................................... ከም ትጽድቀኒ ፈሊጠ ሕራይ ክብለካ’የ ..................................... ማዓረይ፡ ከመይ ኣለኻለ’የ። ከም ትፈልጦ ለሚን እንተ ተጾሚቁ ፡ ለሚን ይህብ ፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቁ ኣራንሺ ይህብ።ለሚን ተጾሚቁ ኣራንሺ ኣይህብን፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቂ’ውን ለሚን ኣይህብን። ናተይ ነገር ነገርውን ካብዚ ዝፍለ ዝመለኒ ኣይኮነን ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ትሕዝቶ እንተ ዝጽመቅ ነይሩ ፡ እተን ካባኻ ዝተመሃርክውን መንፈሳውን ሞራላውን ሰነምግባር ጸረር ጸረር እናበላ […]
አከባብራ ዘመነ ጽጌ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም። እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል […]
መእተዊ ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር። ምኽንያት ስደት ስደት […]
መበል 13 (ናይ 2018) መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ብ 30 ጥቅምትን 1 ሕዳርን 2011 ዓ.ም ግእዝ ( ሕዳር 9 ን 10 / 2018 ኣ.ፈ) ንክልተ መዓልቲታት ኣብ መካነ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስትያን ሲፎልስ ሳውዝ ዳኮታ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ልዕሊ 40 ኣብያተ […]
ሰቆቃው ድንግል ‹‹አይቴ ኀለፈት እምዕያማ ማርያም ጣዕዋ ኀሴሥክዋ በቤተልሔም ወኢረከብክዋ እሴእለክሙ ሰብአ ሰገል ገሊላ እመ ርኢክዋም ንገሩኒ ዜናሃ ወአርእዩኒ ፍናዋ ኀበ ሖረት በብካይ እትልዋ” ትርጉም ፣ እሓተኩም ሰብኣ ገሊላ ፣ ማርያም ጣዕዋ ወዳ ሒዛ ካብ መሕደሪኣ ናበይ ከይዳ ? ኣብ ቤተልሔም ደልየያ ኣይረኸብኩዋን ብብኽያት ክስዕባ ዜናኣ ንገሩኒ መንገዳ ሓብሩኒ እንዳበልኩ እልምነኩም። ሓተታ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን […]
መርዓኹም ክጽብቀልኩም እንተ ደሊኹም ንናትናኤል ዓድምዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መርዓ ናይ መሓዛይ ተሳቲፈ ነይረ። ሓደ መሓዛና ስለምታይ ናብቲ መርዓ ናይ ወዲ ገዛውታኻ፡ፈታዊኻ ዘይመጻኻ ኢለ ምስ ሓተትክዎ ᎒ ከይተዓደመ ዝመጸ ከይጽገበ ወጸ ከይኮነኒ ሰለ ዘይተዓደምኩን ኣይመጻኹን በለኒ። ክግርመኪ እቲ መርዓ ምስ ሓለፈ ሓፍተይ ናይ መርዓ ዕድመ ረሲዓይዮ ከይሃብኩኻ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዓርክኻ ሂብካ በለትኒ ፡ […]
ክዋዘ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን እቶም ትፈትውኒ ጻላኢኺ ይሕዘን ኣፍኪ ብሰሓቅ ይምላእ ከም ትብሉኒ ይኣመን እየ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝበደልኩኹም እሞ ቂም በቀል ዝሓዝኩሙለይ ድማ ሕይወትኪ ብሓዘን ይምላእ ወይ ባዕልኺ ፍለጢ ትብሉ ትኾኑ መን ይፈልጥ። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰባት ብፍላይ ምስ ይዕሩኽተይን መሓዙተይን ክዕልል ከለኹ ብዋዛ እናቀልድኩ ሓጎስን ደስታን ንነብስይ ክምእርረላ ይደሊ። ሰሓቅን […]
እታ ብርሃን ዝተሓረማ ገዛ ኣብ ግዜ ሕፃንነተይ ለይቲ ሓሊፋ ብርሃን ፀሐይ ክርእየ ከለኹ ኣዝዩ ባህታ ይፈጥረለይ ነበር። ጸላም ዝወረሶ ለይቲ ነቶም ዘፍርሑ ፍጥረታት ኢሉ ዝተሓዝአ ገይረ’የ ዝቀርጾ ዝነበረኩ። ይገርም እዩ ምስ ደቀስኩ ዝሓልሞውን ኣብ ጸላም ኣዝዩ ዘፍርሕ ሕንጉጉ ከጋየየኒ፡ኣነ ካቡኡ ከሃድም ብዘለኒ ናህሪ ክጎይይ ሃንደበት ካብ ሕልመይ ምስ ተበራበርኩ ጩራ ናይ ጸሓይ ምስ ረኣኩ አንቋዕ […]
ናይ ጾም ትርጉም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መድብል ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት ብዛዕባ ጾም ከምዚ ይብለና። “ ጾመሰ ተከልአተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕውቅ በውስተ ሕግ “ ጾምሲ ብዝተፈልጠ ዕለት፣ ብዝተፈልጠ ሰዓት ንሰብ ካብ መግቢ ትኸልክሎ መኸልከሊት እያ።” ጾም ንሰብ ካብ መግቢ ክሕረም ትገብሮ። እዚ ኸኣ ኃጥያቱ ንምሥትስራይ ፣ ዋጋ ትሩፋቱ ንምብዛሕ፣ ፈትዩ ነቲ ዝተሠርዓሉ […]
ናይ ደናግል መመክሕቲ ዝብል መዝሙር ንምስማዕ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥብቆ ጠወቅ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ኣበረኻ ሓየለ ንመንገዲ እግዚአብሔር ኣቅንዑ እናበለ ነዚ ምስክርነቱ ዮሐንስ ካብ ሃበና ንመንገዲ ጐይታ ይቅናዕ ልብና ......( ምሉእ ትሑዝትኣ ኣብ ታሕቲ ተመልከት) እዛ መዝሙር ክሰምዕ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት-ማእሰትርን ሆስፒታልን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ […]