በእንተ እመ ብርሃን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾክያ ገና ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከስተንትን ክጅምር ኮለኹ “እዛ ቆይምካላ ዘለኻ ስፍራ ቅድስቲ ኢያ እሞ ናብዚ ኣይትቕረብ ዝብል ድምጺ ብዓውታ ክድሂ ይስምዓኒ “ ብምባል ከም ዝተዛረበ ብዛዕባ እመ ብርሃን ክንጽሕፍ ብርዕና ኣብ ዘልዓልናሉ ጊዜ ናይ ኃጢኣት ኣሳእንና ካየውጻእና ናብኣ ክንቀርብ ከም ዘይግብኣና ይምዕድና። ሰብን መላእክትን ነጊሮም ክውድእዎ ዘይከኣሎም  ምስጋናኣ ክንነግር […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።   ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ሰባት እግዚአብሔር ምስኦም ዝኾነ ንረክብ። ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ ንምጥቃስ ፣ ኣብ መጽ.መሳፍንቲ6፣12። ንእኡ ድማ መልኣኽ ተራእዮ። ኣታ ኃያል ጅግና እግዚአብሔር ምሳኻ እዩ። ከኣ በሎ። ይብል። እዚ ኃይለ ቃል ዝተነግሮ ጊዶዎን እዩ። አስዒቡ'ውን አብ መሳፍንቲ 6:16 እግዚአብሔር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ። ብምባል እቲ ንሱ ዝገብሮ ተግባር ነጊርዎ አሎ። ሰብ ስኬም እውን ንኣብርሃም "ንሳቶም ድማ በሉ፡ እግዚአብሔር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና..." ኢሎሞ አለዉ። ዘፍጥረት 26:28-29. ብተወሳኺ አብ 2ይ ሳሙኤል 7:3 "ናታን ከኣ ንንጉሥ፡ እግዚአብሔር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ ከምዝበሎ ነንብብ። ነብይ እግዚአብሔር ኤርምያስ'ውን ቆልዓ እየ አብ ዝበለሉ፡ "ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚአብሔር። ኤርምያስ 1:8" ክብል ፍርሃቱ ዝድምስስ ትብዓት ዘልብስ ቃላቱ አስኒቅዎ። እዚኦም ኩሎም እግዚአብሔር ምሳኻ ኢዩ እኳ እንተተባህሎም፡ እግዚአብሔር ምስኦምዝኾነ ብጸጋኡ፡ ብረዲአቱ፡ ብጉስነቱ፡ ብሓልዮቱ ኢዩ።  እዚ ንወላዲተ ኣምላክ “እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ!” ተባሂሉ ዝተነግራ ግን ከም ናይ አብርሃም፡ ከም ናይ ይስሓቅ፡ ከም ናይ ያዕቆብ ወይ ከም ናይነብያት አይኮነን። አቀድም አቢሉ እግዚአብሔር ከም ልበይ ዝበሎ ንጉስ ዳዊት "ቀደሰ ማሕደሮ ልዑል። እግዚአብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሃወክ።ልዑል መሕደሪኡ ቀደሰ፥ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጣ ኢዩ’ሞ ኣይክትናወጽን ኢያ።" ክብል አብ መዝ 46፡5 ዘሚሩላ ነይሩ። ነቲ እግዚአብሔር አብማእከላ ኢዩ ክብል ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ከጽንዕ መልአከ ብርሃን ቅዱስ ገብርኤል እግዚአብሔር ምሳኺ ኢዩ ኢሉዋ። ቅድም ብጸጋ ሓዲሩዋ ነይሩጸኒሑ ድማ አካላዊ ቃል ካብ ሥጋአ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ አብ ማህጸና ሓዲሩ ሰብ ብምኻኑ፡ ነቲ ቅድሚ ትስብእት ዝተነግረ እግዚአብሔርምሳኺ ኢዩ ዝብል ቃል ቅዱስ ገብርኤል ፍጻሜ ረኺቡ። ብተወሳኺ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ክብላ ከሎ፡ ፍቓዱ ምስ ፍቓድኪ ኢዩ። ሓሳቡ ምስሓሳብኪ ኢዩ። ድላዩ ምስ ድላይኪ ኢዩ። ንምባል እዩ። ብሓቂ’ ውን ፍቓድ እግዚአብሔር ምስ ፍቓድ ወላዲተ አምላክ ምስተጋጠመ እቲ ትንቢትዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቆጽረሉ እንኮ ወዱ ብተዋሕዶ ተወሊዱ። ስለዚ እግዚአብሔር ምስ ወላዲተ አምላክ ምዃኑ ካብን ክሳብን ዝበሃሎ አይኮነን።   ላእከማርያም ዘደብረብርሃን ግንቦት ፲፱, ፳፻፰

Continue reading

ዳግማይ ትንሣኤ

ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላምንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ።  ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጎስን ምስ ነገርዎ። << ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ  ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ'ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።>> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ  ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም […]

Continue reading

ቀዳም ስዑር

ቀዳም ስዑር÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኩሎም ፍጥረታቱ ምስ ፈጠረ ፈጺሙዘዕረፈላ ክብርቲ ዕለት እያ። ናይ ጥንቲ ወይ’ውን ናይ መጀመርታ በኹሪ ናይ በዓላት ስለ ዝኾነት ከኣ ቀዳመይቲ ሰንበት ተባሂላ ትጽዋዕ። ዘኽበራን ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝመደባን  ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ። ብኻልእ ወገን ቀዳመይቲ ብዝበሎ ድማ ካልኣይቲ ሰንበት ንሳውንሰንበተ ክርስትያን ቅድስት ከም ዘላ የመልክት። ድኃር ኣብ ሓዲሽ እንኾነ እቲ ናይ 5500 ዘመናት ክፍጸም ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ ብናይ ተወላድነትግብሪ ስሙ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከም ሰብ ቀስ ብቐስ ዓበዩ፥ ኣብ መወዳእታ ንዓለም ኩሉ በጃ ኣብመልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ምድኃን ተግባሩ ብዕለተ ዓርቢ ምስ ፈጸመ ኣብ ሓዱሽ መቓብር ኣዕሪፉ ዝወዓለላ እውን እዛ ዕለት ማለት ቀዳሚትሰንበት እያ። ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ጥራይ ከኣ ቀዳም ስዑር እናተባህለት ትጽዋዕን ትኸብርን። ስዑር ዘብላ ኣብዚ ሳምንትክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ንዝተቐበሎ ስቓይን መከራን እናሓሰብና ንጾማን ብኃዘን ንውዕላን ስለ ዝኾነት እዩ። ቀዳሚት ሰንበት ኣብቲ ካልእ ጊዝያትብደስታን ብምስጋናን ብዘይ ሙጻም ክትከብር ከላ፥ ኣብዚ ሳምንትዚ ግን ንሕማማተ መስቀሉን ሞቱን እናዘከርና ብምኅዛን ብጾምን ጸሎትን እያእትኸብር። እዚ ከኣ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ጀሚሩ እናተተሓሓዘ ዝመጸ ቅዱስ ትውፊት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ ካብ ሓዋርያትወገን ዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ ያዕቆብን’ውን ካብ ኃዘኖም ዝተላዕለ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ክብሩ ከይርኣና እኽሊ ኮነማይ ኣይንጥዕምን ኢሎም ብጾምን ጸሎትን ኣሕሊፎምዋ እዮም።   ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳዕ ዓርቢ ስቕለት ብጾምን ጸሎትን ስግዳንን ዘሕለፉ ምእመናን በዚ ዕለት ኩሎም ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይእከቡ፡፡ ካህናት ኣቦታት ከኣ ከም ሥርዓቱ ናይ ነግህ ጸሎቶም የብጽሑ እሞ ድኅሪዚ «ገብረ ሰላመ በመስቀሉ፡ ብቅዱስ መስቀሉ ሰላም ገበረ፥ኣዳም ምስኣምላኹ ተዓረቐ።» እናበሉ፥ኣብ ዘመነ ኖኅ ርግቢ «ሐጸ ማየ ኣይኅ˝ ነትገ ማየ ደምሳሴ» ክትብል ናይ ብሥራት ምልክት ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ከምዝተራእየት፥ ንጻድቕ ኖኅውን ከም ዝሃበቶ፥ ንሱ ድማ ተቐቢሉ፥ ማይ ኣይኂ ካብ ምድሪ ምጉዳሉን ምድራቑን ከም ዝፈለጠ ዘፍ.9-1-29፥ እዞም ናይዛ ርግቢ ምሳሌ ዝኾኑ ካህናት ኣቦታት’ውን ከምኡ ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየ መርገም ጎዲሉ ጠፊኡ፥ ሞት’ውን ተወጊዱልናክብሉ ናይ ብሥራት ምልክት ሰቲ ኂዞም ይርኣዩ፥ ምስ ዲያቆናቶም ደወል እንዳደወሉ ናይ ኖኅ ምሳሌ ንዝኾኑ ምእመናን ድማ ነዚ ናይ ብሥራትምልክት ዝኾነ ስቲ ይዕድልዎም። ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይተረኽቡ ምእመናን ከኣ ልብሰ ተክህኖኦም ብምልባስ እናዘሩ ይዕድልዎም። እቶም ምእመናንድማ ከምቲ ጻድቕ ኖህ ካብቶም ካህናት ኣቦታት ነቲ ዝዕድልዎም ናይ ብሥራት ምልክት ይቕበሉ። በዚውን ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየመርገም ምጥፍኡ ይፈልጡ። እዚ ትንሣኤ ንምርኣይ ዓቢይ ብሥራት ስለ ዝኾኖም ከኣ ባህ ይብሎም። ንርእሱ ኣክሊለ ሦክ ደፊኡ ንዓታቶም ኣክሊለ ብርሃን ኣክሊለ ክብሪንዝደፍኣሎም ምስክር ከኣ ኣብ ኣራእሶም ይኣስርዎ። ኣብ ዕፅ ሕይወት ዕፅ መድኃኒት ዕፅ ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ ንዝዘለዎም ጽኑዕእምነት ንምግላጽ ከኣ ብናይ መስቀል ምልክት ……ወዘተረፈ ንዝተገብረሎም ውዕለት ብዘንጸባርቕ መገዲ ዝተፈለለየ ምልክት በቲ ሰቲ ገይሮምይሰርሑ። ኣምላከ ቅዱሳን ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና ብረዲኤቱውን ዘይተፈለየና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ንብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ብሰላም የርእየናን የብጽሓናንኣሜን። ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። ኣሜን። እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።                                                                          ወስብሐት ለእግዚአብሔር።                                                                        ወለወላዲቱ ድንግል። […]

