በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 2. ቅድስት ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ትርጉም ናይቲ ቃልምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነትቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ 4፥2) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውንይፍለጥ፤ ነተን ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ። እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መኽፈሊእቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለትብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውንንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም። ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባሕሪኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባሕሪኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። (ኢሳ 6፥1-3 ፤ ራእ 4፥8) መሠረትን ምንጭን ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ፤ ዘኽብር፤ ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ሓቂ እዩ “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይቕጸለሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን(ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ቅዱሳን ንዋያት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልግሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳንበዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ንቕጽል ወይ ከምኡ ኢልና ክንጽውዕ ንርከብ ኣሎና። እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባሕሪኦም ዘይኮነስ ምንጪቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕናቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን አምሳሉን ብዝፈጠሮ ኣዳምክንርድኦ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ውርደትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና።ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (ቀዳማይ ጴጥ 1፥15-16) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። (ቀዳማይ ተሰ 4፥7) ብተወሳኺውን ዘፍጥ 1፥26, ኤፌ 1፥3-4 ነንብብ። ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለሉ፡ ሞተሉን ተንሥአሉን። አማን በአማንኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነትብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን። ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩእግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክህልወና ይግባእ። ካልኣይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኾነት “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእመልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ካብቶም ቀዳሞትዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ጸኒዑ ዝነበረንዘሎ ሕገ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።(ራእ 1፥9) ኣብ ሕገ ኦሪት ንሙሴ ካብ እተወሃቦ ዐሠርቱ ትእዛዛት ሓንቲ ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚኡ’ውን ሰባት ብሕገ ልቦና ይምርሑሉ ኣብ ዝነበሩሉጊዜ’ውን ሰንበት ብእግዚአብሔር ከቢራ እያ። ከመይሲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ 22 ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ ነታ ሳብዓይቲመዓልቲ ሰንበት ካብ ኵሉ ግብሩ ዘዕረፈላን ዝባረኻን ዕለት እያ። “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲድማ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍጥ. 2፥2-3) እስራኤላውያን ድማ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝተፈላለየ ሥርዓት የኽብርዋ ነይሮም። