ዳግማይ ትንሣኤ

ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላምንዓኻትኩም ይኹን
>> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ።  ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጎስን ምስ ነገርዎ። << ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ  ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ'ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።>> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ  ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ናይ   መጀመርታ ዕለተ ትንሣኤ አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።>> ብምባል ኣብ ማእከሎም ቆመ። ንቶማስ'ውን ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን ብምባል እቲ ዝተሸንከሮ ኢዱን እግሩን፣ ዝተወግኦ ጎኑ ንዓ ርኣይ ኢሉ  ኣርእይዎ። እሱ'ውን ምልክቱ ብምርኣይን ብኢዱ ዳህሲሱ’ውን ትንሣኤኡን ኣምላኽነቱን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምቲ ዝደለየ ብዓይኑ ብምርኣይ ተረዲኡ  << ጐይታይን ኣምላኸይን ።>> ኢሉ መስኪሩ።    

ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ዝስዕብ ጥብቆ (link) ተወከሱ።

 https://eritreantewahdo.org/dagimay_tinsae.php

Comments are closed.