ድኅነት በላዒ ሰብ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

<<ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ። ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።>>።መዝ..(89፣3-4)

ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ካብ ዘረድኡ (ዝነግሩ) መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓደ እዩ። ኣብ ዓመት  ወርሒ  የካቲት 16 ወትሩ ዝንበብን ዝንገርን ዝትርጎምን እዩ። ሓደ ሓደ ሊቓውንቲ ዋላ እካú ንበላዒ ሰብ ስምኦን ኢሎም እንተጸውዕዎ ርግጸኛ ስሙ ግና ግሁድ ኣይኮነን። እዚ ልሙድ ኣጸሓሕፋ መጽሓፍቲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 26፣17-18። ሓዋርያት ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ገንሸል ፋሲካ ክትበልዕ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደልይ በልዎ። ንሱ ድማ በለ ናብ ከተማ እከለ ኪዱ እሞ ጊዜይ ቀረበት፣  ምስ ደቂ መዛሙርተይ ምሳሕ ፋሲካ ኣባኻ ኸፋስግ ይብል ኣሎ መምህር በልዎ።።” ፋሲካ ዝተዳለወሉ ቤት ዋና ቤት መጸዊዑ ስሙ ኣይተሓበረን። “እከለ” ብምባል ጥራሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ። 

    እዚ ዝኣመሰለ ኣብኃህላ ልማደ መጽሓፍቲ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዝመጸ ይንገር። 

v ቀዳማይ ልዕሊ እቲ ፋጻሚ ሰብ ነቲ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ እግዚአብሔር ነቲ ዝሠርሖ ሥራሕ ክብሪ ንመኃብ እዩ። 

v ካልኣይ መንነት ስም ናይቲ ሰብ ምጽሓፍ ነቲ ጽሑፍ ዘንበበ ሰብ ኩሉ ትውልዲ ናይቲ ሰብኣይ ብምቁጻር ትውልዶም ከምቲ ኣይሁድ “ደቂ ኣብርሃም ኢና ” ዝብልዎ ከምኦም  ንኸይምካሕ ።

ኣብ ጊዜ ትርጉም ነቲ  ንንምትርጓም ኣጸጋሚ ኰይኑ ምስ ዝርከብ እዩ። ንኣብነት መጸውዒ ስም ግብጻውያን ፈርኦናት “ፈርኦን” ብዝብል ስም ጥራይ ዝተተርጎመ ብብሉይ ኪዳን ካብ እብራውያን ናብ ግሪኽ ምስ ተመልሰ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ፍሉይ ስፍራ ንዘለዎም ሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ስም ይወኃቦም እዩ። ንኣብነት ንዞም ዝስዕቡ ንርአ፣

v ብምግባሮም፣-  በላዔ ሰብ ፣ ስምኦን ስፋዩ ሳእኒ ፣ ስምኦን ፈሓቂ ቆርበት

v ብዝነበርዎ ኩነታት፣- ፈያታዊ ዘየማን (ብየማን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለ ሽፍታ)፣ ያዕቆብ ዘእልበረዲ (ቆርበት ገመል ዝለብስ ያዕቆብ)፣ መጻጉእ (ሕሙም) 

v ብመልክዖምን ቁመንኦምን፣- ሙሴ ጸሊም ፣ ዮሓንስ ሓጺር

v ብሃገሮምን ሃገረ ስብከቶምን፣ - ጎርጎርዮስ ዘኣርማንያ፣ ቂርቆስ ዘእስክንድርያ

v ብጸግኦምን ፍልጠቶም፣- ጎርጎርዮስ ነባቢ መለኮት፣ (ንነገረ መለክት ተንቲኑ ዘረድእ ጎርጎርዮስ) ፣ኣቡቀለምሲስ ዮሓንስ (ዮሓንስ በዓል ራእይ)፣ ጎርጎርዮስ ገባሬ ተኣምራት

