በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን! ወበዛቲ ዕለት ኮነ ተዝካሩ ለዐቢይ ወክቡር አቡነ አረጋዊ ዘይሰመይ ዘሚካኤል። በዛ ዕለት ዓብዪን ክቡርን ኣቦና ኣረጋዊ ዘሚካኤል ዝብሃል ተዝካሩ እዩ። ፩. እዚ ካብ እንጦንስ፣ መቃርስ፣ ካብ ጳኵሚስ ናይ ምንኰስና ወይ መንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ትውልዲ ዝኾነ ናይ ኣባ ዘሚካኤል (ኣረጋዊ ) ኣመጻጽኡ ከምዚ እዩ። ፪. ዳግማይ እዚ ናይ […]
ኣኼባ ምስ ተወደአ ከም ወትሩ ቤዛን ሳምን እናተጻወቱ ናብ ገዝኦም ኣምርሑ። ኣብ መንገዲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኣርእስቲ ክዛራረብሉ ጀመሩ። ቤዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ደኣ ከመይ ረኺብካዮⵗ ሳሚ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ዝፈለዮ ዋላ ሓድሽ ነገር የለን። ሰለ ቤተ-ክርስቲያን ዕብያት ዘቲና። ቤዛ፡ ሓቂ ዘይትዛረብ ቅድሚ ሕጂ በዛዓባ ንሓድሕድና ዘላና ርክብ ተዛሪብና ንፈለጥ ዲናⵗ ኣወዳት […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ስደታ ምሳሌ ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ። ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም […]
ናይ መናፍቓን መዝሙር ክንሰምዕ ይፍቀድ ዲዩ፧ ንምንታይ ኢና ናይ መናፍቓን መዝሙር ዘይንሰምዕ፧ ብዙሕ ጊዜ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ክመላለስ ይረአ ኢዩ። እዚ ሕቶ መሰረቱ ክልተ ኢዩ፡ እቲ ቀዳማይ ናቶም መዝሙር ኮነ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ጽልዋ ዘሕደረሎም ሰባት ንጌጋኦም ሕጋውነት ከልብሱዎ ካብ ዘለዎም ባህጊ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ገለ ገርህታት ኣመንቲ ኩልና ሓደ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወዲ ሰብ ካብ ፈተና ምእንቲ ክድኅን ኩሉ ግዜ ከየቋረጸ ናይ ኣምላኹ ክጽሊ ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ.26፣41። << ናብ ፈተና ከይተኣይዉስ ንቅሑን ጸልዩን።>> ዝበሎም ንኣቦታትና ሓዋርያት። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምእመናን ደቃ በብዕለቱ ተጊሆም ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ክጽልዩ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ክጽልዩ ሥርዓት […]
ነታ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዋ ዲ.በረኸት ግብረ መልሲ ናይ ዲ.መርሃዊ ካብ ገጹ ንምንባብ ናብ ዲ.መርሃዊ ገጹ ጠመተ። ዲ.መርሃዊ ክልቲኣን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝን በለ። ስምዓኒ መራ ዘይተጸበኻዮ መልሲ ኣይኮነን ደሓር ከኣ ዓይንኻ ኣንቈሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ክንደይ ካብዛ ጓል ዝበልጻ ኣለዋ። ፈጺሙ ኣይርደኣንን ዘሎ ናይ ቤዛ ነገር፡ ደሓር ከኣ መልሳ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል ብንጹር ኣብዚ ዳብዳቤ […]
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡ ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተስቀለሉ መስቀል ኣበይ ኣሎ᎒ እዚ ሕቶ እዚ ንብዙሓት ተማራመርትን ጭዋታትን መልሲ ዘይተረኽቦ ግድል እኳ እንተኾነ ንቤተ ክርስትያንን ኮነ ንደቃን ግና ህላውነቱ ፈሊጣስ ዓመት ዓመት ኣብ መስከረም 17 ብክብ ዝብለ ብዓለት ተብዕሎ ኣላ። እዚ ብዓል እዚ ዝብዓለሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕጂ መስቀል ኣብዚ ኣሎ ብምባል ዘይኮነስ […]
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፡፡ ሎቱ ስብሐት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሓት ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይኽተልዎ ነይሮም ክበልዕ ዝደለየ፥ ገደል ኣፉ ከም ዝበሃል እንጀራ ኣበርኪቱ ምስ ሃቦም በሊዖም ምስ ጸገቡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ይኸዱ ነይሮም “ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ ...ምስ ረኸብዎ ከኣ መምህር ! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጺእካ በልዎ " […]
ዲያቆን መርሃዉን ዲያንቆን በረኸትን ውሽጢ ቤት መቅደስ ከጸራርይዎ ድሕሪ ምውዒሎም ኣብ ጥቃ ቤተ ክርስቲያን እትርከብ መሸጣ ድኳን ኮካ ክስተዩ ተኣለዩ። ድያቆን በርኸት ምስ ድያቆን መርሃዊ ኣዝዩ ጥቡቅ ዕርክነት ኣለዎ። በሬ ሓወይ ፍቃድ እግዚአብሔር ኮይኑ ኤምባሲ ኣሜርካ ቪዛ ሂቦሙኒ ኣለው።ዲያቆን በረኸት፡ ዲ.መርሃዊ ናብ ኣሜርካ ኣብ ቀረባ ግዜ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ነገሮ ኣይታሕጓስ ኣይጓሂ ኮነ። መራ ሓወይ […]
ንጽባሕቱ ሰዓት 5 ድ.ቀ ሳሚ ካብ ዲያቆን ዘተቀበላ ደብዳቤ ተሰኪሙ ናብ እንዳ ቤዛ ከደ። ቤዛ ጸብሒ ክስትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ካብ ርሑቅ ኮንካ ዝሽትት ዘነበረ ጨና ሽሮ ይምስክር። ናይ ኽሽነ ኣቁሑት ክትሓጻጽብ ላዕልን ታሕትን ክትብል ኣብ ደንበ ናይቲ ኽሸነ ጸንሐት። ቤዛ በይና ኣብ ትኾነሉ ግዜ መዝሙር እና ዘመረት ናይ ስራሕ ገዛ ተዋድድ። ብፍላይ “ መንዩ […]