ወርኀ ጳጉሜን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ንቤተ ክርስቲያና ብናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ፍልይ ካብ ዘብላ ነገር ሓደ ጳጉሜን እትበሃል መበል ፲፫ (13) ወርኂ  ስለዘለና እዩ፡፡ ጳጉሜን ማለት ብግሪኽ ወሰኽ ማለት ክኸውን እንከሎ ንዓመት ብሰላሳ መዓልታት ምስ ከፈልናዮ ዝተረፉ ዕለታት ተኣኪቦም ዝሰመይዋ ተወሳኺት ወርኂ እያ፡፡ ወይ ከኣ በብመዓልቱ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ዘሎ ኣቆጻጽራ ዝፍጠር […]

Continue reading

ቤዛዊት - ራብዓይ ክፋል

ቤዛ ዘይሓሰብቶ ሕቶ ካብ ድያቆን ሰለ ዝረኸብት  ሕልሚ ኮይኑ ተራኣያ ። ዓቢየ ዕደመ ሔዋን በጺሐ ማለት ደዩ ወይስ ጸላኢ ሰናይት መደባተይ  ከሰናኽል ሰለ ዘደልዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቡዙሓት መንእሰያት ናይ መርዓ ሕቶ ዝቀርበይ ዘሎ እናበለት  ከይተረደኣ ኣብ ገዝኦም በጽሐት። ምስ ማማ ኣብርሀት ከጸንሓ ዘይተጸበየቶ  ሳሚ ምስ ረአየት ቀው ኢላ  ጠመተቶ። ብዕላማ ኮነ ኢሉ ምስ […]

Continue reading

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና! ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። << ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ከኩሉ>> ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። […]

Continue reading

ቤዛዊት 3ይ ክፋል

ቤዛዊት ኣንግህ ኣቤላ ትድዉለለይ እሞ በሓባር ክንከይድ ኣበይ ክንራኸብ በለትኒ። ክሳብ ገዛዉትና ምኒባስ ጌይራ እሞ ክትመጽእ እሞ ድሕሪኡ ተታሓሒዝና ንኸየድ ። ከም ስምምዕና መሰረት ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ኣብ ገዛዉትና ተራኺብና ናብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ኣምራሕና። ኣነ ግና ኣብ ክልተ ሓሳባት  ተዋጢረ ነበርኩ። ቤዛ ድያቆን መርሃዊ ሰለምንታይ ከም ዝዓደመና  ኣይትፈልጥን እያ። ሰለምንታይ ከም ዘተዓደመት እንተ ነጊረያ […]

Continue reading

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሃገረ ኤርትራ ምስ ፫ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝገበሮ ናይ ዕርቂ ፍጻሜ ተኸታቲልናዮ ኣለና። ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ነቲ ዝተገብረ ዕርቂ ከምዝተቐበሎ ብሓጎስ እንዳ ገለጸ፥ ንመግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ናይ መሰነይታ ደብዳቤ ኣተሓሒዙ፤ ናብ ኩሉ ምእመን ንኽበጽሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ የስፍር። እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ብሰላም ይዓቅበልና።   መሰነይታ ደብዳቤ   […]

Continue reading

ቤዛዊት-ካልኣይ ክፋል

ምስ ማማ ኣብርሃት  ሓደ ሰሙን  ዝኣክል ናይ  ገዛ ኣቁሑት ክንገዛዝእ ንዕዳጋ ተመላሊስና። ምስ  ቤዛዊትን  ከኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ጉባኤ ክትሳተፍ ምሳይ ይወስዳ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል መዓልታዊ ጸሎት ኪዳን ሰለ ዝካየድ ኣብ ምስ ማማ ኣብርሃትን ቤዛን ንራኸብ። ኣብ ኡጋንዳ  ትምህርቲ ሰንበት ጉባኤ ዝካየድሉ ስፍራ  ኣብ ማእክል ከተማ ናይ ካምፓላ ኮይኑ  ቤተ ክርስቲያን […]

Continue reading

ቤዛዊት-1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ   ቤዛዊት  ግንቦት  2009  ሰዓት ከባቢ  4 ድ.ቀ  ኣቢሉ ይኸዉን  ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ተገቲሩ ዘነበረ  ፀሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከም ትኪ በኒኑ ብጠሊ ዘናብ ቦቱኡ ተሓድገ። እቶም ብጽምኢ ማይ  ነቂጾም ዘነብሩ ኣግራብ በቲ ዝዉቅዕ  ማይ ታሕጓሶም ክገልጹ ሰይ ሰይ እናቡሉ ነቲ ዘዉቅዕ  ማይ ተቀቢሎም ንቁጽልቶም ማይ መገብዎ ። […]

Continue reading

ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉም ምሟታ፡ ምፍላይ፡ ምዕራግ፡ ካብ ምድሪ ወይ ካብ መቓብር ምትንሣእ፡ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ። ሊቃዉንቲ ኣቦታት ክገልጽዎን ከብርህዎን ከለዉ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር “ፍልሰታ” ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት […]

Continue reading

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን፣ ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ […]

Continue reading