በላዒሰብ ከኣ ነዚ ስም እዚ ክውንን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ካብቲ ንቡዙሕ ዘመን ዝገበሮ ግብሪ ብምብጋስ እዩ። ኣብ ናይ ቤተክርክስቲያን ታሪኽ ብዝቀደመ ግብሮም ስሞም ኰይኑ ዝተርፈሎም ብዙሓት እዮም። ድሒሩ ብዝመጸ ግብሮም’ውን ስሞም ዝዀኖምውን ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ክልቲኡ ዘጣምሩ  ኣለዉ። “ ከም በላዒሰብ”  ዝበሉ ብዝቀደም ግብሮም ኪጽውዑ ከለዉ ከም በዓል “ማርያም በእንተ እፍረት” (ማርያም በዓልቲ ሽቶ) ግና ድሕሪ ንስሓኣ ዝመጸ ስም እዩ። ፈያታዊ ዘየማን ዘበሎ ድማ ፈያታዊ “ ሽፍታ ”  ዝቀደመ ስሙ፣ ዘየማን (ብየማን ዝተሰቅለ ፣ክብሪ ዝረኸበ ) ዝበኃሉ ኣስማት ኣጣሚሩ ሒዙ እዩ። 

   በላዔ ሰብእ ብዛዕባ ትውልዲ ኰነ ዓዱ ዝተሓበረ ነገር የለን። ዓዱ “ቅብር” እዩ ዝበኃል ። ብመጽሓፍቲ ቤተ ክርስቲያን ዓዶም ዝተገልጸ ኣሎ ዘይተገልጸ’ውን ኣሎ። ኣብ ሉቃ.5፣-12። “ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ከሎ….” ይብል። ስም እታ ዓዲ ግና ኣይተገልጸን። ሉቃ.10፣-38። “ ኪኸዱ ከለዉ ድማ ኾነ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ።…” ይብል። ስም እታ ዓዲ ግና ኣይተገልጸን። ታሪኽ በላዒሰብ’ውን ካብዚ ልምዲ መጽሓፍቲ’ዚ ብምብጋስ ዝረአ እዩ። ቅምር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣበይ ከምእትርከብ መረዳእታ የለን። 

በላዔ ሰብእ ኣብ ሰለስተ ዝተኸፍለ ታሪኽ ኣለዎ።

 v ዘመነ ርኅራሄ በላዒ ሰብ 

 v ዘመነ ጭካነ በላዒሰብ 

 v ዘመነ ንስሓ በላዒሰብ እዮም፣

  1. ዘመነ ርኅራሄ በላዒሰብ 

   ታሪኽ ናይ በላዔ ሰብእ ኣብ ሓደ ሓደ መጽሓፍቲ ኣይተገለጸን። በላዔ ሰብእ ኣቀዲሙ ናብራ አበ ብዙሃን ኣብርሃም ዝነብር ዝነበረ ለዋህ ሰብ እዩ ኔሩ። ኣጋይሽ ብምእንጋድ ዝተፈልጠ በዓል ዓቢ ጸጋ እዩ ኔሩ። ከምዚ ኢሉ እንዳነበረ ከሎ ጽድቂ ደቂ ሰባት ዘይፈቱ ጸላኢ ሰናያት ገባሪ እከይ ዲያብሎስ ሽርሒ ገበረሉ። ብኣምሳል ቅድስት ሥላሴ ተመሲሉ ናብ ቤቱ መጸ። በላዔ ሰብእ'ውን ከም ዘመነ ኣብርሃም ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ናይ ቤተይ መጺኦም ኢሉ ተዓጢቁ ኣእንገዶም። ዝሰብሐ ብተይ ድማ ከም ኣብርሃም ኣቕረበ፣ “ዲያብሎስ ድማ ፈታውየይ እንተ ዀንካ ወድኻ ሕረደለይ ” በሎ። በላዔ ሰብእ'ውን ጽኑዕ ክርክስቲያን ስለዝነበረ ንወዱ ሠውኦ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ድኅነተ ደቂሰባት እምበር ጥፍኣት ወዲሰብ ዘይደሊ ስለዝኾነ፣ ኣብርሃም ንይስሓቅ ክሥውኦ ዋላ እንተኣዘዞ ኣብ ክንዱኡ ግና እግዚአብሔር ብዕጸ ሳቤቅ ዝተኣስረ ገንሸል ኃቦ እምበር ንመሥዋእቲ ይስሓቅ ኣይፈቀደን  ። ዘፍ.22፣-1-14። ዲያብሎስ ግና በላዔ ሰብእ ነዚ እኩይ ግብር'ዚ ንኽፍጽም ገበሮ። ድሒሩ ድማ “ንዝሓረድካዮ ኣቀዲምካ ባዕልኻ ብልዓዮ።” ኢሉ ኣዘዞ። በላዔ ሰብእ'ውን ነቲ ትእዛዝ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ተሰወሮ።

  በላዔ ሰብእ ነዚ ኩሉ ዝበጽሖ “መንፈስ ኩሉ መርምሩ እምበር ኣይትእመኑ” ዝብል ቃል ብምርስዑ እዩ። ከም ቅድስቲ ኣፎምያ ንግብሪ ዲያብሎስ ክምርምር ኔርዎ። ኣምላኽና ሞት ወዲሰብ ፈጺሙ ኣይደልይን እዩ፣ ኣሽንካይዶ ነቲ ለዋህ ህጻን ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ “ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ ? ……………” ሕዝ.18፣-23። ዝብል ኣምላኽ እዩ፣ ኣብ ዘዳ፣18-10። “ወዲ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዘሕልፍ ……………………. ኣባኻ ኣይረኸብ” ኢሉ እዩ።

  በላዒ ሰብእ ሥጋ ውላዱ ብምብልዑ፣ ደም ውላዱ ብምስታዩን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኢሉ ዝሓሰቦ ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ ካብ ዓይኑ ብምስዋሩ ዝፈጠረሉ  ስንባደ፣ ኣእምርኡ ክስወርን ጠባዩ ክቅየርን ጌርዎ እዩ። ዲያብሎስ ንልቦንኡ ስለዝሰወሮ ድሕሪኡ ንዝረኸቦ ሰብ ኩሉ ክበልዕ ጀሚሩ።

እዚ ኩኡ ክኸውን ከሎ ሓለዋን ረዲኤትን እግዚአብሔር ኣምላኽ ተፈልይዎ ወይ’ውን ኣምላኽ ንገበርቲ ጽድቂ ዘይሕሉ ኰይኑ ኣይኮነን። ኣብ ዩሓ.9፣-1-20። ዘሎ ታሪኽ “ ብዕውሩ ዝተወልደ  መምህር ዕውር ኰይኑ ዚውልድስ መን እዩ ዝበደለ ንሱ’ዲዩ ወይስ ወለዱ ኢሎም ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓተትዎ ግብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ እዩ እምበር ንሱ ኣይበደለ ወለዱ ኣይበደሉ።” ኢሉ መሊስሎም።   

 ግብሪ በላዔሰብእ'ውን ብመንጽር እዚ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ግብሪ እግዚአብሔር ብእኡ ኣቢሉ ንኽግለጽ ዝተሓጸየ ሰብ እዩ። ኣቀዲሞም ጽቡቅ ምግባር ዝነብሮም ዳሕራይ ብናይ ዲያብሎስ ፈተና ናብ እኩም ምግባር ዝኣተዉ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ሠናይ ንስሓ ዝመጹ ካልኦት ኣቦታትውን ኣሎዉና። ካብዚኦም ሓደ ንጉሥ ሰሎሙን እዩ። ስም እግዚአብሔር ዝሓዘ ሰሎሙን ጥበብ ተገሊጽሉ ቤተ መቅደስ ክሃንጽ በቂዑ እዩ። ክልተ ጊዜ ምስ እግዚአብሔር ተዘራሪቡ እዩ። 1ነገ፣-11፣-10-12። ዳሕራይ ግና ንጣኦት ኣምሊኹ ምስ ቡዙሓት ኣህዛብ ኣንስቲ ብምኻúድ ንእግዚአብሔር ኣሕዚኑ እዩ።

መፈጸምታ ንጉሥ ሰሎሙን መጽሓፍ ቅዱስ ተንቲኑ ኣይነግረናን እዩ። ሊቓውንቲ ቤተክርስቲያን ግና ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተጠቅሱ ጽሑፋት ብምእካብ “ከምቶም ጻድቃን ነገስታት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ።”1ነገ.11፣-10-43። ኣብ መጽሓፍ መክብብ’ውን “ ኣነ ኣባኺ ኢየሩሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ።” መክ.1፣-12። ብምባል ምስተመልሰ ነቲ ዝቀደመ ግብሩ ገሊጽዎ እዩ። ብምባል ይነግሩና።

 ንጉሥ ሰሎሙን መጽሓፍ መክብብ ዝተባህለ ናይ ተግሣጽ መጽሓፍ ዝጸሓፎ ድሕሪ ንስሓ ምእታው እዩ። ነዚ እዩ ድማ “ ቃላት ሰባኺ ወዲ ዳዊት ንጉሥ ኢየሩሳሌም” በለ እምበር ስሙ ኣይጠቀሰን ከንቱነት ናይዛ ዓለም ኣብ ዝተረደኣሉ እዋን ከምዝነበረ ኣጸቢቁ ኣረዲኡና እዩ። ብትንቢተ ሕዝቅኤል “ ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝነብሮ ኩሉ ኃጢኣት እንተተመልሰ ኩሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተሓለወ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተገበረ ንሱ ብርግጽ ብሕይወት ኪነብር ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።” ሕዝ.18፣-21-22። ብምባል ብዝኣተዎ ቃልኪዳን ንንጉስ ሰሎሙን ሚሒሩዎ እዩ። ታሪኽ በላዔሰብእ’ውን ብመንጽር እዚ እዩ ዝርአ። 

  1.  ዘመነ ጭካነ በላዒ ሰብ

 በላዔ ሰብእ  ሕልንኡ ድሕሪ ምጥፋእ ብመጀመርታ ንቤተሰቡ  በልዔ። ድሕሪኡ መስተይ ማዩኡን ኩናቱን ሒዙ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ከደ። ፍቐድኡ እንዳዞረ ከኣ ብጉልበቱ ኣንበርኪኹ ብኩናቱ ኣፈራሪሑ ንዝረኸቦ ኩሉ ክበልዕ ጀሚሩ።  ኣብዚ እዋን እዚ በላዔ ሰብእ ፈጺሙ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዲያብሎስ ዝኣተወሉ ጊዜ እዩ። ንኣብነት ኣብ ግ.ሓ.፣19፣-11-18፣ ንረኽቦ ታሪኽ ዝርከብ ሰብ ዲያብሎስ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ ዘእተዎ ሰብ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ተኣምራት ዝተዓዘቡ ሓደ ሓደ ሰባት “ በቲ ጳውሎስ ዝሰብኾ ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም” እናበሉ ንኣጋንንቲ ዋላካúከውጹኡ እንተፈተኑ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ “ ዘሊሉ ክሃርሞም ነደረ ስጋብ ዝቆስሉ ከኣ ኃዲሞም ተበታተኑ።” ዲያብሎስ ንሰባት ሙሉእ ብሙሉእ እንድሕር ተቆጻጺርዎም ጠባዩን ግብሩን ጉልበቱን ከይተረፈ እዩ ዝወሃዶም።

  1. ዘመነ ንስሓ በላዒ ሰብ እዮም፣

 በላዔ ሰብእ ንዝረኸቦ ኩሉ እንዳበልዐ ናብ ሓንቲ ዓዲ በጽሐ። ኣብቲ ዓዲ'ውን ዝበልዖ ሰብ እንዳደለየ ከሎ ሓደ ሙሉእ ሰብነቱ ብቁስሊ ዝተወረረ ሰብ ረኸበ፣ ክብልዖ ድማ ደለየ። እቲ ዝሓመመ ድኻ ሰብ ግና ብጣዕሚ ማይ ዝጸምኦ ነበረ እሞ ንበላዔ ሰብ ፣ብስመ እግዚአብሔር፣ ብስመ ጻድቃን ፣ ሰማእታት ማይ ከስትዮ እንተለመኖ በላዔ ሰብእ ግና ክርህርሃሉ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ “ ብስመ ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ” ኢሉ ምስ ለመኖ እዚኣ ለዋህ ምኻúና ዛንታኣ ኣለኒ ህርህቲ ብልመንኣ ካብ ሲኦል ከም ተድኅን ካብ ቁልዕነተይ ጀሚረ ዝሰምዖ ዝነብረ እዩ። ኢሉ መለሰ። 

ስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዒሰብ ናይ መበራበሪ ደወል እዩ ኾይኑዎ። ስም ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝያዳ ካብ ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር ዝያዳ በሊጹ ኮይኑ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ካብ ብቁልዕነቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ህርራሄኣን ኣማድነታን እንዳተማኅረ ስለ ዝዓበየ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስማ ቀሪጹ ስለዝነበረሉ እዩ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ስለዝሓገዞ እዩ። 

 ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መከራኡን ሞቱን ብዙሕ ነገር ነጊርዎ እዩ። ክህረም ፣ክጽረፍ ። ክፍረድ፣ ተዓዚቡ እዩ። እዚ ኩሉ ግና ልቦንኡ ካብቲ ናይ ድቃስ ክሕደቱ ኣይበራበሮን:: ዘበራበሮ ግና ድምጺ ደርሆ እዩ። ማቴ. 26፣57-75። 

እዚ ማለት ካብ ልዕሊ መከራ ክርስቶስ ድምጺ ደርሆ በሊጹ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ “ ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ጊዜ ክትክሕደኒ ኢካ።” ዝበሎ ቃል ናይ  ድኅነት ምኽንያት ክዀኖ ምእንቲ ኣብ ልቦንኦ ስለዘትረፈሉ እዩ።

   በላዔሰብ  “ናብ ልቦንኡ ተመልሰ” እቲ ጥፍእ ወዲ ናብ ልቡ ከም ዝተመልሰ ካብ ጥፍኣት ንምምላስ ከምዝወሰነን ሠናይ ግብሪ ግብሪውን ከምዝገበረ። ሉቃ.15-16። በላዔሰብእ'ውን ናብ ልቡ ምስተመልሰ ጨካን ዝነበረ ልቡንኡ ራህሪሁ ፣ነቲ ድኻ ቁሩብ ማይ (ዕማኾ ማይ) ኃቦ። ኣብ ሕይወቱ'ውን ውሳኔ ወሰነ “ ኣብ በዓቲ ኣቲዩ'ውን፣ እኽሊ ካብ ዝበልዕ ሞት ይሕሸኒ ኢሉ፣ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ብጥሜትን ጽምእን ሞተ።” እቲ ኹሉ ዝገብሮ ዝነብረ ኃጥያት ምኻúኑ ስለዝተረድኦ ኣብ ልዕሊ ገዛ ርእሱ ፈረደ። ኣባ መቃርዮስ << ወደይ ንስኻ ንነፍስኻ ባዕልኻ እንተፈረድካያ እግዚአብሔር ፍርዱ ከልዕለላክ እዩ። ንስኻ ንነፍስኻ እንተዘይፈረድካያ ግና እግዚአብሔር ክፈርደካ እዩ።>> ከምዝበሉ በላዔሰብእ ኣብ ንገዛእ ርእሱ ፍርዲ ኃባ።

ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌል ሉቃ.18፣9-14። ከምዝገለጾ ፈሪሳውን ተጋውን ክልቲኦም  ንጸሎት ናብ ቤትመቅድስ መጹ። እቲ ፈሪሳዊ ንነብሱ ኣዕብዩ ጻድቅ ብምግባር ንኻልኦት ብምንዓቅ ጸለየ። 

እቲ ተጋዊ ግና ንላዕሊ ክጥምት ኣይከኣለን። ኦ ኣምላኸይ ንዓይ ንሓጥያተኛ መሓረኒ እንዳበለ ይበኪ ነበረ። ጐይታና’ውን  ልዕሊቲ ፈሪሳዊ ናይቲ ተጋዊ ጸሎት ተቀባልነት ከምዝረኸረበ ነጊሩና እዩ << ገዛእ ርእሱ ዜትሕት ኩሉ ግና ልዕል ኪብል እዩ እሞ እቲ ተጋዊ ጸዲቁ ናብ ቤቱ ተመልሰ እብለኩም ኣለኹ።>> ኢሉ ሚሂሩ እዩ። 

