በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣንጢላርዮስ ንድኻ ዘይፈቱ፣ ንጽጉም ንሽጉር ዘይሓዝን ዘይርህርህ፣ ንዝጠመየ ዘይዕንግል በቃቕ ሃብታም ሰብ እዩ ኔሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነዳያን (ለማኖ) ተኣኪቦም ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም እንዳለመኑ ከለዉ ንኣንጢላርዮስ ኽሓልፍ ከሎ ረኣይዎ፣ << እዚ ጨካን ሰብኣይ ከኣ ሃብታም ክነሱ ንድኻ ዘይርህርህ >> ብምባል ብሕማቅ የልዕልዎ ነበሩ። ሓደ ካባታቶም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና። ካብ ግንቦት 28 2009 ዓ.ም (June 5, 2017) ክሳብ ሓምለ 5 2009 ዓ.ም ( July 12, 2017) ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ኃምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጋለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከም ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። ጰራቅሊጦስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ብግሪኽ ቋንቋ ኣጸናንዒ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፣ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ስንክሳር ግንቦት 25 ኣብዛ ቅድስት ዕለት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጓል ሓትነኣ ዝኾነት ቅድስት ሰሎሜ ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ። እሳ ከኣ ጓል ማጣት፣ ጓል ሌዊ፣ ጓል ሚልኪ ፣ ጓል ካህን ኣሮን እያ። ንማጣት ሰለስተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን ከኣ እታ ዝዓበየት ማርያም፡ ብድሕሪኣ ከኣ ሶፍያ እታ ሳልሰይቲ […]
ነብይ ኤርምያስ “ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ከኣ ቀደስኩኻ” ኢሉ ኣሎ ኤር 1:4 ። ናይ መላእኽቲ ሓለቃ ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ብዛዕባ ምውላድ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ከበስር እንከሎ “ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ መንፈስ ቅዱስ ክሓድር እዩ” ኢሉ አዩ ። ሉቃ 1፡15 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ከርሲ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄምን ካብ ቅድስቲ ኣዲኣ ሃናን ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ተጸንሰት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሓ ሓደ ግንቦት […]
ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስካትኩም ድማ ነዓይ ምሰሉ ከምዝበሎ ክርስትና ንክርስቶስ ምምሳል እዩ 1ይ ቆሮ፣11፡1። እዚ ሰለ ዝኾነ ድማ ቅዱሳን ብኵሉ ንዕኡ መሲሎም ተረኪቦም እዮም።ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ነዓይ ክኽተል ዝደሊ(ክመስለኒ ዝደሊ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ፍቃድ ስጋኡ ይጠንጥን ብፍቃድ ነፍሱ ይንበር ስጋውን ዓለማውን ሽመቱን ሽልማቱን ይንዓቅ ፡ መስቀሉ […]
ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ። ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ። ነቲ ዘይከውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚኣብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ መሰረት እምነት እያ (፩ይ ቆሮ. ፩፫።፩፫)፣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ የሕድር። ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ትስፍዋት ክንከውን ይግባኣና እዩ። ከመይሲ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ […]
ህዝበይ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ሆሴዕ ፬፡፮ ካብ ዝተዋህቦም ርስቲ ወጺኦም ኣብ ዘይግብኦም ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣበይ ኣሎኻ ዝብል ሕቶ ጻውዒት ናይ እግዚኣብሔር ልሙድ እዩ። ኣቦና ኣዳም ኣብ ዘይቦትኡ ኣትዩ ስለዝነበረ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ” ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ሕቶ ምስ ሰምዐ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ ኣብ ሓጢኣት ምህላዉ ስለዝፈለጠ “ነቲ […]
ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ቃል ኣምላኽ ክመሃር፡ መዝሙር ክሰምዕ ፍሉይ ባህታ ይፍጠረለይ ኴኖዚ ግና ነቲ ዘተመሃርክዎ ከስተማቅሮን ከስተንትኖን ተለኽ ክብል ከለኹ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍቅሪ ኣብ ልበይ ፈኸም ይብል።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣንጊሀ ተንሲአ “እንተዘይ ረዲእኻኒ ንበይነይ’የ ኣማንኤል ጐይታይ “ ትብል መዝሙር ወሊዓ ፡ ጮቕጮቕ ዝብል ድምጺ ጨራሩ እና ሰማዕኩ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸሓይ የስተማቅረሉ […]