በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታውን ክንሳተፍዘፍቐደልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ንሕሙማትንድኑሳትን ጐይታ ብተኣምራቱ ከምዘሕወዮም ዝገልጽ ብምዃኑ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ነቲ ፴፰(38) ዓመት ለሚሱ ዝነበረ መጻጉዕ ከምዘድኃነንዝገልጽ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ፴ወ፰ ክረምተ ሐመ” (፴፰(38) ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙርዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ገበረ” ብዝብል መዝሙር ርእሲ ዝከፍትን ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ድውያት፡ ብኣጋንንት ንዝተተሓዙ ወዘተእናጠቓቐሰ ከምዘሕወዮምን ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀንምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘክርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፬፥፳፬ ፳፮ (4፥24-26), ማቴ ፰፥፪-፴፬ (8፥2-24), ማቴ ፲፬፥፲፬-፴፮ (14፥14-36), ማቴ ፲፥፵፮-፶፪ (10፥46-52), ማቴ ፳፥፳፱-፴፬ (20፥29-34) ማር ፫፥፩-፮ (3፥1-6), ማር ፪፥፫-፲፪ (2፥3-12) ሉቃ ፮፥፮-፲፱ (6፥6-19), ሉቃ ፲፩፥፲፬-፳፫ (11፥14-23), ሉቃ ፲፫፥፲-፲፪ (13፥10-12), ሉቃ ፲፰፥፴፭-፵፫ (18፥35-43) ዮሐ ፭፥፭-፲፰ (5፥5-18) , ዮሐ ፱፥፩-፴፫ (9፥1-23) እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ብተኣምራቱ ብዙኃት ድውያንን ድንሳትንብምሕዋዩ ኣይሁድ ስለምንታይ ብሰንበት ከምዚ ዓይነት ግብሪ ትሰርሕ ኣሎኻ፥ ነዚ ክትገብር’ከ መን ሥልጣን ሃበካ፥ እናበሉ ይቃወምዎ ነይሮም።ኢየሱስ ግና “እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት” እዩ እሞ ንሱ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፥ ሰንበት ድማ ብኸመይ ኣገባብ ክትኽበር ከምዝግባእየርእዮም ነበረ። ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ እዩ እሞ ነቶም ጥፉኣት ኣባጊዑ ከናዲን ክእክብን፥ ኣብ ልዕሌኦም ሠልጢኑ ንዝነበረ ደዌን ኣጋንንትንእናርሓቐ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ብግብሪ መስከረ። ሰንበት ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ ሥጋዊ ዕረፍቲ ተዕርፈላ ወይውን ሥጋዊ ሓሳባትካ እትፍጸመላ ዘይኮነት ናይ እግዚአብሔር ቅድስትዕለት ስለዝኾነት፥ ሰናይ ዘበለ ግብሪ ብምግባር ንኣምላኽ ከነሥምረላ ዝተፈለየት ዕለት እያ። ብዘይካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴምሳታፍ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ብዙኅ ሰናይ ግብሪ እኳ እንተሎ፥ ብውሑዱን ብጥቕልሉን ግና ቃላተ ወንጌሉ ምፍጻም እዩ። (ማቴ ፳፭፥፴፪-፵፮/25፥32-46) እዚአን ቃላት ድማ ጐይታ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ምስ ኵሎም መላእኽቱ ዳግማይ ኣብ ዝመጸሉን፥ ስርናዩ ኣብ ቖፎ ክርዳዱ ድማ ናብሓዊ ኣብ ዝድርብየሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ፥ ከይንሓፍርን እሙናት ኣባጊዑ ኮይንና ክንጸንሕን ንዑ ብሩካነ አቡየ ክንበሃልን፥ ዕረፍተ ሰንበት ምሳሌኣ ዝኾነትመንግሥተ ሰማያት ክንወርስ ምእንቲ ንሕተቶም ሕቶታት እየን። ጠምየ፥ ጸሚዔ፥ ዐሪቐ፥ ሓሚመ፥ ተኣሲረ፥ ጋሻ ዄይነ… ዝብላ ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል እየን። ካብዞም ንኣሽቱ ነዚ ሓገዝ ዘድልዮም ምግባር ንዕኡ ከምምግባር ምዃኑ እዩ ጐይታ ተዛሪቡ እሞ ብሓቂ ዶ ነዚአን ጽድቅን ዕረፍት መንግሥተ ሰማያትን ከውህበና ዝኽእሉ ሰናይ ተግባራት ዶ ንፍጽም ኣሎና፥ክርስቶስ ኣምላኽና ብቃሉ እሙን እዩ እሞ ነቲ ኣቐዲሙ ዝበለናን ዘለቡሙናን ቃላቱ ጽን ኢልና ክንፍጽሞም ተዓጢቕና ሎሚ ንበገስ። ዓለምናብክፍኣትን ስስዐን ተደብያ ኣብ ዘላትሉ ኣብዚ ክፉእ ዘመን፥ ምእመናን ነቒሕና ነቲ ጽድቂ ንዓድግ። እቲ ጾር ድማ ቀሊል ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጐይታና መጻጕዕ ንዝኣመሰሉ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ደዌን ሕምማን ዝተጠቕኡ ግና ብእምነትን ተስፋን ንዝጽበይዎ ሰባት ወትሩ ይበጽሖምንይፍውሶምን እዩ። ነዚ ቃልና ምስክር ካብ ዝኾነና ሓደ ኸኣ ኣብ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብያተ ክርስቲያናትናን ዝርከቡ ማየ ጸሎትና እዮም።