ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

 (ቀዳማይ ክፋል) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሓደ ካብ ሊቃነ መላእክት ናይ መላእኽቲ ተፈጥሮ ካብ ሓውን ነፋስን ብምዃኑ ንተልእኾ ቅልጡፋት፤ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ ዘይደልዩ፤ ኃይሎም ዘይደኽም፡ ተፈጥሮኦምውን ዘይዓርግ ረቂቓን ፍጥረት እዮም። ካብቲ ብዙኅ ዝኣገልግሎቶም ኸኣ እቲ ቀንዲ ንእግዚአብሔር ምምስጋን፤ ካብን ናብን እግዚአብሔርን ሰብን መልእኽቲ ምብጽጻሕ እዩ። ንእግዚአብሔር የገልግሉ፤ ንደቂ ሰባት ድማ ይራድኡ። […]

Continue reading

ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት ወዲ ቐሺ ኢየ፡  ወዲ ሊቀ ሊቃውንት። ኣቦይ ዕድመ ልክዑ ቃለ እግዚአብሔር ክምህር’ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ። ወዲ ሰብ ክልተ ምርጫ ኣለዎ ፡እቲ ሓደ ንፈጣሪኡ እናመሰለ ዘወዲ ናይ ሰማይ ርስቲ ዘይበሊ ምዉራስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ነቲ ገዛኢ እከይ ዝኾነ ድያብሎስ ምግልጋል እዩ። በቲ ሁዱእ ቃሉ ደቀይ ሓደራኹም ነቲ ካባኹም ረብሓ ምስ ደለበ ኣብ […]

Continue reading

2. ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ፥ ኣብዚ ኣዋን እዚ ወዲ ሰብ ንኣዚያ ንእሽቶ ዕዮ'ኳ ከይተረፈ ስምን ዝናን ከትርፈላ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ናይ ፍለጡንን ረእዩንን ዘመን ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። "ወኩሎ ገቢረክሙ በሉ አግብርት ጽሩአን ንሕነ ( ንሕናስ ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ) ሉቃስ 17፡10" ዝብል ናይቲ ሕያዋይ ጓሳናን ብሉጽ ኣገልጋሊና ዝኾነ […]

Continue reading

ምስባክ  ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል። እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ።                 ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5። ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ኣቡኣ ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ ዓመትን ንጎይትና መድኃኒና […]

Continue reading

ደብረ ታቦር

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብድምቀትን ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ካብ ዝኽበሩ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ እዩ። ዓመት መጸ ድማ ፲፫ ነሓሰ ይኽበር። እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር ነቶም ኅሩያት ደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሉ እዩ። እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣስዒብና ብሓጺሩ ምኽንያተ በዓልን ትንቢትን ምስኡ ዝተተሓዙ ፍጽሜታትን […]

Continue reading

ሓደ እዋን ቅዱስ ኣባ መቃርስ ዓቢ፡ ኣብ በዓቶም ብጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ተማሃሮ ናብኦም ቀሪቡ፡ "ኣባ ኵሉ ነገር መኒነ ንክርስቶስ ከገልግሎ እንታይ ክገብር ኣሎኒ" ብምባል ሓተቶም። ኣባ መቃርስ "ዝወደይ ብሓቂ’ዶ ንክርስቶስ ኪትስዕቦ ወሲንካ ኢኻ " ብምባል ንሕቶኡ ብሕቶ መለስሉ። እቲ መንእሰይ ብዘይምምታእ "እወ ኣቦና ወሲነ ኢየ " ኢሉ መለሰ። […]

Continue reading

ግዜ ምንቃሕ እዩ ፡ ዚብል ድምጺ ከም መቃልሕ ኣብ እዝነይ ምስ ተደወለ ፤ ከምዘይ ሰማዕኩ  ደጊመ ክድቅስ አንተ-ፈተንኩ ፣ ካብቲ መጀመሪያ ዝነበረ ድምጺ ብዝሓየለ  መልክዑ፤ ግዜ ምስጋና’ዩ ፣ እዋን ጸሎት ምስ ፈጣሪኻ ትራኸበሉ ሰዓት’ዩ ፡ ንምንታይ ከ ኣብ ግዜኡ ዘይግዜኡ ኣብ እምነትካ ዝይትጸዕ ዝብል ድምጺ ደጊመ ሰማዕኩዎ “ እቲ ብተግባረይ ዚተማረረ ነብሰይ” ምኻኑ'ዩ ። ኣይጸናሕኩን […]

Continue reading

ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና። ካብ ዕለት ሰኑይ ነሓሰ 1-2009 (7-2017) ጀሚሩ   ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16 ኪዳነምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም። በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምንታይ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘወትር ተምህር ብምባል ሓደ ሓደ የውሃት ሰባት ግር ይብሎም […]

Continue reading

ብቀጥታ ካብ ጽርሐ ኣርያም ቅድስት ሥላሤ ቤተክርስቲያን ዋሺንግቶን ዲሲ ዝመሓላለፍ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሕብረት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ሕመኣሜርካን ካናዳን። ቀዳማይ ክፋል ዓርቢ ንግሆ     ካልኣይ ክፋል ዓርቢ ንግሆ   ሳልሳይ ክፋልዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ     ራብዓይ ክፋል ቀዳም ንግሆ

Continue reading

ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኣሜርካን ካናዳን ክትሳተፉ ዝተበገስኩም ይኹን ወይ ዘይተበገስኩም፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝኽፈት መንፈሳዊ ኮለጅ ዝለኣኽ፤ እዞም ዝስዕቡ መጽሓፍቲ ብመልክዕ ወፈያ ሒዝኩም ክትመጹ ወይ ክትልእኩ ክንላበወኩም ንፈቱ። Sociology, Anthropology, Archaeology, Psychology, Social Work, Counseling, Marriage and Family, Public Administration, Management, Leadership, […]

Continue reading