ቤዛዊት-1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ
 
ቤዛዊት
 ግንቦት  2009  ሰዓት ከባቢ  4 ድ.ቀ  ኣቢሉ ይኸዉን  ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ተገቲሩ ዘነበረ  ፀሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከም ትኪ በኒኑ ብጠሊ ዘናብ ቦቱኡ ተሓድገ። እቶም ብጽምኢ ማይ  ነቂጾም ዘነብሩ ኣግራብ በቲ ዝዉቅዕ  ማይ ታሕጓሶም ክገልጹ ሰይ ሰይ እናቡሉ ነቲ ዘዉቅዕ  ማይ ተቀቢሎም ንቁጽልቶም ማይ መገብዎ ። ሳሙኤል ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ጸሎት  ስርክ ከብጽሕ መዓልታዊ ናይ ጽድቂ ስራሕ ኢሉ ተታሓሒዝዎ እዩ ።ሎሚ ግማይ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ኣቢሉ ሰለ ዝሃረመ፡  ሳሙኤል  ጸሎት ሰርክ ከርክብ ኣይክኣለን። ዋላኳ ጸሎት እንተዘይ ተሳተፈ ቤተ ክርስቲያን እንተዘይ ተሳሊሙ ከም ዓቢ በደል ኮይኑ ሰለ ዝስወጦ እንተ ኸፍአ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ስዒመ ይመጽእ ብምባል ታኽሲ  ተዃናቲሩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣምርሓ።
ከምቲ ኣቀዲሙ ዝገመቶ ቤተ ክርስቲያን ተዓጺዩ ጸንሖ ። ንቁሩብ ደቃይቅ ኣብቲ ንሰሜን  ዝጥምት ኣፈደገ ቤተ ክርስቲያን ተጸጊዑ  ጸሎቱ የዕሪጉ ናብ እንዳ ኣቦይ ቀሺ ገዛ ኢዶም ክሳለም ኣምርሐ። ኣቦይ ቐሺ ጉልቡት፡ ቆማት፡ ወትሩ ፍሕሹዉን ብሩሁ ገጽ ዝዉንኑ፡ ግርማ ዝመልኦም ኣብ ከባቢ ሓምሳታት ዘለዎ ዕድመ ኢዩም። ቃላ ኣምላኽ ክምህሩ ከለዉ፡ ልብኻ ካብቲ ካብ ኣፎም ዘዉጽእ ቃላ ቐልጢፉ ይመክኽ። ኣምላኽ ዝዓደሎም ፉሉይ ሜላ ሰበክት ሰለ ዘለዎም በቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ዘይምሰጥ ሰበ ዋላ ሓደ የለን። ቅዳሤ ቅድሚ ምዝዛሙ ዝህብዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝያዳ ነቲ ዝዉዓለት ስርዓት ቅድሴ  መንፈሳዊ ብርትዐ ይድረዓሉ። በቲ ዘለዎም  ናይ ምምሃር ጸጋ ተገንዚቦም  ከይኮኑ ኣይተርፍ መጋቢ ኣዕላፍ( መጋቢ ሽሕ) ዘብል ማዕረገ ዘተወሃቦም ።
ኣብ ቤቶም ንዘመጽእ ሰብ መርሓባ ብሩኽ ወደይ/ ብርኽቲ ጓልይ ዘብል ሰላምታ ብቀዳምነቲ እትሰምዖ ድምጺ ናይ ኣቦይ ቀሺ እዩ። ሰላም ኣቦይ ቐሺ ኢለ ገዞም ምስ ኳሕኳሕኩ ከም ወትሩ መን ምዃነይ ከይፈለጡ እቶ ብሩኽ ወድይ ዝብል ልኡማት ቃላቶም ሰንዘሩ ። ይፍቲ ኣቦይ ቀሺ ኢለ ነተን  ደምን ሥጋን ናይ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ዝፍትታ ኣእዳዎም ሰዓምክዉን ። ኣቦይ ቀሺ እግዚአብሔር የፍታሕካ እዚ ወድይ ኢሎም