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙኅ ዕፁብታሪኽን ግብርታትን ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዕለተ ሰንበት ዝተረኽበ ዕረፍቲ ተምሳል ናይቲ ደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝረኸብዎዕረፍትን፡ ሃይማኖትን ሕገ ቅድስናን ኃልዮምን ኣኽቢሮምን፡ ክወርስዋን ንዘለኣለም ከዕረፉላን ናይ ዝትስፈውዋ መንግሥተ ሰማያት ኣምሳል ምዃኑኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንሕዝቢኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።” (ዕብ 4፥9-10) ብምዃኑ ድማ ሰንበት ቅድስቲ እያ እሞ ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳሚት ሰንበትን ሰንበተ ክርስቲያንን በብናተን ምኽንያት ብሓባር ብሓድነት ኽብሪ ዘለወን ምዃኑ ክውን ነገር እዩ። ኣብቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ዝኣመሰሉ ብዙኃን ሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታትና ብዛዕባ ሰንበት ብዙኅ ጽሒፎምንኣመሥጢሮምን ይርከቡ። ከም እኒ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘንን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ሃገርና’ውንስለ ኽብሪ ሰንበት ብዙሕ ከምዝተጋደሉን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝፈጸሙን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝሕብረና እዩ። ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባሕሪኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስናክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር ። ሓደሽቲ ጽሑፋት ርደተ መንፈስ ቅዱስ ፣ ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ጾመ ሓዋርያት ዕርገት ክርስቶስ በእንተ እመ ብርሃን እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ። ሉቃስ 1፥28 በዓላትን መደባትን ጾመ ሐዋርያት ዼጥሮስ ወዻውሎስ ቅድስት ሥላሴ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። እዚ ሰሙን እዚ ኣብ መጀመርታ (መእተዊ) ናይ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዩ። ዘወረደ ከኣ ይበኃል። ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር መዝሙር። ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ምስባክ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዘለዎ "ጾም" ናይ ውልቂ (ፍቓድ) ጾምን፥ ናይ ኣዋጅ ጾመን ተባኂሉ ኣብ ክልተይምደብ። ብኣበ ነፍስኻ ዝወኃበካ ጾምውን ኣሎ እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ውልቂ ጾም ዝበልናዮ ክምደብ ዝክኣል እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉክጾሞም ብኣዋጅ ዝንገሩ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሸውዓተ (7) እዮም። ንሳቶም ከኣ÷"ጾመ ኣርብዓ (ዓቢይ ጾም)፥ ጾመ ድኅነት (ረቡዕን ዓርብን)፥ ጾመሓዋርያት፥ጾመ ፍልሰታ፥ጾመ ነብያት፥ ጾመ ገሃድ፥ ጾመ ነነዌ"እዮም። ኣብዚ ተጠቒሱ ንርእዮ ከም ዘለና እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉምእመናን ክጾሞም ካብ ዝሠርዓቶም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ" ጾመ ኣርብዓ ወይ’ውን ዓቢይ ጾም"እዩ። ወቕታዊ ዘሎ ንሱ ብምዃኑ ሕጂ እንርእዮ’ውንብዛዕባ "ጾመ ኣርብዓ እዩ ክኸውን። ቅድሚኡ ግን መጀመርታ ናይ" ጾም"ትርጉምን ካብ" ጾም"ዝርከብ ጥቕምታትን ምፍላጥ ስለዝግባእ ኣቀዲምናትርጉም ጾምን ጥቕምታቱን ኣብ ዝብል ክንርኢ። ጾምን ጥቕምታቱን ሀ/ ናይጾምትርጉም÷ ጾም ማለት "ጾመ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ"ንዝተወሰኑ ሰዓታትን መዓልታትን ካብ ዝዀነ ዓይነት መብልዕንመስተን ተኸልኪልካ ምዉዓልን ምሕዳርን"ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብዝወሰነቶ መሠረት÷ጾም ኣብ ዝተፈልጠ መዓልትንሳምንታትን ወርሓትን ንዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ሥጋን መስተን ጥልላትን ምሕራም (ሙጻም) ዘጠቓልል እዩ (ኢሳ 4፥16,ዳኒ10፥1-3,ዘዳ 9፥9)።ናይቤተ ክርስትያና ናይ ሕግን ሥርዓትን መጽሓፍ ዝኾነ ፍትሐ ነገስት÷ “ ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ እዉቅ በዉስተ ሕግ ።”ይብል። ጾም፥ኣብዝተፈልጠ ግዜ "ሰብ" ምግቢ ካብ ምብላዕ ዝሕለዎ ምኽልካል እዩ። ማለት እዩ። ሓደ’ውን "ከሊኣ ብእሲ"ይብል ጾም ንሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካልእዩ። እዚ’ዉን ዋግኡ ንምብዛሕ ባዕሉ ፈትዩ ሕጊ ንዝሠርዓሉ እናተኣዘዘ፥ኃይሊ ፍትወታቱ ምእንቲ ከደክም(ሥጋዊ)፡ ንነባቢት ነፍስ ምእንቲ ክትእዘዝእዩ። መጽሓፍ ቅዱስ"ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፥መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲኸይትገብሩ ክልቲኦም መጻርርቲ እዮም። "ይብል። (ገላ5፥17)። ስለዚ "ጾም" ማለት ሥጋኻ ካብ ዝደልዮን ዝፈትዎን ዘበለ ነገር ምኽልካል፥ ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ነገር ኣተኩሮ ምግባርን ብእኡ ምንቃሕን ማለት እዩ። ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ኣብ ግዜ ወርሓት ጾም ንናይ ጾም ትርጉም፥ጥልላት መባልዕ ካብ ምምጋብ ምኽልካል ኢላ ጥራይኣይትውስኖን እያ፥ እንታይ ደኣ ሓደ ሰብ ይጸዉም ኣለኹ ይብል እንተድኣ ኣሎ፥ እሞ ድማ ጾሙ"ፍሬ ዘለዎን ብእግዚኣብሔር ዝተፈትወ ቅኑዕ ጾምንክኸውን እንተደኣ ኮይኑ"ኩሉ ሕዋሳቱ ክጸዉምን ምግባረ ትሩፋት ክህልዎን ይግባእ"ዝብል’ውን ቀንዲ ምኽራን ትምህርታን እዩ።ባዕልኹም እስከፍረዱ፥ሰባት ንዝተወሰነ ግዝያት ካብ ጥልላት መባልዕ ጥራይ እናጾሙ ወይ’ውን ተኸልኪሎም፥ዝሓምዩ፡ ዝበኣሱ፡ ዝጻረፉ፡ ዝሰርቁ፡ ዝሕስዉ፡ዝሰኽሩ………ወዘተረፈ እከይ ሥራሕን ንሰባት ዘሕዝን ተግባርን እንተሠርሑ፥ ካብ"እኽሊ ወይዉን ጥልላት ይጸዉም ኣለኹ ማለት እንታይይጠቕሞም?ብርግጽ እዚኣቶም"ብርኃብ ንሥጋኦም፡ብኽፉእ ተግባሮም ድማ ንነፍሶም ጎዲኦም ይበኃሉ እምበር"ጾይሞም፥ኣምልኾ ፈጺሞም"ኢልካኣይምስገኑን። (ኢሳ58፥3-12)ተመልከት። ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ኣቦ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ናይ ጾመ ድጓ ድርሰቱ÷ “ ዓይን ይጹም እምርእየ ሕሱም፥ዕዝን ይጹም እምሰሚዐ ሕሱም፥ልሳንኒ ይጹምእምተናግሮ ሕሱም። ” ብማለት እንጾሞ ጾም እንታይን ከመይን ክኸዉን ከም ዘለዎ ዘርዚሩ ኣመልኪቱና ኣሎ። ዓይኒ ዘይግብኣ ሕማቕ ነገራት ካብምርኣይ ትከልከል፥እዝኒ ድማ ኽፉእ ካብ ምስማዕ ትርሓቕ፥ ልሳን እዉን ሕማቕ ካብ ምዝራብ ትቆጠብ ማለት እዩ።እቶም ቀደምት ፍጥረት ደቂ ሰባትዝኾኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰሓቱ በዞም ሕዋሳት እዚኣቶም እዮም።ንሳቶም፥ምኽሪ ዲያብሎስ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፥በዚ መሠረት ድማ ነታ ከይበልዕዋዝተነግረቶም ፍሬ ኦም ብዓይኖም ርእዮም ብልቦም ተመንዮም፥ብእግሮም ከይዶም፡ብኢዶም ቀንጢቦም ብምብላዕ ሓጢኣት ጌሮም ካብ ኣምላኾምርሓቑን ተፈልዩን። ስለዚ ነዚ ተረዲእና፥ዓይንና ሠናይ ክንርእየሉ፥ኢድና ክንምጽዉተሉ፥እግርና ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ክንከደሉ፥ልሳና ጽቡቕክንዛረበሉን ከነመስግነሉን፥እዝንና ስብሐታተ እግዚኣብሔር ክንሰምዓሉ፥ልቡናና ጽቡቕ ነገር ክንሓስበሉ ይግባእ። ጾም ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ መጀመርታ ሕጊ እዩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ÷"ጾም"ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ፥ንሕናክንጥቀመሉን ክንረብሓሉን፥ካብ ልዑለ ባህርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝተዋኅበና ጸጋን በረኸትን ስለዝዀነን’ውን እዩ። ለ/ ጾምዝህቦጥቕምታት ሓደ ክርስትያን ቅድስንኡ ኃልዩ፥ምስ እግዚአብሔር ጸኒዑ ንምንባርን ካብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዝተፈላለየ ፈተናታትን ናይ ሰይጣን ናይ ጥፍኣት መፈንጥራፍሕሶታትን ተቓዊሙ ክኽእልን እንተ ደኣ ኮይኑ፥ግድን ጾም የድልዮ።