Continue reading

ዕለተ ዓርቢ÷

“ ውእቱሰ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ። በእንቲአነ ሐመ ወንሕነ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ ብሕማም ፣ወውእቱሰ ቈስለ በእንተ ኃጢአትነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ፣ ትእምርተ ሰላምነ፣ ወበቊስለ ዚአሁ ሐዩነ ቊስልነ   ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና […]

Continue reading

ዕለተ ኃሙስ

እዛ መዓልቲ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝተፈላለ ስያሜ ዘለዋ ዕለት እያ። 1.ሕጽበተ እግር÷ ኃሙስ በዚ ስም እዚ ክትጽዋዕ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥ ብባህሪኡ ክቡር ልዑል ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት ዓለባኡ ተዓጢቑ ናይ  ሓዋርያቱ ኣእጋር ብምሕጻብ ፍጹም ንዝኾነ ትሕትናኡ ዝገለጸላ ንሕና’ውን ኣብ ንሓድሕድና  ከምቲ ዝገበሮ ብምግባር ኣርኣያኡ ተኸቲልና ትሕትናምእንቲ ከነርእን ትሕትና ንጸላኢ ድያብሎስ እንስዕረላን ዝሽነፈላን ዓባይ መንፈሳዊት መሳርያና ብምዃናውን ክንለብሳ ከም ዝግባእ ትምህርቲ ዝሃበላመዓልቲ ስለ ዝኾነት እዩ። ንሱ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ኣቦታትና ካህናት ናተይን ናይ ምእመናን ኃጢኣት በደልና ሕደገልና፥ ሕጸበልና ክብሉ ደኒኖም ኣእጋርና ዝሓጽብዎ እዩ። ዮሓ.13፤4-15። 2.ጸሎተ ኃሙስ÷ እዚ ስያሜ በዛ ምሸት እዚኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ ቅድሚ ምትሓዙ ናብ ጌቴሴማኒ እትበሃል ቦታ ከይዱ ንዝጸለዮ ጸሎት ዘዘክር እዩ።"ሎቱ ስብሐት"ጸሎቱ ግና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብተግባርንዓና ኣርኣያ ንምዃን ኢሉ እምበር ስለ ርእሱ ኣይነበረን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ጾመ ጸሎት ኣብ ሕይወትና ዝህቦ ረብሓ ክንደይ ዓቢዪምዃኑ ንምርዳእ ተመሳሳሊ ከምዚ ብዙሕ ጊዜ ባዕሉ ኣብነት እናኾነ ምሂሩና እዩ። ማቴ.26፤36። ዮሓ. 17፤1። ምኽንያቱ ኣብ መጻሕፍቲ ነብያት " ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩ ኪኾኑ እዮም።" ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝኾነ።  ዮሓ.6፥45።ኢሳ.54፥13። ዕለተ ምሥጢር÷  ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ንዓለም ኩሉ ሕይወትን መድኃኒትን ዝኸውን መለኮታዊ ሥጋወደሙ ማለት እቲ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቁርባኑ ዝሥርዓልና በዛ መዓልቲ እዩ ማቴ.26፥26-28። ቅዱስ ቁርባን ከም ዝተባህለ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ምሥጢር እዩ። ምሥጢር ዘብሎ ከኣ ኣብ ማቴ.26፥26-28። ተነጊሩና ከም ዘሎ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ንድኅነት ዓለምን ሥርየትኃጢኣትን ኣብ መልዕልተ መስቀል ቅድሚ ምስቃሉ በዛ መዓልቲ ማለት ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ምሸት ኃሙስ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዘምጽእሉ እንጌራዘይሓረረን ዘይነቕዐን መሪጹ ኣልዒሉ፥ ቀደሰ ማለት ኣመስገነ ስለ ዝኾነ፥ ድኃር ከምዚ ሎሚ ዝፍጸመልና ዘሎ ብሥርዓተ ቅዳሴ ክወሃበና ምዃኑንምርዳእ እዩ። ኣመስጊኑ ብምኽባር ቆሪሱ፡ ነቲ ኅብስቲ ናብ ኣማናዊ (ሓቀኛ)ሥጋኡ ቀይሩ፥ ነፍሲ ዝተፈልየቶ መለኮት ዝተዋሃሃዶ፥ ኣብን መንፈስቅዱስን ድማ ህልዋን ዝኾንዎ ትኩስ ሥጋ " እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩ ብልዑ። " እናበለ፥ ከምኡ ነቲ ወይኒ ድማ ኣመስጊኑ ባሪኹ ናብ ኣማናዊ ደሙለዊጡ ማለት መለኮት ዝተዋሃሃዶ ትኩስ ደም ጌይሩ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ኻብዚኩልኹም ስተዩ። " እናበለ ስለ ዝሃቦምን ዝሃበናን እዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣብ ክንዳና ንድኅነትና ዝቑረስ ናይ ጐይታ ቅዱስ ሥጋን ዝፈስስ ክቡር ደሙን፣ዝፍጸም ኣብ ዕለተ ዓርቢ እናሃለወ፣ ብምሥጢር ግን ንሱ እቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝቑረስ ሥጋኡን ብዕለተ ዓርቢ ዝፈስስ ደሙን ኣብ ምሴተ ኃሙስ ስለዝሃቦን ዝሠርዖን እዩ። እዛ መዓልቲ ናይ ምሥጢር ዕለት ዘብላ ከኣ በዚ ምኽንያት እዩ። ካልእ ቅዱስ ቁርባን ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋ እግዚአብሔር ዝርከቦ ስለ ዝኾነ ምሥጢር  ይበሃል። ምስዚ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ«ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ።» ካብዚ ኩልኹም ስተዩ።"ብዝበሎ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ መዓልቲ ናይ ኦሪት ዝነበረ መሥዋእቲ እንስሳ ኣትሪፉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥጋን ደምን ብምትካእ ሓዲሽ መሥዋእቲ ናይሓዲሽ ኪዳን ዘቕረበላ ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት ኃሙስ ዘሓዲስ ኪዳን ማለት ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኃሙስ ዝብል ስያሜ’ውን ኣለዋ እዩ። ናይነጻነት ኃሙስ፡÷"  ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኃጢኣት ዝገብር ዘበለ ንሱ ባርያ ኃጢኣት እዩ::"ከም ዝተባህለ ዮሓ.8፥34። ደቂ ሰባት ብኃጢኣትና ምኽንያት ኣብትሕቲ ኣርዑት ባርነት ናይ ጸላኢ ድያብሎስ ተቖሪና ንዘመናት ክንሳቐ ንነብሩ ነበርና እሞ፥ ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ሰዓቱ ምስ በጽሐ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ብምግላጽ በዛ መዓልቲ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረብሉ እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ "እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩብልዑ።"ኢሉ፥ […]

