በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጓሶትን - እታ ዕፅብቲ ዕለትን መዝሙር ዘልደት ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም በ፪ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን […]
ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቀም ናብ ናኩላቢ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ከደት። ፈይስቡክ ምስ ከፈተት 8 መልእኽትታት ጸንሐ። ነቲ መልእኽቲ ሓደ ብሓደ ከተንብብ ምስ ጸንሐት ናይ ሳሚ ስፍሕ ዘበለ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተረዲኣ ኣብ መወዳእታ ከተንብቦ ናብቲ ካልእ መልእኽትታት ሰገረት። ነቶም መልእኽታት ዝሰደዱላ ሰባት መልሲ ድሕሪ ምሃባ ኣብ መዋዳእታ ናብ ናይ ሳሚ መልእኽቲ ተመልሰት። “ሰላም ቤዛ ሓፍተይ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። "ሰላምለፅንሰትከ ወለልደትከእምከርሥ።አመ ዕሥራ ውረቡዑ ለወርኃታኅሣሥ።ተክለሃይማኖት በኩሉ ወበውስተኰሉውዱስ ።ናሁ ወጠንኩ ወዕቤ ለስብሓቲከ ሐዲስ።በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።" መልክዐ ተክለ ሃይማኖት “ ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” መዝ.115፣6። (መዝ.116፣6)። እዚ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ንምምስጋን ስሙ ንምቅዳስ ካብ ዝተፈጥሩ ሥነ ፍጥረታት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብ ዝተፈጥሩ ኣብ መበል ሻዱሻይ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ሰብኣዊ ፍጥረት ኮይኖም። እዚኦም ከኣ ንምቅዳስን ርስቱ ንምውራስን ዝተፈጥሩ ፍጡራት እዮም። ካልኦት ፍጥረታት ከኣ ንኣንክሮ ንተዘክሮ ተፈጢሮም። ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ከይተወሰኑ፣ ንሰባት […]
ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሃይማኖት፡ ኣምነ፥ ኣመነ፡ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ኢዩ። ሃይማኖት እምበኣር ናይ ነገረ መለኮት ትምህርትን ሥርዓተ ኣምልኾን፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ምስ ትምህርት ሃይማኖትን ዘለዎ ናይ ደቂ ሰብ ኣካይዳ ዘመልክት ኢዩ። ሃይማኖት እንታይ ኢዩ᎒ ኣብ ጊዜና ብዙሓት ነዚ እምነት ዝብል ዓሚቝ ትርጉም ዝሓዘ ቃል ብግቡእ ዝተረድእዎ […]
ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን) ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ ማእከል ከተማ ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ብናይ ቤተ ክርስትያና ዘመን ኣቆጻጽራ መሠረት ካብ ወርሒ ሕዳር 6 ክሳብ ታኅሳስ 13 ዘሎ እዋን ዘመን ኣስተምህሮ ይበሃል። ዘመን ኣስተምህሮ ማለት ናይ ይቅሬታ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ደቃ ይቅሬታ ምሕረት ትሓተሉ፣ ምእመናን ስለ በደሎም ይቅሬታ ዝሓትሉ፣ ብዛዕባ እዚ ሰፊሑ ትምህርቲ ዝወሃበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ […]
ቤዛ ኩነታት ሳሚ ኣሻቂልዋ ኣይቀሰነትን ድቃስ ዘይብላ ሓደራት። ሳሚ ንጽባሒቱ ንግሆ ጸሎት ኪዳን ከብጽሕ ከም ወትሩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይመጸ ንሻቅሎታ ዝያዳ ሓይሊ ወሰኸሉ። ከም ቆጸርኦም መሰረት ኣንጊሁ ኣብ ገዛ ኣንዳ ቤዛ ክመጽእ እኳ ተሰማሚዖም እንተነበሩ ግና ኣይከም ዝመደበቶን። ጸሎት ነግህ ድሕሪ ምፍጻሙ ቤዛ ንማማ ኣብርሀት ምስ ሳሚ ቆጸራ ስለ ዘለዋ ክትረኽቦ ክትከይድ መዃና ሓቢራ […]
ዲ.ክብሮም "እንታይ ደኣ ኣሽኪዕካና ምሳ ማማ ኣብረሀት ኣለኹ እናበልካ ካን በቃ ምስ ቤዛ ትዛወር ኣለኻ። ክገርመካ ኣነ እኳ ጠርጢረካ ኔይረ። ግና ሓዲኡ ዘይተፍሉጡና ኢኹም እዚ ምቅርራብኩም ምዓልቦ ዘይትገብሩሉ። ንስኹም መዓረፈኩም ንሕና ከኣ ካብ ሕሜታ ምተኣለና። ስለዚ በጃኹም ሒዲኡ ግበሩ እሞ ንሕና ንሕጎስ ንስኹም ከኣ ትቀስኑ"። ሳሚ "ዲያቆነይ ምስ ሓፍትኻ’ዶ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ፧ ግዜ እንተ ኣለካ […]