ጾም ንሥጋና ልጋም፥ንነፍስና መንፈሳዊ ኃይልን ብርትዐን ኩምኡ ድማ ምስቶምተጻረርትና ዝኾኑ ኣጋንንቲ ተዋጊእና እንሥዕረሉ ጽኑዕ መንፈሳዊ መሳርያና ብምዃኑ፥ዘይጸውም ሰብ ንሱ ነቲ ብዘይመሳርያ ዕጥቂ ናብ ዓውደ ውግእዝስለፍ ሰነፍ ሠራዊት ይመስል።ኩሉና ከም እንፈልጦ፥ሓደ ሠራዊት ብዘይመሳርያ ናብ ዓውደ ውግእ እንተ ደኣ ተሰሊፉ መወዳእትኡ ጥፍኣት እዩዝኸውን።ጽቡቕ ስም’ውን ኣይረክብን እንትርፎ ሰነፍ።እቲ ዘይጸውም ሰብ እውን ንፈተና ዝተቓልዐን ብቐሊሉ ዝጥቃዕን ስለዝኸውን ናይዚመወዳእታውን ከምኡ ጥፍኣት እዩ።ብእግዚአብሔር’ውን መጎስ የብሉን።ስለዚ ጾም ኣብ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ ማለት እዩ። ገለ ገለ ሰባት ግን፥ብጾም ንዝርከቡ ጥቕምታት ብዘይምርዳእን ከንቱ ንምግባርን"ብኣዋጅ ኮነ ብውልቒ ንዝፍጸሙ ኣጽዋማት ንጸውም ኢና፥ነገር ግንብምጻምና ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ዝረኸብና ኣይመስለናን" ዝብሉ ኣይተሳእኑን።እዚ ካብቶም ብዝግባእ ትርጉም ናይ ጾም ዘይፈለጡን ብሥጋ ጥራይዝጸሙን ዝወጽእ ቃል እዩ።ጸሞም ገና ክጅምር ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ስለዝኸውን ከኣ ከምቲ ዝብልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።ናይ ጾም ትርጉምእንተዘይፈለጥካ፡ኣብ ግዜ ወርሓት ጾምን ቅድሚኡ ዘሎን እውን ኣብቶም ንጾም ዝዕጅቡን ትርጉማ ዘነጽሩ ሠናይ ተግባራትን፡ኣተኩሮ ዘይትገብር እንተደኣ ኰይንካ ምጻምካ ከንቱ እዩ ዝኸውን። ምንም ዝህበካ ጥቕሚ ድማ የብሉን።ስለዚ ቅድሚ ምጻም መጀመርታ ትርጉምን ጥቕምታትን ናይ ጾምምፍላጥ የድሊ። እምበኣር ጾም ምስ እግዚአብሔር ንዘለና ተፈታዊነት ዝያዳ እነበርትዓሉ ዓሚቕ ዝኾነ ናይ መንፈሳዊነት ግዜ ብምዃኑ፥ጾም ፍጹምነት ረኺባ ካብእግዚአብሔር በረኸት ክንረኽበላን ተጠቐምቲ ክንከውንን እንተ ደኣ ኰይኑ፥ምስ'ቶም ኣዕሩኽ ጾም ዝበኃሉ ምስ እትተሓባበር ምዃኑ ከነስተውዕልይግባእ። ንሳቶም ከኣ÷ ፍቕሪ፥ንስሓ፥ኣርምሞ፥ምጽዋት፥ጸሎት፥ስግደት…… እዮም። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ጾም" ምስ ምጽዋት፡ጸሎት፡ስግደትእንተ ደኣ ኮይኑ፥'ናውቲ ኵናት እዩ"ኢሉ ኣሎ።ስለዚ መጀመርታ" ጾምና"ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዘማልአ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና።ከመይሲጾም ዝህቦ ጥቕምታት ክንብል እንከሎና ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ዘማልአ ጾም ማለትና ስለዝኾነ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! <<ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ። ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።>>።መዝ..(89፣3-4) ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ካብ ዘረድኡ (ዝነግሩ) መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓደ እዩ። ኣብ ዓመት ወርሒ የካቲት 16 ወትሩ ዝንበብን ዝንገርን ዝትርጎምን እዩ። ሓደ ሓደ ሊቓውንቲ ዋላ እካú ንበላዒ ሰብ ስምኦን ኢሎም […]
እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርኁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡በሎም። ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶምስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥እዚ እግዚአብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤተልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ። ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻንከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። ሉቃ 2፡10-16። ሓደ ካብቲ ኣብ ሕይወት ዘሐጉስ ልደት ህጻናት እዩ። ህጻን ክውለድ ከሎ መግለጺ ሓጎስ ኣዴታት ይዕልላ። ቤተዘመድ ይተኣኻኸብ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባንመጺኡ ይራኸብ። ህያባት ይመጽእ፡ ገጸ በረኸት ይቐርብ። እዚ ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ እንተተባኅለ ጊጉይ ኣይኮነን። ልደት ህጻናት ሓድሽ ሕይወትን፡ ሓድሽተስፋን ንወለዲን ቤተሰብን ብፍላይ ንሕብረተሰብ ድማ ብሓፈሻ ዘስንቕ እዩ። እምበኣር እዛ ዕለት ካብ ኩለን መዓልታት ፍልይቲ እያ። ሎሚ ናይ ሓጎስዕለት እያ። ሎሚ ናይ ፍስሓ ዕለት እያ። ሎሚ ናይ ምስጋና መዓልቲ እያ። ሎሚ ናይ ዕርቂ ዕለት እያ። ሎሚ ናይ ብሥራት መዓልቲ እያ። ከመይ እቲንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ እቲ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘንጸባረቐ፡ ንሰማይ ብወርሕን ከዋኽብትን ዘድመቐ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ዝተወልደላ እያ። ሎሚእቲ ንኣዳምን ሄዋንን ብመልክዑ ዝገበሮም፡ ንህጻናት ኣብ ማኅጸን ወላዲቶም ዝፈጥሮም ህጻን ኰይኑ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብዝተረኽበላ እያ። እዛ ዕለት እቲ ዘይረአ ረቂቕ ኣምላኽ ግዙፍ ሥጋ ተዋሂዱ ዝተወልደላ እያ። ሎሚ ንሱ እቲ ዘይውሰን ኣምላ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብደረት ዝተገልጸላ ኢያ። እዛ ዕለት እቲ ዝባላዕ ሓዊ ሥጋ ተዋሂዱ ዝተዳህሰሰላ ኢያ። ሎሚ እቲ ኪሩቤልን ሱራፌልን ክርእይዎ ዘይክእሉ ካብ ሰማይከይጎደለ ካብ ምድሪ ከይተወሰኾ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ዝተጋህደላ ኢያ። እዛ ዕለት ፍልይቲ እያ። ሎሚ ኣምላኽ ሰብ ፡ሰብ ኣምላኽ ዝዀነላ ፍልይቲ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ሰማይን ምድርን ሰብን መላእክትን ዝተዓረቑላ ኢያ። ሰማያውያንንምድራውያንን ናይ ሓባር ቅዳሴ፡ ናይ ሓባር ምስጋና፡ ናይ ሓባር መሥዋእቲ ናብ ኣምላኾም ዘቕረቡላ እያ። ሓድሽ መዝሙር “እወ ሓድሽ መዝሙርቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ! ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ዝብል ፍሉይ መዝሙርዝተሰምዓላ እያ። እዛ ዕለት ኣጋንንቲ ዝረዓዱላ፡ ፍርኃት ደቂ ኣዳም ተቐንጢጡ ትብዓት ዝረኸቡላ ዕለት እያ። ሎሚ ዝተቖጽረ ሱባኤ ዝተነግረ ትንቢትፍጻሜ ዝረኸበላ እያ። እዛ ዕለት መዝገብ ዓመተ ኩነኔ ዝተዓጽወላ፡ መዝገብ ዓመተ ምሕረት ዝተራሕወላ እያ። እዛ ዕለት ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተገልጸላ እያ። እዛ ዕለት መዓልቲ ሓጎስ እያ። ናይ ኩሉ ህዝቢ ሓጎስ ዝዀነ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላናይ ሓጎስ መዓልቲ እያ። ሕቡእ ምሥጢር ዝተገልጸላ ብምዃና መዓልቲ ሓጎስ እያ። እቲ ምንታይ ቀዳማይ ልደቱ ብዳሕረዋይ ልደቱ ክፍለጥ ስለዝገበረ።እዛ ዕለት ንዓና ንደቂ ኣዳም ሰማያዊ ዜግነት ክኅበና ንሱ እቲ ሰማያዊ ናብ ምድሪ ወሪዱ። ንዓና ንትሑታት ከልዕል፣ ኣምላኽና ትሕት ብምባል ኣብመብልዕ ማል ተወሊዱ። ንዓና መንፈሳዊ ልደት ክኅበና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋዊ ልደት ተወሊዱ። ኣየ ፍቕሪ! ደቂ ኣዳም ብግብርናን ብኃጢኣትናን ንልደት ናይ ክብሪ ጐይታ ንምርኣይ ዘይምብቃዕና፡ ኃጢኣትና ካብቲ መብልዕ ማል ዝኸፍአ ኰይኑ ስለዝረኸቦእዩ። “ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይ’ውን ኣየስተውዕልን እዩ።ኢሳ.1:3። ኢየኡስ ሓጎስ ሰብን መላእኽትን። ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ህዝብን ኣህዛብን። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላክ ኣማልክት ናይ ጐይቶት ጐይታ፣ ናይ ነገስታት ንጉሥ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣልፋን ኦሜጋን! ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለም። ናብቶም ናቱ መጺኡ ንሳቶም ግን ኣይፈለጥዎን። ሎሚ'ኸ ኣነንንስኹም ኣብ ቤትና'ዶ ተቐቢልናዮ ኣለና ንኸውን? ወይስ ማዕጾ ቤትና ዓጺና ዕለተ ልደቱ ነኽብር ኣለና! ናትና ህያብ ናይዞም ኣብ 40ን ኣብ 80 ተጠሚቕና ስመ ክርስትና ዝተቐበልና ንህቦ እንታይ እዩ? እወ ጐይታ ዝደሊ ሕይወትና እዩ። ናትና ህያብ እምበኣር ፍቕሪ። ፍቕሪ ንኣምላክ ፍቕሪንኣሕዋት። ንጐይታ እንህቦ ህያብ ነቶም ዝበደሉና ይቕሬታ ምግባር ኢዩ። እዛ ዕለት መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ ምስ ዝበደልናዮምን ዝበደሉናን ንተዓረቕ።መስፍን ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና እንተልዩ፡ ገበርቲ ሰላም ንኹን።ኢሳ.9፡6። ሽዑ እቲ ኣብዛ ዕለት ዝተዘመረ መዝሙር ኣብ ሕይወትናትርጉም ክረክብ እዩ። እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጸሓና! ላእከማርያም - ዘደብረብርሃን ታሕሳስ ፳፰ ፳፻፰
