዓለም ብማይ ጠፊኡ ከብቅዕ፡ ጐይታ ግና ብጥምቀት ገይሩ ነቲ ማይናብ ድኅነትና ዝለወጦ፤ ነቲ መቕጽዒ ገበነኛ ዝነበረ መስቀል፡ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ ምእንታና ከም ገበነኛ ተቖጺሩነቲ መስቀል ቀደሶን መቕጽዒ ዲያብሎስ ገይሩ ድማ ሃበናን።    ስለቲ ኵሉ መስተንክር ግብሩ ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን።    ምኽንያት ክብረ በዓል  ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓመት መጸ ፲፯ መስከረም ብዓቢይ ድምቀት እያ እትብዓል። እዚ በዓል’ዚ ኣዝዩዓቢይ ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ይኽበር ኣሎ። በዓል መስቀል ኣብ ፲፯ መስከረም ዝኽበረሉምኽንያት፡ ኣይሁድ ድኅሪ ስቅለት ጐይታ ብዕጸ መስቀሉ ዝግበር ዝነበረ በበይኑ ተኣምራት ርእዮም ስለዝቐንኡ፡ ሰባት በቲ ተኣምራትተሳሒቦም ናብ እምነት ከይመጹን ግብሩ ተደፊኑ ምእንቲ ክተርፍን፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ቀቢሮሞ ነበሩ። ብኣዋጅ ድማ ኵሉ ነባሪኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ክጕሕፈሉ ብምእዛዝ ኣብ ልዕሊ ጓሓፍ ካልእ ጓሓፍ እናተወሰኾ ጎቦ ኮይኑ ኣሰር መስቀል ንኽሰኣን ተደርበየ። ናይደቂ ሰባት ዕሽነት ኸኣ እዚ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ዝንስሑ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ጌጋ ክፍጽሙን፡ ምስ ኃይሊእግዚአብሔር ክራጸሙን ዝረኣዩ ምዃኖም እዩ። ኃይልን ምኽርን ሰብ ጊዜያዊ ስለዝኾነ፡ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ኣምላኽ ከልካሊ ዓጋቲስለዘይብሉ መስቀሉ ተቐቢሩ ክተርፍ ኣይከኣለን። ንግብሪ ኣምላኽ ሰብ’ውን ሓቢኡ ዝሓብኦ ስለዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ጊዜ ክግሃድግድን ኮነ።    እምበኣር እግዚአብሔር ዝሰርሓሉ ናቱ መደብን እዋንን ስለዘለዎ፡ ድኅሪ ኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሰቃቒ ዘመነ ሰማእታትኣብ ምብቕዑ፡ ንኣደ መፍቀሬ ሃይማኖት ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ፍቕሪ መስቀሉ ኣኅዲሩ ኣልዓዓላ። እቲ ንጉሥ’ውን ምሉእ ሮምጠቕሊሉ ቅድሚ ምሓዙ፡ ነቲ ሓደ ክፋል ሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነገሥታት “ኣብያተ ክርስቲያናት ይትዓጸዋ፤ ኣብይተ ጣኦታትይረኃዋ” ዝብል ኣዋጅ ከምዝነበሮም ይዝከር። ንሱ’ውን ምስቲ ኣንጻሩ ዝነበረ ኣረማዊ ንጉሥ (መክሲሚያኖስ) ክገጥም ኣብ ዝተበገሰሉእግዚአብሔር ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ በዚ ምልክት ክትዕወት ኢኻ ዝብል ቅርጺ መስቀል ኣርእይዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንሠራዊቱ ኣብዋልትኦምን ኣፍራሶምን ምልክት መስቀል ክገብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። ብኸምኡ ኸኣ ስለዝተዓወተ እምነትን ፍቕርን መስቀል ሓዲርዎነበረ። ኣቐዲማ’ውን ኣዲኡ ካብ ኣረማዊ ንጉሥ ቍንስጣ ዝወለደቶ ወዳ ቈስጠንጢኖስ ክርስቲያን እንተኮይኑላ፡ ካብ ቍስጥንጥንያናብ ኢየሩሳሌም ተሳጊራ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከተውጽእን፡ ዝፈረሱ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክትሓንጽን ተማባጺዓ ነበረት። እቲ ጸሎታንትምኒታን ስለዝሠመረላ ኸኣ ከም መብጽዓኣ ነቲ መስቀል ከተናዲን፡ ካብቲ ዝተቐብረሉ ከተውጽኦን ሓሰበትን ተበጋገሰትን። ወዳ ድማብሓሳባ ተሓጒሱ ብዝኅ ዝበለ ገንዘብን ሠራዊትን ኣማሊኡ ናብ ኢየሩሳሌም ክሰዳ ፍቓደኛ ኮነ።    ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ድማ እግዚአብሔር ክገልጸላን ሓሳባ ከፈጽማን ሱባኤ ኣተወት። ነቶም ኣንጻር መስቀሉ ዝነበሩ ኣይሁድክነግርዋ ዝገበረቶ ፈተነ ኸኣ ኣይሰለጣን። ስለዚ ኸኣ ንግሥት እሌኒ ኣብ ከባቢ ፫፻፳፯ ዓ.ም. (327) ነዚ መስቀል ንኽትረክብብፍጹም እምነት ንእትገብሮ ጻዕሪ መጀመርታ ካብ ኣባ መቃርስ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ፈለመት፤ ንሱ’ውን ሓመድ ኣብ ልዕሊኡተኾሚሩ ከምዝተደርበየ ብታሪኽ ከምዝዝንቶ ነገራ። ቀጺሉ ኸኣ ንኣረጋዊ ኪራኮስ ረኺባ ኣቦታቱ ኣብ ከባቢ ቀራንዮ ከምዘሎከምዝነገርዎ ኣዘንተወላ፤ ካብ ሱባኤኣ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ብዝነገራ ንሕዝቢ ኣዚዛ ዳሜራ ተኺላ (ደሚራ) ዕጣን ወሲኻ፡ ጸሎትንምሕለላን ብምብጻሕ ንኣምላኽ ምስ ለመነቶ፡ እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ደይቡ፡ ነታ ቦታ ከመልክት ኣብቲ ቅዱስ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታብምውራድ ሓበረ (ሰገደ)። ካብቲ ሕዝቢ ዳሜራ (ዕንጨይቲ) ኣኪባ ዘቃጸለትሉን ምልክት ዝሃባን ዕለት ፲፮ መስከረም እዩ። ኵዕታኸኣ ፲፯ መስከረም ከምዝተጀመረ ይግለጽ።    ብመሠረት ሓበሬታ እቲ ተኣምራታዊ ትኪ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ ቦታ ተዃዒቱ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም መስቀለ ክርስቶስ ፲ መጋቢትክርከብን ክውጽእን ኸኣለ። ካብቶም ምስኡ ዝተረኽቡ መሳቅል ከኣ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ክፍለ ክኢሉ። ሎሚ ዳሜራ ደሚርናእነኸብሮ ፲፮ መስከረም ቅድስት እሌኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕኒጻ ዝተባረኸሉ ክኸውን ከሎ፡ ፲፯ መስከረም ድማቅዳሴ ቤቱ ዘኽበረትሉን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ፲ መጋቢት ከይከውን ግና እቲ እዋን እቲ ናይ ጾም (ዓቢይ) እዋን ስለዝኾነ፤ ኣብ ጊዜጾም ድማ ሓጐስን ይባቤን ምግባር ክልኵል ስለዝኾነ፡ ከምቲ ልማድ ሊቃውንቲ በዓል ምስ በዓል ብምዝማድ ኣብዚ መስከረምተሳሒቡ ከምዝኽበር ይግበር ኣሎ። ነቲ እሌኒ ዝፈጸመቶ ታሪኽ ንምዝካር ድማ ዳሜራ ኣብሪህና ነብዕሎ ኣሎና። እቶም ምእመናንድማ ነቲ ብብዙኅ ድኻም ዝተረኽበ መስቀል ዜናኡ ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም፡ ነቲ ዜና ነቶም ዘይሰምዑ ንምብሳር ሆየ ሆየ እናበሉ ሽግንዝወልዕዎ ምኽንያት ብምግባር ኸኣ ሽግ ንውልዕ። ክብሪ ቅዱስ መስቀል  ብዛዕባ ክብሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተጻሒፉ ይርከብ። ቤተ ክርስቲያን’ውን መሠረታ መስቀል ቀራንዮ፤ ጉዕዞኣመስቀል፡ ዕላምኣ መስቀል እዩ። ስለዚ ኸኣ ንኵሉ ንዋያታ ብመስቀል ተኽብሮምን ትባርኾምን፤ ምልክት መስቀል ድማ ትገብረሎምን።በዚ መሠረት ኸኣ ንሕና ምእመናን ንመስቀለ ክርስቶስ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ። ምኽንያቱ መስቀል፦  ኣምላኽናክንደየናይ ከምዘፍቅረና ንዝክረሉን ነስተንትነሉን እዩ። “ንሱ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘሕለፈ በዚንፍቕሪ ንፈልጦ ኣሎና” (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16) ነቲ ፍጹም ፍቕሩ ክገልጸልና ዝመረጾ ስፍራ ክቡር መስቀሉ ስለዝኾነ፤ንጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነፍቅር ኵልና፡ መስቀሉ ከነፍቅር ናይ ግድን እዩ። ጐይታ በጃ ኣባጊዑ ብሥልጣኑ ንርእሱንናይ መስቀል ሞት ኣኅሊፉ ምሃቡ ሓቀኛ ጓሳና ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነሲ ብክቡር ደሙ እዩ ዓዲጉናን፡ ካብመግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡናን። ስለዚ ማኅተም ፍቕሩ ኣብ መስቀሉ ንረኽቦ ኢና እሞ ናብ መስቀሉን ፍቕሩን ነቕልብ።  ቅዱስሥግኡ ዝተቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ዙፋኑ እዩ። አምላከ ሰማይ ወምድር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ምድራዊ ዙፋኑ ክኸውን ዝመረጾ ቅዱስ መስቀሉ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ክንክብር ምእንቲ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ቅዱስ ሥግኡቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ ኢሉ ንዓለም ሕይወት ዝሃበሉ ስለዝኾነ። እቶም ናቱ ዝኾኑ ኸኣ ክቕመጠሉንመረጾ መንበሩ ይፈትዉ (ሉቃ ፳፪፥፲፮-፲፱/22፥16-19)።  ዲያብሎስዝሓፈረሉ፡ ሞት ዝተሣዕረሉ፡ ደቂ ኣዳም ካብ ሲዖል ሓራ ዝወጸሉ እዩ። (ኤፌ ፪፥፲፮/2፥16) ኣቐዲሙብሰንኪ ውድቀት ኣዳም ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፬/5፥12-14) ይኹን ደኣ እምበር ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንጸላኢና ዲያብሎስ ካብ መገዲ ኣወጊድዎ። ኣብ ልዕሌናውን ኃይሊ ከምዘይህልዎንከምዘይሥልጥን’ውን ገበሮ። ዲያብሎስ ብመስቀል ስለዝተሣዕረ ኸኣ መስቀል ምልክት ኃይልና ክኸውን ድማ ስለዝተዋህበናን ወትሩጸሎትናን ካልእ ጕዳያትናን ብትእምርተ መስቀል ገጽና ብምምዕታብ ንጅምርን፤ ንዝጻብኣና ዘበለ ካባናን ካብ ከባቢናን ነርሕቕን።