መስቀሎም ኣዉጺኦም ኣሳለሙኒ። መጋቢ ኣእላፍ በይኖም ከጽንሑኒ እየ ተጸበይ ። ነገር ግን ከም ዝሓሰብክዎ ኣይጸንሓንን፡ ቅድሚ  ሕጂ ርኢየን ዘይፈልጥ ኣደን ጻዕዳ ክዳን ዘተኸደና ጓላን ተጓነፋኒ። ገሻ ምዃነን ንኸለልየን ብዙሕ ኣይጸገመንን ፡ኣከዳድንኣን ዘተቆነንኦ ቁኖ   ካብ ኤርትራ ከም ዝመጻ ፡ሓደሽቲ ኣጋይሽ ምዃነን ይሕብር። መቸመ ዕድል ገይረ ካብ ኤትራትራ ዘመጸ ቆሎ፡ ጋባ ብፍላይ እታ ዝግኒ ዋዋዋ መልሓስካ ተቆርጥም  ናይ በሓቂ ብወሓለ ኢደ ዘተሰርሐ ጸብሕን  እንጀራ ጣፍን ንኽራብ ዕድል ረኺበ።
ኣቦይ ቀሺ ኣንታ ኣረገ እየ መስለኒ ምሰዘን ቅዱሳን ስድራ ከይላለኹኻ ዘንጊዓ ናብ ካልእ ዕላል የኢቲኩም ።  በል ዝወደይ  ኣብርሃት  ትበሃል፡  እዛ ጉርዞ ጓላ ድማ  ቤዛዊት ትበሃል ምስ በሉኒ፡ እሞ  ቅንይ ኢለ  ዝካረ ገዛ ከናድየለን  ሓቶቱኒ።ኣበየናይ ወገን ናይ ካምፓላ ከደሊ ምስ ሓተትክዎም ? ወይ ኣብርሃት  ተቅብል ኣቢላ ኣብዚ ከበቢ ቤተ ክርስቲያን ጥቃ  ቅዱስ ገብርኤል እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዘይትደሊ ኣጥቢቃ ሓበረትኒ ። ብጣዕሚ ገሪሙኒ ኣብዚ ከባቢ ደኣ ሓበሻ የለን እሞ ናይ ጸለምቲ ቦታ እዩ፡ ንኽትቅመጦ ምቹኡን ዉሑስ ኣይኮነን፡ ኣብ ማእከላይ ስፍራ ይሕሸክን ምስ በለክዋ ፡ዋሕሰይ ፡ ሓላዉየይ ገብርኤል ኣሎ ባዕሉ፡  በጃኻ  እዛ ሓወይ ዘገበርካ ጌርካ ኣብዚ ከባቢ ድለየለይ በለትኒ። መነባብሮ ኣብ ኡጋንዳ ከም ናይ ኤርትራ ከይመስላ ብዝተኻኣለኒ ከረድኣ ፈተንኩ።ክልቲኣን ደቂ ኣንስቲዮ ሰለዝኾና ፡ ወዲ ተባዕታይ ዘይብሉ ገዛ ምዃኑ ዩጋንዳዉያን እንተ ፈሊጦም ሓደጋ ክወድቅን ከም ዝኽእሉ ሓበርክዋ  ንሳ ገና ብእምነት ዘተተዓት፡ብሓለዋ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተመርኮሰት ንኽበርሃለይ  ዘይተጸብኽዎ  ሓያልን ርቱዕን ናይ ክርስቲያና ገብረ መልሲ ደርጉሓትለይ።  ሓላዊኣ  ዘይታኸስ ጓሳ መድኃኔ ዓለም ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ኣቀዲማ በዘዓባ እዚ ጉዳይ ምስ ኣቦይ ቐሺ ከም ዘተዘራረብ ነግረትኒ ። ኣቦይ ቀሺ ደሓን ዝወደይ ኣነዉን ኵሉ ነገር ኣቅድሚ ኣቢለ ኣፍኢመላ እየ፡  ተዛራሪብናሉ ኢና ከምቲ ዘበለትካ ግበር በሉኒ ። ነዞም ደለልቲ ረኺብካ ዘገብርካ ጌርካ ኣብዚ ሰሙን ሓደ ነገር ሒዝካለይ ምጻአ  መስ በሉ ፡ ዘረባ ኣቦይ ቐሺ ኣቋርጽ ኣቢላ እቶም ኣቦይ ቀሺ  ሰሙን ሙሉእ  ንዓኻሙ ከሸግረኩም  ኣይፋልኩምን ፡ ስምዓኒ እሞ እዚ ሓወይ  በጃኻ ከም ገለ ጌርካ ካብ  ጽባሕ ከይትሕልፋ ኢላ ተላበወትኒ።