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ መዝሙር ዘልደት ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም በ፪ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን […]
ታሪኽ ናይ ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቅ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ዝርከብ ኮይኑ ዞረሬ ይበሃል። ስም ወላዲኦም ጸጋዘአብ ስምወላዲቶም ከኣ እግዚእ-ኃረያ ይበሃሉ። ጸጋዘኣብ ካብ እቶም ንቤተክርስትያን ብሃይማነቶም ብርሃን ዝኾኑዋ ወገን ካህናት እዩ። እዞምቅዱሳን ስድራ ውላድ ስለ ዝደንጎዮም ብዙኅ ይኃዝኑን ይትክዙን ነይሮም፡ ኣማላኽ ውላድ ክህቦም ከኣ ብዘይ ቀቢጸ ተስፋ ይጽልዩነይሮም። ኣብ ከምዚ ትካዘ እንከለዉ ሰይጣን ንመተሎሜ ናይ ዳሞት ንጉሥ ንክፉእ ኣለዓኣሎ ንኣብያተ ክርስቲያናት ከፍርስ፡ ንዝረኸቦ ከኣናብ ጣዖት ክሰግድ ከገድዶም ጀሚሩ። ኵሎም ሰብ ሥልጣን እታ ሃገር ኣንስቶም በብታራ ይህብዎ ነይሮም፡ ካብተን ዝማረኸንምልክዕቲ ሰበይቲ ኣንተረኺቡ ምስኡ የቐምጠን ነይሩ። በቲ ጊዜ ኣብ ምድረ ጽላልሽን ዞረሬን በጽሐ፤ ንኹሎም ክርስቲያናት ከኣቀተለ፡ ጸጋዘኣብ ካብቲ ዝነበረ መዓት ክኽውል ናብ ቀላይ ኣተወ፡ እቲ ቀላይ ከም ቤት መዕቆቢ ኮኖ፡ ንእግዚእ-ኃረያ ግናወተረሃደራቱ ማረኽዋ እሞ ናብ ንጉሥ ድማ ኣብጽሕዋ። ንጉሥ ምስ ረኣያ ብመልክኣ ተደነቀ ብልቡ ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ ኣዝዩ ዘጌጸ ክዳውንቲ ኣልቢስዋ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ነቶምኣዘዝቱ ከብካብ ክገብሩላ ኣዘዘ እዚ ምስ ሰምዐት እግዚእ ኃረያ ምስ ኣረሚን ካብ ምውሳብ መታን ከድኅና ናብ እግዚአብሔርጸለየት ብኡንብኡ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት መጺኡ ካብ ማእከል እኩባት ሕዝቢ ኣውጽኣ፡ ብብርሃን ክንፉ ተሰኪሙ ድማካብ ምድረ ዳሞት ናብ ምድረ ዞረሬ ኣብጸሓ። ኣብ ናይ ጊዜ ጸሎተ ዕጣን ከኣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእተዋ፡ ጸጋዘኣብ ማዕጠንት ኂዙካብ ውሽጢ መቕደስ ምስ ወጸ ብምልኩዕ ኣልባስ ዝተሠርገወት ሰበይቲ ደው ኢላ ምስ ረኣየ ተደነቀ ብልቡ ከኣ ከምዚ በለእንታይ ደኣላ እዛ ሰበይቲ፧ ናብዚ’ኸ መን ኣምጸኣ፧ ጸሎት ወዲኡ ምስ ሓተታ ከኣ ሰበይቱ ምዃና ፈለጠ ኵሉ ዘጋጠማንእግዚኣብሔር ዝገበርላን ከኣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ነገረቶ ብድሕር'ዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብለይቲ ተራእዩ ምስክርነትጽድቁ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝበጽሕ ውላድ ከም ዝወልዱ ነገሮም ። ድኅሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተጸንሰ፡ብ24 ታሕሳስ ከኣ ተወልደ ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ኵሎም ኣዝማዱን ከኣ ዓቢይ ሓጎስ ኮነ ፡ ጥምቀተ ክርስትና ክህብዎከለዉ ፍስሓ ጽዮን ኢሎም ሰመይዎ። ምስ ተወልደ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ከኣ ከምዚ በለ አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ። እቲ ሕፃን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኃይልን ጥበብን ዓበየ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ከኣ ይገብር ነበረ። ወለዱ ቀለብ ኣብ ዘወድእሉ ጊዜ ብኣጻብዕቱ ናይ ሓሩጭ መቐመጢ ምስ ተንከፈ ቤቶም ኵሉ ብበረኸት እኽልን ዘይትን መልአ፡ እቶም ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ኣዚዮም ተደነቑ። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ መዝሙረ ዳዊትን መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንመሃሮ ። ኣቡኡ ማዕረገ ዲቁና መታን ክቐብኦ ናብ ጳጳስ ኣባ ቄርሎስ ወሰዶ በቲ ጊዜ ኣባ ብንያሚን (ብንያም) ሊቀ ጳጳሳት ናይእስክንድርያ ብመንግሥቲ ዛጔ ብ1090 ናብ ጳጳስ ምስ ኣብጽሕዎ እዚ ቆልዓ ኅሩይ ኣቕሓ ናይ እግዚአብሔር ክኸውን ኢሉ ተነበየሉ።