ምሥጢረ ደብረታቦር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: " አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ  ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ " ቅዱስ ጴጥሮስ ማቴ. 17፣ 1-8 " ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ነሓሰ 5  ዕረፍቱ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣንዳዴ ባሕር(ፋድል) ሰላም ለፀአተ ነፍስከ አመ ኃሙሱ ለነሐሴ ወለድነ ሥጋከ ሰላም እንተ ይደልዎ ቅዳሴ ፊልጶስ ሰማዕት ዘኅቱም በስመ ሥላሴ ነፍስየ ማርያም እህተ ነቢይ ሙሴ ነዋ ለክብርከ ታቄርብ ውዳሴ ፊልጶስ ናይ ገዳማዊ ዝኾነ ፍሊጶስ ትውልዱ ካብ ዓበይቲ ዝኾኑ መኳንንቲ ኣንከረ ኢዩ። ስም ኣቡኡ […]

Continue reading

ክሳዕ ክንድ'ዚ ደየ ኣኽፊአ

ነታ ካብ የማን ኢዱ ዘይፈልያ ፣ መሓዛ ኣጻብዕቱ ካብ ትኮዉን ሠለስተ ዓመት ኣቁጺራ ዝነበረት ሽጋራ ፣ ካብ ጁቡኡ ብምዉጻእ ፣ ነቲ ካብ ምሒር መስተ ኣካላቱ ምቅስቃስ ኣብዩዎ ዝነበረ ሳምሶም ዓርኩ፣ ክርቢት ክህቦ ተወከሶ ። ሳምሶም በቲ ብመስተ ዚተኣሰረ ልሳኑ ፣ ጎልደፍደፍ  እናበለ ፣” ክ-ር-ቢ-ት የብለይን” ክብል መልሲ ስለ ዘሃቦ፣ ነቲ በቲ ጎደና ዝሓልፉ ዘነበሩ ሰባት […]

Continue reading

ጾመ ፍልሰታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ  ብሰላም ኣብጸሓና። ካብ ዕለት ሰሉስ  ነሓሰ 1-2010 ዓ.ም  (ነሓሰ 7-2018) ጀሚሩ ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16  ዕለተ ረቡዕ 2010 ዓ.ም ( ነሓሰ 22 - 2018)ኪዳነ ምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም። ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና። ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ […]

Continue reading

ድኽነት ጣዕሚ ትዕግስቲ ምዃኑ ካብቲ ጻዕራም ኣቡኦም  ገና ብኑኡሶም ከም ውርሻ እንዳ ዓለቡኦም ዝወረስዋ። ደቂ ሰባት ናይ ኣእምሮ ድኻታት ከይኮኑ ደኣ ክጽዕሩ ኣለዎም እንበር ፣ ነዛ ዝበለዐት በሊዓ ተመስገን ዘይትፈልጥ ስጋ፣ ማዕረ “ፍቅሪ ፣ ሰላም ፡ ጥበብ ፣ ተመስገን ፣..... ወዘተ ኮታስ ሠናይ ንነፍሲ ዕረፍቲ ዝልግሱ  ነገራት ክሰርዕዋ የብሎሙን “እዮም ዝብሉ ዝነበሩ ኣቦይ ሓጎስ። እንዳ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን፣ ምስባክ አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣ ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።  መዝ.18-4 (19-4) 2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20። ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መበል 13 ተ ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ዝተላእኹ ሥነ ጽሑፋዊ ፍርያት ከም ትረኻ ግጥሚ ዝኣመሰሉ ሥርሓት ብምውድዳር ናብቲ ጉባኤ ከቅርብ መዲቡ ኣሎ። ስለዚ ኩልኹም ኣባላት ናይዚ ዓውዲ ጸጋ ዘለኩም፥ […]

Continue reading

ይቕሬታ እንታይ ኢዩ᎒

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።  “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ተለዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ። ” ኤፌ 4፡32።              ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቒም ከይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን […]

Continue reading

መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሕ.መ.ኣሜርካን ካናዳን ካብ ዓርቢ 07/27/18 - 07/29/18 (ፈረንጂ) ኣብ ደብረሰላም መድኃኔ ዐለም ቤተክርስቲያን ክካየድ እዩ። ኣብዚ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዝተዳለወ ቅጥዒ ንምምላእ ኣብዚ ጥውቁ።

Continue reading

ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ትምህርና ኃጢያትና በሠለስተ ዓይነት መንገዲ ክንናሳሕ ትእዝዘና። ቀዳማይ ምስ ነብስና ብምዝርራብ ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ካህን ብዝርዝር ንንሳሕ ፡ ሳልሳይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክ ብጸሎትን ብስግዳንን እና ኣሰነና ንንሳሕ። ቀዳማይ ምስ ነብስና ምንሳሕ ከም ዝግብኣና ዝምህረና እቲ ናይ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ንመልከት። […]

Continue reading