በዓለ ልደት ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

"ሰላምለፅንሰትከ ወለልደትከእምከርሥ።አመ ዕሥራ ውረቡዑ ለወርኃታኅሣሥ።ተክለሃይማኖት በኩሉ ወበውስተኰሉውዱስ ።ናሁ ወጠንኩ ወዕቤ ለስብሓቲከ ሐዲስ።በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።" መልክዐ ተክለ ሃይማኖት

                                         

“ ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።” መዝ.115፣6። (መዝ.116፣6)። እዚ ቃል ዝተዛረቦ ልብ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት  እዩ። ሞት ንኹሎም ደቂ ኣዳም ዘይተርፍ ምኻúኑ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ጸቡብ ናብ ገፊሕ፣ ካብ ጊዚያዊ ናብ ዘልዓለማዊ ዝሰጋገሩሉ ድልድል እዩ። ቁምነገሩ ግን ብሃይማኖት ብምግባር ጸኒዖም ገድሊ፣ ትሩፋት ፈጺሙ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ደፊኡ በረከትን ቃልኪዳንን ተቀቢሉ ክጽዋዕ ናይ ዘልዓለማዊ  ጸጋ ዘውህብ እዩ።  ከምዚ ዓይነይ ሞት  እዩ ክቡር ቅዱስ ዳዊት << ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። >> ዝበሎ። ነዚ ክብሪ ካብ ዝበቀዑ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት  እዮም።

ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት ብናይ እግዚአብሔር ድንቒ ጥበብ ፣ ብቅዱስ ሚካኤል ብሥራት፣ ኣብ ምድረ ኢትዮጵያ፣ ሽዋ፣ ቡልጋ ደብረ ጽላልሽ ወይ ኣብ ከባቢ ዞረሬ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን  ሰበኻ ፍሉይ ስሙ ኢቲሳ ካብ ኣብኦም ካህኑ ቅዱስ ጸጋዘአብ ካብ ኣዲኦም ቅድስቲ እግዚእ ኃረያ መጋቢት 24 ተጸኒሶም ኣብ ታሕሳስ 24 1197 ተወሊዶም። ኣብ ዝተወልድሉ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቶም  ታኅሳስ 26 ሰንበት ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ (9) ካብ ሕቅፎ ኣዲኦም ወሪዶም  << አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ ።>> ኢሎም ንሥላሴ ኣመስጊኖም እዮም። ወለዶም'ውን ፍስሓጽዮን ኢሎሞም። ትርጓሜኡ ከኣ ናይ  ጽዮን ተድላ ሓጎስ ማለት  እዩ። ተክለሃይማኖት ዝብል ስም ድማ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚካኤል ዘውጽ ኣሎም ስም እዩ።

አቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ቅዱስ ጸጋ ዘአብ ግብረ ዲቁናን ሥርዓተ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ምምሃሮም ኣብ መብል 15 ዓመቶም ካብ ግብጻዊ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ ዲቁና ተቀበሉ። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን'ውን ካብቲ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ከገልግሉ ጀመሩ።  

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ምስ ኣዕርኹቶም ናብ ሃድን ምስ ከዱ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስሐደረሎም ። ንህዝበ ክርስቲያን ከገልግል ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ከብጽሕ ከምዝልእኾ ሓዲስ ሓዋርያ ጌሩ መረጾ ነገሮ። ቅዱስ ሚካኤል’ውን ንሰባት ካብ ጸብኣ ኣጋንንቲ ኣድኂኑ ወንጌል ሰቢኹ  ናብ መንግሥት እግዚአብሔር ከምጽኦም ከምዝተመርጸ፣ ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእ፣ ተኣምራት ናይ ምግባር ሥልጣን ከምዝተዋህቦ  ስሙ'ውን “ ተክለ ሃይማኖት ” ከምዝበሃል ። ተክለሃይማኖት ማለት ትርጉሙ ድማ ናይ አብ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተኽሊ ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለት  እዩ። ብምባል ነጊሩ ኣረዲእዎም።

ድሕሪኡ አቡነ ተክለሃይማኖት ዝነብሮም ኩሉ ንብረት ንቤተ ክርስቲያንን ንነዳያንን ብምሃብ ሓዋርያዊ ጉዕዝኦም ጀመሩ።

ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት  ነዚ ሓዋርያዊ ጉዕዝኦም ክጅምሩ ከለዉ “ ኦ ጐይታይን መድኃኒነይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መንግሥተ ሰማያት በሪ ክትከፍተለይ  ምእንቲ እንሆ ቤተይ ከምዝተኸፍተ ገዲፈልካ። ድኹም ስለዝኾንኩ ንዓይ ብጀካኻ ዘጸናንዓኒን ዝድግፈንን የለን። እንተወደቅኩ'ውን ብጀካኻ ዘልዕለኒ የለን። እንተሓዘንኩ'ውን ብጀካኻ ዘጻናዓኒ የለን። ንዓይ ንድኻ ብጀካኻ ጸግዒ የብለይን። ” (ገድለ ተክለ ሃይማኖት 28፣2-3።)  እዚ ኢሎም ትሕትና ብዝተመልኦ ዝተሰብረ ልቢ ናብ ፈጣሪኦም ድሕሪ ምልማኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓጥያት ወዲቆም ዝነብሩ ሰባት ናብ ገቢረ ጽድቅ፣ ካብ ክሕደት ናብ ሃይማኖት መሊሶሞም እዮም።  ቤተ ክርስቲያን’ውን ሃኒጾም እዮም። ሓዲስ ሓዋርያ ዝተባህሉ በዚ ተልእኾም እዮም። ትርጉሙ ሓዲሽ ኪዳን ፣ ሕገ ወንጌል እንዳተዘዋወረ ዘምህር ፣ ብስመ ክርስቶስ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ዝገብር ናይ ክርስቶስ ተኸታሊ ሓዋርያ ማለት እዩ።  ካልእ ከኣ ከኣ ተክለሃይማኖት ጸሓይ ተባሂሎም እዮም ።

ንኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ዲቁናን ቅስናን ዝሃብዎም ኣቡነ ቄርሎስ ድኅሪ ምዕራፎም ንብዙሕ ዓመታት ጳጳስ ካብ ግብጺ ኣይመጹን ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦና ምሂሮም ንዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያናት ታቦት ዝባርኸሎም ጳጳስ ስኢኖም ይሽገሩ ነበሩ። በዚ ጊዜ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ጸለዩ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ከምቲ ብሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብ ናይ ጳጳሳት ሽመት ዘይኮነ ብሰማያዊ ሽመት ሸይመካ ኣለዅ” በሎም። በዚ ሰማያዊ ሽመት ድማ ኣቦና ሜሮን ኣፍሊሖም ታቦት ብምብራኽ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት መስረቱ። ኣቦና ኣብ ገዳም ብምእታው ውን ብጸሎት ይነቕሑ ኔሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1 መዝሙረ ዳዊተ 10 ስግደት እናሰገዱ፡ ንመዓልቲ 3650 ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ደብረ ጎል ምስ ገበሩ፡ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ “ኣብ ደብረ ሃይቅ ኢየሱስ ሙኣ ዝበሃል ሕያዋይ ሰብ ክትረክብ ኢኻ ንሱ ድማ ኣርዑት ምንኩስና ከሰክመካ እዩ’ሞ ክመርሓካ እየ ተኸተለኒ” በሎም። ቅዱስ ሚካኤል ብግልጺ እናተራእየ ነቲ ባሕሪ እናረገጸ መርሖም ኣቦና ውን ኣብቲ ባሕሪ ከም ኣብ መሬት እናተጓዕዙ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን በጽሑ። ኣባ ኢየሱስ ሙኣ ብደስታ ተቐቢሎም ናይ ቅድስናን ናይ መላእኽትን ምሳሌ ዝኾነ ናይ ምንኩስና ልብሲ ኣልበስዎም። ኣብኡ ድማ ብብዙሕ ገድልን ጸሎትን ነበሩ፡ ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን መግቢ ከይበልዑ ኣብ ሐይቅ እስቲፋኖስ ጸንሑ። ኣብ ከምዚ ትግሃት እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ መንዚዑ ብምውሳድ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ኣብጽሖም። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን መላእክት ንእግዚአብሔር ዘቕርብዎ ውዳሴን መዝሙርን ተመልከቱ። ካብቲ ዙፋን ድማ “ክፍልኻ ምስ’ዞም 24 ካህናተ ሰማይ ይኹን” ዝብል ድምጺ መጾም። ናይ ወርቂ ጽንሃህ ሒዞም ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ክዓጥኑ ጀመሩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ከምዚ ብምባል ቃል ኪዳን ኣተወሎም “ከምቲ ዝፈተኻኒ ፈትየካ ኣለዅ ስምካ ልዑል ክቡር ጌረዮ ኣለኹ፡ ኩሉ ብጸሎትካ ዝእመን ስሌኻ ክድኅን እዩ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ ኣነ ኣብ ሰማይን ምድርን ከኽብሮ እየ” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቦና ነዚ ሰማያዊ ናብራ ምስ ተመልከቱ ልቦም ብፍቕሪ ናይ’ዚ ሰማያዊ ኣምላኾም ተቓጸሉ። ለይትን መዓልትን ዳዊትን ካልኦት ጸሎታትን ኣብ ምድጋም ድማ ተግሁ። በዚ ከምዚ ኣብ ሐይቅ 10 ዓመታት ምስ ጸንሑ ናብ ምድሪ ትግራይ ብምምጻእ ኣብ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብሪ ደብረ ዳሞ ምስ ኣባ ዮሓኒ ተራኸቡ። ኣብኡ ድማ ን 12 ዓመታት ተቐመጡ። ድኅሪ 12 ዓመታት ናብ ካልኦት ናይ ትግራይ ቦታታት ክኸዱ ድማ ነቲ ብገመድ ዝውረድ ናይ ደብረ ዳሞ ጎቦ ብገመድ ክወርድዎ ምስ ጀመሩ፡ ጸላኢ ሠናያት ሰይጣን ነቲ ገመድ ቆረጸሎም። እግዚአብሔር ድማ 6 ናይ ጸጋ ክንፊ ሃቦም፡ እቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኮሳት እናረኣይዎም በዚ ኣምላኾም ዝሃቦም ክንፊ እናበረሩ ናብ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ። ኣብ ሓውዜንን ካልኦትን ገዳማት ምድሪ ትግራይን ከባቢኡን እናተዘዋወሩ ባረኽዎም።

ናይ ብርሃን ዓንዲ እናመርሖም ናብ ኢዮርሳሌም ብምዃድ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተወለደሉ ካብ ገሊላ ጀሚሮም ክሳብ ዝዓረገሉ ደብረ ዘይቲ በጽሑ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጺቦም ድማ ኣባ ዮሐንስ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ብምዃድ ካብ መነኮሳት በረኸት ተቐቢሎም ንሳቶም ውን ባሪኾሞም። ኣብ ደብረ ሲሃት ዝርከቡ መነኮሳት ውን ሰላም በልዎም። ግብጻዊ ጳጳስ ኣባ ዮሐንስ 5ይ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ብምምጻእ፡ “ነዚ በይንኹም እተገልግልዎ ህዝቢ ተማቒልና ንምርሓዮ” ምስ በልዎም ኣቦና ግን ብትሕትና“ሕጂስ እንቋዕ ንስኹም መጻእኩም እምበር ኣነ ናብ በዓተይ ክኸይድ” ብምባል ናብ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ኣተዉ።