ፍቃድ ኣምላኽ ኮይኑ ከም ትምኒታ ንማማ ኣብሃት  ገዛ ኽራይ ኣብ ጥቃ ቤተ ክርስቲያን ረኸብኵላ። እቲ ገዛ ኽራይ ዝረኸብለይ   ደላላይ ናይ ወርሒ ክንደይ ከም ትኸፍል፡ ናይ ማይን ሓይሊ ኤለትሪክን ዋጋ ክንደይ ከም ዘብጽሕ ምስ ነገራ  ፡ በቲ ዘነገራ  ዋጋ ዕግብቲ ምዃና ምስ ገለጽት ናይ ሓደ ዓመት ስምምዕ ተፈራረመት።  ኣጋ ፀሓይ ዓራርቦ ድማ ምስ ኣቦይ ቀሺ ተታሓሒዝና ናብቲ ገዛ ኣምራሕና ። ኣቦና ነቲ ገዛ ብጸሎት ኣማሞቅዎ ፡መንፈስ ቅዱስ ክጽልሎ ድማ በርኽዎ ፡ብሓቂ ጽቡቅ ገዛ ቀዳዊኹም ይግበሮ ኢሎም መረቅዎ ፡ እሞ እዚ ወደይ ሓደራኻ ዘድሊ ኵሉ ነገር ተሓባበራ፡ ክሳብ ዓዲ ትለምዶ ኣለይ መለይ በላ በሉኒ።
ንጽባሒቱ ዝድሊ ንብረት  ናይ ገዛ ኣቁሑ ክንገዛዝእ  ድሕሪ ምዉዒልና  ካባቢ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ ኣብ ገዝኦምም ደበኽ በለና። ናይ ቤት ትምህርቲ ስንበት መደብ ዝካየድሉ  ሰዓት ሰለ ዝኣኸለ   ክሓድገክን ኢለ ክፋነዉን ብገስ ምስ በልኩ ሰለ ማሪያም ኢለካ ከይተደረርካ ኣይትኸይድ ኢኻ ኢላ ኮፍ ኣበለትኒ። ከረድኣ ብዙሕ ፈቲነ ግና ወይከ ብፍላይ ቤዛዊት እና ሰሓቀት ዘይተጸበኽዎ ዘረባ ድቡ ኣበለትለይ ንሎሚ ደሓን ኣብዚ ነዓና መሃረና ንሕና ከኣ መዝሙር ነቅርብ ኢላ ብኢደይ ሰሓበትኒ ፡ንእሽተይ ጉባኤ ንግብር ምስ በለትኒ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ከም ክስሕቶ ኣይከኣልኩን። ብዉሽጠይ ድማ  ተመስገን ኣምላኽ መዝምራን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹን ይመጹ ኣለዉ በልኩ  ። ቅዱስ ጳዉሎስ ገሊኦም ሰባት መሲሊዎም መልኣኽቲ ዘተቀበሉ ኣልዉ እሞ ገሻ ንምቅባል ትግሁ ከም ዘበለ ደሓን ንሎሚ ምስአን ዘየማሲ ፡ መን ይፈልጥ እግዚአብሔር ኣብዘን ስድራ ሓዲሩ ይምህረኒ ይኸዉን በልኩ ፡፡
ረቡዕ ሰለ ዘነበረ ማማ ኣብርሃት ሽሮ ንኸተዳሉ ቡዙሕ ግዜ ኣይወሰደላን። ብሓባር ኮይና ምሳሕ እናበላዕና  ቤዛዊት ኣብዚ ክንደይ ዓመት ጌርካ ? ኣበይ ቤተ ክርስቲያን ትኽይድ ኔርካ? ኣብ ካምፓላ ብዙሓት ኤርትራዉያን ኣለዉዶ፡ .. ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣድራጋ ሓተተትኒ። ንዝሓተተትኒ ሕቶ ሓደ ብሓደ መለስኩላ። ኣነዉን ብታራይ ካባይ ከምዝመጻ ? ናበይ ሃገር ክኸዳ ከም ዝደልያ ? ኣበየናይ ቤተ ክርስቲይን ከም ዝሳለማ ሓትትክዉን። ዩጋንዳ ሰላማዊ ዓዲ ምዃኑ ንኽትነብሮ ብዙሕ ዘሰክፍ ከም ዘይብልካ ፡ ካብ በዓል ሱዳንን ኬንያን ተመራጺ ምስጋገሪ ዓዲ ምዃኑ ሓበርክወን።  ኣብ ዲቅ ዝብል ዓላል ተዋሒጥና ከለና ሞባይል ጭር ትብል   እሞ ከልዕላ ቆሊሕ እንተ በልኩ 11፡15 ድ.ቀ ምዃኑ ምስ  ረኣኹ ሰንበድኩ ፡ ሰለ ዝመሰየ ክኸይድ ከምዘለኒ ሓበርክዉን ። ቁጽሪ ተሌፎነይ ሂበየን ከኣ ናብ ገዛይ ኣምራሕኩ። ቤዛዊት ኣብ መዓጾ ናይ ገዛ ተጎዝጊዛ በጃኻ ጽባሕ እባ መጻእ ምሳና ቁረሰ በለትኒ።
ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ቤዛናቱ 2016-07-16

Comments are closed.