ቤዛዊት ኣንግህ ኣቤላ ትድዉለለይ እሞ በሓባር ክንከይድ ኣበይ ክንራኸብ በለትኒ። ክሳብ ገዛዉትና ምኒባስ ጌይራ እሞ ክትመጽእ እሞ ድሕሪኡ ተታሓሒዝና ንኸየድ ። ከም ስምምዕና መሰረት ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ኣብ ገዛዉትና ተራኺብና ናብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ኣምራሕና። ኣነ ግና ኣብ ክልተ ሓሳባት ተዋጢረ ነበርኩ። ቤዛ ድያቆን መርሃዊ ሰለምንታይ ከም ዝዓደመና ኣይትፈልጥን እያ። ሰለምንታይ ከም ዘተዓደመት እንተ ነጊረያ […]
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሃገረ ኤርትራ ምስ ፫ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝገበሮ ናይ ዕርቂ ፍጻሜ ተኸታቲልናዮ ኣለና። ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ነቲ ዝተገብረ ዕርቂ ከምዝተቐበሎ ብሓጎስ እንዳ ገለጸ፥ ንመግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ናይ መሰነይታ ደብዳቤ ኣተሓሒዙ፤ ናብ ኩሉ ምእመን ንኽበጽሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ የስፍር። እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ብሰላም ይዓቅበልና። መሰነይታ ደብዳቤ […]
ምስ ማማ ኣብርሃት ሓደ ሰሙን ዝኣክል ናይ ገዛ ኣቁሑት ክንገዛዝእ ንዕዳጋ ተመላሊስና። ምስ ቤዛዊትን ከኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ጉባኤ ክትሳተፍ ምሳይ ይወስዳ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል መዓልታዊ ጸሎት ኪዳን ሰለ ዝካየድ ኣብ ምስ ማማ ኣብርሃትን ቤዛን ንራኸብ። ኣብ ኡጋንዳ ትምህርቲ ሰንበት ጉባኤ ዝካየድሉ ስፍራ ኣብ ማእክል ከተማ ናይ ካምፓላ ኮይኑ ቤተ ክርስቲያን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ቤዛዊት ግንቦት 2009 ሰዓት ከባቢ 4 ድ.ቀ ኣቢሉ ይኸዉን ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ተገቲሩ ዘነበረ ፀሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከም ትኪ በኒኑ ብጠሊ ዘናብ ቦቱኡ ተሓድገ። እቶም ብጽምኢ ማይ ነቂጾም ዘነብሩ ኣግራብ በቲ ዝዉቅዕ ማይ ታሕጓሶም ክገልጹ ሰይ ሰይ እናቡሉ ነቲ ዘዉቅዕ ማይ ተቀቢሎም ንቁጽልቶም ማይ መገብዎ ። […]
ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉም ምሟታ፡ ምፍላይ፡ ምዕራግ፡ ካብ ምድሪ ወይ ካብ መቓብር ምትንሣእ፡ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ። ሊቃዉንቲ ኣቦታት ክገልጽዎን ከብርህዎን ከለዉ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር “ፍልሰታ” ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን፣ ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ […]
እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። ጸጋ (ካሪስ) ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተተርጎመ ኮይኑ ሠለስተ ናይ ዕብራይጥ ቃላት ዝሓቁፍ ኢዩ። ንሳቶም ከኣ ሞጎስ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ዝብሉ ኢዮም። ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ነጻ ህያብ ኢዩ። ብተወሳኺ ጸጋ ዝብል ቃል ካልእ ብዙሕናይ ትርጉም አፈታትሓ አለዎ። ጸጋ ማለት ትርጉሙ በረኸት፡ ህያብ፡ ውህበት፡ ጨው፡ ሃብቲ፡ ክብሪ፡ ቅድስና፡ ልዕልና ማለትኢዩ። ቅዱስ ገብርኤል ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብቲ ዝነበረቶ አትዩ፡ አቲ ምልእቲ ጸጋ ብምባል ኢዩሰላምታኡ አቅሪቡላ። ምሉእ ዝብል ቃል መስፈሪ ወይ መዓቀኒ ናይ ትሕዝቶ ኮይኑ፡ ሓደ ነገር እንድሕሪ ምሉእ ተባሂሎ ጎደሎአለዎ ወይ ጎደሎ ኢዩ አይበሃልን። አብሳሬ ትስብእት ቅዱስ ገብርኤል እምበአር ንወላዲተ አምላክ ምልእቲ ጸጋ ዝበላ ንድንግልማርያም ዝተዋህበ በረኸት፡ ንድንግል ማርያም ዝተዋህበ ቅድስና፡ ንድንግል ማርያም ዘለዋ ልዕልና፡ ንድንግል ማርያምዝተዋህባ ክብሪ አብ ግምት ብምእታው ኢዩ። እግዚአብሔር ምንጪ ጸጋታትን ወሃቢ ጸጋታትን ኢዩ። ንሱ እቲ ጸጋዊ ጸጋታትካብታ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት፥ ጸግኡ አምሊኡ ዝዓደላ ክውለድ መሪጹ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ "እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ።ዮሐ 1:14።" ይብል። ናይ ጎይታ ጸጋን ሓቂን መሊእዎ ዝበሎ ናቱ ናይ ባህሪኡ ኢዩ።ናይ ወልዲተ አምላክ ግን ካብ ወዳ ካብ አምላኻ ዝተቀበለቶ ኢዩ። መድሓኒ ኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣቦ ጥበቡ ምዃኑ መጻሕፍቲ ይምስክሩልና ኢዮም። ሃዋርያ'ውን ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ከምዘሎ ይምህረና። […]
"አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ" - ቅዱስ ጴጥሮስ "ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ መሊሱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና! ካብ 12 ሰነ ሰኑይ ጀሚሩ ክሣብ 5ሓምለ ይፍጸም Apostles Fast – Monday, JUNE-20 -JULY 12 ጾም መንፈሳዊ በረከት ዘውህብ ክርስቲያናዊ ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘረድኣና ጾም ማለት ንዝተወሰነ እዋን ወይ ግዜ ካብ መግብን መስተን ተፈሊኻ መንፈሳዊ ተግባራት ምፍጻም ማለት እዩ። ኢሳ.4፣16። ጾም ማለት ካብ ጥሉላት መግብን ካብ ዘስክር መስተን ምኽልካል ከምዝኾነ የምህረና። ዳኒ.10፣2-3። ጾም በጥንተ ፍጥረት ኣይትብላዕ ተባሂሉ ናይ ሕጊ ምሕላው ምልክት ኮይኑ ንደቂ ሰባት ካብ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ጀሚሩ ምስ ሃይማኖት ዝተተሓሓዘ ሥርዓት ስለዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ጾም ኣሎ። ይኹን እምበር ጾም ንዝተወሰን እዋን ካብ እኽልን ማይን ምኽልካል ጥራሕ ዘይኮነ ንሰውነትና ካብ ዘብህጉን፣ ሪእኻውን ንክትግብሮም ዝደፋፉካ ሥጋዊ ነገር ኩሉ ምግዳፍ ብሓፈሻ ፈቃደ ሥጋ ካብ ምፍጻም ምሕላው ማለት እዩ። ቅዱሳን’ውን ንጾም ኣብ ሕይወቶም ሓደ ክፍሊ ጊሮም ይጥቀምሉ ከምዝነብሩ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና እዩ። ዘዳ.9፣9-12። እስራኤል ዘሥጋ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይጾሙ ከምዝነብሩ ንኽጸሙ'ውን ይእዘዙ ከምዝነብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና። ዘሌ.16፣29-31። ዘካ.8፣-19። ኢሳ.9፣31። ጾሞም'ውን ብውልቂ ወይ ብማኅበር ይፍጽሙ ኔሮም። 2ሳሙ.12፣-22። መሳ.20፣-26። ጾም ብቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝተመዝገበ መንፈሳዊ ተግባር ምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ ዝህቦ ጥቅምን በረኸትን ተገሊጹ እዩ። ሰብ ካብ እንስሳዊ ጠባይን ባህርይን ልምዲ ኣውጺኣ ንቅዱሳን መልኣኽቲ ተምስሎ፣ ናይ ነፍሲ ሕጊ ጸኒዑ ብኹለንተንኡ ንእግዚ አብሔር ከገልግል ካብ ዝሕግዝዎ ምግባራት ሓደ እዩ። እቲ ጸዋማይ ናይ ጥምየት ጉድኣት ተረዲኡ ንዝተሸገሩ ክርህርህን ክሓስብን ምእንቲ ጾም ኣስተውዓሊ ልቦና ይፈጥረሉ። ጾም ናይ ትሕትና ምንጪ እዩ። መዝ.69፣10። ስለዚ ጾም ትሑት ይገብረና። ነህ.1፣4። ጾም ናብ ሓዘን ዘብጽሕ ስለዝኾነ ንንስሓ ዘንቃቅሕ መንፈሳዊ ኃይሊ ኣለዎ። 