ምኽንያቱ እዞም ዝተቐደሱን እግዚአብሔር ብእኦም ኣቢሉ ምሕረቱ ዝፍንወሎም ማየ ጸሎታት ካብ ኦሪት ጀሚሩ እግዚአብሔር ዝሰርሓሎም እዮምእሞ ሃገርና ድማ በዞም ቅዱሳን ማየ ጸሎታት ብብዝኂ ዝተባረኸትን እያ። ይኹን ደኣ እምበር እዘን ማየ ጸሎትና ኣተሓሕዝኦምን ኣመሓድሮኦም ግናኣይግድን እዩ እሞ ቤተ ክርስቲያንና ኣዕሚቓ ክትሓስበሉ ዝግባእ እዩ። ኣብዚ ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማት ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምንንዝወደቐ ከልዕሉ፥ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፥ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውንካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስናእግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይ’ውን ድኅር ክንብልየብልናን። መሓሪ ኣምላኽ ምሕረቱ ይዓድለና፥ ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ንኵልና ይሃበና። ስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ ምስባክ እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። መዝ.ãÜ- Ý (69-8) ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣ ግ.ሓ.10፣1-9 ቆላ.2፣16 ያዕ.2፣1-9 ቅዳሴ. ነአኩተከ ሳልሳይ ሰንበት (ሰሙን) ናይ ዓቢይ ጾም ምኩራብ ተባኂሉ ይጽዋዕ። ምኩራብ ቤት ጸሎት ወይ’ውን ናይ ጸሎት ቤት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅድምኢሉ ኣይሁድ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ እናተነበበሎም ዝመሃርሉ፥ ጸሎት ዘብጽሕሉ፥ ዳዊት ዝደግምሉ፥ ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ ዝነበረእዩ። እዞም ምኩራባት እዚኣቶም ካብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም እትርከብ ቀንዲ መቕደስ ወጻኢ ኣብ በብዞባኡ (ከከባቢኡ) ተዶኪኖም ዝነበሩ እዮም። ኣይሁድ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሥርዓተ ጸሎት ክፍጽሙ፥ መጽሓፈ ኦሪት ክመሃሩ እንከለው ንኣሽቱ በዓላቶም’ውንኣብዚ እዮም ዘኽብርዎም። ኣብቲ ዓበይቲ በዓላት ግና ናብቲ ቀንዲ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ናብ ኢዮሩሳሌም ብምኻድ እዮም ዘኽብርዎም ዝነበሩ። ንኣብነትበዓል ፋሲካ (ሉቃ2፥41)። ምናልባት ኣብዚ፥ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ብጀካ ኣብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዘላ መቕደስ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእምስጋድ ግቡእ ከምዘይኮነን ከምዘይፍቀድን እዩ እሞ ፣ (ዮሓ.4፥20)፥ ናይ ምኩራብ ነገር ደኣ ከመይን ብኸመይን እዩ ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሣልሰይቲ ምኵራብ ተባሂላ ትፍለጥ። ናብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓና እግዚአብሔር አምላኽ ከኣዝተመስገነ ይኹን። እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ሰላም ኣብ ዕለትሰንበት “ቦአ ኢየሱስ ምኩራበ አይሁድ” (ኢየሱስ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ) እናበለ ጐይታ ኣብ ምኵራብን ቤተ መቅደስን ኣትዩምምሃሩ ስለዝጠቅስን ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስለ ዝዝመርን እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ምኵራብ እናኣተወ ወንጌልየስተምህርን ተአምራት ድማ ይፍጽም ምንባሩ ንምዝኽኻር ዝተወፈየት ዕለት እያ። በዚ መሠረት ድማ ጐይታ ድውያነ ሥጋ ንዝኾኑ ብትምህርቱ፣ድውያነ ነፍስ ንዝኾኑ ድማ ብተአምራቱ እናፈወሰ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ (ምኵራብ) ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ዝነበረ ተኣምራት ብኅሊናናክንዝክርን ንመልእኽቱ ድማ ኣብ ልብና ከነሕድርን ዝጽውዕ ዕለት እዩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ንእሱራትን ግዙኣትን ናጽነት፤ ንዝሞቱ ሕይወት፤ንድኻታት መንፈስ ወንጌል፤ ንዝተገፍዑ ፍትሒ ክሰብኽ ከምዝመጸ ኣበሲሩን ምሂሩን እዩ። ምስኡ ድማ ጐይታ ነታ ቤት ጸሎት ዝተሰምየት ቤተመቅደሱ፡ ኣይሁድ ቤተ ፈያት ስለዝገበርዋን ዝልውጡን ዝሻየጡን ነጋዶ ስለዝመልእዋን፡ ጐይታ ነዚኦም ኵሎም ሰጒጉ ቤተ መቕደሱ ከምዘኽበረዘዘካኽር እዩ። (ማቴ ፳፩፥፲፪-፲፫) ምኵራብ ማለት ቃል ብቃል ዓቢይ ክንዲ ኵርባ ወይውን በረኽቲ ሕንጻታት ከም ማለት እዩ። ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተርጓግማን ብመንጽርኣይሁድን ድማ ቤተ ጸሎት ማለት እዩ። ምኵራብን ቤተ መቅደስን ፍልልይ ኣለዎም። ቤተ መቅደስ አምላኽ ኣብ ዘመነ ብሉይ ሓንቲ ኮይና ታቦትዝቕመጠላ፣ እግዚአብሔር ድማ ብኽብሩ ዝግለጸላ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረት መካነ አምልኮት ሕዝበ እግዚአብሔር እያ ነይራ። እስራኤላውያን ናብዛ ቤተ መቅደስ እትርከበሉ ኢየሩሳሌም ኣብ ዓመት ሠለስተ ሳዕ ክነግዱ ተኣዚዞም ነበሩ። ንሳ ድማ ኣብ ዘመነ ሙሴ ብደብተራኦሪት ትፍለጥ ዝነበረትን ዳኅራይ ብንጉስ ሰሎሞን ዝተሃንጸት እያ። እግዚአብሔር ድማ ሰባት ኣብኡ ኮይኖም ንዝጽልይዎ ጸሎት ክሰምዕ ፈቓዱምዃኑ ቃል ኪዳን ዝኣተወላ እያ ነይራ። ቤተ መቅደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ክትስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። ሰባት ግና ኣብ ዘለዉ ሃልዮም ገጾም ናብኢየሩሳሌም ኣቅኒዖም ይጽልዩ ነበሩ። ከም ኣብነት’ውን ነቢይ ዳንኤል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ ምኵራብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኮይኑ፡ ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ስፍራን ዓድን በብከባቢኦም መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን (ብሓፈሻ ቃለእግዚአብሔር) ከምኡ'ውን ንጸሎት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ምርኮ ኣብ ስደት እንከለዉ ዝጀመርዎን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱድማ ዝቐጸልዎን ምዃኑ ይንገር። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ኣባይቲ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከይተፍለየ ትምህርተ ወንጌል የብስሮም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማቅዱስ ማቴዎስ ከምዚ ይብለና “ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብሕዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” (ማቴ ፬፥፳፫) ቅዱስ ሉቃስ’ውን ብተመሳሳሊ “ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ ኬንብብውን ተንሥኤ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖኸኣ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራትምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር’ውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዐጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ ኪብሎምጀመረ።” (ሉቃ ፬፥፲፬-፳፩) እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብትምህርቱ ይግርሙ ነበሩ። ጐይታ ኣብ ምኵራብ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ መቅደስ’ውን ከይዱ እዩ። ንሱ ናብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ እታ መኅደሪ ክትከውንዝበሃጋን ከምቲ ቃሉ “መኅደሪ ግበሩለይ” ኢሉ ኣዚዙ ዘስርሓ ቤቱ መሸጥን መሻየጥን ቤት ንግድን ቤት ጐሓሉትን ኮይና ምስረኣያ ኣዝዩ ጐሓየ። ስቕድማ ኣይበለን። ንኵሎም ብጭጕራፍ እናገረፈ ሰጐጐም። ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ትስመ ንስኻትኹም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርክምዋ ኢሉ ገሰጾም።ከመይሲ እታ እግዚአብሔር ዝቐደሳን ዘኽበራን ቤቱ፤ ብኽብርን ረድኤትን እናተገልጸ ምስ ዝፈትዎም ሕዝቡ ክራኸብን ክጓስዮምን ዝሠረታመንፈሳዊት ቤት ክመርሕዋ ሓደራን ሥልጣንን ዝተዋህቦም መራሕታ ስርሖምን ቀንዲ ዋኒኖምን ገዲፎም ናብ ዓለማዊን ሥጋዊን ዕላማን ነገራትን ምስቀይርዋ ዋና ቤቱ ዝኾነ ክርስቶስ ስቕ ኣይበለን። ስለ ቤቱን ኣባጊዑን ቀናዒ እዩ እሞ ነቶም ሕድሮም ዝጠለሙን መዝነቶም ድማ ዘማሰዉ ጐሓላሉኵሎም ገማጠሎም። እሞ'ኸ ደኣ ብዝያዳ እኳ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኽቡር ደሙ ኣብ ዝሠረታ ቤቱ ከምቲ ዝግባእ ከገልግልዋ ዝተሾሙ ክነሶም ንዝላገጹን ዘሽካዕልሉን ከመይገይሩ ስቕ ክብሎም፧ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝፍጸም ዝነበረ ግብረ ኣይሁድ ሎሚ ብካልእ መልክዕ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ክፍጸምንርእዮ ኣየሎናን ዶ፧ ሎሚ ከ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዓቲ ጐሓላሉ ትኸውን የላን ድያ፧ መን እዩ እሞ ነዚ ከም ማይ ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ ትርጓሜንመርትዖን ዝደልየሉ፧ መን ከ ኣሎ ኣሉ ዝብሎ፧ እቲ እከይ ግብሪ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ልሙዕ ሸኻን ጽሩይ ማይን ክዋፈሩን ክጓሰዩንዝግብኦም ኣባጊዕን ዕያውትን ከመይ ከ ኣለዉ፧ ደሞም ካብ ኢድና ከምዝደልዮ መን እዩ እሞ ክኽሕዶ፧ እታ በትሪ ሓቂ ትቕጥን እምበር ኣይትስበርን፤እታ ጭጕራፍ’ውን ትድንጉይ እምበር ኣይትተርፍን። ምእመናን ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ዘሕዝን ነገራት ኣይንደሃል፤ ኣብ ቀቢጸ ተስፋ’ውን ኣይንብጻሕ። ነዚ ጊዜያዊ ኵነታት እናመዝመዙከታልሉና ንዝህቅኑን ጐዛዝዮም ክበልዑና ንዝደልዩን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መምሰልቲ “ኦርቶዶክሳውያን” መናፍቓን’ውን ዲል ኣይንሃቦም።