Continue reading

እዛ መዓልቲውን ከምተን ካልኦት ናታ ዝኾነ ስያሜ ዘለዋ ኮይና ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ። እዚኣ ድማ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጐይታና መድኃኒናኢየሱስ ክርስቶስ  ብቅንኣት መንፈስን ክፉእ ሓሳብን ተላዓዒሎም ሒዞም ክቐትልዎ ንዝገበርዎ ክፉእ ምኽሪ እተዘኻኽር እያ። ማቴ.26፤1-5።ማር.14፤1-2 ። ኣይሁድ ነዚ ክፉእ ምኽሪ ዝጀመርዎ ካብ ዕለተ እሑድ ሠርክ እዩ። ብዝተፈለየ ምኽንያት ሓሳባት እናፈረሰ፥ ከምኡ’ውን ሰዓቱ ስለዘይበጽሐ ብዘይሓደ ፍረ ክበታተኑ ቀንዮም ምኽሮም ዝጸንዓሎም ማለት ዝተሰማምዑ ግን ኣብዛ ዕለት እዚኣ ረቡዕ መዓልቲ እዩ። ረቡዕ ኣብቲ ካልእወቕቲ ሓንቲ ካብቲ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኮይና ብሙጻም "ኦ ኣምላኽ ንልቦናይ ካብ ክፍኣትን ተንኮላትን ምስ ኣይሁድካብ ምሕባርን ሓልወለይ። ከም ድማ ኣብ ልዕለይ  ካብ ዝሕሰብ ክፉእ ሓሳባትን እከይ ውዲታትንውን ኣድኅነኒ።" እናበልና ሰሙናዊ እነኽብራፍልይቲ ዕለት ምዃና ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ምእንቲዚ እምበኣር እዛ መዓልቲ ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ።  ካልእ ጥዑም መዓዛ ዘለዋ መዓልቲ’ውን ትበሃል እያ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን እቲ ለምጻምተቐሚጡ ከሎ፥ ሓንቲ ምሉእ ሕይወታ ብኃጢኣት ዝሙት ትነብር ዝበረት ሰበይቲ ብኃጢኣት ምኽንያት ጥዑም መዓዛ ቅድስናኡ ርሒቕዎ ንዘሎዝረኸሰ ሕይወተይ ከምዚ ጽቡቕ ሽቱ ጥዑም መዓዛ ቅድስና ከተልብሰኒ ዝከኣለካ እዩ፥ እሞ ኣንጽሃኒ ክትብል ክቡር ቅዱይ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ መጺኣ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ስለዘቕረበት እዩ። ናይ ንብዓት መዓልቲውን ይበሃል። ከመይ እዛ ሰበይቲ ምስዚ ኩሉ ብኃጢኣታን በደላን ኣሚና ንክኃድገላ ንብዓታ ከም ውሑጅ ኮይኑ ክፈስስ እግሩእናኣጠልቀየ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት ተደፊኣ ብምልማን ናይ ልባዊ መሥዋእቲ ንብዓት ድማ ኣቕሪባ እያ። ምሉእ ታሪኹ ማቴ.26፤6-13።ማር.14፤3-9። ዮሐ.12፤1። ንርአ። በዚ ከኣ ምሕረት እግዚአብሔር ንምርካብ ናይ ገዛእ ርእስና ኃጢኣትን በደልን እናሓሰብና ንኣምላኽ ባህ ዘብል ዝተፈትወ ናይ ንብዓት መሥዋእቲከነቕርብ ከም ዝግባእን ከም ዘሎናን ምምሃር እዩ። ዕለተ ኃሙስ÷……ይቕጽል…… ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።                                                                          ወስብሐት ለእግዚአብሔር።                                                                        ወለወላዲቱ ድንግል።                                                                        ወለመስቀሉ ክቡር።   ዲን.ዓምደማርያም

Continue reading

ናይዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙነ ሕማማት ዘሎ ዕለታት ስያሜን ኣብኣቶም ዝተገብረ ፍጻሜታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ከምዚ ዝስዕብንመልከት÷፡ ሰኑይ ÷እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ ከምኡውን ርግመተ በለስ ዝተፈጸመላ ዕለት እያ ማቴ.21፥18-19። ማር.11፥11፣-1.14። ማቴ.21፥20-22። ማር. 11.20-24፡፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለተ ሆሣዕና ኣብ ቢታንያ ሓዲሩ ንጽባሒቱ ንቢታንያ ሓዲጎም ክወጽኡ ኸለው ጠመየ። "ወበሳኒታ ወፂኦእምቢታንያ ርኅበ ወርእየ በለሰ እምርኁቅ ወባቲ ቈጽለ ወሖረ ይርአይ እመቦ ዘይረክብ ፍሬ በውስቴታ ወበጺሖ ኀቤሃ አልቦ ዘረከበ ዘእንበለ ቈጽልባሕቲቱ እስመ ኢኮነ ጊዜሁ ለበለስ።"ይብል። ብርሑቕ ድማ ቆጻል በለስ ረኣየ፥ ምናልባሽ ፍረ እንተረኸበላ ኺርኢ ናብኣ ኸደ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተዋሃሃዶ ሥጋ ምኽንያትክህብ ስለ ዝደለየ እዩ እምበር ገና ናብኡ ቅድሚ ምኻዱ ኣቐዲሙ ንሳ ፍረ ከም ዘይብላ ዘይፈልጥ ኮይኑ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን ምናልባሽ ፍረ እንተረኸበላኺርኢ ናብኣ ኸደ ዝበሎ። ኣብኣ ምስ በጽሐ ከኣ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ ብዘይካ ቆጽሊ ገለ እኳ ኣይረኸበላን።   ማር.11፤12-13። ሽዑ"ደጊምካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ።"ኢሉ ረገማ። እታ ኦም በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማቴ.21፥19። ናይዚ ምሳሌ መንፈሳዊ ትርጉም ድማ÷ በለስ ናይ  ቤተ እስራኤል፥ቆጽልን ፍሬን ከኣ ናይ ሃይማትን ምግባርን ምሳሌ እዩ። ኢሳ.5፥1-7። ሉቃ.13፥6-9፡፡ እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታናን ምእንቲ ድኅነትናን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ብሓጺር ቁመት ኣብ ጸቢብ ደረት ብፍቓዱ ኣብ ማሕፀን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግልማርያም ተወሲኑ፥ ካብኣ ብዝወሰዶ ነፍስን ሥጋን ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ተገሊጹ፣ ከኣ ወንጌል መንግሥቱ እናመሃረ ከሎ ፍቕርን ጽድቅን ሰባትጠመየ፥ ንቤተ እስራኤል ከኣ ኣብዛ ዓለም ረኸበ። ሽዑ ፍቕሪን ምግባረ ጽድቅን ደልዩ ናብ ቤተ እስራኤል መጸ፥ እንተኾነ እስራኤል ምባል ጥራይእምበር ፍረ ጽድቂ ኣይረኸበላን፥ ደጊም ካባኺ ፍረ ኣይረኸብ ኢሉ ድማ ረገማ። ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማለት ኣብ ዘይምፍራይ ጸንዐት። ከምኡውን በለስ ዝበላ ኃጢአት እያ። በለስ ቆጽሉ ሰፊሕ ከም ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታናን ምእንቲ ድኅነትናን ካብ ሰማየሰማያት ወሪዱ ብሓጺር ቁመት ኣብ ጸቢብ ደረት ብፍቓዱ ኣብ ማሕፀን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሲኑ፥ካብ ብዝወሰዶ ነፍስን ሥጋንሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም እንተ ተገልጸ፥ ኃጢአት ኣብዚ ዓለም ሰፊሓ ሰልጢና ረኸባ፡፡ ፍረ በለስ ክትበልዖ ንጊዚኡ ጥዑም እዩ፥ ዳኅራይ ግና ይጉምድድእዩ፥ ኃጢአት ድማ ንጊዚኡ ክትፍጽሞ ደስ የብል፡ዳኅራይ ግና ዘጣዕስ እዩ። ናብኣ ከደ ማለት ምስ ኃጥአን ይበልዕ ይሰቲ ምሳኣቶምውን ይኸይድ እናበሉ ይወቕስዎ ይኸስዎ ከም ዝነበሩ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስንዓታቶም ኃጥአን ኢኹም ኢሉ ከይተጸየፈ ምስኣቶም ንምውዓሉ ዘመልክት እዩ። ኃጥእ ደኣ ተባህለ እምበር ፈጺሙ ኃጢአት ዘምግባሩ ንምርኣይ ከኣፍረ ኣይረኸበላን በለ። ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ ማለት ብኣኺ ብኃጢአት ተታሒዙ ኩኑን ኮይኑ ዝተርፍ ሰብ ኣይረኸብ ንምባሉ ዘርኢእዩ፡፡ምስ ተረግመት ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማለት ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ"ብመንጽር ኦም በለስ  ንኃጢአት ረገማ"ኢሉ ተርጉምዎ ከም ዘሎ፥ኣብልዕሊ ኣዳም ሰልጢና ዝረኸባ ኃጢኣት ሽዑ ንሽዑ ብእኡ ብክርስቶስ ምጥፋኣ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት ነዚ ዝመስል ዓቢይ መልእኽትንፍጻሜን ዘለዋ ክብርቲ እያ። ብምቕጻል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤተ መቅደሰ እዩ ከይዱ፡፡ እንተ ኣተወ ከኣ እቲ ቤተ መቅደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕትምዃኑ ተሪፉ ነዚ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግዲ፥ቤተ መሸጣን ጓሓሉን ጌሮምዋ ጸንሕዎ። ሽዑ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ "ቤትየሰ ቤተጸሎት ትሰመይ" ቤተይ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ።" ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጓሓሉት ገበርኩምዎ። "ኢሉምሃሮም ንኹሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅደሱ ክኣቱን ክግበርን ዘይግባእውን ካብኡ ኣርሓቖ ማር. 11፤17-19።,ማቴ፣21፥12-13። […]

Continue reading

ዕለተ ሠሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ ብምባል ትፍለጥን ትዝከርን። እዚ ከኣ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘሓተትዎ ዘመልክት እዩ። ንሱ ድማ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ነቶም ንቤተ መቕደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕት ምዃኑ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግድንቤተ መሸጣ ጓሓሉን ጌሮምዋ ዝጸንሕዎ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ብምግሳጽ ምስ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደሱ ዝገብርዎን ሒዞምዎን ዝነበሩዘይግባእ ነገራት ኩሉ ካብኡ ኣውጺኡ ሰጊጉዎምን  ኣርሒቕዎን ነበረ እሞ፥ ድኃር ከም ብሓዱሽ ናብ ኢዮሩሳሌም ተመሊሱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩእናመሃረ ከሎ፥እቶም ሊቃነ ካህናትን መማህራን ሕግን ሽማግለታት ሕዝብን መጺኦም "  በየናይ ሥልጣን እዚ ነገራት እዚ ትገብር ኣሎኻ᎒ ወይ ከኣ ነዚ ነገራት እዚ ንምግባር ሥልጣን ዝሃበካ መን እዩ᎒" ኢሎም ዝሓተትዎ እዩ።  ማር.11፥27-33። ማቴ.21፥23-27። ሉቃ,20፥1-8። እዚ ከኣ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ካብ ምድራውያን ነገሥታት ኣይኮነን ናይ ሌዋውያንክህነትውን የብሉን፥ እሞ ነዚ ኩሉ ነገራት ክገብር ሥልጣን ዝሃቦ ደኣ መን እዩ᎒ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ እዩ። ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ብዝተፈላለየ ንዕኦምብዝርድኦም መገዲ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ መንነቱ፥ ሥልጣኑ ካበይ ምዃኑ ገሊጽሎምን ነጊርዎምን እዩ።ይኹን እምበር ንሳቶም ግን ክቕበልዎን ኣሚኖምክስዕብዎን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ስለ ዝኾነ ከኣ ከምዚ ኣብ ሕይወቶም ዘይትርጎም ሕቶታት የቕርቡ ነበሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ውሽጦም ስለ ዝፈለጠ ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ፣ " ኣነውን ሓንቲ ነገር ክሓተኩም መልሱለይ፥ ኣነ ኸኣ በየናይ ሥልጣን ነዚ ነገራት እዚከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ናይቲ ኣቐዲሙ ክብረይ ዝገለጸ፥ ባሕርየ ኣምላኽነተይ ዝመስከረ፥ መንነተን ንምፍላጥ ኩሉ ድማ መንገዲ ዝኾነዮሓንስ ካብ ሰማይ ድዩ ነይሩ ወይ ካብ ሰብ᎒ መልሱለይ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም።" ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፥ ከመይ ደኣ ዘይኣመንክምዎክብለና እዩ፥ ካብ ሰብዶ ክንብሎ᎒ እናበሉ ተኻትዑ። እንተኾነ ኹሎም ንዮሓንስ ብሓቂ ከም ዓቢይ ነቢይ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ነቲ ሕዝቢ ፈርሁ። ስለዚንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣይንፈልጥን " ኢሎም በለስሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣይፈልጥን ኣይበለን ግን" ኣነውንበየናይ ሥልጣን ነዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ። "በሎም።  ከምዚ ዝበሎም ከኣ ውሽጦም ስለ ዝፈለጠን እቲ ዘቕረበሎም ሕቶ ድማ ከም መልሲ ኮይኑውን ስለ ዝርአን እዩ። እቲ ናባና ዝቐንዐ መልእኽቱ ከኣ፥ ከምቲ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት ምኽሪ ክፉኣት ዘይሰምዕ፥ ብመንገዲ ኃጥኣን ከኣ ዘይከይድ፥ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፥ እኳደኣ ንሕጊ እግዚአብሔር ብምእዛዝ ዚሕጎስ፥ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ እዩ።"ዝበሎ መዝ.1፥1-2። ካብ ናይዞም ሊቃነካህናትን መማህራን ሕግን ሽማግለታት ሕዝብን ከንቱነትን ካብ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ሕይወት ዘይህብ ነገራትን ምርሓቕ ከም ዝግባና እዩ። ካልእ በዛ ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ኣትዩ ነዊኅን ስፍሕ ዝበለ  ትምህርትን ዝመሃረላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት ናይ ትምህርቲ ዕለተ ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ እያ። መልእኽታ ከኣ ካብ ሃይማኖትን ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ንዝረሓቑን ዝተፈልዩን ኣስተምህሮ ሂብካ ክቐርቡ ምግባር፥ ነቶም ብሃይማኖት ዘለው ድማብምግባር ደሚቖም ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ከም ዘለዎ ምምካር ከም ዝግባእ  እዩ፡፡ ዕለተ ረቡዕ፡- ……ይቕጽል…… ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን […]

Continue reading

ሰሙነ ሕማማት

ብሓፈሻ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወቕቲ ናይ ዓቢይ ጾም ዚምልከት ኣብ ዝሓለፈ ብመጠኑ ምጥቃስና ገለ ካብኡ እውን ኣብ ውሽጡ 55 መዓልታት፡ሸሞንተ ሰናብቲ፡ሠለስተ ድማ ምድባት ዘለዎን ዚሕዝን ምዃኑ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።55 መዓልታት ካብ ዘወረደ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤ ዘሎዕለታት ቆጺርካ ክኸውን እንከሎ፥ ሸሞንተ ሰናብቲ ከኣ ካብ ዘወረደ ክሳዕ ሆሣዕና ዘሎ እዩ። እቲ ሠለስተ ምድባት ድማ÷ v ሓደ ምድብ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መእተዊ ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከብ ሳምንት ኮይኑ፥ ዘወረደ ወይውን ጾመ ሕርቃል ዝበሃል እዩ። v ካልኣይ ምድብ ከኣ እቲ ካብ ቅድስት ጀሚሩ ክሳዕ ሆሣዕና ዘሎ ሳምንታት ኮይኑ፥ ናይ ጐይታ ጾም ወይውን ጾመ ኣርብዓ ዝብል ስያሜ ዘለዎ እዩ። v እቲ ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ምድብ ድማ ካብ ሆሣዕና ሠርከ ጀሚሩ ክሳዕ ለይቲ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ማለት እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንት ኮይኑ፥ ሰሙነ ሕማማት ከኣ ይበሃል። ኣምላከ ሰላም ኣምላከ ምሕረት ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና ንዘለዓለም ስሙ ይኽበር ይመስገን ኣሜን።         ሰሙነ ሕማማት እዚ ሳምንት እዚ ከም ዝተባህለ ካብ ሆሣዕና ሠርከ ክሳዕ ለይቲ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ኮይኑ፥ ካብቲ ካልእ እዋናት ብፍሉይ ንዓመተ ፍዳ ንዓመተኩነኔ፥ ንሕማማተ ክርስቶስን ፍቕሩን  ዝዝከረሉ ጊዝያት እዩ። ዓመተ ፍዳ ዓመተ ኩነኔ ዝበሃል ድኅሪ ውድቀት ኣዳም፥ ንሱን ዘርኡን ኣብ ሲኦልባርነት፥ ብማእሥሮ ናይ ሰይጣን ተታሒዞም ን5500 ዘመናት ዚኣክል ብእግሪ ኣጋንንቲ እናተረገጹን ስቓይ ጸኒዕዎም ብዙኅ መከራ እናተቐበሉንዝነብርዎ ዝነበሩ መሪር ሕይወት እዩ። ሰሙነ ሕማማት ወይውን ናይ ሕማማት ሳምንት ድማ "ሰሙን+ሕማማት ዝብሉ ድምር ናይ ክልተ ቃላትኮይኑ፥"ሰሙን ማለት "ሰመነ" ሸሞንተ ገበረ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ክኽውን እንከሎ ሕማማት ዝብል ድማ ንብዝሓት ዘመልክት ኮይኑ «ሐመ» ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ(ቃል) ዝተረኽበ እዩ። ንናይ ጐይታ ሕማማቱ ከኣ የመልክት። ቅድሚ ዝኾነ ኣብዚ ሕማማት ክንብል እንከሎናግን ክርስቶስ ጐይታ ደቂ ሰባት ምእንቲ ክድኅኑ ምእንታናን ስሌናን ክብል ብፍቓዱ ንዝተቐበሎም ጸዋትወ መከራ ዘመልክት ደኣ እምበር፥ ናይ ሰብነትቅርጥማት፥ ናይ ርእሲ ፍልጸት ወይ እውን ናይ ከብዲ ቁርጸት ከም ዘይኮነ ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ። እዚ ሳምንት እዚ ንዓና ፍሉይ እዩ። ብምዃኑ ከኣኣብ ውሽጢ'ዞም ዕለታት እዚኣቶም ማለት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙኅ ኣዝማደ መባልዕት ኣይብልዑን። ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ኣብዚሕካ ይስገድ፥ ክሳዕ ጸሓይ ዕርበት ወይውን ከዋኽብቲ ክሳዕ ዝረኣዩ ድማ ይጽወም። ምሉእ ሰሙን ነናይ ዕለቱ ስለ ንናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት፥ መከራ መስቀሉ ኩሉ፥ ሞቱ ብዕምቆት ዘዘክሩ ንባባት ካብቅዱሳት መጻሕፍቲ እናተነበ ይቕኒ። «ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብየማን ኣምላኽ (ኣብ ዘባነ ኪሩብ ብልዕልና) ዝተቐመጠ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት:: » እብ.12፥2። ከም ዝተባህለ ከኣብዝበለጸ ኣብዚ ወቕቲ ናይ መከራ መስቀሉ ነገር ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ብምቕራጽ ነዚ እናሓሰብና ንነብዓሉ ሓዘና እንገልጸሉ ሳምንት እዩ። ምሕዛናኮነ ምብካይና ግና፥ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ነተን ስለ እቲ ዝበጽሖ ዝነበረ ኣሰቃቒ መከራን ጽኑዕ ስቓዩን ርእየን ዋይዋይ ኢለን እናበኸያሉ ደድኅሪኡዚስዕባ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ናብኣተን ግልጽ ኢሉ" ኦ ኣዋልድ ኢዮሩሳሌም፥ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር ምእንታይሲ ኣይትብከያ። »ዝበለን፥ ከምኡ ንሕናውን ንዝነበረ ውድቀትናን ዘሎ ድኻማትናን እናዘከርና ምእንቲ ርእስና ምእንቲ ወገናትና ብኃጢኣትና ደኣ ክንበክንክንሓዝንን ይግባእ እምበር ምእንቲ ክርስቶስ ኢልና ኣይኮነን። ከመይሲ ክርስቶስ ነዚ ኹሉ መከራ ስቓይ ዝተቐበለ ስለ መን እዩ᎒ ኢልና እንተ ደኣሓሲብና፥"ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥…ብሰሪ ገበንና ቖሰለ፥ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፥ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። »ከም ዝተባህለ። ኢሳ.53፥4-5። ኣብ ክንዳናን ስሌናን እዩ። ንሕና እንተ ዘይንብድልእዚ ኩሉ መከራ ስቓይ እዚ ኣይምበጽሖን። ዝተገብረልና ዓቢይ ውዕለትን ናይ መስቀሉ በጃነቱን እናዘከርና ምእንቲ ርእስና እንሓዝነሉ እንበኽየሉሳምንት እዩ ማለትና እምበኣር ምእንትዚ እዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ነቶም ንዝገበረሎም ውዕለቱ ዘንጊዖም ዳግም ተመሊሶም ኣብናይ ሥጋ ሕይወት ዝኣተው ሰብ ገላትያ፥ "ኣቱም ድንዙዛት ሰብ ገላትያ። መን እዩ እቲ ዝዓዘመኩም᎒ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል፥ ኣብ ቅድሚኣዕይንትኹምዶ ብግህዶ ከም ሥእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን᎒……ክሳዕ ክንድዚዶ ድንዙዛት ኢኹም᎒ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ ሕጂ ብሥጋክትፍጽሙዶ ትደልዩ ኣለኹም። "ክብል ድኅሪ ብምውቃስ ገላ.3፥1-3። ኣስዒቡ ከኣ" ኣብ ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን (ናትና መርገም ወሲዱ) ካብሕጊ መርገም ኣድኃነና"ብምባል ስቓይ መከራኡ፥ሞቱ ኩሉ ንዓናን ምእንታናን ዝኾነ ምንባሩ ገሊጽሎም እዩ።  ገላ.3፥13-14።  "ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ፆሮ። ብቑስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። "ዝብል ቃልውን ጽሑፍ እዩ።1ይጴጥ.2፥24። ስለዚ ዝያዳ ኣብዚ ወቕቲ ልቡናና ኣቕኒዕና ነዚ እናሓሰብና ብእምነት ዓይኒ ናብቲ ነቲ ንኅፍረት ዘበለኹሉ ንዒቑ ስሌና ኣብ ቀራንዮ መስቀል ዝወዓለ፥ ብዙኅ ስቓይን መከራን እውን ዝተቐበለልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስክንጥምት ይግባእ። ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ዝተቐበሎ መከራ፥ ስሌና ዝበጽሖ ስቓይ፥ ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ኣቦ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ኣየ ናይ ወልድመከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፥ ኣየናይ ልሳን፥ ኣየናይ ከናፍር፥ ኣየናይ ኣፍ እዩ፣ ናይ ፍቁር ወልዲ መከራ ክንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፥ […]

Continue reading