ፈያታዊ ዘየማን ሙሉእ ዘመኑ ብሽፍትነት ዘሕለፎ እዩ። ኣብ መፈጸምታ ግና ብፍቃድ እግዚአብሔር  ብየማናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቕለ። መጀመርታ ከም ፈያታዊ ዘጸጋም ይጻረፍ ነበረ፣ ማቴ.27፣44። ዳሕራይ ግና ሠለሰተ ተኣምራት ኣብ ሰማይ፣ ኣርባዕተ ተኣምራት ኣብ ምድሪ ምስ ረኣየ ናብ ልቡ ተመልሰ። ሉቃ.23፣40። ንገዛእርእሱ ነቀፈ፣ ከሰሰ፣ ንብጻዩውን ገሰጾ።

ድሕሪኡ'ውን ብዛዕባ ጐይታ ንጽህና መስከረ። ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ ኢሉውን ለመነ። ብናይ ሰብ ሚዛን ክርአ ከሎ ኣብ መዋእሉ ሽፍትነቱ ዝግበሮ ቅትለትን፣ ዓመጽን ካብ ሰዓት ዓሰርተ ክልተ ክሳብ ሰዓት ሠለስተ ምስቲ ዝገብሮ ዝነብረ ግብሪ እንተዝነጻጸር (እንተዝምዘን) እቲ ናይ ቀደም ግብሩ ምስዛየደ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ፈያታዊ ዘየማን ብንስሓ ምምላሱ እዩ ሚዛኑ ዛይዱ። ነዚ  እዩ ከኣ << ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከምእትኸውን ብሓቒ እብለካ ኣለኹ፣ በሎ።>> ሉቃ.23፣43። ዝብል ቃልኪዳን ዝኣተወሉ።

 ድሕሪ'ዚ ተኣምረ ማርያም ዝነግረና (ዘዘንትወልና) ድኅነት በላዔሰብእ እዩ።  ናይ በላዒሰብ ነፍሲ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ኣብ ፍርዲ ደወ በለት፣ ናይ መጀመርታ ፍርዲ'ውን ተሰምዐ፣ << ነዛ ነፍሲ እዚኣ ናብ ሲኦል ውሰድዋ ትብል፣>> እዚ ፍርዲ እዚ ርቱዕ ፍርዲ  እዩ። ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ረዲኤትን እንትዘይውሰኾ ኔሩ ኣብ ልዕሊ ደቒሰባት ክፍረድ ዝኽእል ዝነብረ እዩ።    

  ብዘመነ ንጉሥ ሕዝቅያስ ንጉስ ሕዝቅያስ ብዝገብሮ ሓጥያት እግዚአብሔር ከምዚ ድማ በሎ ። “ንስኻ ክትመወት ኢኻ እምበር ኣይክትሓውን ኢኻ ..” 2ነገ.20.-1። ኮይኑ ግና ሕዝቅያስ ብንስሓ ተመልሰ ፣ሓዘን ነብዐ፣ እግዚአብሔር ከኣ ንብዓቱ ተቀቢሉ 15 ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ  ዕድሚኡ  ወሰኸሉ። 2.ነገ.20፣5። እታ “ ክትመወት  ኢኻ ።” ዝተባኅሎ  ፍርዲ ናይ ዝቀደመ ሓጥያቱ ፣ ምሕረትን ወሰኽ ዕድመ ድማ ዓስቢ ንስሓኡ ምኻúኑ ዘርኢ እዩ።   