1ይሳሙ.7፣6። ጾም ናብ ረዲኤት እግዚአብሔር ዘቅርብን ንኣጋንንቲ ዘርሕቅ እዩ። ማቴ.17። ሚኪ.21። ስለዝኾነ ፈቃደ እግዚአብሔር ንሓተሉ። ዘጻ.34-28። ብሓፈሽኡ ጾም ሥራሕ ትሩፋት ንኸነብዝሕ የበርትዓና። ጥንተ ታሪኽ ጾመ ሓዋርያት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ሓምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ ጾም መእተዊ ከም ኩነታቱ ዝለዋወጡ እንተኾኑ ብሓፈሽኡ ካብ 15-49 መዓልታት ልዕል ክብልን ክወርድን ይኽእል እዩ። ጾመ ሓዋርያት ኣብ በዓለ ዕረፍቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽበረሉ ዕለት ሓምለ ሓሙሽተ ዝፈጸም ጾም እዩ። ጾመ ሓዋርያት ጥንተ ነገሩ ከመይ እዩ እንተኢልና ናይ መጥምቀ መሎኮት ቅዱስ ዮሓንስ ደቂ መዝሙርቲ ብዝሕ ግዜ ይጾሙ ኔሮም እሞ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክርስቶስ ቀሪቦም << ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቂ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን ኢሎም ናብኡ መጹ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በሎም ነዕሩኽ መርዓዊኸ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳብ ዘሎ ከመይ ኢሎም ኪጉህዩ ይኾነሎም፣ መርዓዊ ካባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ ሽዑ ከኣ ይጾሙ። >> ማቴ.9፣14። ብምባል ብዝመለሰሎም መሰረት ሓዋርያት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምዕራጉ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ጸጋ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስተቀበሉ ንጽባሕታ ዝጸምዎ ዓቢ ጾም እዩ። ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቂ << ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ልደት መዓልቲ>> ኢሉ ብዝሰየማ ዕለት በዓለ ጵራቅሊጦስ (ጴንጠቆስጤ) ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ። ግ.ሓዋ.2። ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ከም ዝኣዘዞም ናብ ኩሉ ዓለም ተበቲኖም ንዓለም ብወንጌል ከምመቅርዋ ቅድሚ ምብጋሶም ናይ መጀመርያ ስርሖም ዝገበርዎ ምጻም ኔሩ። ማቴ.28። ናይ ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማት ጾመ ሓዋርያት ካልኦት ኣስማትውን ኣለውዎ። ጾም ሰኔ እውን ይበሃል እዩ። ጾመ ሰኔ ዝብል ስያሜ ዝረኸበ ጾመ ዝውዕለሉ ብዙሕ እዋን ኣብ ወርሐ ሰኔ ብምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ ጾመ ሓዋርያት በጥንተ ዘመን ናይ ኩናት ዝኸዱ ሠራዊት ናብ ዓውደ ኩናት ንኽኸዱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋንን ወይ ብዝተመልሱ ሠራዊት ዝተጋገየ ይቅረ በለልና ብምባል ንፈጣሪኦም እንዳመስገኑ መግቦቱን ሓለዉኡን ናይ እግዚአብሔር እንዳደነቁን ይጾሙ ስለዝነብረ እዩ << ናይ ሠራዊት ጾም >> ዝብል ስያሜ ተዋሂብዎ ኔሩ። በረከተ ጾመ ሓዋርያት ኣብ መቅድም ከም ዝረኣናዮ ናይ ጾም ጥቅሙን በረከቱን ብዙሕ እዩ። ቅዱስ ያሬድ << ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ። ጾም ንጹም ንሓውና ንፍተው>> ከምዝበለ ጾም ፍቅርን ርህራሄን ሰላምን በረከት የውህብ። ጾመ ሓዋርያት ቀዳሞት ኣቦታትና ሥርዓት ሰሪዖም ብዝኣዘዙና መሰረት ዕድሜኦም ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዝኾኑ ምእመናን ኩሎም ክጾምዎ ዝግባእ ናይ በረከት ጾም እዩ። ሓዋርያዊት ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብፍኖተ (ኣሰር) ሓዋርያት ናይ ከም ትስዕብን ከምትኸይድን ሓደ ምልክት ካብ ዝኾኑ ነገራት ጾመ ሓዋርያት ምጻም እዩ። ሓዋርያት ብዝተሓደሰ ሰውነት ( ብሓድሽ ሰውነት) ዝጾምዎ ጾም ከምዝኾነ ምእመናን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ድሕሪ ምትንሥኡ ኣብ መበል ኣርብዓ (40) መዓልቲ እዩ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ኣብዚ ውሽጢኣርብዓ መዓልቲ ንደቂመዛሙርቱ እንዳተገልጸ ቡዙሕ ምሥጢርን ሥርዓተ ሓዲሽ ኪዳን ኣምሂርዎም እዩ። ዝተመኃርዎ ክሕልዉን ንመላእ ዓለምወንጌለ መንግሥቱ ከስፋሕፍሑ ትእዛዝ ኂብዎም ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድሕሪ ምትንሥኡ ሽዑ ዕለተ ዕርገቱ ዘይገበሮ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲምኽንያት ንደቂ መዛምርቱ ትንሣኤኡ ከረጋግጸሎም ምእንቲ እዩ። ቅዱስ ሉቃስ “ ህያው ምዃኑ ርእሱ ከም ዘርኣዮም ” ከም ዝበሎ ኣብ ግ.ሓዋ.1፣3።ዝተወለድ መከራ መስቀል ዝተቀበሎ፣ ዝሞተ ዝተንሥአ እሱ ምዃኑ ምእንቲ ከረጋግጸሎም ንኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደቂመዛሙርቱ ተስፋ ቆሪጾም ስለዝነብሩ፣ ሙስን መቓብርን ከምዘይረኸቦም ከምቲ ዝበሎ ከምዝተሥአ ከጸናንዖም ምእንቲ ጸንሐ። ሓደ’ውን ክብሪትንሣኤ ከመይ ከምዝኾነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ካልእ’ውን ሞት ድሕሪ ሕጂ ዘፍርሕ ከምዘይኮነ ከርእዮም ምእንቲ ጸኒሑ። ወእለ ዘተርፈ።ኣብዚኦም ኣርብዓ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ ብምትሥኡ ምስኦም ብምብላዕን፣ ንኽድህስስዎን ከረምስስዎም ብምፍቓድ ኣረጋጊጽሎም። ካብ ሰማይ ኃይሊ ክሳብ እትረኽቡ ኣብ ኢዮርሳሌም ጽንሑ። ሉቃ.24፣49። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያት ካብ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ሓደ መጸናንዒ ከሣቴ ምሥጢር መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝለብሱኣብ ኢዮርሳሌም ክጸንሑ እዩ። ንዚ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ብዝተርጎሞ ቀዳማዊ ድርሳኑ ከብራርሆ ከሎ << ሓደ ወትሃደር ናብኩናት ክኸይድ ከሎ ዘድልዩ ዕጥቂ ከይተዓጠቀ ናብ ኩናት ኣይወርድን እዩ። ሓንቲ ሠረገላ ኪኢላ መራሒ እንተዘይብላ ኣይትኸይድን እያ። ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ኃይለ መንፈስ ቅዱስ ከይተዓጠቑ ናብ ዓለም ክኸዱ ኣይገበረን። እዚ ከኣ ዓለም ሲዒራ ከየተትርፎምእዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዳግማይ’ውን ሓዋርያት ናብ ኣህዛብ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ኢዮርሳሌም ወንጌለ መንግሥት ምምኃር ዝንበሮም ሰባት ስለዝነብሩእዮም። ዳግማይ ወገናቶም ከይምኃሩ ባዕዳን ከምኅሩ ከይዶም። ኢሎም ዳሕራይ መናፍቃን ምኽንያት ከይረኽቡ ኢሉ እዩ። ዳግማይ’ውን ብሉያትእዮም’ሞ “ ንሕናውን ድኹማት ኰይንና ከለና ንኃያላት ምእማን ከመይ ንኽእል?። ብቁጽሪ ብጣዕሚ ንእሽቶ ከለና ከመይ ንዓለም ኩሉ ምእማንከመይ ጌርና ምምኃር ይከኣለና። ኢሎም ፍርሓት ከየሓድሮም ፣ ንፍርሓት ዘርሕቅ ኣጸናንዒ ብርትዐ ዝኅብ መንፈስ ቅዱስ ከምዝልእኸሎምስለዝፈተወ እዩ። ይብለና ። ኣብ ትርጉሙ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ። ዐርገ እግዚ አብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ናብዚ ምድሪ ዝመጻሉ ዓላም ወዲኡ ምርኮ ማሪኹ ናብ ዝቀደመ ክብሩ ዝተመለሰሉ እዩ። ምርኮዝተባሃልና ንሕና ኢና። እዚ ከኣ ከመይ እዩ እንተኢልና፣ ብዝበደልናዮ በደል ምኽንያት ን5500 ዘመናት ዝኣክል ኣብ እግረ ኣጋንንቲ እንዳተቕጥቀጥናኔርና። ክብሪ ንዕዑ ይኹን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝኸበረ ደሙ ቤዛ ኾይንና ካብ ጥንተ ጻላኢና ዲያብሎስ ነጻ ኣውጺእና። ናብጥንተ ተፈጥሮና መሊሱና፣ ካብ ሓጥያትና ነጻ ኣውጺኡና። ዳግማይ ደቁ ክንበኃል ፈቂዱልና ዓዲሉና። ዝሃበና ሥልጣን ደቁ ክንበኃል ጥራሕ ዘይኮነሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምኅር ከሎ “ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ'ውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብቲመዓሙቚ ክፍሊ ምድሪ'ውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያትዝደየበ'ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም'ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” ኤፌ.4፣11-12። ዳግማይ’ውን ምርኮ ዝብል ቃል ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ክትርጎም ከሎ ከምዚ ይብለና፣ “ብመስቀሉ ናብ ሲዖል ምውራድ ኣድኂኑና። ብናይ ኣቦናኣዳም በደል ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ዝነብሩ ጻድቃን ፈቱሑ። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብዝተሥኦ ሓቐኛ ትንሣኤ ኣተንሢኡና ። በሪ ንስሓ ከፊቱልና። ” ሃይ.አብ.36፣30። እዚ ቃል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሰማምዐ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማያት ዝዓረገ ድሕሪ እዚ ምርኮ እዩ። ንሕናውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተጸኒሕና፣ ዳግማይውን ናብ ምርኮዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና ናይ ልዕሊ ቅዱሳ ሓዋርያትን ካልኦት ቅዱሳን ጸጋ ከመዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ጥምቀቱ፣ ሕማሙ፣ ሞቱ፣ ትንሣኤኡ፣ ዕርገቱ፣ ወእለ ዘተረፈ ወዝቢ ዝመጸ ዘየኮነ ኣቀዲሙብነብያት ትንቢት ዝተነግረ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ““ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን - ” ዝበሎ ነዚ እዩ /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭)መዝ.46-5።/፡፡ በዚ ቃል ብዙሕ ቁምነገር ንመኃር። ሓደ ብመሎኮታዊ ባህርይ “ ኣብዚ ኣሎ፣ ኣብዚ የለን ።” ዘይበኃል እግዚአብሔር “ዕረገ ” ምባሉ ብዝለበሶ ሥጋምኻኑ የረደኣና። ካልኣይ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርይ ኣምላኽነት ንዝጠራጠሩ ኩሎም ግሩም ዝኾነ ትምህርቲ ዝኅብ እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ ክንገርን ክግለጽን ዘይከኣል እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ናይ ምስጋና ሰልፊ ብጣዕሚ ዘደንቅ ሰማያዊ ሰልፊዝተዓጀበ እዩ ዝነበረ። ንጸላኢና ዲያብሎስ ቀቲሉ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብብነገዶምኮይኖም ብሰልፊ ዘሚሮምሉ እዩም። ሰማያዊ ውዳሴ ኣቅሪቦምሉ እዩም። ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብዛዕባ እዚ ኣስፊሖም ገሊጾሞ እዮም። ካብ ብዝሑ ብውሕዱ ፣ ካብ ነዊሕ ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዝዓረገሉ ቦታ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብርሃናዊ ስዋስው ተዘርግሐ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስክርስቶስ’ውን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንቅዱሳን ሓዋርያት ባሪኽዎም። ኢፍ ኢሉውን ጻጋኡን ሥልጣንን ኂብዎም። ኣብ ዕሊ ኪሩቤም ዝተጻዕነ ብርሃናዊሠረገላ ናብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ’ውን ኣእላፋት ወትእልፊት ቅዱሳን መላእኽቲ ነበሩ። ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ሱራፌል’ውን ሓቢሮም ነበሩ።ብጣዕሚ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማ ብርሃናዊ ቃላት’ውን ኩሎም በብሥርዓቱ የመስግንዎ፣ ይውድስዎ፣ ይቅድስዎ ነበሩ። ምስዚ’ውን ንልቢ ዝሰርቅ ነይመለከት ድምጺ ብብሥርዓቱ ይስማዕ ነበረ። “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እምቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እንዳበሉ ዘመስግኑ ነበሩ። ካሎኦትቅዱሳን መላእክቲ ከኣ በብእብረ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያምዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስእግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ሰማያተ ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ ፤ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመእግዚአብሔር” እንዳበሉ የመስግኑ ነበሩ። ዳግማይ ካል ኦት’ውን “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን” ብእብረ ካል ኦት ቅዱሳን መላእኽቲ’ውም “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔርቅዱስ አንተ ኦ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦ ሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” እንዳበሉይውድስዎም ይቅድስዎም ነበሩ። ካልኦት’ውን ”ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን። ” እንዳበሉየመስግንዎ ነበሩ ። ልዕል ኢሎም ዝነብሩ ድማ ግሩምን ነጎድጋዳዊ ብዝኾነ ድምጺ“አርኅዉኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብርወስብሐት” ኢሎም ዠመሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ብርሃንዊ መንጦላዕትዝነብሩ ማኅበረ ልዑላን “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ” ክብሉ ሓተቱ። እቶም ዝቀደሙ ድማ“ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ ” ክብሉ መለሱሎም። ድሕር’ዚ ከኣ ቃላተ መኳንንት ወሥልጣናት ኃይላት ተሰምዐ ከምዚ ከኣ በሉ“አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋ ኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሠ ክብር ስብሐት፡፡ ” ቀጺሉ’ውን ካብ መናብርት ኣጋዕዝት ካልእ ድምጺተሰምዐ ። “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት ። ” ካልኦት ከምዚ ክብሉ መለሱ “ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ፡፡ ” ኩሎም ንልቢ ብዝምስጥ ጥዑመ ዜማ የመስግኑ ነበሩ። ብርሃናዊ ትዕይንትን ጥዑም ናይ ዕጣን መዓዛ ካብ ዝሓዝዎ ሙዳይ ይወጽእ ነበረ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንዓዓ ኢሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ (ድንኳን)ነበረት። ንቅዱሳን ሓዋርያት ድሕሪ ምዝራቡ ናብኣዲኡ ወላዲቱ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከይዱ። ምድሪ ተንቀጥቀጠት። ኩሎም ሰገድሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብሰማያዊ ሠረገላ ደየበ። ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ብዝመርሖም እልፍ ኣእላፋት ሠራዊተ ሰማይ ብኹሉ መዓዝናትበብመልክዖምን ነገዶምን ሥርዓቶምን ቆይሞም (ተሰሊፎም) ኢሎም ነበሩ። ኣቤት ኣብቲ ዕለት ዝተረኣየ ሰማያዊ ሰልፊ ውዲ ሰብብ ብድኹም ቋንቋፈጹሙ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ” /መዝ.፵፮ (፵፯)፥፭ መዝ.46 (47)፥5። ዝበለና ነዚ ግሩም ምሥጢር ርእዩ እዩ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ፍጹም ዝተፈለየ እዩ። ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ናይ ሰማይ ዝወጹ ወይ ዝዓረጉ ዝተወሰዱ፣ ከሙኡ ከኣ ዝተሰወሩ ቅዱሳን ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ናይጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ዕርገት ግና ካብዚቶም ዝተፈለየ እዩ። ናይ ጐይትና ዕርገት ከም ሄኖክ ብምስዋር፣ ከም ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ዝተፈጸምኣይኮነን። ቅሱ ጳውሎስ ስጋብ ሳልሳይ ሰማይ ዝተወስደሉ ዓይነት’ውን ኣይኮነን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክዓርግ ከሎ ሓጋዚ ( ኣዕራጊ) ኣየድለዮን። ቅዱሳን እንተዓረጉ ፣እንተተሰወሩ፣ እንተተወስዱ እግዚ አብሔር ብዝኃቦም ጸጋእዩ። ብዘይ እግዚኣብሔር ዋላ ሓንቲ ነገር ምግባር ኣይከኣልን እዩ። ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስን ናይ ኤልያስ ዕርገትእንዳነጻጸረ ክዛረብ ከምዚ ይብል። “ ከምዚ ድምጺ ኣምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ (ደየበ)።” ዓረገ ኢሉ ቅዱስ ዳዊት። እሱዐረገ ኢሉ እምበር መላእኽቲ ኣዕሪጎሞ ኣይበለን። ብቅድሚኡ መገዲ ዝመርሖ ኣይድለዮም። በቲ ጎደና ባዕሉ ዐሪጉ እምበር። ኤልያስ ከም ኢየሱስክርስቶስ ከምዚ ክገብር ኣይከኣለን። ናይ ኤልያስ ባህርይ በዚኣ መገዲ ክዓርግ ኣይከኣለን። መላእኽቲ ናብቲ ዝተኣዘዝዎ መገዲ ወሲዶሚ እምበር።ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ግና ንመላእኽቲ ዝፈጠረ እዩ እሞ ብሥልጣኑ ዐረገ። ስለዚ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያትመጽሓፉ ናይ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ኣንቃዕዲዎም ይርእዩ ነብሩ እንዳበለ ዝነገረና፣ ኣዕሪጎሞ ኣይበለናን። ወይ ተሰኪሞሞኣይበለናን። ኣዓረገሉ ቦታ ናቱ ገንዘቡ ስለዝኾነ።” ሃይ.አበ. 67.12-14።(፷፯፡፲፪-፲፬) ። ሄኖክ’ውም እንተኾነ ። “ እግዚ አብሔር ስለዝወሰዶ ።” እዩተባኂሉ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ኣይዓረገን። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርቀት ዘይኮነ ብርሕቀት እዩ ዝተፈጸመ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሰማይ ዝዓረገ ብብቁሩን እንዳረሓቀ፣ ልዕል ልዕል እንዳበለ እዩ ናይ ሰማይ ዝዓረገ እምበር ብርቀት (ረቂቅ) ብምኻን ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣቀዲሙ ዝተዋሃዶ ባሕርይና (ግዝፉነቱ) ኣጥፊኡ ዘይኮነ ምስ መለኮታዊ ባሕርዩ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ዝኾነግዙፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ እንዳረሓቀ ብምውጻእ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኣዒንቶም ናብ ሰማይ ኣልዒሎም ዝርእዩ ዝነብሩ ነዚ እዩ። ድሕሪተዋህዶ ምንታዌ ( ክልተነት፣ ምፍልላይ) የለን። ከምቲ ኣቀዲሚ ኣብ ላዕሊ መእተዊ ዝተገልጸ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቱክድህስስዎ ዝገበረሉ ምኽንያት ሓደ እዚ እዩ። ስለዚ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብርሕቀት ( እንዳረሓቐ ብምኻድ) እምበርብርቀት (ብምርቃቅ) ኣይኮነን። ወነበረ በየማነ አቡሁ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ዳዊት ኣቀዲሙ ከምዝበሎ “ ጐይታ ንጐይታይ ብጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳብ ዝገብሮም ኣብየማናይ ተቐመጥ። ” መዝ. 110፣1። ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ትንቢት ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ኣምኂሩ። እብ.10፣12። “ ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕድሱ ብሓንቲ መሥዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፣ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መሥዋእቲ ስለ ሓጥያት ምስኣቕረበ፣ እቶም ጻላእቱ መርገጽ እግሪ ክሳዕ ዚኾኑ እንዳተጸበየ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ” እዚ ማለት ወልደ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእት ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገት ብየማነ አብ ምቕማጡ ዘረድእእዩ። ቅድሱ መጽሓፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን አብ ተቐሚጡ ክብል ከሎ ። ማር. 16፣19። እብ.1፣3። እብ.8፣1። ንሕናደጋጊምና ናብ ዝቀደመ ክብሩ ተመሊሱ ምባልና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ምምልላሱ ምዝራብና እምበር ካብ ባህርይመለኮቱ ተፈልዩ ይፈለጥ ምባልና ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣለና። ኣካላዊ ቃል ናብዛ ምድሪ ወሪዱ ክንብል ከለና ሙሉእነቱ ከይገድፈ ወልድ ብዝተፍለየ ኣካሉ ካብ ናይ ባሕርይና መመክሒት ዝኾነት ኣዴና ቅድስተቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካን ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ (ተዋህዶ) ብሓጺር ቁመት ብጸባብ ደረት ተወሲኑ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፣ ስለ ድኅነትናዝመጸ ምኻኑ ምዝራብና ምኻኑ ኩሉ፣ ወጺኡ ክንብል ከለና ዝመጻሉ ዓላማ ፈጺሙ ንዝተዋህዶ ሥጋን ነፍስን ከይገደፈ ስለንዓና ክብሪ ከምዝዓረገምዝራብና እዩ። ጳምደ ሃይማኖት ዝተባኅለ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ናይ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌል ኣብ ዝተርጎሞ ኣብ መበል 24 ምዕራፉ ብዛዕባ እዚክዛረብ ከሎ “ ንደቂ መዛሙርቱ ድሕሪ ምብራኹ ናብ ሰማይ ዐረገ። በየማን ኣቡኡ’ውን ተቐመጠ። ዝተቐመጠ’ውን ብባሕርየ መለኮቱ ጥራሕኣይኮነን፣ ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን እዩ እምበር ፣ ኣካላዊ ቃል ባሕርይና ክወሃድ ከሎ ንዓና ናብዚ ክብሪ ንምምላስ ስለዝነብረ እዩ። … እግዚአብሔርከሎ ስለና ሰብ ኮነ። ብፍቓዱ መከራ መስቀል ብዝተዋህዶ ሰውነት ተቀቢሉ። ብዝተዋህዶ ሰውነት ሙስን መቓብርን ኣጥፊኡ ካብ ሙታን ተፍለዩተሢኡ። ብዝተዋህዶ ሰውነት’ውን ዐረገ። ኣብ ሕያዋንን ሙታን ክፈርድ ከኣ ዳግማይ ብክበበ ትስብእት ክመጽእ እዩ። ሉቃ፣24። ትርጓሜ ዘቅዱስቄርሎስ። “ ተቐመጠ ” ክበኃል ከሎ ንመለኮት ምቅማጥን ምትንሣእን ኃልይዎ ኣይኮነን። ካብ ክብሩ ሪሒቑ ካብ ጸጋኡ ዓሪቑ ዝነበረ ባሕርይና (ሥጋ) ብተዋህዶምስ መለኮት ምኽብሩ ምዝራቡ እዩ እምበር። ናይ መለኮት ገንዘብ ንሥጋ ከምዝኾነ ምዝራቡ እዩ። “ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ኡኣቕመጠና። ” ኤፌ.2፣6። ዝተባኅለ ነዚ እዩ። ዕርገቱን ንሕናን […]