ብእምነት እንተ አሊኹም፡ርእስኹም መርምሩ። 2ይ ቆሮንቶስ 13:5።

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሃይማኖት፡ ኣምነ፥ ኣመነ፡ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ኢዩ። ሃይማኖት እምበኣር ናይ ነገረ መለኮት ትምህርትን ሥርዓተ ኣምልኾን፡ ሥርዓተ ኣምልኾ ምስ ትምህርት ሃይማኖትን ዘለዎ ናይ ደቂ ሰብ ኣካይዳ ዘመልክት ኢዩ።

ሃይማኖት እንታይ ኢዩ᎒ ኣብ ጊዜና ብዙሓት ነዚ እምነት ዝብል ዓሚቝ ትርጉም ዝሓዘ ቃል ብግቡእ ዝተረድእዎ ኣይመስሉን። እምነት ንዝብል ቃል ግቡእ ርድኢት ዘይብሉ ሰብ ድማ ኣፉ መሊኡ ኣማኒ እየ ክብል ኮነ ብዛዕባ እምነቱ ክምስክር ኣይክእልን ኢዩ። ብኣፍካ ንምምስካር ብልብኻ ምእማን የድሊ። ብርሃናተ ዓለ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ከብርህ ከሎ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ።” ዕብራውያን 11:1። ብምባል ገሊጹዎ እዩ።  ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ ፡ ዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ ዓርከ እግዚአብሔር  አበ ብዙኃን ዝተባህለ ኣቦና ኣብርሃም ኣብቲ ንጻውዒቱ ዘርኣዮ ምእዙዝነት ብግብሪ ተተርጒሙ ንረኽቦ። በዚ ድማ ንሕዝቢን ኣሕዛብን ንበረኸት ክኸውን በቒዑ።

ሓቀኛ ትርጉም እምነት ዝተረደኦ ሰብ እምበኣር ንእምነቱ ክሳዕ ሞት’ውን እንተኾነ እሙንን  ድሉውን ምዃኑ እዩ ዘረድኣና ። ሓደ ሰብ ሰዓቢ (ወደመዝሙር) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ቅድም ክኣምን ኣለዎ።  ጸጋ እግዚአብሔር ንኽቕበል ክኣምን ኣለዎ። ምስተን ኣባጊዕ ጐይታ ክቑጸር ክኣምን ኣለዎ። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ ክኣምን ኣለዎ። ንኸገልግል እምነት የድልዮ።  ተኣምር እግዚአብሔር ንምርኣይ ክኣምን ኣለዎ። ክርስትና ኣብ ፍጹም እምነት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ኢዩ። እምነት ክበሃል ከሎ እምበኣር ግን፣ ወይ፣ እንተ፣ ከይበልካ ከምቲ ቅዱስ ቃሉ “እግዚአብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ኃይልኻን ፍተዎ። ዘዳ 6፡4-5” ብምባል ዘምሃረና ከይተወላልወልና ክንቕበሎ ኢዩ። ነቓዕ ዘይብላ ፍጽምቲ እምነት።

እቲ ዝገርም ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብዙሓት ኣብ እምነት ኣለና ዝብሉ ሰባት፡ ንቃል ኣምላኽ ብፍጹም እምነት ዘይቅበልዎ ምህላዎም ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ቤተክርስቲያን ንምንታይ ከምዝመጹ፡ ዕላማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ምምጻኦም ዘይፈልጡን ዘይርድእዎን፡ ብማንታ መንገዲ ዝመላለሱ፡ ንመንፈሳዊ መኽሰቦም ዘይጎዩ፣ ብመንፈሳዊ ኽስራኖም ዘይምሃሩ፣ ንዝንኦም እምበር፣ ክብሪ እግዚአብሔር ዘየቀድሙ፣ ሰብ ክልተ ልቢ ብዙሓት ኢዮም።  ጐይታ ንዝኣምን ኩሉ ይከኣል ኢዩ ክብል ከሎ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘይ እምነት ግና ንእግዚአብሔር ኣየስምርዎን ኢዮም። ዕብ 11:6። ይብለና።

ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ ኣመልኪቱ “እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል” ይብልሞ ኣስዒቡ “ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዝመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።” ይብለና። እቲ ዘይከኣል ከምዝከኣል ዘርእየና እምነት ኢዩ። ድሕሪ ሞት ሕይወት ከምዘሎ እንርደኣሉ እምነት ኢዩ። ዓስቢ ኣገልግሎትና እግዚአብሔር ከምዝህበና ብእምነት ንርዳእ።

ኣብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ኢልና ክንነብር ከምዝግባኣና ዕለት ዕለት ኣብ እምነት እንተሊና ገዛእ ርእስና ክንምርምር ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ይመኽረና፡ 2 ቆሮንቶስ 13:5። ኣበው ክምስሉ፡ “ኣሳእናን ዝመስላ ግን ከኣ ዘይዓቅምና።” ከምዝበሉ፡ ሎሚ ኣብ ጊዜና ብዙሓት ኣብዛ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሃብተ ውሉድነትን ስመ ክርስትናን ተቐቢሎም ዝዓበዩ፡ ሕጂ ግን እንጌራ ቀልወጤን ዝለመዱ፡ ነዛ ኃመረ ድኅነት ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ጅሆ ንምሓዝ ለይትን መዓልትን ድቃስ ስኢኖም ምርኣይ ዘሕዝን ተርእዮ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ እምነት እኳ ዘለዉ እንተመሰሎም ብሓቂ ካብ እምነት እዛ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ግን ኣዝዮም ዝረሓቑ ኢዮም። ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል "ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።"ማቴ 15:8-9. ዝበሎ ናይ ትማሊ ተግባር እስራኤል ዘሥጋ ዝደግሙ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ምርኣይ ነቲ እቶም ኣገልገልቲ እቲ ናይቲ ኣብ ግራቱ ጽሩይ ዘርኢ ስርናይ ዝዘርአ ጐይታ እሞ ጸኒሑ ግን ኣብ መንጎ እቲ ምሩጽ ዘርኢ ክርዳድ ምስተረኽበ፡ እዚ ክርዳድ ካበይ መጸ᎒ ብምባል ምስሓተትዎ እቲ ጐይታ እዚስ ጸላኢ ኢዩ ዝገበሮ ብምባል ዝመለሰሎም ታሪኽ የዘኻኽረካ። ክብሪ ክህነት ኮነ ክብሪ ታቦት ዘይፈልጡ፡ ንጸጋታትን መዓርጋትን ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዘቃልሉ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ግን ነቲ ኃይሉ ዝኽሕዱ ኢዮም። 2 ጢሞቴዎስ 3: 5-7።

ኣብቲ መዓልታዊ እንደግሞ ናይ ሃይማኖት ጸሎት “ልዕሊ ኩሉ ብዝኾነት ብናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክስርስትያን ንኣምን።” ንብል። ኣብ ሃይማኖት ምህላውና እንመዝነሉ፡ ገዛእ ርእስና እንምርምረሉ ሓደ መንገዲ እዚ “ልዕሊ ኩሉ ብዝኾነት ብናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክስርስትያን ንኣምን” ዝብል ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ልዕሊ ኩሉ ኢያ። ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊት ኢያ። ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ኢያ። ቤተ ክርስትያን ቅድስት ኢያ። ኣብዚ ጊዜ ገለ ሰባት ደው ዝበሉ ዝመስሎም ግን ከኣ ዝወደቑ፡ ኣብ እምነት ኣለና ዝብሉ ግን ካብ እምነት ኣዝዮም ዝረሓቑ፡ ብጉዳይ ቤተ ክርስትያን ኣብ መጋባእያ ዓለም ዝሳለቑ፡ ዝስሕቁ ካማውያን ኢዮም።
ንምዃኑ ናብ ቤተ ክርስትያን ናይ ምምጻእና ዕላማ እንታይ ኢዩ᎒ እዚ ሕቶ እዚ ወትሩ ክነሰላስሎ ዝግባእ ኣንፋቲ ሕቶ ኢዩ። ምናልባት ሕይወት ኣብ ማእከል እዛ ባሕሪ ዓለም ኣንፈቱ ከምዘጥፈአ ባሕረኛ ወይ ኣብ ማእከል ምድረበዳ ከምዝጓዓዝ መንገደኛ እንተዀንና፡ እትድግፍ ኢያ። ሰብ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝመጽእ ክጸድቕ ኢዩ። ጐይታውን እንተኾነ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ ብምባል ኢዩ ዝምዕደና። ክርስቲያን ካብዚ ዕላማ እዚ ንላዕሊ ዝጥምቶ ኮነ ዝምነዮ ካልእ ነገር የለን። ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ከምዝበሃል፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ሓደ ሓደ  ሰባት ንቤተ ክርስትያን ከም ሓንቲ ምድራዊት ማሕበረ ኮም ገይሮም ብምውሳድ ነቲ ብመባእን ዕሽርን ዝሃብዎ ገንዘብ፡ ገንዘብ ኣምላኽ ምዃኑ ዘንጊዖም፡ ገንዘብና እናበሉ ኣፎም መሊኦም ክዛረበ ምስማዕ ኢዩ። ወይ ጉድ! ገለ ድማ ነዛ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ድሮ ንምድራዊ፡ ዓለማዊ፡ ዕላማኦም ሓጽዮማ፡ ንፖለቲካዊ መርዓ ክጓየዩ ዝርኣዩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ’ውን ከም ሥጋ ጉዚ ብዓሌትን ብወገንን ክጉዛዝዩዋ ዝፍትኑ ኣተሳእኑን። ዓገብ! ኣይናይኣማንን!  ኣብ ሃይማኖት ምህላውና ገዛእ ርእስና ንመርምር።

                                                                                                    ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

 

ላእከማርያም ዘደብረብርሃን

Comments are closed.