ዲያብሎስ ኃይሉ ዝሰኣነሉ ዝሓፈረሉን ዝተዋረደሉን መስቀል ጐይታ ብምዃኑ ድማ መስቀል ትምክሕትና እዩ። “ነቲ ብሕጋጋትዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶምሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” (ቈሎ ፪፥፲፬/2፥14) ጐይታና ኣብመስቀል ሞይቱ ንሞት ካባና ስለዘወገደልና ከምዚ ኢልና ክንዛረብ ክኢልና፦ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፤ ኣታ ሲዖል ኣበይ ኣሎዓወትካ” (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፶፬/15፥54)  ጥበብዲያብሎስ ዘፍርሰሉን፡ ጥበብ ጠቢባን ከንቱ ዝገበረሉን እዩ። ዲያብሎስ ብሥጋ ከይሲ ተሠዊሩ፡ ብዕፅትምኒት ኣምላኽነት ኣኅዲሩን ኣታሊሉን፡ ንኣዳምን ሔዋንን ካብታ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ካብ ልዑል ጐይትኦም እግዚአብሔር ፈለዮም።ጐይታ ድማ ጥበብ ዲያብሎስ ክሥዕር ኣብ ዕፅ ተሰቒሉ ሕይወትን ጸጋን ሃቦም። እግዚአብሔር ድንቂ ሥራሕ ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡ ሰባትብዘይጽበይዎን ብዘስተናዕቕዎን ነገራት ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዘረድኣና እዩ። ባሕሪ ኤርትራ ክኸፈል በትሪ ሙሴ እዩመሪጹ፤ ንእስራኤላውያን ካብ ሞት ከድኅኖም ከሎ ኣስራዚ ተመን ጥራይ ከምዝጥምቱ እዩ ገይርዎም። ንሞት ንምሥዓር’ውን ንሞቱመረጸ እምበር ሰይፍን ሠራዊትን ኣይጸወዐን። ጥበብ ጠቢባን’ውን ከንቱ ንምግባር ነቲ ሰባት ዝንዕቕዎ መረጸ፤ ንዲያብሎስ ኸኣብዘይተጸበዮ ጥበብ መጾ። “ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ሥጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፳፯/1፥27)  ዝተዓጽወኣፍ ደገ ናይ ገነት ዝተራኅወሉ እዩ። ብምኽንያት በደል ኣዳም እግዚአብሔር ንኽገዝኣን ከመሓድራን ካብዝተዋህበቶ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ወዲ ሰብ ተሰጐ። ዳግማይ ከይምለሳውን ብሰይፊ ኪሩቤል ተዓጽወት። ጐይታናን ኣምላኽናን ግናኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ናይ ቀደም ርስትና ንዝኾነት ገነት ከፊቱልና። “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ናይ ብስራትድምፂ ኸኣ ኣስምዓና። (ሉቃ ፳፫፥፵፫/23፥43) ስለዚ መስቀሉ ኣብ እንርእየሉ ደቂ ሰባት ን፭ሺሕን ፭፻ ሚእትን ዓመታት ዝኣክል ናይዝተጸበይዋ ርኅወተ ገነት ንዝክር።  መንፈሳዊኃይሊ ንረኽበሉ፤ ዕዮና ንባርኸሉ እዩ። መስቀል ንኣጋንንቲ ዘርሕቕ በረኸት ዘውህብ ብምዃኑ፡ ዕዮና ካብመጻወድያ ኣጋንንቲ ኣርሒቑ ዝተባረኸ ይገብሮ። “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንእንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ” ከምዝበሎ፡ ንተንኮላትን ተጻብኦን ጸላኢና ዲያብሎስን ኃጢኣተ ዓለምን ንሥዕረሉ ኃይሊ ብመስቀሉ ንረክብ። (ቀዳማይ ቆሮ፩፥፲፰/1፥18) ነገረ መስቀሉ ወትሩ ኣብ ልቦናና ምስ እንስተንትኖ፡ ጐይታና ስሌና ዝገበሮን ዝተቐበሎን መከራ ኣብ ልብና ምስእንኃትሞ፡ ወትሩ ክፍትነናን ብኃጢኣት ክወግኣና ዝደሊን ሥጋዊ ፈቓዳትና ኃይሉ ይደክም፤ ዝፍተናንውን ካባና ይርሕቕ። ስምቅድስት ሥላሴ ጸዊዕና ናትና እንብሎ ንብረትናን ሥራሕናን ብመስቀሉ ምስ እንባርኾ፤ ኵሉ ዝተባረኸ ይኸውን። ስለዚ ኸኣ እዩክባርኹ ሥልጣን ዝተዋህቦም ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናት፡ ካብ ኣእዳዎም መስቀል ዘይፍለይን ንኵሉ ድማ ብመስቀል ዝባርኹን።