በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን። ናይዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙነ ሕማማት ዘሎ ዕለታት ስያሜን ኣብኣቶም ዝተገብረ ፍጻሜታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ከምዚ ዝስዕብ ንመልከት÷፡ ሰኑይ ÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ ፡ ከምኡውን ርግመተ በለስ ዝተፈጸመላ ዕለት እያ ማቴ.21፥18-19። ማር.11፥11፣-1.14። ማቴ.21፥20-22። ማር. 11.20-24፡፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለተ ሆሣዕና ኣብ ቢታንያ […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን። 1.ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ንሕና‘ውን መስቀል ኣይንሳለምን። እዚ ድማ ክብርን ኃይልን መስቀል ዝተገልጸ ጐይታ ድሕሪ ምስቃሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ዘለዋ መዓልታት ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌታት እየን። በዚ ጊዜ ድማ ናይ መስቀል ኣጎልጉሎት ኣይተጀመረን'ሞ መስቀል ኣይንሳለምን። ብተወሳኺ ድማ ንስሓ ኣይወሃብን፡ ንዝተወልደ ጥምቀተ ክርስትና […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ብሓፈሻ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወቕቲ ናይ ዓቢይ ጾም ዚምልከት ኣብ ዝሓለፈ ብመጠኑ ምጥቃስና ገለ ካብኡ እውን ኣብ ውሽጡ 55 መዓልታት፡ሸሞንተ ሰናብቲ፡ሠለስተ ድማ ምድባት ዘለዎን ዚሕዝን ምዃኑ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።55 መዓልታት ካብ ዘወረደ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ቆጺርካ ክኸውን እንከሎ፥ ሸሞንተ ሰናብቲ ከኣ ካብ ዘወረደ ክሳዕ ሆሣዕና […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ ዕለት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን ሰንበት ዓቢይ ጾም ኮይና «ሆሣዕና» ተባሂላ ትጽዋዕ። […]
ሓዋርያት ንክርስቶስ መን ምዃኑ መዓስ ፈሊጦሞⵗ ሰባት ሓንጎሎም ነጺጎም ፡ ብዓይኖምን ብእዝኖምሉ ብምሕሳብ ኣብ ዉሳኔ ዝበጽሑ ሕማቅ እዋን ኣለና።ቃላ ወንጌል ረጊሓሞ ቦዶ ድሌታቶም ንምርዋይ ፍረ ዘይብሉ ዘረባ ከም ዝሰምዑን ግዜኦም መስዋዕቲ ከፊሎም ተንቃሳቀሲ ስእሊ( ድራማ፡ ፊልም፡ ድርፊ ...ወቦዘተረፈ) ብምዕዛብ ታህኖም ከም ዘውጹ ዮቲብ(youtube) ሕያዉ ምስክር’ዩ። ቃላ ወንጌል ክሰምዑ ኣብ ዝህቅንሉ እዋን ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ ከይተገደሱ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። 2ይ ክፋልን መወዳእታን ………………………………. ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ዮሓ. 7፥50-51። ከም ዘመልክቶ ኒቆዲሞስ፥ ምሁራነ ሕጊ ኢና ባሃልቲ ሊቃነ ካህናት ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ንጐይታ ብዘይሕጊ ኂዞም ክፈርድዎ ብዝደለዩ ጊዜ "ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርድ እዩ᎒ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ። ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3 (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10 ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ ሮሜ.7፣1-19 1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም እዛ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ። መኑ ውእቱ ገብርኄር ። ምስባክ ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ.39፣8 (40-8) ወንጌል ማቴ.25፣14-31 ግ.ሓዋ.1፣6-9 2ይጢሞ.2፣1-16 1ይጴጥ.5፣1-12 ቅዳሴ. ባስልዮስ […]
ሕራይ እዝስ÷ " ነታ ንሱ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ብደቂ ሰባት ከይትፍለጥ ምግባሩኸ ንምንተይ እዩ᎒ እንተባህለ፥ ንሰባት ጥቕሚ እዩ።ነጊሩ እንተ ዝነብር ነይሩ ሰባት ምጽኣቱ ኣትዩ እዩ ብዝብል ታህዋኽ ኣብ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሥራሕ በኹርና ንቐቢጸ ተስፋ ምተጋለጽና፥ እዚ ታሕዋኽ ካባና ወይ’ውን ካብ'ቶም ካብ ሓቂ ከወናድቡና ዝስለፉ ሓሰውቲ ክልዓል ይኽእል። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ […]
ዳግም (ካልኣይ) ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ÷ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ዳግም ከም ዝመጽእ ዘረድእ ጽሑፋት ኣብ ብዙኅ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተነጊሩ እዩ። ንምሳሌ"ሎቱ ስብሐት" ነዚ ኣመልኪቱ ባዕሉ ክዛረብ እንከሎ «ልብኹም ኣይሸበር፥ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይ’ውን እመኑ ማለት ብናይ ባህሪይ ኣቦይ ብእግዚአብሔር አብ ፥ ብናይ ባህሪይ ሕይወተይ ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ […]