"አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ" - ቅዱስ ጴጥሮስ "ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ መሊሱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና! ካብ 12 ሰነ ሰኑይ ጀሚሩ ክሣብ 5ሓምለ ይፍጸም Apostles Fast – Monday, JUNE-20 -JULY 12 ጾም መንፈሳዊ በረከት ዘውህብ ክርስቲያናዊ ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘረድኣና ጾም ማለት ንዝተወሰነ እዋን ወይ ግዜ ካብ መግብን መስተን ተፈሊኻ መንፈሳዊ ተግባራት ምፍጻም ማለት እዩ። ኢሳ.4፣16። ጾም ማለት ካብ ጥሉላት መግብን ካብ ዘስክር መስተን ምኽልካል ከምዝኾነ የምህረና። ዳኒ.10፣2-3። ጾም በጥንተ ፍጥረት ኣይትብላዕ ተባሂሉ ናይ ሕጊ ምሕላው ምልክት ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ጀሚሩ ምስ ሃይማኖት ዝተተሓሓዘ ሥርዓት ስለዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ጾም ኣሎ። ይኹን እምበር ጾም ንዝተወሰን እዋን ካብ እኽልን ማይን ምኽልካል ጥራሕ ዘይኮነ ንሰውነትና ካብ ዘብህጉን፣ ሪእኻውን ንክትግብሮም ዝደፋፉካ ሥጋዊ ነገር ኩሉ ምግዳፍ ብሓፈሻ ፈቃደ ሥጋ ካብ ምፍጻም ምሕላው ማለት እዩ። ቅዱሳን’ውን ንጾም ኣብ ሕይወቶም ሓደ ክፍሊ ጊሮም ይጥቀምሉ ከምዝነብሩ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። ዘዳ.9፣9-12። እስራኤል ዘሥጋ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይጾሙ ከምዝነብሩ ንኽጸሙ'ውን ይእዘዙ ከምዝነብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና። ዘሌ.16፣29-31። ዘካ.8፣-19። ኢሳ.9፣31። ጾሞም'ውን ብውልቂ ወይ ብማኅበር ይፍጽሙ ኔሮም። 2ሳሙ.12፣-22። መሳ.20፣-26። ጾም ብቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝተመዝገበ መንፈሳዊ ተግባር ምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ ዝህቦ ጥቅምን በረኸትን ተገሊጹ እዩ። ሰብ ካብ እንስሳዊ ጠባይን ባህርይን ልምዲ ኣውጺኣ ንቅዱሳን መልኣኽቲ ተምስሎ፣ ናይ ነፍሲ ሕጊ ጸኒዑ ብኹለንተንኡ ንእግዚ አብሔር ከገልግል ካብ ዝሕግዝዎ ምግባራት ሓደ እዩ። እቲ ጸዋማይ ናይ ጥምየት ጉድኣት ተረዲኡ ንዝተሸገሩ ክርህርህን ክሓስብን ምእንቲ ጾም ኣስተውዓሊ ልቦና ይፈጥረሉ። ጾም ናይ ትሕትና ምንጪ እዩ። መዝ.69፣10። ስለዚ ጾም ትሑት ይገብረና። ነህ.1፣4። ጾም ናብ ሓዘን ዘብጽሕ ስለዝኾነ ንንስሓ ዘንቃቅሕ መንፈሳዊ ኃይሊ ኣለዎ። 1ይሳሙ.7፣6። ጾም ናብ ረዲኤት እግዚአብሔር ዘቅርብን ንኣጋንንቲ ዘርሕቅ እዩ። ማቴ.17። ሚኪ.21። ስለዝኾነ ፈቃደ እግዚአብሔር ንሓተሉ። ዘጻ.34-28። ብሓፈሽኡ ጾም ሥራሕ ትሩፋት ንኸነብዝሕ የበርትዓና። ጥንተ ታሪኽ ጾመ ሓዋርያት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ሓምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ ጾም መእተዊ ከም ኩነታቱ ዝለዋወጡ እንተኾኑ ብሓፈሽኡ ካብ 15-49 መዓልታት ልዕል ክብልን ክወርድን ይኽእል እዩ። ጾመ ሓዋርያት ኣብ በዓለ ዕረፍቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽበረሉ ዕለት ሓምለ ሓሙሽተ ዝፈጸም ጾም እዩ። ጾመ ሓዋርያት ጥንተ ነገሩ ከመይ እዩ እንተኢልና ናይ መጥምቀ መሎኮት ቅዱስ ዮሓንስ ደቂ መዝሙርቲ ብዝሕ ግዜ ይጾሙ ኔሮም እሞ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክርስቶስ ቀሪቦም << ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቂ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን ኢሎም ናብኡ መጹ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በሎም ነዕሩኽ መርዓዊኸ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳብ ዘሎ ከመይ ኢሎም ኪጉህዩ ይኾነሎም፣ መርዓዊ ካባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ ሽዑ ከኣ ይጾሙ። >> ማቴ.9፣14። ብምባል ብዝመለሰሎም መሰረት ሓዋርያት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምዕራጉ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ጸጋ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስተቀበሉ ንጽባሕታ ዝጸምዎ ዓቢ ጾም እዩ። ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቂ << ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ልደት መዓልቲ>> ኢሉ ብዝሰየማ ዕለት በዓለ ጵራቅሊጦስ (ጴንጠቆስጤ) ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ። ግ.ሓዋ.2። ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ከም ዝኣዘዞም ናብ ኩሉ ዓለም ተበቲኖም ንዓለም ብወንጌል ከምመቅርዋ ቅድሚ ምብጋሶም ናይ መጀመርያ ስርሖም ዝገበርዎ ምጻም ኔሩ። ማቴ.28። ናይ ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማት ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማትውን ኣለውዎ። ጾም ሰኔ እውን ይበሃል እዩ። ጾመ ሰኔ ዝብል ስያሜ ዝረኸበ ጾመ ዝውዕለሉ ብዙሕ እዋን ኣብ ወርሐ ሰኔ ብምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ ጾመ ሓዋርያት በጥንተ ዘመን ናይ ኩናት ዝኸዱ ሠራዊት ናብ ዓውደ ኩናት ንኽኸዱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋንን ወይ ብዝተመልሱ ሠራዊት ዝተጋገየ ይቅረ በለልና ብምባል ንፈጣሪኦም እንዳመስገኑ መግቦቱን ሓለዉኡን ናይ እግዚአብሔር እንዳደነቁን ይጾሙ ስለዝነብረ እዩ << ናይ ሠራዊት ጾም >> ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ ኔሩ። በረከተ ጾመ ሓዋርያት ኣብ መቅድም ከም ዝረኣናዮ ናይ ጾም ጥቅሙን በረከቱን ብዙሕ እዩ። ቅዱስ ያሬድ << ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ። ጾም ንጹም ንሓውና ንፍተው>> ከምዝበለ ጾም ፍቅርን ርህራሄን ሰላምን በረከት የውህብ። ጾመ ሓዋርያት ቀዳሞት ኣቦታትና ሥርዓት ሰሪዖም ብዝኣዘዙና መሰረት ዕድሜኦም ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዝኾኑ ምእመናን ኩሎም ክጾምዎ ዝግባእ ናይ በረከት ጾም እዩ። ሓዋርያዊት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብፍኖተ (ኣሰር) ሓዋርያት ናይ ከም ትስዕብን ከምትኸይድን ሓደ ምልክት ካብ ዝኾኑ ነገራት ጾመ ሓዋርያት ምጻም እዩ። ሓዋርያት ብዝተሓደሰ ሰውነት ( ብሓድሽ ሰውነት) ዝጾምዎ ጾም ከምዝኾነ ምእመናን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ኣርብዓ (40) መዓልቲ እዩ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ኣብዚ ውሽጢኣርብዓ መዓልቲ ንደቂመዛሙርቱ እንዳተገልጸ ቡዙሕ ምሥጢርን ሥርዓተ ሓዲሽ ኪዳን ኣምሂርዎም እዩ። ዝተመኃርዎ ክሕልዉን ንመላእ ዓለምወንጌለ መንግሥቱ ከስፋሕፍሑ ትእዛዝ ኂብዎም ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድሕሪ ምትንሥኡ ሽዑ ዕለተ ዕርገቱ ዘይገበሮ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲምኽንያት ንደቂ መዛምርቱ ትንሣኤኡ ከረጋግጸሎም ምእንቲ እዩ። ቅዱስ ሉቃስ “ ህያው ምዃኑ ርእሱ ከም ዘርኣዮም ” ከም ዝበሎ ኣብ ግ.ሓዋ.1፣3።ዝተወለድ መከራ መስቀል ዝተቀበሎ፣ ዝሞተ ዝተንሥአ እሱ ምዃኑ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ንኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደቂመዛሙርቱ ተስፋ ቆሪጾም ስለዝነብሩ፣ ሙስን መቓብርን ከምዘይረኸቦም ከምቲ ዝበሎ ከምዝተሥአ ከጸናንዖም ምእንቲ ጸንሐ። ሓደ’ውን ክብሪትንሣኤ ከመይ ከምዝኾነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ካልእ’ውን ሞት ድሕሪ ሕጂ ዘፍርሕ ከምዘይኮነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ወእለ ዘተርፈ።ኣብዚኦም ኣርብዓ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ ብምትሥኡ ምስኦም ብምብላዕን፣ ንኽድህስስዎን ከረምስስዎም ብምፍቓድ ኣረጋጊጽሎም። ካብ ሰማይ ኃይሊ ክሳብ እትረኽቡ ኣብ ኢዮርሳሌም ጽንሑ። ሉቃ.24፣49። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያት ካብ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ሓደ መጸናንዒ ከሣቴ ምሥጢር መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝለብሱኣብ ኢዮርሳሌም ክጸንሑ እዩ። ንዚ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ብዝተርጎሞ ቀዳማዊ ድርሳኑ ከብራርሆ ከሎ << ሓደ ወትሃደር ናብኩናት ክኸይድ ከሎ ዘድልዩ ዕጥቂ ከይተዓጠቀ ናብ ኩናት ኣይወርድን እዩ። ሓንቲ ሠረገላ ኪኢላ መራሒ እንተዘይብላ ኣይትኸይድን እያ። ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኃይለ መንፈስ ቅዱስ ከይተዓጠቑ ናብ ዓለም ክኸዱ ኣይገበረን። እዚ ከኣ ዓለም ሲዒራ ከየተትርፎምእዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዳግማይ’ውን ሓዋርያት ናብ ኣህዛብ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ኢዮርሳሌም ወንጌለ መንግሥት ምምኃር ዝንበሮም ሰባት ስለዝነብሩእዮም። ዳግማይ ወገናቶም ከይምኃሩ ባዕዳን ከምኅሩ ከይዶም። ኢሎም ዳሕራይ መናፍቃን ምኽንያት ከይረኽቡ ኢሉ እዩ። ዳግማይ’ውን ብሉያትእዮም’ሞ “ ንሕናውን ድኹማት ኰይንና ከለና ንኃያላት ምእማን ከመይ ንኽእል?። ብቁጽሪ ብጣዕሚ ንእሽቶ ከለና ከመይ ንዓለም ኩሉ ምእማንከመይ ጌርና ምምኃር ይከኣለና። ኢሎም ፍርሓት ከየሓድሮም ፣ ንፍርሓት ዘርሕቅ ኣጸናንዒ ብርትዐ ዝኅብ መንፈስ ቅዱስ ከምዝልእኸሎምስለዝፈተወ እዩ። ይብለና ። ኣብ ትርጉሙ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ። ዐርገ እግዚ አብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ናብዚ ምድሪ ዝመጻሉ ዓላም ወዲኡ ምርኮ ማሪኹ ናብ ዝቀደመ ክብሩ ዝተመለሰሉ እዩ። ምርኮዝተባሃልና ንሕና ኢና። እዚ ከኣ ከመይ እዩ እንተኢልና፣ ብዝበደልናዮ በደል ምኽንያት ን5500 ዘመናት ዝኣክል ኣብ እግረ ኣጋንንቲ እንዳተቕጥቀጥናኔርና። ክብሪ ንዕዑ ይኹን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝኸበረ ደሙ ቤዛ ኾይንና ካብ ጥንተ ጻላኢና ዲያብሎስ ነጻ ኣውጺእና። ናብጥንተ ተፈጥሮና መሊሱና፣ ካብ ሓጥያትና ነጻ ኣውጺኡና። ዳግማይ ደቁ ክንበኃል ፈቂዱልና ዓዲሉና። ዝሃበና ሥልጣን ደቁ ክንበኃል ጥራሕ ዘይኮነሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኅር ከሎ “ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ'ውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብቲመዓሙቚ ክፍሊ ምድሪ'ውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያትዝደየበ'ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም'ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” ኤፌ.4፣11-12። ዳግማይ’ውን ምርኮ ዝብል ቃል ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ክትርጎም ከሎ ከምዚ ይብለና፣ “ብመስቀሉ ናብ ሲዖል ምውራድ ኣድኂኑና። ብናይ ኣቦናኣዳም በደል ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ዝነብሩ ጻድቃን ፈቱሑ። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብዝተሥኦ ሓቐኛ ትንሣኤ ኣተንሢኡና ። በሪ ንስሓ ከፊቱልና። ” ሃይ.አብ.36፣30። እዚ ቃል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሰማምዐ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማያት ዝዓረገ ድሕሪ እዚ ምርኮ እዩ። ንሕናውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተጸኒሕና፣ ዳግማይውን ናብ ምርኮዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና ናይ ልዕሊ ቅዱሳ ሓዋርያትን ካልኦት ቅዱሳን ጸጋ ከመዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ጥምቀቱ፣ ሕማሙ፣ ሞቱ፣ ትንሣኤኡ፣ ዕርገቱ፣ ወእለ ዘተረፈ ወዝቢ ዝመጸ ዘየኮነ ኣቀዲሙብነብያት ትንቢት ዝተነግረ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ““ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን - ” ዝበሎ ነዚ እዩ /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭)መዝ.46-5።/፡፡ በዚ ቃል ብዙሕ ቁምነገር ንመኃር። ሓደ ብመሎኮታዊ ባህርይ “ ኣብዚ ኣሎ፣ ኣብዚ የለን ።” ዘይበኃል እግዚአብሔር “ዕረገ ” ምባሉ ብዝለበሶ ሥጋምኻኑ የረደኣና። ካልኣይ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርይ ኣምላኽነት ንዝጠራጠሩ ኩሎም ግሩም ዝኾነ ትምህርቲ ዝኅብ እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ ክንገርን ክግለጽን ዘይከኣል እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ናይ ምስጋና ሰልፊ ብጣዕሚ ዘደንቅ ሰማያዊ ሰልፊዝተዓጀበ እዩ ዝነበረ። ንጸላኢና ዲያብሎስ ቀቲሉ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብብነገዶምኮይኖም ብሰልፊ ዘሚሮምሉ እዩም። ሰማያዊ ውዳሴ ኣቅሪቦምሉ እዩም። ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብዛዕባ እዚ ኣስፊሖም ገሊጾሞ እዮም። ካብ ብዝሑ ብውሕዱ ፣ ካብ ነዊሕ ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዝዓረገሉ ቦታ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብርሃናዊ ስዋስው ተዘርግሐ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ’ውን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንቅዱሳን ሓዋርያት ባሪኽዎም። ኢፍ ኢሉውን ጻጋኡን ሥልጣንን ኂብዎም። ኣብ ዕሊ ኪሩቤም ዝተጻዕነ ብርሃናዊሠረገላ ናብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ’ውን ኣእላፋት ወትእልፊት ቅዱሳን መላእኽቲ ነበሩ። ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ሱራፌል’ውን ሓቢሮም ነበሩ።ብጣዕሚ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማ ብርሃናዊ ቃላት’ውን ኩሎም በብሥርዓቱ የመስግንዎ፣ ይውድስዎ፣ ይቅድስዎ ነበሩ። ምስዚ’ውን ንልቢ ዝሰርቅ ነይመለከት ድምጺ ብብሥርዓቱ ይስማዕ ነበረ። “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እምቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እንዳበሉ ዘመስግኑ ነበሩ። ካሎኦትቅዱሳን መላእክቲ ከኣ በብእብረ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያምዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስእግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመእግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን” ብእብረ ካል ኦት ቅዱሳን መላእኽቲ’ውም “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔርቅዱስ አንተ ኦ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦ ሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” እንዳበሉይውድስዎም ይቅድስዎም ነበሩ። ካልኦት’ውን ”ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን። ” እንዳበሉየመስግንዎ ነበሩ ። ልዕል ኢሎም ዝነብሩ ድማ ግሩምን ነጎድጋዳዊ ብዝኾነ ድምጺ“አርኅዉኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብርወስብሐት” ኢሎም ዠመሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ብርሃንዊ መንጦላዕትዝነብሩ ማኅበረ ልዑላን “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ” ክብሉ ሓተቱ። እቶም ዝቀደሙ ድማ“ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ ” ክብሉ መለሱሎም። ድሕር’ዚ ከኣ ቃላተ መኳንንት ወሥልጣናት ኃይላት ተሰምዐ ከምዚ ከኣ በሉ“አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋ ኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሠ ክብር ስብሐት፡፡ ” ቀጺሉ’ውን ካብ መናብርት ኣጋዕዝት ካልእ ድምጺተሰምዐ ። “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ። ” ካልኦት ከምዚ ክብሉ መለሱ “ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ፡፡ ” ኩሎም ንልቢ ብዝምስጥ ጥዑመ ዜማ የመስግኑ ነበሩ። ብርሃናዊ ትዕይንትን ጥዑም ናይ ዕጣን መዓዛ ካብ ዝሓዝዎ ሙዳይ ይወጽእ ነበረ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንዓዓ ኢሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ (ድንኳን)ነበረት። ንቅዱሳን ሓዋርያት ድሕሪ ምዝራቡ ናብኣዲኡ ወላዲቱ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከይዱ። ምድሪ ተንቀጥቀጠት። ኩሎም ሰገድሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብሰማያዊ ሠረገላ ደየበ። ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብዝመርሖም እልፍ ኣእላፋት ሠራዊተ ሰማይ ብኹሉ መዓዝናትበብመልክዖምን ነገዶምን ሥርዓቶምን ቆይሞም (ተሰሊፎም) ኢሎም ነበሩ። ኣቤት ኣብቲ ዕለት ዝተረኣየ ሰማያዊ ሰልፊ ውዲ ሰብብ ብድኹም ቋንቋፈጹሙ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ” /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭ መዝ.46 (47)፥5። ዝበለና ነዚ ግሩም ምሥጢር ርእዩ እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ፍጹም ዝተፈለየ እዩ። ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ናይ ሰማይ ዝወጹ ወይ ዝዓረጉ ዝተወሰዱ፣ ከሙኡ ከኣ ዝተሰወሩ ቅዱሳን ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ናይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ግና ካብዚቶም ዝተፈለየ እዩ። ናይ ጐይትና ዕርገት ከም ሄኖክ ብምስዋር፣ ከም ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ዝተፈጸምኣይኮነን። ቅሱ ጳውሎስ ስጋብ ሳልሳይ ሰማይ ዝተወስደሉ ዓይነት’ውን ኣይኮነን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክዓርግ ከሎ ሓጋዚ ( ኣዕራጊ) ኣየድለዮን። ቅዱሳን እንተዓረጉ ፣እንተተሰወሩ፣ እንተተወስዱ እግዚ አብሔር ብዝኃቦም ጸጋእዩ። ብዘይ እግዚኣብሔር ዋላ ሓንቲ ነገር ምግባር ኣይከኣልን እዩ። ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስን ናይ ኤልያስ ዕርገትእንዳነጻጸረ ክዛረብ ከምዚ ይብል። “ ከምዚ ድምጺ ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ (ደየበ)።” ዓረገ ኢሉ ቅዱስ ዳዊት። እሱዐረገ ኢሉ እምበር መላእኽቲ ኣዕሪጎሞ ኣይበለን። ብቅድሚኡ መገዲ ዝመርሖ ኣይድለዮም። በቲ ጎደና ባዕሉ ዐሪጉ እምበር። ኤልያስ ከም ኢየሱስክርስቶስ ከምዚ ክገብር ኣይከኣለን። ናይ ኤልያስ ባህርይ በዚኣ መገዲ ክዓርግ ኣይከኣለን። መላእኽቲ ናብቲ ዝተኣዘዝዎ መገዲ ወሲዶሚ እምበር።ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ግና ንመላእኽቲ ዝፈጠረ እዩ እሞ ብሥልጣኑ ዐረገ። ስለዚ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያትመጽሓፉ ናይ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ኣንቃዕዲዎም ይርእዩ ነብሩ እንዳበለ ዝነገረና፣ ኣዕሪጎሞ ኣይበለናን። ወይ ተሰኪሞሞኣይበለናን። ኣዓረገሉ ቦታ ናቱ ገንዘቡ ስለዝኾነ።” ሃይ.አበ. 67.12-14።(፷፯፡፲፪-፲፬) ። ሄኖክ’ውም እንተኾነ ። “ እግዚ አብሔር ስለዝወሰዶ ።” እዩተባኂሉ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ኣይዓረገን። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርቀት ዘይኮነ ብርሕቀት እዩ ዝተፈጸመ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሰማይ ዝዓረገ ብብቁሩን እንዳረሓቀ፣ ልዕል ልዕል እንዳበለ እዩ ናይ ሰማይ ዝዓረገ እምበር ብርቀት (ረቂቅ) ብምኻን ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣቀዲሙ ዝተዋሃዶ ባሕርይና (ግዝፉነቱ) ኣጥፊኡ ዘይኮነ ምስ መለኮታዊ ባሕርዩ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነግዙፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ እንዳረሓቀ ብምውጻእ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኣዒንቶም ናብ ሰማይ ኣልዒሎም ዝርእዩ ዝነብሩ ነዚ እዩ። ድሕሪተዋህዶ ምንታዌ ( ክልተነት፣ ምፍልላይ) የለን። ከምቲ ኣቀዲሚ ኣብ ላዕሊ መእተዊ ዝተገልጸ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቱክድህስስዎ ዝገበረሉ ምኽንያት ሓደ እዚ እዩ። ስለዚ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርሕቀት ( እንዳረሓቐ ብምኻድ) እምበርብርቀት (ብምርቃቅ) ኣይኮነን። ወነበረ በየማነ አቡሁ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ዳዊት ኣቀዲሙ ከምዝበሎ “ ጐይታ ንጐይታይ ብጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳብ ዝገብሮም ኣብየማናይ ተቐመጥ። ” መዝ. 110፣1። ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ትንቢት ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ኣምኂሩ። እብ.10፣12። “ ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕድሱ ብሓንቲ መሥዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፣ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መሥዋእቲ ስለ ሓጥያት ምስኣቕረበ፣ እቶም ጻላእቱ መርገጽ እግሪ ክሳዕ ዚኾኑ እንዳተጸበየ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ” እዚ ማለት ወልደ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእት ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገት ብየማነ አብ ምቕማጡ ዘረድእእዩ። ቅድሱ መጽሓፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን አብ ተቐሚጡ ክብል ከሎ ። ማር. 16፣19። እብ.1፣3። እብ.8፣1። ንሕናደጋጊምና ናብ ዝቀደመ ክብሩ ተመሊሱ ምባልና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ምምልላሱ ምዝራብና እምበር ካብ ባህርይመለኮቱ ተፈልዩ ይፈለጥ ምባልና ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣለና። ኣካላዊ ቃል ናብዛ ምድሪ ወሪዱ ክንብል ከለና ሙሉእነቱ ከይገድፈ ወልድ ብዝተፍለየ ኣካሉ ካብ ናይ ባሕርይና መመክሒት ዝኾነት ኣዴና ቅድስተቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካን ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ (ተዋህዶ) ብሓጺር ቁመት ብጸባብ ደረት ተወሲኑ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፣ ስለ ድኅነትናዝመጸ ምኻኑ ምዝራብና ምኻኑ ኩሉ፣ ወጺኡ ክንብል ከለና ዝመጻሉ ዓላማ ፈጺሙ ንዝተዋህዶ ሥጋን ነፍስን ከይገደፈ ስለንዓና ክብሪ ከምዝዓረገምዝራብና እዩ። ጳምደ ሃይማኖት ዝተባኅለ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ናይ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌል ኣብ ዝተርጎሞ ኣብ መበል 24 ምዕራፉ ብዛዕባ እዚክዛረብ ከሎ “ ንደቂ መዛሙርቱ ድሕሪ ምብራኹ ናብ ሰማይ ዐረገ። በየማን ኣቡኡ’ውን ተቐመጠ። ዝተቐመጠ’ውን ብባሕርየ መለኮቱ ጥራሕኣይኮነን፣ ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን እዩ እምበር ፣ ኣካላዊ ቃል ባሕርይና ክወሃድ ከሎ ንዓና ናብዚ ክብሪ ንምምላስ ስለዝነብረ እዩ። … እግዚአብሔርከሎ ስለና ሰብ ኮነ። ብፍቓዱ መከራ መስቀል ብዝተዋህዶ ሰውነት ተቀቢሉ። ብዝተዋህዶ ሰውነት ሙስን መቓብርን ኣጥፊኡ ካብ ሙታን ተፍለዩተሢኡ። ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን ዐረገ። ኣብ ሕያዋንን ሙታን ክፈርድ ከኣ ዳግማይ ብክበበ ትስብእት ክመጽእ እዩ። ሉቃ፣24። ትርጓሜ ዘቅዱስቄርሎስ። “ ተቐመጠ ” ክበኃል ከሎ ንመለኮት ምቅማጥን ምትንሣእን ኃልይዎ ኣይኮነን። ካብ ክብሩ ሪሒቑ ካብ ጸጋኡ ዓሪቑ ዝነበረ ባሕርይና (ሥጋ) ብተዋህዶምስ መለኮት ምኽብሩ ምዝራቡ እዩ እምበር። ናይ መለኮት ገንዘብ ንሥጋ ከምዝኾነ ምዝራቡ እዩ። “ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ኡኣቕመጠና። ” ኤፌ.2፣6። ዝተባኅለ ነዚ እዩ። ዕርገቱን ንሕናን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾክያ ገና ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከስተንትን ክጅምር ኮለኹ “እዛ ቆይምካላ ዘለኻ ስፍራ ቅድስቲ ኢያ እሞ ናብዚ ኣይትቕረብ ዝብል ድምጺ ብዓውታ ክድሂ ይስምዓኒ “ ብምባል ከም ዝተዛረበ ብዛዕባ እመ ብርሃን ክንጽሕፍ ብርዕና ኣብ ዘልዓልናሉ ጊዜ ናይ ኃጢኣት ኣሳእንና ካየውጻእና ናብኣ ክንቀርብ ከም ዘይግብኣና ይምዕድና። ሰብን መላእክትን ነጊሮም ክውድእዎ ዘይከኣሎም ምስጋናኣ ክንነግር […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ሰባት እግዚአብሔር ምስኦም ዝኾነ ንረክብ። ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ ንምጥቃስ ፣ ኣብ መጽ.መሳፍንቲ6፣12። ንእኡ ድማ መልኣኽ ተራእዮ። ኣታ ኃያል ጅግና እግዚአብሔር ምሳኻ እዩ። ከኣ በሎ። ይብል። እዚ ኃይለ ቃል ዝተነግሮ ጊዶዎን እዩ። አስዒቡ'ውን አብ መሳፍንቲ 6:16 እግዚአብሔር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ። ብምባል እቲ ንሱ ዝገብሮ ተግባር ነጊርዎ አሎ። ሰብ ስኬም እውን ንኣብርሃም "ንሳቶም ድማ በሉ፡ እግዚአብሔር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና..." ኢሎሞ አለዉ። ዘፍጥረት 26:28-29. ብተወሳኺ አብ 2ይ ሳሙኤል 7:3 "ናታን ከኣ ንንጉሥ፡ እግዚአብሔር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ ከምዝበሎ ነንብብ። ነብይ እግዚአብሔር ኤርምያስ'ውን ቆልዓ እየ አብ ዝበለሉ፡ "ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚአብሔር። ኤርምያስ 1:8" ክብል ፍርሃቱ ዝድምስስ ትብዓት ዘልብስ ቃላቱ አስኒቅዎ። እዚኦም ኩሎም እግዚአብሔር ምሳኻ ኢዩ እኳ እንተተባህሎም፡ እግዚአብሔር ምስኦምዝኾነ ብጸጋኡ፡ ብረዲአቱ፡ ብጉስነቱ፡ ብሓልዮቱ ኢዩ። እዚ ንወላዲተ ኣምላክ “እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ!” ተባሂሉ ዝተነግራ ግን ከም ናይ አብርሃም፡ ከም ናይ ይስሓቅ፡ ከም ናይ ያዕቆብ ወይ ከም ናይነብያት አይኮነን። አቀድም አቢሉ እግዚአብሔር ከም ልበይ ዝበሎ ንጉስ ዳዊት "ቀደሰ ማሕደሮ ልዑል። እግዚአብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሃወክ።ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ፥ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጣ ኢዩ’ሞ ኣይክትናወጽን ኢያ።" ክብል አብ መዝ 46፡5 ዘሚሩላ ነይሩ። ነቲ እግዚአብሔር አብማእከላ ኢዩ ክብል ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ከጽንዕ መልአከ ብርሃን ቅዱስ ገብርኤል እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ ኢሉዋ። ቅድም ብጸጋ ሓዲሩዋ ነይሩጸኒሑ ድማ አካላዊ ቃል ካብ ሥጋአ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ አብ ማህጸና ሓዲሩ ሰብ ብምኻኑ፡ ነቲ ቅድሚ ትስብእት ዝተነግረ እግዚአብሔርምሳኺ ኢዩ ዝብል ቃል ቅዱስ ገብርኤል ፍጻሜ ረኺቡ። ብተወሳኺ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ክብላ ከሎ፡ ፍቓዱ ምስ ፍቓድኪ ኢዩ። ሓሳቡ ምስሓሳብኪ ኢዩ። ድላዩ ምስ ድላይኪ ኢዩ። ንምባል እዩ። ብሓቂ’ ውን ፍቓድ እግዚአብሔር ምስ ፍቓድ ወላዲተ አምላክ ምስተጋጠመ እቲ ትንቢትዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቆጽረሉ እንኮ ወዱ ብተዋሕዶ ተወሊዱ። ስለዚ እግዚአብሔር ምስ ወላዲተ አምላክ ምዃኑ ካብን ክሳብን ዝበሃሎ አይኮነን። ላእከማርያም ዘደብረብርሃን ግንቦት ፲፱, ፳፻፰
ኣብዚ ዕለት ሰንበት ትንሣኤ ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላምንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ። ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጎስን ምስ ነገርዎ። << ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ'ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።>> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም […]
ቀዳም ስዑር÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኩሎም ፍጥረታቱ ምስ ፈጠረ ፈጺሙዘዕረፈላ ክብርቲ ዕለት እያ። ናይ ጥንቲ ወይ’ውን ናይ መጀመርታ በኹሪ ናይ በዓላት ስለ ዝኾነት ከኣ ቀዳመይቲ ሰንበት ተባሂላ ትጽዋዕ። ዘኽበራን ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝመደባን ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ። ብኻልእ ወገን ቀዳመይቲ ብዝበሎ ድማ ካልኣይቲ ሰንበት ንሳውንሰንበተ ክርስትያን ቅድስት ከም ዘላ የመልክት። ድኃር ኣብ ሓዲሽ እንኾነ እቲ ናይ 5500 ዘመናት ክፍጸም ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ ብናይ ተወላድነትግብሪ ስሙ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከም ሰብ ቀስ ብቐስ ዓበዩ፥ ኣብ መወዳእታ ንዓለም ኩሉ በጃ ኣብመልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ምድኃን ተግባሩ ብዕለተ ዓርቢ ምስ ፈጸመ ኣብ ሓዱሽ መቓብር ኣዕሪፉ ዝወዓለላ እውን እዛ ዕለት ማለት ቀዳሚትሰንበት እያ። ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ጥራይ ከኣ ቀዳም ስዑር እናተባህለት ትጽዋዕን ትኸብርን። ስዑር ዘብላ ኣብዚ ሳምንትክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ንዝተቐበሎ ስቓይን መከራን እናሓሰብና ንጾማን ብኃዘን ንውዕላን ስለ ዝኾነት እዩ። ቀዳሚት ሰንበት ኣብቲ ካልእ ጊዝያትብደስታን ብምስጋናን ብዘይ ሙጻም ክትከብር ከላ፥ ኣብዚ ሳምንትዚ ግን ንሕማማተ መስቀሉን ሞቱን እናዘከርና ብምኅዛን ብጾምን ጸሎትን እያእትኸብር። እዚ ከኣ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ጀሚሩ እናተተሓሓዘ ዝመጸ ቅዱስ ትውፊት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ ካብ ሓዋርያትወገን ዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ ያዕቆብን’ውን ካብ ኃዘኖም ዝተላዕለ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ክብሩ ከይርኣና እኽሊ ኮነማይ ኣይንጥዕምን ኢሎም ብጾምን ጸሎትን ኣሕሊፎምዋ እዮም። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳዕ ዓርቢ ስቕለት ብጾምን ጸሎትን ስግዳንን ዘሕለፉ ምእመናን በዚ ዕለት ኩሎም ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይእከቡ፡፡ ካህናት ኣቦታት ከኣ ከም ሥርዓቱ ናይ ነግህ ጸሎቶም የብጽሑ እሞ ድኅሪዚ «ገብረ ሰላመ በመስቀሉ፡ ብቅዱስ መስቀሉ ሰላም ገበረ፥ኣዳም ምስኣምላኹ ተዓረቐ።» እናበሉ፥ኣብ ዘመነ ኖኅ ርግቢ «ሐጸ ማየ ኣይኅ˝ ነትገ ማየ ደምሳሴ» ክትብል ናይ ብሥራት ምልክት ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ከምዝተራእየት፥ ንጻድቕ ኖኅውን ከም ዝሃበቶ፥ ንሱ ድማ ተቐቢሉ፥ ማይ ኣይኂ ካብ ምድሪ ምጉዳሉን ምድራቑን ከም ዝፈለጠ ዘፍ.9-1-29፥ እዞም ናይዛ ርግቢ ምሳሌ ዝኾኑ ካህናት ኣቦታት’ውን ከምኡ ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየ መርገም ጎዲሉ ጠፊኡ፥ ሞት’ውን ተወጊዱልናክብሉ ናይ ብሥራት ምልክት ሰቲ ኂዞም ይርኣዩ፥ ምስ ዲያቆናቶም ደወል እንዳደወሉ ናይ ኖኅ ምሳሌ ንዝኾኑ ምእመናን ድማ ነዚ ናይ ብሥራትምልክት ዝኾነ ስቲ ይዕድልዎም። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይተረኽቡ ምእመናን ከኣ ልብሰ ተክህኖኦም ብምልባስ እናዘሩ ይዕድልዎም። እቶም ምእመናንድማ ከምቲ ጻድቕ ኖህ ካብቶም ካህናት ኣቦታት ነቲ ዝዕድልዎም ናይ ብሥራት ምልክት ይቕበሉ። በዚውን ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየመርገም ምጥፍኡ ይፈልጡ። እዚ ትንሣኤ ንምርኣይ ዓቢይ ብሥራት ስለ ዝኾኖም ከኣ ባህ ይብሎም። ንርእሱ ኣክሊለ ሦክ ደፊኡ ንዓታቶም ኣክሊለ ብርሃን ኣክሊለ ክብሪንዝደፍኣሎም ምስክር ከኣ ኣብ ኣራእሶም ይኣስርዎ። ኣብ ዕፅ ሕይወት ዕፅ መድኃኒት ዕፅ ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ ንዝዘለዎም ጽኑዕእምነት ንምግላጽ ከኣ ብናይ መስቀል ምልክት ……ወዘተረፈ ንዝተገብረሎም ውዕለት ብዘንጸባርቕ መገዲ ዝተፈለለየ ምልክት በቲ ሰቲ ገይሮምይሰርሑ። ኣምላከ ቅዱሳን ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና ብረዲኤቱውን ዘይተፈለየና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ንብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ብሰላም የርእየናን የብጽሓናንኣሜን። ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። ኣሜን። እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። […]
“ ውእቱሰ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ። በእንቲአነ ሐመ ወንሕነ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ ብሕማም ፣ወውእቱሰ ቈስለ በእንተ ኃጢአትነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ፣ ትእምርተ ሰላምነ፣ ወበቊስለ ዚአሁ ሐዩነ ቊስልነ ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና […]
እዛ መዓልቲ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝተፈላለ ስያሜ ዘለዋ ዕለት እያ። 1.ሕጽበተ እግር÷ ኃሙስ በዚ ስም እዚ ክትጽዋዕ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥ ብባህሪኡ ክቡር ልዑል ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት ዓለባኡ ተዓጢቑ ናይ ሓዋርያቱ ኣእጋር ብምሕጻብ ፍጹም ንዝኾነ ትሕትናኡ ዝገለጸላ ንሕና’ውን ኣብ ንሓድሕድና ከምቲ ዝገበሮ ብምግባር ኣርኣያኡ ተኸቲልና ትሕትናምእንቲ ከነርእን ትሕትና ንጸላኢ ድያብሎስ እንስዕረላን ዝሽነፈላን ዓባይ መንፈሳዊት መሳርያና ብምዃናውን ክንለብሳ ከም ዝግባእ ትምህርቲ ዝሃበላመዓልቲ ስለ ዝኾነት እዩ። ንሱ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ኣቦታትና ካህናት ናተይን ናይ ምእመናን ኃጢኣት በደልና ሕደገልና፥ ሕጸበልና ክብሉ ደኒኖም ኣእጋርና ዝሓጽብዎ እዩ። ዮሓ.13፤4-15። 2.ጸሎተ ኃሙስ÷ እዚ ስያሜ በዛ ምሸት እዚኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ ቅድሚ ምትሓዙ ናብ ጌቴሴማኒ እትበሃል ቦታ ከይዱ ንዝጸለዮ ጸሎት ዘዘክር እዩ።"ሎቱ ስብሐት"ጸሎቱ ግና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብተግባርንዓና ኣርኣያ ንምዃን ኢሉ እምበር ስለ ርእሱ ኣይነበረን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጾመ ጸሎት ኣብ ሕይወትና ዝህቦ ረብሓ ክንደይ ዓቢዪምዃኑ ንምርዳእ ተመሳሳሊ ከምዚ ብዙሕ ጊዜ ባዕሉ ኣብነት እናኾነ ምሂሩና እዩ። ማቴ.26፤36። ዮሓ. 17፤1። ምኽንያቱ ኣብ መጻሕፍቲ ነብያት " ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩ ኪኾኑ እዮም።" ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝኾነ። ዮሓ.6፥45።ኢሳ.54፥13። ዕለተ ምሥጢር÷ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ንዓለም ኩሉ ሕይወትን መድኃኒትን ዝኸውን መለኮታዊ ሥጋወደሙ ማለት እቲ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቁርባኑ ዝሥርዓልና በዛ መዓልቲ እዩ ማቴ.26፥26-28። ቅዱስ ቁርባን ከም ዝተባህለ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ምሥጢር እዩ። ምሥጢር ዘብሎ ከኣ ኣብ ማቴ.26፥26-28። ተነጊሩና ከም ዘሎ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ንድኅነት ዓለምን ሥርየትኃጢኣትን ኣብ መልዕልተ መስቀል ቅድሚ ምስቃሉ በዛ መዓልቲ ማለት ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ምሸት ኃሙስ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዘምጽእሉ እንጌራዘይሓረረን ዘይነቕዐን መሪጹ ኣልዒሉ፥ ቀደሰ ማለት ኣመስገነ ስለ ዝኾነ፥ ድኃር ከምዚ ሎሚ ዝፍጸመልና ዘሎ ብሥርዓተ ቅዳሴ ክወሃበና ምዃኑንምርዳእ እዩ። ኣመስጊኑ ብምኽባር ቆሪሱ፡ ነቲ ኅብስቲ ናብ ኣማናዊ (ሓቀኛ)ሥጋኡ ቀይሩ፥ ነፍሲ ዝተፈልየቶ መለኮት ዝተዋሃሃዶ፥ ኣብን መንፈስቅዱስን ድማ ህልዋን ዝኾንዎ ትኩስ ሥጋ " እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩ ብልዑ። " እናበለ፥ ከምኡ ነቲ ወይኒ ድማ ኣመስጊኑ ባሪኹ ናብ ኣማናዊ ደሙለዊጡ ማለት መለኮት ዝተዋሃሃዶ ትኩስ ደም ጌይሩ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ኻብዚኩልኹም ስተዩ። " እናበለ ስለ ዝሃቦምን ዝሃበናን እዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣብ ክንዳና ንድኅነትና ዝቑረስ ናይ ጐይታ ቅዱስ ሥጋን ዝፈስስ ክቡር ደሙን፣ዝፍጸም ኣብ ዕለተ ዓርቢ እናሃለወ፣ ብምሥጢር ግን ንሱ እቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝቑረስ ሥጋኡን ብዕለተ ዓርቢ ዝፈስስ ደሙን ኣብ ምሴተ ኃሙስ ስለዝሃቦን ዝሠርዖን እዩ። እዛ መዓልቲ ናይ ምሥጢር ዕለት ዘብላ ከኣ በዚ ምኽንያት እዩ። ካልእ ቅዱስ ቁርባን ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋ እግዚአብሔር ዝርከቦ ስለ ዝኾነ ምሥጢር ይበሃል። ምስዚ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ«ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ።» ካብዚ ኩልኹም ስተዩ።"ብዝበሎ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ መዓልቲ ናይ ኦሪት ዝነበረ መሥዋእቲ እንስሳ ኣትሪፉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥጋን ደምን ብምትካእ ሓዲሽ መሥዋእቲ ናይሓዲሽ ኪዳን ዘቕረበላ ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት ኃሙስ ዘሓዲስ ኪዳን ማለት ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኃሙስ ዝብል ስያሜ’ውን ኣለዋ እዩ። ናይነጻነት ኃሙስ፡÷" ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኃጢኣት ዝገብር ዘበለ ንሱ ባርያ ኃጢኣት እዩ::"ከም ዝተባህለ ዮሓ.8፥34። ደቂ ሰባት ብኃጢኣትና ምኽንያት ኣብትሕቲ ኣርዑት ባርነት ናይ ጸላኢ ድያብሎስ ተቖሪና ንዘመናት ክንሳቐ ንነብሩ ነበርና እሞ፥ ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ሰዓቱ ምስ በጽሐ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ብምግላጽ በዛ መዓልቲ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረብሉ እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ "እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩብልዑ።"ኢሉ፥ […]
እዛ መዓልቲውን ከምተን ካልኦት ናታ ዝኾነ ስያሜ ዘለዋ ኮይና ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ። እዚኣ ድማ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ ብቅንኣት መንፈስን ክፉእ ሓሳብን ተላዓዒሎም ሒዞም ክቐትልዎ ንዝገበርዎ ክፉእ ምኽሪ እተዘኻኽር እያ። ማቴ.26፤1-5።ማር.14፤1-2 ። ኣይሁድ ነዚ ክፉእ ምኽሪ ዝጀመርዎ ካብ ዕለተ እሑድ ሠርክ እዩ። ብዝተፈለየ ምኽንያት ሓሳባት እናፈረሰ፥ ከምኡ’ውን ሰዓቱ ስለዘይበጽሐ ብዘይሓደ ፍረ ክበታተኑ ቀንዮም ምኽሮም ዝጸንዓሎም ማለት ዝተሰማምዑ ግን ኣብዛ ዕለት እዚኣ ረቡዕ መዓልቲ እዩ። ረቡዕ ኣብቲ ካልእወቕቲ ሓንቲ ካብቲ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኮይና ብሙጻም "ኦ ኣምላኽ ንልቦናይ ካብ ክፍኣትን ተንኮላትን ምስ ኣይሁድካብ ምሕባርን ሓልወለይ። ከም ድማ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝሕሰብ ክፉእ ሓሳባትን እከይ ውዲታትንውን ኣድኅነኒ።" እናበልና ሰሙናዊ እነኽብራፍልይቲ ዕለት ምዃና ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ምእንቲዚ እምበኣር እዛ መዓልቲ ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ። ካልእ ጥዑም መዓዛ ዘለዋ መዓልቲ’ውን ትበሃል እያ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን እቲ ለምጻምተቐሚጡ ከሎ፥ ሓንቲ ምሉእ ሕይወታ ብኃጢኣት ዝሙት ትነብር ዝበረት ሰበይቲ ብኃጢኣት ምኽንያት ጥዑም መዓዛ ቅድስናኡ ርሒቕዎ ንዘሎዝረኸሰ ሕይወተይ ከምዚ ጽቡቕ ሽቱ ጥዑም መዓዛ ቅድስና ከተልብሰኒ ዝከኣለካ እዩ፥ እሞ ኣንጽሃኒ ክትብል ክቡር ቅዱይ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ መጺኣ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ስለዘቕረበት እዩ። ናይ ንብዓት መዓልቲውን ይበሃል። ከመይ እዛ ሰበይቲ ምስዚ ኩሉ ብኃጢኣታን በደላን ኣሚና ንክኃድገላ ንብዓታ ከም ውሑጅ ኮይኑ ክፈስስ እግሩእናኣጠልቀየ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት ተደፊኣ ብምልማን ናይ ልባዊ መሥዋእቲ ንብዓት ድማ ኣቕሪባ እያ። ምሉእ ታሪኹ ማቴ.26፤6-13።ማር.14፤3-9። ዮሐ.12፤1። ንርአ። በዚ ከኣ ምሕረት እግዚአብሔር ንምርካብ ናይ ገዛእ ርእስና ኃጢኣትን በደልን እናሓሰብና ንኣምላኽ ባህ ዘብል ዝተፈትወ ናይ ንብዓት መሥዋእቲከነቕርብ ከም ዝግባእን ከም ዘሎናን ምምሃር እዩ። ዕለተ ኃሙስ÷……ይቕጽል…… ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር። ዲን.ዓምደማርያም