ሢመተ ዲቁና ተቐቢሉ ከኣ ናብ ዓዱ ተመልሰ ዓቕሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ እንስሳታት ክሃድን ናብ በረኻ ወፈረ እግዚአብሔር ከኣብኣምሳል መንእሰይ ብጽቡቕ ኣምሳል ተራእዮ ከምዚ ከኣ በሎ ኦ ፍቁረይ ኣይትፍራሕ ካብ ሕጂ ሃዳናይ ኣራዊት ኣይኮንካንእትኸውን ናይ ብዙኃት ሰብ ነፍሳት ክትሃድን ኢኻ ስምካ ኸኣ ተክለሃይማኖት ይኹን ኣነ ኣብ ከርሢ ኣዴካ ከሎኻ ከም ኤርምያስነቢይን ዮሐንስ መጥምቅን ኃርየካየ። ዝሓመሙ ክትፍውስን ኣጋንንቲ ከተውጽእን ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ ኢልዎ ካብኡ ተሰወረ ናብቤቱ ከኣ ኣተወ። ድኅሪ ቅሩብ ጊዜ ከኣ ኣብኡን ኣዲኡን ዓረፉ።ድኅሪ ሞት ወልዱ ኵሉ ሃብቱ ንድኻታት ሃቦም፡ ገዝኡ ኸፊቱ ገዲፉድማ ብለይቲ ከምዚ እናበለ ወጸ “ ምንተ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጕለ’’። ብድኅር'ዚ ሢመተ ክህነትተቀበለ ወንጌል ክሰብኽ ወሰነ ፡ ብሓደ መዓልቲ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃት ኣጥመቀ፡ ንመምለኽቲ ጣዖታት ኵሎም ሠዓሮም፡ ዘምልኽዎዝነበሩ ኣእዋም ቆራረጾ ኣብኡ ኃዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሃዲሞም ከዱ። ብድሕሪ ሠለስተ ዓመት ካብ ሰማይ ከምዚ ዝብል ድምጺሰምዐ “ኦ ተክለሃይማኖት ተንሢእኻ ናብ ምድረ ዳሞት ኪድ" ከም ዝተንገሮ ተንሢኡ ከደ፡ ኣብ መንገዲ ጠንቆልቲ መሰርያን ረኸብዎምስ ተኸራከሮም ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአ ብጽኑዕ ሃረምዎ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሕዎ ፡ ምሳጋና ይኩኖ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ከኣ ጉድኣት ዘይብሉ ብጥዕዩ ኣተንሥኦ ፡ ብከምዚ ከኣ 40 ዓመታት ዝኣክል ጸንሐ ስለ ዘይተመልሱ ናብ ኣምላኹ ጸለየብሕይወቶም ከለዉ ከኣ ምድሪ ወሓጠቶም ናብ ብሔረ ዳሞት ከይዱ ነቶም መሠርያን ኣጥፈኦም ንጉሥ መተሎሜ እዚ ምስ ሰምዐብጽኑዕ ኣሲሮም ናብኡ ከምጽእዎ ከኣ ኣዘዘ። ንምንታይ ሃገረይ ተናዕባ ኣለኻ ኢሉ ናብ ጸድፊ ኣጽዲፎም ክቀትልዎ ኣዘዘ። ብዙኅ ጊዜኣጽደፍዎ እግዚአብሔር ከኣ ብጥዕዩ ካይተጎድአ ኣተንሥኦ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣዚ ተኣምራት ምስ ገበረ ነቶም መሠርያኑ ኣጥፍኦምበቲ እጹብ ተኣምራት ከኣ ንጉሥ መተሎሜ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ቅድሜኡ ከኣ ምውታት ኣተንሥአ፡ በታ ዕለትእቲኣ ከኣ ብዙኃት ተጠምቁ ንኩሎም ክቐብኦም ሜሮን ምስ ተወድኦ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ኣውረደሉ። ኣብዚ ታቦት ነዞምሕዝቢ ቅዱስ ምሥጢራት እናሃብካ ኣገልግሎም ኢኻ በሎ። ከምቲ ዝበሎ እናገበረ ንንጉሥ መጻሕፍቲ ናይ ነቢያትን ሓዋርያትንእናመሃሮ ጸንሐ። ኣብ ዳሞት ን12 ዓመታት ምስ ጸንሐ ብዕለተ ፋሲካ ናይ ጐይታ፤ ናብ ኣባ በጸሎተ ሚካኤል ኪድ ዝብል ካብ ሰማይመጾ ምስቶም ኣርድእት እናተራድአ ን10 ዓመታት ጸንሐ፡ ብመዓልትን ብለይትን መንፈሳዊ ሓገዝ ይፍጽም ነበረ፡ ከም ግብረ ማህረጽማይ ምቕዳሕ ዕንፀይቲ ምውፋር ዝኣመሰሉ። ምውታት ብምትንሣእን ዝሓመሙ ብምፍዋስን ከኣ ብዙኃ ተኣምራት ይገብር ነይሩ።ጐይታ ከኣ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ናብ ናይ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማእት ሥፍራ ሓይቅ እትበሃል ኪድ ናብ ቅዱስኢየሱስ ሞዓ ንሱ ኣርዑት ሙንኲስና ክህበካ’ዩ" በሎ ተንሢኡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ከም መሬት እናረገጾ ሓለፈ። ኣባ ኢየሱስ ሞዓ ከኣ ልብሰምንኲስና ሃቦ ኣብኡ ከኣ ን10 ዓመት ብዙኅ ተኣምራት ኣናገበረን በብ6000 ሽሕ እናሰገደ ጸንሐ ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣግዚአብሔር ከምዚበሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ተንሢእካ ናብ ደብረ ዳሞ ኪድ ኣብኡ ከኣ ዮሃኒ ዝበሃል ቅዱስ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ካብኡ ከኣቆብዕ ኣስኬማ ውሰድ ክሳብ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።" ቆብዕ ኣስኬማ ወሲዱ ብዙኅ እናተጋደለ ን12 ዓመት ጸንሐ ። ጐይታኣንደገና ተራእዮ ካብ’ዚ ደብሪ ውጻእ ንኲሎም ኣበምኔታት ናይ ትግራይ ብጻሕ በሎ ካብ ደብረ ዳሞ ብገመድ እናወረደ ከሎ ኣቲገመድ ተበትከ ከም ንስሪ ከኣ ብኣክናፍ ንላዕሊ ወጸ ኵሉ ኣድባራት ምስ በጽሐ ብመልኣኽ ተመሪሑ ብእግሩ ናብ ኢየሩሳሌምወረደ። ብቅዱሳት መካናት ተባሪኹ ናብ ገዳማት ትግራይ ተመልሰ። ምስ ኲሎም ቅዱሳን ከኣ ተራኸበ፡ ካልኣይ ጊዜ ሣልሳይ ጊዜ‘ውን ናብ ኢየሩሳሌም ወረደ ኣብኡ ክነብር ‘ውን ደለየ መንፈስ ቅዱስ ግና ናብ ዝተወለድካሉ መሬት ተመለስ ክፍልኻ ኣብኡ እዩ" በሎ ። ምስ ተመልሰ ምስ ኣባ ዮሓኒ ኣብ ደብረ ዳሞ ተራኸበ፡ ናብ ምድረ ቡር ከይዱ ከኣ ምስ ኣባ መድኃኒነ እግዚእ ምንኲስና ዝሃቦጒናጒና ኣብ ዝበሃል ቦታ ተራኸቡ ኣቦ ብዙኃት ክትከዉን ኢኻ ኢሉ ከኣ ተነበየሉ። ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ሓደ ካባኣቶም ናይምንኲስና ውልዱ እዩ። ካብኡ ወጺኡ ናብ መካነ ሓይቅ ከደ ካብኡ ድማ ኵሉ ገዳማት እናበጽሐ ምድረ ሸዋ ከደ 16 ዝኣኽሉኣርድእት ምስኡ ተጸምበርዎ ልብሰ ምንኲስና ከኣ ኣልበሶም። ብድኅርዚ ናብ ግራርያ ከደ ብብዙኅ ገድሊ ጸንሐ ብመዓልትንለይትን ካብ ገዳሙ ካይወጸ ንጸሎት ይነቅሕ ነበረ፡ ብዘይ ቆጽሊ ከኣ ካልእ ኣይበልዕን ፡ ማይ ጥራሕ ይሰቲ ነበረ፡ ብዙኃት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብኡ መጺኦም ይምንኲሱ ነይሮም ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ገዛ ብሓደ ይሓድሩነይሮም ሰይጣን ብኃይሊ ጸሎት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ስለ ዝተኣሥረ ብንጽሕና ብዘይ ገለ ነገር ይነብሩ ነይሮም። ኣብ ግዜ ጸሎተቊርባን ብሓደ ይቆሙ ነይሮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብቲ ዝጽልይሉ ቦታ ብየማን ብጸጋም ንሥጋኦም ዝወግእ በላሕቲ ሓፂንውንተኸሉ ደው ኢሎም ጸሎት ስለ ዘንወሑ ሓንቲ እግሮም ተሰብረት ፡ ብሓንቲ እግሮም ቆይሞም ከኣ ን7ተ ዓመታት ጸለዩ ብድኅር’ዚጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹኖ'ሞ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ምስ 12 ሓዋርያትን ጻድቃንንሰማዕታትን ቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ናብኡ መጺኡ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ብሕማመይ ንኣይ መሲልካ ኢኻ‘ሞ ኣብ መንግሥተይክቀምጠካ እየ ካብ ሕጂ ኩሉ ናይ’ዚ ዓለም ድኻምካ ተወዲኡ እዩ ገድልኻ ተቕቢለዮ እየ ፡ ካብ ሕጂ ናይ ዘልዓለም ሕይወትክትወርስ ነዓ" ኢሉ ኪዳን ኣተወሉ። ስሙ ንዝጽውዕ ተዝካሩ ዝገበረ ብስሙ ምጽዋት ዝሃበ መጽሓፍ ገድሉ ዝጸሐፈ ብጸለቱንዝተኣመነ ኣነ ኣብ ኩሉ መከራኡ ክረድኦ እየ ኃጢኣቱ ከኣ ክሠርየሉ እየ ኢሉ ሰላምታ ሂቡ ናብ ሰማይ ዓረገ ። ኣቡነ ተክለሃይማኖትንቕሩብ ጊዜ ሕማም ውጽኣት ምስ ሓመሙ ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልትን ብሰላም ዓረፉ ብክብርን ብምስጋናን ከኣ ቀበርዎም። ጸሎት ልመንኦም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን በረኸቶም ኣይፈለየና። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። […]
ኣዳም ብዝፈጾም በደል ካብ ገነት ኤዶም ምስ ተሰጎገ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እግዚአብሔር ኣምላኽን ጋግ ተፈጥረ። ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓሱ ዝጥረዮ ልሕሉሕ ርክብ ብምዉላድ ክርስቶስ ኣብ ቤተሌሔም ናብ ናቡር ተመልሰ። ምዉላድ ክርስቶስ ኣብ ቤተሌሔም ደቂቀ ሔዋን ምስ ፈጣሪኣም ከም ዝዕረቁ ገበሮም ፡ እቲ ዘነበረ ርክብ ምስ ኣምላኾም ዳግማይ ትንሣኤ ክተክል ክኢሉ። ብልደት ዳግማዊ ኣዳም ተስፋ ቀዳማዊ […]
ይቅረ ምባልና ረብሓ’ዶ ወይ ክሳራ፧ “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ኤፌ 4፡32 v ይቕሬታ እንታይ ኢዩ? ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቂም ካይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን ከሎ […]
“ ኣምላኽ ሰማይ ክቅንዓልና ኢዩ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዩ ኢና “ ነህ2፡20 ድሕሪ ምርኮ ናይ ናይ ባቢሎን እስራኤል ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ጽቡቕ ነገር ኣይገጠሞምን ነበረ። ሓደ ነህምያ ዝተባህለ ብእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ሰብ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ኣብ ዝሓተተሉ ጊዜ ዝተዋህቦ መልሲ ከምዚ ዝብል ነበረ “እቶምዝደሐኑንእቶምካብምርኮዝተረፉን፡ኣብኡኣብታሃገር ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡መከባብ ኤዮርሳሌምከ አፍሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ ” ነህ 1:3 ዝብል ነበረ እዚ ልቢ ንዘለዎ ኣዚዩ ዘሕዝን መልሲ እዩ፥ ብፍላይ […]