እግዚአብሔር መደምደምታ ክገብረልና ስዝለ ዝፈተወ፣ ንሓድነትና ድማ ስለ ዝበሃገ፣ እቲ ኣብ ደምቤና ዝሰርሖን ዝሃንጾን ዘሎ ክብሪ ብዙሕ እዩ። መቐጸልታ ናይቲ ወትሩ መደምደምታ ንኽረኽብ እንምነዮ ዝነበርና ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንና ዝቕውድ ድርዒ ሰላም ከልብሰና ለሚንናዮስ፣ ንመጻኢና ዘበስር ኣንፊ ብርሃን ዝሓዘ ሓድሽ ናይ ዕርቕን ሰላምን ታሪኽ ሰሪቱልና ይርከብ። እዚ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ተጻብኦን መንቀኝነት ኣጽራረ ቤተ-ክርስትያንን ዝከናወን ዘሎ ጻዕሪ፣ […]

Continue reading

ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ሰብነት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ፥ ንዓመት ብሣህልኻ ትኽልላ፥  መዝ 65፡11 እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበረኸት እናኸለለ ዘንበረና ነዞም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርናን  ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ውልድነት ዝሃበናን፥ ንጉእዛን  ፍጥረታቱ’ውን ከማን ብሓልዮትን ብበረኸትን እናኣጽገበ ከም ዝሕልዎም  መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል :- ንምድሪ ትሓልየላ ዝናም ሰዲድካ ኸኣ ተጽግባ ፍርያምን […]

Continue reading

ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሐንስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜ  “ቅዱስ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ድንቕ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን። ወዲ ሰብ ንሥጋ’ውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር […]

Continue reading

ወርኀ ጳጉሜን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስን ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ንቤተ ክርስቲያና ብናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ፍልይ ካብ ዘብላ ነገር ሓደ ጳጉሜን እትበሃል መበል ፲፫ (13) ወርኂ  ስለዘለና እዩ፡፡ ጳጉሜን ማለት ብግሪኽ ወሰኽ ማለት ክኸውን እንከሎ ንዓመት ብሰላሳ መዓልታት ምስ ከፈልናዮ ዝተረፉ ዕለታት ተኣኪቦም ዝሰመይዋ ተወሳኺት ወርኂ እያ፡፡ ወይ ከኣ በብመዓልቱ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ዘሎ ኣቆጻጽራ ዝፍጠር […]

Continue reading

ቤዛዊት - ራብዓይ ክፋል

ቤዛ ዘይሓሰብቶ ሕቶ ካብ ድያቆን ሰለ ዝረኸብት  ሕልሚ ኮይኑ ተራኣያ ። ዓቢየ ዕደመ ሔዋን በጺሐ ማለት ደዩ ወይስ ጸላኢ ሰናይት መደባተይ  ከሰናኽል ሰለ ዘደልዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቡዙሓት መንእሰያት ናይ መርዓ ሕቶ ዝቀርበይ ዘሎ እናበለት  ከይተረደኣ ኣብ ገዝኦም በጽሐት። ምስ ማማ ኣብርሀት ከጸንሓ ዘይተጸበየቶ  ሳሚ ምስ ረአየት ቀው ኢላ  ጠመተቶ። ብዕላማ ኮነ ኢሉ ምስ […]

Continue reading

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና! ምስባክ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። << ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ከኩሉ>> ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። […]

Continue reading

ቤዛዊት 3ይ ክፋል

ቤዛዊት ኣንግህ ኣቤላ ትድዉለለይ እሞ በሓባር ክንከይድ ኣበይ ክንራኸብ በለትኒ። ክሳብ ገዛዉትና ምኒባስ ጌይራ እሞ ክትመጽእ እሞ ድሕሪኡ ተታሓሒዝና ንኸየድ ። ከም ስምምዕና መሰረት ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ኣብ ገዛዉትና ተራኺብና ናብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ኣምራሕና። ኣነ ግና ኣብ ክልተ ሓሳባት  ተዋጢረ ነበርኩ። ቤዛ ድያቆን መርሃዊ ሰለምንታይ ከም ዝዓደመና  ኣይትፈልጥን እያ። ሰለምንታይ ከም ዘተዓደመት እንተ ነጊረያ […]

Continue reading

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሃገረ ኤርትራ ምስ ፫ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝገበሮ ናይ ዕርቂ ፍጻሜ ተኸታቲልናዮ ኣለና። ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ነቲ ዝተገብረ ዕርቂ ከምዝተቐበሎ ብሓጎስ እንዳ ገለጸ፥ ንመግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ናይ መሰነይታ ደብዳቤ ኣተሓሒዙ፤ ናብ ኩሉ ምእመን ንኽበጽሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ የስፍር። እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ብሰላም ይዓቅበልና።   መሰነይታ ደብዳቤ   […]

Continue reading