ንሕና’ውን ነዚ በረኸት ንምርካብ እዩ ክንቕልጥፍን፤ ክንተግህን ምዕዶ ዝወሃበና።  መስቀልመመክሒና እዩ። “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት፤ ኣነ እውንንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ” በለ እቲ ዓቢይ መምህር ቅዱስ ጳውሎስ። ብክርስቶስ ክርስቲያንዝኾነ ዘበለ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ስለዝኾነ ነዚ መመክሒ ክድገፈሉ ዝግባእ እዩ። (ገላ ፮፥፲፭/6፥15)  መስቀልሰላምና እዩ። ወዲ ሰብ ብሰንኪ ሕጉ ምፍራሱ ካብ እግዚአብሔር ስለዝተፈለየ፤ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰላምንጸጋን ስኢንዎ ነበረ። ኣብ ሓዘንን ጭንቀትን እናነበረ ኸኣ ዘመናት ኣሕለፈ። እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘተስፈዎም ጊዜ ምስ ኣኸለሰላምና ክምልስ ጐይታ ፍቓዱ ምስ ኮነ፡ እቲ ናይ ሰላምና ምልክት ንመስቀል ገበሮ። “አምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደምገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ” (ቈላ ፩፥፳/1፥20)  ናይጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህያብ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክረሉ እዩ። (ዮሐ፲፱፥፳፭/19፥25) ጐይታና ኵሉ ዝመጸሉ ዕላማ ፈጺሙ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉ፡ ነታ ክብርት ወላዲቱ ኣብ እግሪመስቀሉ ኮይና ክትሓዝን ከላ ስቕ ኣይበላን። ኣብቲ ብሰብ መግለጺ ዘይርከቦ ጽንኩር ናይ መስቀል እዋን፤ ትንቢት ነቢያት፤ ተስፋኪዳን ብኣኣ ከምዝተፈጸመ ብዝረገጋጽ ቃላት “እንሃት ኣዴኻ” ብምባል ንዮሓንስ ኣብ ክንዲ ኵልና ኣደ ክትኾኖ ብሓደራ ሃቦ።ንሱ’ውን ተቐቢሉ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ንዓዓ ዝሃበና እግዚአብሔር ይመስገን፤ ናብ ኣባይቲ ልቦናና ክንወስዳን ከነእትዋን ኣብ መስቀልብኣምላኽ ህያብ ዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ኣዴና እያ። ስለዚ መስቀሉ ብዝረኣናን ብዝተሳለምናን፡ ኣብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉብጸጋ ኣደ ክትኮነና ንዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክር፤ ክብርቲ ህያብ ጐይታ ስለዝኾነት።  ንመስቀል ዝግብኦ ናይ ፀጋ ስግደት  ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ብትንቢት “ናብ ማኅደሩ ንኣቱ ኣብ መርገጽ እግሩ እውን ንሰግድ” […]

Continue reading