“ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር”1ቆር11፡4። ሰብኣይ ርእሱ ኣይሸፍን እናተባሃለና ከሎ ስለምንታይ ስልጣነ ክህነት ዘለዎም ( ጳጳስ፡ካህን(ቀሺ)፡መርጌታ፡ድያቆን) ክጽልዩ ከለዎ ቆቢዕ ዝገብሩⵗ እናበሉ ንቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ክጸርፉን ክዘልፉን ሰባት ሰሚዓ ኣለኹ። ሶሲ መሓዛይ ምስ ሓንቲ ምስኣ ትመሃር መሓዝኣን ስለምታይ ካህናት ቆቢዕ ኣብ ርእሶም ዘንበሩⵗ ክትብል ትሓታ ኣላ። ሶሲ ብዝከኣላ መጠን […]

Continue reading

መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል

//.. መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል ብጽሑፍን ብድምጽን......// ናይታ ኣርክቲክተርን እትበሃል ክንዲ ኣዳጒራ ዚኣክል ሓንጐል ዘልዋ፣ ብዘይ ብሶላ እናተንቀሳቀሰት 22,000 ማይል እትጓዓዝ፣ ዑፍ’ውን ክብጻሕ ኣይተኻእለን። ከመይ ጌሩ ብዘይ ገለ ጌጋ፣ ናብ ቦትኣ ትበጽሕ…? ብዛዕባ ተፈጥሮስ’ከ ንምጻእ፦ እዚ ኩሉ ህይወታዉያን ካብ ሓደ ዘይህይወታዊ መጺኡ’ዶ ንበል፦ ከምኡ እንተዝኸዉን እሞ ናይ ኩሎም ጀነቲክ ኮድ (Genetic Code) እቲ ዚደቀቀ ወሎዳዊ ዘርእን ምምስሳልን […]

Continue reading

ታቦትን ኢየሱስ ክርስቶስን

ኣብ ልዕሊ ታቦት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ ⵗ ተባሂልኩም እንተትሕተቱ እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም? “ዓሰርተ ትእዛዛት” እንተኾይኑ መልስኹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምምላስና ኣቐዲምና ብዛዕባ ታቦት ቁሩብ ነገራት ክንምልከት። ብዙኃ ግዜ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዱስ ታቦት ኣብ ዝለዓሉ መብርሂታት ብዛዕባ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ዝጥቐሱ ጥቕስታት ነቲ ዝሰፍሐ ክፋል […]

Continue reading

ደብረ ዘይት 5ይ ሳምንቲ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ              እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረዘይት።      ምስባክ እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።     መዝ.49-3 (50፣3)                        ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣     ግ.ሓ.24፣1-22    1ይተሰ.4፣13     2ይጴጥ.3፣7-15። ቅዳሴ […]

Continue reading

መረን-ዓስርተ ሠለስተ ክፋል

//.... ፍቁራት ኣሕዋትና ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዛ መረን ትብል ሓቀኛ መንፈሳዊ ታሪኽ ካብ ብጽሑፍ ጥራይ ብ ደምጺ ኣሰኒናና ክንዝርጋሕ ጀሚርና ኣለና ። እተን ዝሓልፋ ክፍላት ብዝተኻእለ መጠን ናብ ድምጺ ከነመሓላልፈን ክፍትን ኢና ። ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩና ...// ቕጭ መጺኡኒ፣ ኣንታ በጃካ ግደፈና፣ ኣምላኽ ትብል ኣምላኽ እንተ ዚህሉ፣ እዚ ኩሉ ምወረደና፣ ኢሳ. 49፣14 ከድሕነና ትብል […]

Continue reading

ምስ ሕላናይ ይማጎት ኣለኹ፡ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ዝፈጸመ ሰብ እንትርፎ ብረድዮ ክሰምዖ፡ ኣብ ጋዜጣ ወይ መጽሔት ተጻሒፉ ከንብቦ ብኣካል ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣጋጢምኒ ኣይፈልጥን ።ኣዚ ዘለናዮ ዘመን ደቂ ሰባት ስለምታይ ንምንዝረና ከም ሓደ ዓቢ ሓጥያት ዘይንቆጽርዎ ፈጺሙ ክርደኣኒ ኣይክእል ይብል ኣለኹ ብትሕቲ መልሓሰይ። ኣወዳት ካን ኣኽሊዎም ደዩ ሓሳብቶም ከምዚ ክኸዉን ፡ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትላለ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱአ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣርምሞ  ኣብዚ ዓለም ብሕይወት ከለና ካብ ንሕጎሶ መዓልትታት ንላዕሊ ብሓዘን ተዓጂበና ንሕልፎ እዋናት ይበዝሕ። ነዚ ዩ ከኣ ኣበው ኣብ ዓለም ሓጎስና ከም ቛሕታ ሰም ዓይኒ እዩ ዝብሉ ። እዚ ማለት መዓልታት ሓጎስና ኣብዛ ምድሪ ኣዝየን ሓጸርቲ እየን። እናበለ እዩ ኵሉ ጊዜ ኣብ ዕላላቱ ዝጠቅስ። ዘማርያም ዓርከይ ። […]

Continue reading

መጻጕዕ 4ይ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ አምላኩሰ ለአዳም። ምስባክ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ።                                                                መዝ. 40 (41)፣3-4። ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣      ግ.ሓ.3፣1-1-12           ገላ.5፣1      ያዕ.5፣14 ቅዳሴ. […]

Continue reading

ሜሮን-ካልኣይ ክፋል

//...”ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም “ኤፈ5፡5....// 2ይ ክፋል ናይ ደቂ ጽርግያ ሕይወት ሓደ ብሓደ ክገልጸልኪ ኣየድልየክን’ዩ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን በለኒ ካብቲ ዘተቀረበ መኣዲ እናኾለሰ። እቲ ብንኡሰይ ከለኹ ድያቆን ሓወይ ዘለማመደኒ ጽን ኢላካ ናይ ምስማዕ ባህርያተይ ፡ ነዚ ናይ ባህራን ታሪኽ ብጾሞና ክሰምዕ […]

Continue reading

ብሂል ኣበው

  ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ  ወልደ እግዚአብሔር ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልዕልተ ፍጡራንን መትሕተ ፈጣሪን ብዝኾነት ቅድስት ቅዱሳን ወላዲቱ ድንግል ማርያም ክልመን ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዝብሎ ቅዱስ  ማር ይስሓቅ ሶርያዊ ቂምታ ወይ ጽልኢ ኣብ ልቡ ከለዎ ዝጽሊ ሰብ፡ ኣብ ባሕሪ ዘሪኡ ምህርቲ ክሓፍስ ምጽባይ እዩ

Continue reading