እግዚአብሔር ካብ ሰብ ንላዕሊ ንቤቱ ይኃሊ እዩ። ስለ ደቁን ቤቱን ድማ ዝታኸስ ኣምላኽ ኣይኮነን። እወ ኣምላኽና ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ። ኣብምውራዱን ምድይቡን፤ ኣብ ምእታዉን ምውጽኡን ረድኤት እግዚአብሔር ዘስተማቐረ ቅዱስ ዳዊት’ውን “እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኽስንኣይድቅስን እዩ።” ይብል (መዝ ፻፳፥፬)። “ቦ ጊዜ ለኵሉ” እዩ እሞ መጽሓፍ’ውን “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር” ከምዝብል እቲ እግዚአብሔር ዝምደቦጊዜ ምስኣኸለን እቲ መስፈር’ውን ምስ መልአ እግዚአብሔር ንቤቱ ከጽርያን ክሕልዋን እዩ። ንሕና ግና ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖትኣቦታትናን ቅድስት ሥርዓቶምን ትውፊቶምን ጸኒዕና ንንበር። ብጸጋ ሥላሴ ኣብ ዝተቐደሰ፡ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ሰብነትና’ውን ግብሪ ጓሓላሉን ካልእ እግዚአብሔር ዝጽየፎምኃጢኣታት ፈርዮምን ኣንቢቦምን መሻየጢ ዕዳጋኦም ገይርናዮ ከይነኸውን ነፍስና ንመርምር። ብንስሓ ንመለስ። እግዚአብሔር ደቀይ ኢሉ ክቕበለናንጸግኡ ከብዝኃልና ድማ ብመገዲ ቅድስና ድማ ንንበር። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበትእዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ትርጉም ናይቲ ቃል ምስ ንርኢድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩ ግናጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነት ቅድስትተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ 4፥2) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ፤ ነተንጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ። እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መኽፈሊእቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለትብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውንንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም። ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባሕሪኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባሕሪኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። (ኢሳ 6፥1-3 ፤ ራእ 4፥8) መሠረትን ምንጭን ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ፤ ዘኽብር፤ ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ሓቂ እዩ “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይቕጸለሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን(ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ቅዱሳን ንዋያት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልግሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳንበዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ንቕጽል ወይ ከምኡ ኢልና ክንጽውዕ ንርከብ ኣሎና። እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባሕሪኦም ዘይኮነስ ምንጪቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕናቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን አምሳሉን ብዝፈጠሮ ኣዳምክንርድኦ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ውርደትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና።ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (ቀዳማይ ጴጥ 1፥15-16) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። (ቀዳማይ ተሰ 4፥7) ብተወሳኺውን ዘፍጥ 1፥26, ኤፌ 1፥3-4 ነንብብ። ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለሉ፡ ሞተሉን ተንሥአሉን። አማን በአማንኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነትብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን። ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩእግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክህልወና ይግባእ። ካልኣይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኾነት “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእመልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ካብቶም ቀዳሞትዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ጸኒዑ ዝነበረንዘሎ ሕገ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።(ራእ 1፥9) ኣብ ሕገ ኦሪት ንሙሴ ካብ እተወሃቦ ዐሠርቱ ትእዛዛት ሓንቲ ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚኡ’ውን ሰባት ብሕገ ልቦና ይምርሑሉ ኣብ ዝነበሩሉጊዜ’ውን ሰንበት ብእግዚአብሔር ከቢራ እያ። ከመይሲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ 22 ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ ነታ ሳብዓይቲመዓልቲ ሰንበት ካብ ኵሉ ግብሩ ዘዕረፈላን ዝባረኻን ዕለት እያ። “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲድማ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍጥ. 2፥2-3) እስራኤላውያን ድማ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝተፈላለየ ሥርዓት የኽብርዋ ነይሮም። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙኅ ዕፁብታሪኽን ግብርታትን ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዕለተ ሰንበት ዝተረኽበ ዕረፍቲ ተምሳል ናይቲ ደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝረኸብዎዕረፍትን፡ ሃይማኖትን ሕገ ቅድስናን ኃልዮምን ኣኽቢሮምን፡ ክወርስዋን ንዘለኣለም ከዕረፉላን ናይ ዝትስፈውዋ መንግሥተ ሰማያት ኣምሳል ምዃኑኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንሕዝቢኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።” (ዕብ 4፥9-10) ብምዃኑ ድማ ሰንበት ቅድስቲ እያ እሞ ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳሚት ሰንበትን ሰንበተ ክርስቲያንን በብናተን ምኽንያት ብሓባር ብሓድነት ኽብሪ ዘለወን ምዃኑ ክውን ነገር እዩ። ኣብቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ዝኣመሰሉ ብዙኃን ሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታትና ብዛዕባ ሰንበት ብዙኅ ጽሒፎምንኣመሥጢሮምን ይርከቡ። ከም እኒ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘንን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ሃገርና’ውንስለ ኽብሪ ሰንበት ብዙሕ ከምዝተጋደሉን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝፈጸሙን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝሕብረና እዩ። ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባሕሪኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስናክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውኡ ስሙ ምስባክ እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ። እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ ኃይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። መዝ .æÙ-Ù(96)-5። ወንጌል ማቴ.6-1-25። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ካብ ለካቲት 28, 2008 ዓ.ም (መጋቢት 7, 2016) ስጋብ ሚያዚያ 23.. 2008 ዓ.ም ( ግንቦት 1, 2016) ። እዚ ጾም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቁ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ጾም ብምኻúኑ ዓቢይ ጾም ተባኂሉ። ንሕና'ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ብምዝካር ፣በረከት ንምርካብ ፣ ከምእ'ውን ብግብሪ ንዕዑ ብምምሳል ናይ ሥጋ ፈቃድና ንምግዛእ ንጾሞ። ዐቢይ ጾም 55 መዓልታት ንጾሞ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 2. ቅድስት ኣብ ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ካልኣይቲ “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ። ትርጉም ናይቲ ቃልምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ፡ ዝተቐደሰት ማለት እዩ። እቲ ምሥጢሩግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጽሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነትቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ። (ማቴ 4፥2) ካብ ሰኑይ ናይ ቅድስት ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ጾመ ኣርብዓ ዘሎ ድማ ጾመ ኢየሱስ ተባሂሉ’ውንይፍለጥ፤ ነተን ጐይታ ዝጾመን ኣርብዓ መዓልቲ ጥራይ ዝጠቅስ ማለት እዩ። ቅድስት ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት እያ። እዛ ሰንበት እዚኣ ነዚ ስያመ ካብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እያ ረኺባቶ። ናይዚ እዋን ኣርእስተ መዝሙርን መኽፈሊእቲ ድጓ ኮይኑ ስለዝጽውዓሉ ድማ ቅድስት ትበሃል። ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተክርስቲያንውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለትብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውንንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን መልእኽቲ ዘመሓላልፉን እዮም። ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባሕሪኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባሕሪኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። (ኢሳ 6፥1-3 ፤ ራእ 4፥8) መሠረትን ምንጭን ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ፤ ዘኽብር፤ ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ሓቂ እዩ “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይቕጸለሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን(ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ቅዱሳን ንዋያት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልግሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳንበዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ንቕጽል ወይ ከምኡ ኢልና ክንጽውዕ ንርከብ ኣሎና። እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባሕሪኦም ዘይኮነስ ምንጪቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕናቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን አምሳሉን ብዝፈጠሮ ኣዳምክንርድኦ ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ውርደትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና።ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (ቀዳማይ ጴጥ 1፥15-16) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። (ቀዳማይ ተሰ 4፥7) ብተወሳኺውን ዘፍጥ 1፥26, ኤፌ 1፥3-4 ነንብብ። ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለሉ፡ ሞተሉን ተንሥአሉን። አማን በአማንኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነትብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን። ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩእግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክህልወና ይግባእ። ካልኣይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኾነት “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእመልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ክርስቲያን ዘበለ ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። ካብቶም ቀዳሞትዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ጸኒዑ ዝነበረንዘሎ ሕገ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና። ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።(ራእ 1፥9) ኣብ ሕገ ኦሪት ንሙሴ ካብ እተወሃቦ ዐሠርቱ ትእዛዛት ሓንቲ ምዃና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚኡ’ውን ሰባት ብሕገ ልቦና ይምርሑሉ ኣብ ዝነበሩሉጊዜ’ውን ሰንበት ብእግዚአብሔር ከቢራ እያ። ከመይሲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ 22 ፍጥረታት ፈጢሩ ምስ ወደአ ነታ ሳብዓይቲመዓልቲ ሰንበት ካብ ኵሉ ግብሩ ዘዕረፈላን ዝባረኻን ዕለት እያ። “ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲድማ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኲሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍጥ. 2፥2-3) እስራኤላውያን ድማ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝተፈላለየ ሥርዓት የኽብርዋ ነይሮም። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙኅ ዕፁብታሪኽን ግብርታትን ድማ ተፈጺሙ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዕለተ ሰንበት ዝተረኽበ ዕረፍቲ ተምሳል ናይቲ ደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝረኸብዎዕረፍትን፡ ሃይማኖትን ሕገ ቅድስናን ኃልዮምን ኣኽቢሮምን፡ ክወርስዋን ንዘለኣለም ከዕረፉላን ናይ ዝትስፈውዋ መንግሥተ ሰማያት ኣምሳል ምዃኑኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንሕዝቢኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።” (ዕብ 4፥9-10) ብምዃኑ ድማ ሰንበት ቅድስቲ እያ እሞ ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳሚት ሰንበትን ሰንበተ ክርስቲያንን በብናተን ምኽንያት ብሓባር ብሓድነት ኽብሪ ዘለወን ምዃኑ ክውን ነገር እዩ። ኣብቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ዝኣመሰሉ ብዙኃን ሊቃውንትን ቅዱሳንን ኣቦታትና ብዛዕባ ሰንበት ብዙኅ ጽሒፎምንኣመሥጢሮምን ይርከቡ። ከም እኒ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘንን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከፋሌ ባሕርን ዝኣመሰሉ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ሃገርና’ውንስለ ኽብሪ ሰንበት ብዙሕ ከምዝተጋደሉን ዓበይቲ ተኣምራት ከምዝፈጸሙን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዝሕብረና እዩ። ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባሕሪኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስናክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ። ወስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር ። ሓደሽቲ ጽሑፋት ርደተ መንፈስ ቅዱስ ፣ ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ጾመ ሓዋርያት ዕርገት ክርስቶስ በእንተ እመ ብርሃን እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ። ሉቃስ 1፥28 በዓላትን መደባትን ጾመ ሐዋርያት ዼጥሮስ ወዻውሎስ ቅድስት ሥላሴ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። እዚ ሰሙን እዚ ኣብ መጀመርታ (መእተዊ) ናይ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዩ። ዘወረደ ከኣ ይበኃል። ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር መዝሙር። ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ምስባክ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሥርዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዘለዎ "ጾም" ናይ ውልቂ (ፍቓድ) ጾምን፥ ናይ ኣዋጅ ጾመን ተባኂሉ ኣብ ክልተይምደብ። ብኣበ ነፍስኻ ዝወኃበካ ጾምውን ኣሎ እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ውልቂ ጾም ዝበልናዮ ክምደብ ዝክኣል እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉክጾሞም ብኣዋጅ ዝንገሩ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሸውዓተ (7) እዮም። ንሳቶም ከኣ÷"ጾመ ኣርብዓ (ዓቢይ ጾም)፥ ጾመ ድኅነት (ረቡዕን ዓርብን)፥ ጾመሓዋርያት፥ጾመ ፍልሰታ፥ጾመ ነብያት፥ ጾመ ገሃድ፥ ጾመ ነነዌ"እዮም። ኣብዚ ተጠቒሱ ንርእዮ ከም ዘለና እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉምእመናን ክጾሞም ካብ ዝሠርዓቶም ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ" ጾመ ኣርብዓ ወይ’ውን ዓቢይ ጾም"እዩ። ወቕታዊ ዘሎ ንሱ ብምዃኑ ሕጂ እንርእዮ’ውንብዛዕባ "ጾመ ኣርብዓ እዩ ክኸውን። ቅድሚኡ ግን መጀመርታ ናይ" ጾም"ትርጉምን ካብ" ጾም"ዝርከብ ጥቕምታትን ምፍላጥ ስለዝግባእ ኣቀዲምናትርጉም ጾምን ጥቕምታቱን ኣብ ዝብል ክንርኢ። ጾምን ጥቕምታቱን ሀ/ ናይጾምትርጉም÷ ጾም ማለት "ጾመ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ"ንዝተወሰኑ ሰዓታትን መዓልታትን ካብ ዝዀነ ዓይነት መብልዕንመስተን ተኸልኪልካ ምዉዓልን ምሕዳርን"ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብዝወሰነቶ መሠረት÷ጾም ኣብ ዝተፈልጠ መዓልትንሳምንታትን ወርሓትን ንዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ሥጋን መስተን ጥልላትን ምሕራም (ሙጻም) ዘጠቓልል እዩ (ኢሳ 4፥16,ዳኒ10፥1-3,ዘዳ 9፥9)።ናይቤተ ክርስትያና ናይ ሕግን ሥርዓትን መጽሓፍ ዝኾነ ፍትሐ ነገስት÷ “ ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ እዉቅ በዉስተ ሕግ ።”ይብል። ጾም፥ኣብዝተፈልጠ ግዜ "ሰብ" ምግቢ ካብ ምብላዕ ዝሕለዎ ምኽልካል እዩ። ማለት እዩ። ሓደ’ውን "ከሊኣ ብእሲ"ይብል ጾም ንሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካልእዩ። እዚ’ዉን ዋግኡ ንምብዛሕ ባዕሉ ፈትዩ ሕጊ ንዝሠርዓሉ እናተኣዘዘ፥ኃይሊ ፍትወታቱ ምእንቲ ከደክም(ሥጋዊ)፡ ንነባቢት ነፍስ ምእንቲ ክትእዘዝእዩ። መጽሓፍ ቅዱስ"ትምኒት ሥጋ ምስ መንፈስ መጻርርቲ እዩ፥መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ሥጋ መጻርርቲ እዩ። ስለዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲኸይትገብሩ ክልቲኦም መጻርርቲ እዮም። "ይብል። (ገላ5፥17)። ስለዚ "ጾም" ማለት ሥጋኻ ካብ ዝደልዮን ዝፈትዎን ዘበለ ነገር ምኽልካል፥ ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ነገር ኣተኩሮ ምግባርን ብእኡ ምንቃሕን ማለት እዩ። ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ኣብ ግዜ ወርሓት ጾም ንናይ ጾም ትርጉም፥ጥልላት መባልዕ ካብ ምምጋብ ምኽልካል ኢላ ጥራይኣይትውስኖን እያ፥ እንታይ ደኣ ሓደ ሰብ ይጸዉም ኣለኹ ይብል እንተድኣ ኣሎ፥ እሞ ድማ ጾሙ"ፍሬ ዘለዎን ብእግዚኣብሔር ዝተፈትወ ቅኑዕ ጾምንክኸውን እንተደኣ ኮይኑ"ኩሉ ሕዋሳቱ ክጸዉምን ምግባረ ትሩፋት ክህልዎን ይግባእ"ዝብል’ውን ቀንዲ ምኽራን ትምህርታን እዩ።ባዕልኹም እስከፍረዱ፥ሰባት ንዝተወሰነ ግዝያት ካብ ጥልላት መባልዕ ጥራይ እናጾሙ ወይ’ውን ተኸልኪሎም፥ዝሓምዩ፡ ዝበኣሱ፡ ዝጻረፉ፡ ዝሰርቁ፡ ዝሕስዉ፡ዝሰኽሩ………ወዘተረፈ እከይ ሥራሕን ንሰባት ዘሕዝን ተግባርን እንተሠርሑ፥ ካብ"እኽሊ ወይዉን ጥልላት ይጸዉም ኣለኹ ማለት እንታይይጠቕሞም?