ትንሣኤ ዘክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ꗺ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን (ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ) ꗺ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ( ብዓቢይ ሓይልን ሥልጣንን) ꗺ አሰሮ ለሰይጣን ( ኣሲሩ ንሰይጣን) ꗺ አግአዞ ለአዳም ( ነጻ ኣውጺእዎ ንኣዳም) ꗺ ሰላም ( ሰላም) ꗺ እምእዜሰ (ካብ ሎሚ) ꗺ ኮነ ( ኮነ ) ꗺ ፍስሐ ወሰላም ( […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን:: ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ፍቕረይ ደሪኽዎ! ኣየ ፍቕሪ! ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ። ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፡ ነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ […]

Continue reading

ሆሣእና ኣብ ኣርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሆሳእና፣ ሻሙናት ሰንበት ሆሣእና ይብሃል። እዚ ስም ዝረኸበሉ ምኽንያት ኣብ ዕለት ሰንበትን ዋዜማኡን ዝዝመር ጾመ ዱጓ“ ሆሳእና በአርያም ” ናይ ሆሳእና ቃል ብተደጋጋሚ እንዳጠቀሰ ሰለዝዝመር እዩ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነን እንዳተዘመረሉን ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ጻዕብ ኣድጊን ተወጢሑ ካብ ከባቢ ደብረዘይቲ ናብ ኢዮርሳሌም ከተማ ብኽብሪ […]

Continue reading

ሰሙነ ሕማማት

“ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ኢሳ.53፣4-7። ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ትንቢተ ዮናስ ሓሙሻይ ክፍሊ ሰብኣ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ኮነ። እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ብንስሓ ስለዝተመልሱ ተሓጊሱ። ሚእትን ዕስራን ሺሕ ሰብአ ነነዌ ብሓንቲ መዓልቲ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም ። ንፈጣሪኦም እግዚአብሔር ብፍጹም ንስሓን ትሕትናን ኣስሚሮሞ። መላእክተ ሰማይ ነንሕድሕዶም እንቋዕ ደስ በለና ሰብአ ነነዌ ተመሊስም እንዳበሉ ሓጎሶም ገሊጾም። […]

Continue reading

ሲጥና::  መሃሪት ዛንታ

                                                   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሲጥና ፣ ብዕብራይስጥ ኮይኑ ጽልኢ ማለት እዩ፡፡ ዘፍ. ፳፮፥፳፩/26፥21    ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊት ቤት ትምህርቲ  ንቆልዑ ንምዝንጋዕ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል […]

Continue reading

መፃጒዕ ዮሐ. ፭፥፩-፲፰/5፥1-18 

                                                    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ አሜን፥ ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነዛ ኽብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታ ክንሳተፍ ዘፍቐደልናን እግዚአብሔር […]

Continue reading

ዐቢይ ጾም (ዘጾም ክርስቶስ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ዘመነ ዮሓንስ ዓቢይ ጾም ዝጅምር ካብ የካቲት 25 – 2011 ዓ.ም ( 03-04-19) ኮይኑ በዓል ትንሣኤ ኣብ ዕለት ሚያዝያ 20- 2011 ዓ.ም (04-28-19) ይኸውን። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና! ጾም ምስ ጸሎት ጸሎት ምስ ጾም ምስ ምጽዋትን ስግደትን እንተኾይኑዩ ዝሰምር እዩ። ብፍላይ ጾምን ስግደትን ኣብ ዘለዎ ጸሎት […]

Continue reading

ትንቢተ ዮናስ ራብዓይ ክፍሊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ። ጾመ ነነዌ እቲ ዓሳ ንዮናስ ብ ኣንጻረ ነነዌ ተፊእዎ። እግዚአብሔር ልክዕ ከም መጀመርታ “ ተንሥእ እሞ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ  ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ። “ ኢልዎ። ዮናስ’ውን ከምቲ መጀመርታ ዝገብሮ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም ኣይፈተነን። እግዚአብሔር ከምዝኣዘዞ […]

Continue reading

ምሕረት ናይ ዘይበሊ ኪዳን

ወሊድካ ፈትኖ ትበሃል ዘረባ ካብቶም ዝወለዱ እሞ ርዝነቱ ዝተረደኦም ሰባት ብዙሑ ግዜ እየ ሰሚዔያ። ጓል ሄዋን ምኻነይ እኳ ኣደ ንምዃን ኣዝየ ዝብህግ እነተ ነበረኩ፣ እዛ ጓል ሰበይቲ ትብል ጸርፊ ግና ንዉሽጠይ በሲዓ ከምዚ ኣደ ዋልሓንቲ ተራ ዘይብላ ተምስል ምዃና ፣ ምስጋና ዘይብሉ ኣደነት እንታይ ይገበረልካ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓደ ሓደ ግዜ ዝትከል ነበርኩ። ገና ጓል […]

Continue reading