ሕሉፍ ከተዕልለሉ ከለኻ፣ ቀሊል ነገር’ዩ ዚመስል፣ መድረኽ ሕይወት ግና፣ ብዙሕ ከምዝርኢ ገይሩኒ’ዩ። ኣቤት ከምቲ ዚበልኩኻ ሜሮን ምስ ዓረፈ፣ ኲልና ተደሃልና፣ ብፍላይ ስላም ምስ ቤተልሔም፣ ኮማ ኣተዋ ተምላስ ንተምላስ ኮና። ዋና መኪና በጃኹም ኣብ ዘይምለስ ነገር ግዜ ኣይንቕተል። ስለዚ ቅበርዎ’ሞ ንኺድ እናበለ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተዛረበ፡ በቃ ኣማራጺ የለን እንበሉ፣ ነታ ዘይትጠቅም ዕምቆታ ፍርቂ ሜትሮ ዘይትኣክል፣ መቃብር […]
እቲ ካልኣዊ ገጽ መልእኽቲ'ከ እንታይ እዩ ᎒ ዝቐጸለ መወዳእታ ክፋል ዝሓለፈ ኣብነት ናይ ወርሒ ርኢና ኔርና። ከመይ ጌራ እትምግብ ብርሃናን ሕይወትና ከመይ ከምዝመሰልን ተመልኪትና ኔርና። ሕጅ ኸኣ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር እቲ ካብቲ ሥነ-ፍጥረት ኣንጻር ክንርኢ ኢና፥ ጥበቡን ምሥጢሩን ይዓድለና። እታ ወርሒ ካብ ምሉእ ብርሃና ምዕዳል (ዕለት ሓደ) ጀሚራ እንዳጎደለት እያ እትኸይድ፥ እቶም ከዋኽብቲ ኸኣ ትም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። ምስባክ እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ በእንተ ጸላኢ። ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ. 8-2:: ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31። ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ እብ.9፣11-ፍጻሜ 1ይጴጥ.4፣1-12 ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ […]
2ይ ክፋልን መወዳእታን † ኣምላኽ ንሕና ክንኮኖ ዝደልዮ÷ 1. ብዝተገብረልና ኩሉ ኣምላኻዊ ሓልየቱን ናይ ምድኃኑ፣ ሥራሕን ኣመስገንቲ ክንከውን ፥ “ ጐይታይ፥ ምስጋናኻ ክነግርሲ ክእለት ዘረባ ሃበኒ።”መዝ.51፥15። " ይኣኽለኒ ዝሰፈኖ ሃይማኖት ዓቢይ ረብሓ እዩ። "1ይጢሞ.6፥6። ፊሊ.4፥6። ኤፌ.5፥19-20። ቆላ3፥16። 2. ሕጉ ብምሕላው፣ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: እዚ ናይ ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ዝተነበበ ናይ ሻብዓይ ሰምበት ጾም "ኒቆዲሞስ" ዕለት ወንጌል እዩ። ኒቆዲሞስ ኣብ ወንጌለ ዮሐንስ ምዕራፍ ፫/3 ከም ዝተገለጸ ኻብ ፈሪሳውያን ኾይኑ፥ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ ዝነበረ። እዛ ንባብ ናይ ኒቆዲሞስ ካብ ንእምነት ክርስትና ካብ ዝስሕባ ጽሑፍ እዩ ዘለዋ፥ ንሳ ድማ ፍቅዲ ፲፮/16፡፡ "ኣምላኽ፡ በቲ […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ወቕቲ ጾም፥ ብዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ጸጋን በረኸትን እግዚአብሔር እንሓፍሰሉ ግዝያት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ጾሙ ባዕሉ ጐይታ ዝጸሞ ፍሉይ ብምዃኑውን መለኮታዊ ፍቕሩ እንዝክረሉ እዩ። ከመይሲ እዚ ኩሉ ንዓናን ምእንታናን ዝተገብረ ስለ ዝኾነ። «ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። » ከም ዝተባህለ 1ይዮሓ.4፥8፥ ፍቕሪ መለኮታዊ ስምን ባሕርይን እግዚአብሔር እዩ። […]
መረን ዓሰርተ ሹዱሽተ ክፋል ( ብድምጽን ብጽሑፍን) ድሕሪ ናይ 11(ዓሰርተ ሓደ) መዓልቲታት ከኣ ንዒን ደሓን ኲኒ በልናያ። መካይን ከም ንፋስ ክዉጨፋ ጀመራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ጒዕዞና እተን መካይን ኣዚየን ይጐያ እኳ እንተነበራ፣ ኣይከም እዚአንን፣ ፍጥነተን ኣብ ዉሽጢ ጋቢና ዚነበረት ከም ትገልጾ ዚነበረት 140- 150ኪ.ሎ.ኣብ ሰዓት እዩ ። ኣእዛንና ረሲዐናኦ ዚቐነያ ዘየቋርጽ ሕንንታ ክስማዕ ጀመረ። ደሮናን ጸጸርን […]
መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዝርከቡ ዕስራንሓደን መልእኽታት ብግልጺ ስም ጸሓፊኣ ዘይተገልጸላ መጽሓፍ መጽሓፈ ዕብራውያን ኢያ። ካብ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መልእኽታት ዝያዳ ምስ ብሉይ-ኪዳን ብፍላይ ምስ ናይ መቕደስ ኣገልግሎት፡ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ካህንነት ዝኣመሰሉ ነጥብታት ትዛመድ መጽሓፍ ኢያ።እንተኾነ ግን ኣብዛ መጽሓፍ ካብተን ካልኦት ምልእኽታት ብፍልይ ዝበለ ነገር ንግንዘቦ ስም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምሃሮም ትምህርቲ ሓደ “ ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረገምኹም መርቑ ፣ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ዝበደልኹምን ዘሳደድኩምን ጸልዩ። ” ዝብል ይረከቦ። ማቴ.5፣43-44፣ ብዙሓት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ። ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3 (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10 ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ ሮሜ.7፣1-19 1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም […]