መርዓኹም ክጽብቀልኩም እንተ ደሊኹም ንናትናኤል ዓድምዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መርዓ ናይ መሓዛይ ተሳቲፈ  ነይረ። ሓደ መሓዛና ስለምታይ ናብቲ መርዓ ናይ ወዲ ገዛውታኻ፡ፈታዊኻ  ዘይመጻኻ  ኢለ ምስ ሓተትክዎ ᎒ ከይተዓደመ ዝመጸ ከይጽገበ ወጸ ከይኮነኒ ሰለ ዘይተዓደምኩን ኣይመጻኹን በለኒ። ክግርመኪ  እቲ መርዓ ምስ ሓለፈ ሓፍተይ ናይ መርዓ ዕድመ ረሲዓይዮ ከይሃብኩኻ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዓርክኻ ሂብካ በለትኒ ፡ […]

Continue reading

ክስሕቅ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን

ክዋዘ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን እቶም ትፈትውኒ ጻላኢኺ ይሕዘን ኣፍኪ ብሰሓቅ ይምላእ ከም ትብሉኒ ይኣመን እየ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝበደልኩኹም እሞ ቂም በቀል ዝሓዝኩሙለይ  ድማ  ሕይወትኪ ብሓዘን ይምላእ ወይ ባዕልኺ ፍለጢ ትብሉ ትኾኑ  መን ይፈልጥ። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰባት ብፍላይ ምስ ይዕሩኽተይን መሓዙተይን ክዕልል ከለኹ ብዋዛ እናቀልድኩ ሓጎስን ደስታን ንነብስይ ክምእርረላ ይደሊ። ሰሓቅን […]

Continue reading

እታ ብርሃን ዝተሓረማ ገዛ

እታ ብርሃን ዝተሓረማ ገዛ ኣብ ግዜ ሕፃንነተይ  ለይቲ ሓሊፋ ብርሃን ፀሐይ ክርእየ  ከለኹ ኣዝዩ ባህታ ይፈጥረለይ ነበር።  ጸላም ዝወረሶ ለይቲ ነቶም ዘፍርሑ ፍጥረታት ኢሉ ዝተሓዝአ ገይረ’የ ዝቀርጾ ዝነበረኩ። ይገርም እዩ ምስ ደቀስኩ ዝሓልሞውን ኣብ ጸላም ኣዝዩ ዘፍርሕ ሕንጉጉ ከጋየየኒ፡ኣነ  ካቡኡ ከሃድም ብዘለኒ ናህሪ ክጎይይ ሃንደበት ካብ ሕልመይ ምስ ተበራበርኩ ጩራ ናይ ጸሓይ ምስ ረኣኩ አንቋዕ […]

Continue reading

ጾመ ጽጌ ቀዳማይ ክፋል

ናይ ጾም ትርጉም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ […]

Continue reading

ናይ ደናግል መመክሕቲ ዝብል መዝሙር ንምስማዕ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥብቆ ጠወቅ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ኣበረኻ ሓየለ ንመንገዲ እግዚአብሔር ኣቅንዑ እናበለ ነዚ ምስክርነቱ ዮሐንስ ካብ ሃበና ንመንገዲ ጐይታ ይቅናዕ ልብና ......( ምሉእ ትሑዝትኣ ኣብ ታሕቲ ተመልከት) እዛ መዝሙር ክሰምዕ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት-ማእሰትርን ሆስፒታልን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ […]

Continue reading

  “ መስቀል  ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ ዝብል ቃል ክለዓል ወይ ክዝከርን ክንገርን ከሎ ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ክርስትያን ኣእምሮ ውሽጢ ፍሉይ ዝኾነ ስእሊ እዩ ዝቅረጽ። ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ዝተሰቅለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝገልጾ ፍቕሪ ብኣንክሮ እንተዘይኮይኑ ሓሲብና ኮነ መርሚርና ክንበጽሖ […]

Continue reading

 እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና! ምስባክ ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ። < ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም ፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።>   መዝ. 59፣40 (60፣40)። ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል […]

Continue reading

ሉቃስ ማለት ነፀብራቅ፡ ብርሃን፡ መበሰሪ ማለት እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ካብ ኣሕዛብ (ኣመንቲ ናይ እግዚኣብሔር ዘይኮኑ) ወገን ኣብ ኣንጾክያ (ሶርያ) እዩ ተወሊዱ፣ ቅዱስ ሉቃስ ሓኪም እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሕክምና ሞያኡ ኣብ ኣቴንስን እስክንድር ያን ብሊቃውንቲ ክምዘጽንዖ ይንገረሉ፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ስነ-ጥበብ( ሥነ-ስእሊ) ክእለት ነይርዎ’ዩ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ሓኪም ነፍሲ ክትከውን ኢኻ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና! ዘመነ  ሉቃስ ወንጌላዊ 2011 ዓ.ም ግእዝ (2018ኣ.ፈ) ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ […]

Continue reading

"እዛ መዝሙር እዚኣ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ መቀረትን ጣዕምን ናይዛ ዛንታ  ኣብ ታሕቲ ዘላ መዝሙር እንተዘይ ሰሚዕና  ሰለ ዝሃስስ እዛ መዝሙር እናሰማዕና ነቲ ንባብ ክንከታተሎ ተመራጺ ኮይኑ ይስመዓና። መዝሙር ንምስማዕ  https://www.youtube.com/watch?v=-QN8WonydXs&feature=youtu.be ንጠውቅ። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ !! “ጐይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧”ዮሐ6፡68 "እዛ መዝሙር እዚኣ" ካባኻ እሞ ናበይ ጐይታ […]

Continue reading