ብርግጽ እዚኣቶም"ብርኃብ ንሥጋኦም፡ብኽፉእ ተግባሮም ድማ ንነፍሶም ጎዲኦም ይበኃሉ እምበር"ጾይሞም፥ኣምልኾ ፈጺሞም"ኢልካኣይምስገኑን። (ኢሳ58፥3-12)ተመልከት። ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ኣቦ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ናይ ጾመ ድጓ ድርሰቱ÷ “ ዓይን ይጹም እምርእየ ሕሱም፥ዕዝን ይጹም እምሰሚዐ ሕሱም፥ልሳንኒ ይጹምእምተናግሮ ሕሱም። ” ብማለት እንጾሞ ጾም እንታይን ከመይን ክኸዉን ከም ዘለዎ ዘርዚሩ ኣመልኪቱና ኣሎ። ዓይኒ ዘይግብኣ ሕማቕ ነገራት ካብምርኣይ ትከልከል፥እዝኒ ድማ ኽፉእ ካብ ምስማዕ ትርሓቕ፥ ልሳን እዉን ሕማቕ ካብ ምዝራብ ትቆጠብ ማለት እዩ።እቶም ቀደምት ፍጥረት ደቂ ሰባትዝኾኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰሓቱ በዞም ሕዋሳት እዚኣቶም እዮም።ንሳቶም፥ምኽሪ ዲያብሎስ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፥በዚ መሠረት ድማ ነታ ከይበልዕዋዝተነግረቶም ፍሬ ኦም ብዓይኖም ርእዮም ብልቦም ተመንዮም፥ብእግሮም ከይዶም፡ብኢዶም ቀንጢቦም ብምብላዕ ሓጢኣት ጌሮም ካብ ኣምላኾምርሓቑን ተፈልዩን። ስለዚ ነዚ ተረዲእና፥ዓይንና ሠናይ ክንርእየሉ፥ኢድና ክንምጽዉተሉ፥እግርና ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ክንከደሉ፥ልሳና ጽቡቕክንዛረበሉን ከነመስግነሉን፥እዝንና ስብሐታተ እግዚኣብሔር ክንሰምዓሉ፥ልቡናና ጽቡቕ ነገር ክንሓስበሉ ይግባእ። ጾም ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ መጀመርታ ሕጊ እዩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ÷"ጾም"ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ፥ንሕናክንጥቀመሉን ክንረብሓሉን፥ካብ ልዑለ ባህርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝተዋኅበና ጸጋን በረኸትን ስለዝዀነን’ውን እዩ። ለ/ ጾምዝህቦጥቕምታት ሓደ ክርስትያን ቅድስንኡ ኃልዩ፥ምስ እግዚአብሔር ጸኒዑ ንምንባርን ካብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዝተፈላለየ ፈተናታትን ናይ ሰይጣን ናይ ጥፍኣት መፈንጥራፍሕሶታትን ተቓዊሙ ክኽእልን እንተ ደኣ ኮይኑ፥ግድን ጾም የድልዮ።ጾም ንሥጋና ልጋም፥ንነፍስና መንፈሳዊ ኃይልን ብርትዐን ኩምኡ ድማ ምስቶምተጻረርትና ዝኾኑ ኣጋንንቲ ተዋጊእና እንሥዕረሉ ጽኑዕ መንፈሳዊ መሳርያና ብምዃኑ፥ዘይጸውም ሰብ ንሱ ነቲ ብዘይመሳርያ ዕጥቂ ናብ ዓውደ ውግእዝስለፍ ሰነፍ ሠራዊት ይመስል።ኩሉና ከም እንፈልጦ፥ሓደ ሠራዊት ብዘይመሳርያ ናብ ዓውደ ውግእ እንተ ደኣ ተሰሊፉ መወዳእትኡ ጥፍኣት እዩዝኸውን።ጽቡቕ ስም’ውን ኣይረክብን እንትርፎ ሰነፍ።እቲ ዘይጸውም ሰብ እውን ንፈተና ዝተቓልዐን ብቐሊሉ ዝጥቃዕን ስለዝኸውን ናይዚመወዳእታውን ከምኡ ጥፍኣት እዩ።ብእግዚአብሔር’ውን መጎስ የብሉን።ስለዚ ጾም ኣብ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ ማለት እዩ። ገለ ገለ ሰባት ግን፥ብጾም ንዝርከቡ ጥቕምታት ብዘይምርዳእን ከንቱ ንምግባርን"ብኣዋጅ ኮነ ብውልቒ ንዝፍጸሙ ኣጽዋማት ንጸውም ኢና፥ነገር ግንብምጻምና ዝኾነ ዓይነት ጥቕሚ ዝረኸብና ኣይመስለናን" ዝብሉ ኣይተሳእኑን።እዚ ካብቶም ብዝግባእ ትርጉም ናይ ጾም ዘይፈለጡን ብሥጋ ጥራይዝጸሙን ዝወጽእ ቃል እዩ።ጸሞም ገና ክጅምር ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ስለዝኸውን ከኣ ከምቲ ዝብልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።ናይ ጾም ትርጉምእንተዘይፈለጥካ፡ኣብ ግዜ ወርሓት ጾምን ቅድሚኡ ዘሎን እውን ኣብቶም ንጾም ዝዕጅቡን ትርጉማ ዘነጽሩ ሠናይ ተግባራትን፡ኣተኩሮ ዘይትገብር እንተደኣ ኰይንካ ምጻምካ ከንቱ እዩ ዝኸውን። ምንም ዝህበካ ጥቕሚ ድማ የብሉን።ስለዚ ቅድሚ ምጻም መጀመርታ ትርጉምን ጥቕምታትን ናይ ጾምምፍላጥ የድሊ። እምበኣር ጾም ምስ እግዚአብሔር ንዘለና ተፈታዊነት ዝያዳ እነበርትዓሉ ዓሚቕ ዝኾነ ናይ መንፈሳዊነት ግዜ ብምዃኑ፥ጾም ፍጹምነት ረኺባ ካብእግዚአብሔር በረኸት ክንረኽበላን ተጠቐምቲ ክንከውንን እንተ ደኣ ኰይኑ፥ምስ'ቶም ኣዕሩኽ ጾም ዝበኃሉ ምስ እትተሓባበር ምዃኑ ከነስተውዕልይግባእ። ንሳቶም ከኣ÷ ፍቕሪ፥ንስሓ፥ኣርምሞ፥ምጽዋት፥ጸሎት፥ስግደት…… እዮም። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ጾም" ምስ ምጽዋት፡ጸሎት፡ስግደትእንተ ደኣ ኮይኑ፥'ናውቲ ኵናት እዩ"ኢሉ ኣሎ።ስለዚ መጀመርታ" ጾምና"ነዞም ነገራት እዚኣቶም ዘማልአ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና።ከመይሲጾም ዝህቦ ጥቕምታት ክንብል እንከሎና ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ዘማልአ ጾም ማለትና ስለዝኾነ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! <<ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ። ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።>>።መዝ..(89፣3-4) ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ካብ ዘረድኡ (ዝነግሩ) መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓደ እዩ። ኣብ ዓመት ወርሒ የካቲት 16 ወትሩ ዝንበብን ዝንገርን ዝትርጎምን እዩ። ሓደ ሓደ ሊቓውንቲ ዋላ እካú ንበላዒ ሰብ ስምኦን ኢሎም […]