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዔ ሰብ መሓረለይ ኢላ ንወዳ ለመነቶ።ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓለም ዘለዉ ቅዱሳን ሰባት ልመና፣ ስግደት፣ ምውዳቅን ምትሣእን ኃሊዎም ዘይኮነ በቲ ዝቀደም ቃልኪዳና ምሕረት ከምተውኅብ  ከምተማልድ ንምሕባር እዩ። ኣብ ራእይ ዮሓንስ “ ኦ ቅዱስን ሓቐኛን  ጐይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እንዳበሉ ጥርዑ ።” ራእ.6፣10 እንዳበሉ እቶም ብኣጸደ ነፍሲ ዘለዉ ቅዱሳን ከምዘዛኸርዎ ምዝካር ማለት እዩ። ። ምኽንያቱ “ ብጐይታ ዝሞቱ ምውታት ብጹኣን እዮም፣ እወ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም ይብል መንፈስ።” ራእ.14፣13።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ምምላድ በላዔሰብእ ክልተ ነገራት ኣዘኻኺራ እያ። እሱ ከኣ ናይ መጀመርታ ዝገብሮ ጽቡቅ ምግባር እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ብዓቅሙ ፣ ብግዚኡ ከይቆጠበ ዝገብሮ ሠናይ ግብሪ ዋላ ብኣተሓሳስብኡ ንእሽተይ ትምሰሎ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ዓቢ ዓስቢ ኣለዋ። “ ኢየሱስ ቁሊሕ እንተበለ እቶም ሃብታማት ኣብቲ መቀበሊ ምጽዋት መባእ ከውድቁ ከለዉ ረኣየ፣ ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ክልተ ሳንቲም ከተውድቅ ከላ ረኣየ፣ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ካብ ኩላቶም ኣብዚሓ ከም ዘወደቅት ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። ” ሉቃ.21፣1-4። እዚኣ መበለት እታ ዘላታ ዝርካባ እያ ኂባ። ዓቅማ ዝፈቀዶ ዝርካባ ስለ ዝገበረት ከበረት። በላዔሰብ’ውን ድሕሪ ምንስሑ እታ ዝርካቡ ማይ ኂቡ። እታ ክእለቱ ጌሩ እዩ እሞ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ነዚ ኣዘኻኸረት።

 ካልኣይ ድማ ቃልኪዳና ኣዘኻኺራቶ። እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ዝሃቦም ቃልኪዳን ኣይዓጽፍን እዩ። ንህዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ከውጽኦም ከሎ 

“ ናብታ  ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ያዕቆብን ክኅቦም ኢደይ ዝዘርጋሕኩላ ምድሪ ከኣ ከእትወኩም እየ። ንሳ ድማ ንርስቲ ክኅበኩም እየ። ኣነ እግዚአብሔር እየ። ” ዘጻ.6፣-8።

እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰሎሙን ዋላ እንተተቆጥዐ ንዳዊት ዝኣተወሉ ቃልኪዳን ግና ኣይረሰዐን። “ እዚ ስለዝገበርካ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኪዳነይን ሕግታተይን ድማ ስለዘይሓለኻ ነዛ መንግሥቲ ብርግጽ ካባኻ ወሲደ ንጊላኻ ክኅቦ እየ። እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ ነታ መንግስቲ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ፣ ግናኸ ብኹላ ኣይወስዳን እየ፣ ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢዮርሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገር ክኅቦ እየ። በሎ። ” 1ነገ.11፣11-13።  ኣብ ነብየ ዳዊት ሓዲሩ’ውን “ ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ። ” በለ። መዝ.89፣3-4። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወዳ ዝኣተወላ ቃልኪዳን ኣዘኻኸረት። “ ጐይታና’ውን ማሕላይ ኣይርስዕን እየ በላ። ”  ዝኣተኹልኪ ቃልኪዳን ኣይርስዕን እየ ማለቱ እዩ።

 እዚ’ውን “ እግዚአብሔርውን ንዳዊት… ብሓቒ መሓለሉ፣ ብዝመሓለሉውን ኣይጠዓስን እዩ። ” መዝ.132፣11። ኣይጠዓስን ማለት ኣየፍርስን ኣይድምስስን ማለት  እዩ።

በላዒሰብ ዘጥፍኦም ነፍሳትን ዝኃቦ ዕማኾ ማይን ብሚዛን ተምዚኑ። ኣብ ሰማይ ሚዛን ኣሎ ማለት ኣይኮነን ግና ሚዛን ምሳሌ ፍርዲ እዩ። ነብዩ ዳኒኤል ንብልጣሶር  << ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ፣>> ኢልዎ። ዳኒ.5፣27። ኣብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚአብሔር ቀሪብካ ኮይኑ ግና ቀሊልካ ጽቡቅ ግብሪ የብላካን ማለት እዩ። መጀመርታ ናይ በላዔሰብእ ጥፍኣት መዚኑ፣ ኮይኑ ግና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽላላ ምስ ኣውደቀትሉ እቲ ቀሊሉ ዝነበረ ሠናይ ግብሩ ልዒሉ እተን ዝኃበን ዕማኾ ማይ መዚና። ጽላል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ፣-

v “ ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣኽናፍካ የጽልሉ። ”  መዝ.36፣-7። እዚ ማለት ብኽንፊ ረዲአትካ ምሕረትካ ማለት እዩ።

v “ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እነኹ። ” መዝ.57፣-1። ኣብ ምሕረትካን ለወሃትካን ተጸጊዔ ኣለኹ ማለት እዩ።

 

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽላሎታ ኣውደቀትሉ ማለት ኣብ ልዕሊ ኣማላድነታ ቃልኪዳና ተወሲኽዎ ማለት እዩ። “ ሽዑ ኼጥፍኦም ደለየ ተዛረበ፣ ግናኸ ሙሴ እቲ ሕሩዩ ከየጥፍኦም ቁጥዓኡ ምእንቲ ኺመለስ ኣብ  ቅድሚ ገጹ ኣብ ማእከል ቆመ ። ”መዝ.106፣23። እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ብዝገበርዎ በደል ከጥፍኦም ደለየ፣ ኮይኑ ግና ናይ ሙሴ ጸሎትን ኣማላድነት ተቀቢሉ ይቕረ ኢሉሎም። ዋላ እካú እቲ ዝገብርዎ ኃጥያት ናብ ፍርዲ ዘብጽሕ እንተነበረ ናይ ሙሴ ኣማላድነት ግና ዝያዳ ሚዛን ደፊኡ።  

ናይ በላዔሰብእ ነፍሲ ብናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዲኂና። እዚ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ለውሃትን ዘርኢ እዩ። ናይ ፈያታዊ ዘየማን ምሕረት ምርካብ፣ ናይ በላዔሰብእ ገነት ምእታዉ እግዚአብሔር ብንስሓ  ዝሕጸቡን ተጣዒሶም ንዝምለሱ ኩሎም ደቁ ዝኅቦ ኽብሪ ዘርእየና ዓቢ ምስክር እዩ። ናይ  ቅዱሳን ኣማላድነት ማዕረ ክንደይ  ኃይሊ ከምዘለዎ ዘረድእ እዩ። 

ስለዚ እዚ ብምኻúኑ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ምስ መሠረታዊ ናይ ድኀነት ትምህርቲ ዘይጋጮ እካú ድኣ ብዝያዳ ተዛማድነት ሕብረት ዘለዎ ትምህርቲ ምዃኑ ዘረደኣና እዩ።    

 ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ሣህሉን ሰላሙን ይኃበና። ኣማላድነት ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ። ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና!

 

                                                                                                                ወስብሓት ለእግዚአብሔር:

                                                                                                                 ወለወላዲቱ ድንግል:

                                                                                                                ወለመስቀሉ ክቡር:

 

 

አተኩዝኩኪ እግዝእትየ እንዘ እገብር ዝሙተ

ወእትናገር ሐሰተ ፍቅረ ማርያም ድንግል (ዚአኪ ባሕቱ)

ኢይመስለኒ ንስቲተ፣

ሰብዐ ወስምንተ (äወ Üተ) ዘበልዐ ነፍሳተ፣

አኮኑ በሕፍነ ማይ አተወ ገነተ።

               መልከአ ኤዶም

 

አዝክሪ ድንግል

Comments are closed.