ኣቡነ ሊባኖስ ዝመሠረትዎ ገዳም ሓራስ ዝተባህለ ጠንቋሊ ተቖጻጺርዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣቦና ንዕኡ ኣባሪሮም ብ 1267 ንደብረ ሊባኖስ በዓቶም ገበርዋ። ኣቦና ጻድቅ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም ነቲ ዝነበርዎ ጫካ ከፊሎም ታቦተ ማርያም የእተውሉ። ብጸሎቶም ድማ ኣብቲ ጫካ ማይ ኣፈልፈሉ ክሳብ ሕጂ ድማ ማየ ተክለሃይማኖት እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣቦና ኣብዚ ገዳም ን 29 ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ ሰብነቶም ደኸመ እርጋን ውን ኣርከበቶም፡ብኸምዚ እናተዘዋወሩ ወንጌል ክምህሩ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ንብዙሕ ዘመን ኣብ በዓቶም ኮይኖም ብዘይ ገለ ምርኩስ ከም ዓንዲ ቆይሞም ብምጽላዮም ሓንቲ እግሮም ተቖርጸት፡ ናቶም ረድኢ (ኣገልጋሊ) ዝነበረ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ድማ ቀበራ። ኣቦና ግን ብሓንቲ እግሮም ን 7 ዓመታት ቆይሞም ጸለዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን መልእኽቱ ብዛዕባ ቅዱሳን መንፈሳዊ ገድሊ ክገልጽ ከሎ፣-

 እብ.11-34  “ንሳቶም ብእምነት ንመንግሥትታት ሰዓሩ፣ ጽድቂ ገበሩ፣ ነቲ ተስፍ እትገብሮ ረኸቡ፣ኣፍ ኣናብስት ዓጸው፣ ንኃይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፣ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፣ ካብ ድኻም በርትዑ ። ” ከም ዝበሎ

 *  ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ብትሕትናናን ተኣምራትን ኣላዊ ዝነበረ ንጉሥ ሞቶሎሚን ናብ ክርስትና መሊሶሞ  እዮም።

 * “ጽድቂ ገበሩ” ከምዝበሎ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት  ንወንጌል ብተጋድሎ ህይወት ብተግባር ተርጊሞምዋ እዮም።

 * “ ኣፍ ኣናብስት ዓጸዉ” እብ.11-34። ከምዝበለ ኣቦና አቡነ ተክለሃይማኖት  ናይ ኣራዊትን ገበልን ርእሲ ቀጥቂጦም እዮም።

 *“ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ድኃኑ .”  ከምዝበሎ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት  ሞቶሎሚ ካብ ዝወርወሮ ኩናት ብተኣምራት ዲሒኖም እዮም።

 * “ ካብ ድኻም በርትዑ ” ከምዝበሎ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት ብዘይ  ዕረፍቲ ብብዙሕ ተጋድሎ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብብዙሕ መከራ በርቲዕም እዮም።

     ብድኅሪ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦና ተገሊጹ “ጉያኻ ወዲእካ ኣለኻ ስለ ስመይ መከራ ተቐቢልካ ኢኻ’ሞ ዝኽርኻ ዝገበረ ብጸሎትካ ንዝእመን ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ” በሎም። ኣብ መወዳእታ ኣቦና ክዓርፉ ኣብ ዝቐረብሉ ደቀ መዛሙርቶም ኣኪቦም ከምዚ እናበሉ ክምዕድዎም ጀመሩ “እዞም ደቀይ ኩሉ መነኵሴ መንግስተ ሰማያት ይኣቱ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ንዓለም ዝነዓቓ እዩ ዝኣቱ፡ ኣቐዲምኩም መንግሥቲ እግዚአብሔር ድለዩ፡ ጾምን ጸሎትን ኣዘውትሩ፡ ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ትእዛዙ ሓልዉ” ብምባል ኣባ ኤልሳዕ ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ከም ዝኾኑ ነገርዎም።

ዳሕራይ'ውን << ንዓለም ብርሃን ንዓይ ጸልማት ኮንኩ፣ ኣብ ቅድሚ ሓቀኛ ዳኛ ኣምላኸይ ኢየሱስ ክርስቶስ ደው ምስ በልኩ እንታይ ኢለ ክምልስ እየ። እንዳበሉ ብፍጹም ትሕትናን ብፍሉይ ተመሥጦም ይጽልዩ ኔሮም።  ነሐሰ 24 1296 ዓ.ም ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልቶምን ብሰላም ዓረፉ። እቶም መነኮሳት ድማ ኣብ’ቲ ዝነብርዎ በዓቶም ቀበርዎም። 57 ዓመት ድሕሪ ዕረፍቶም ብ 1354 ዓ.ም ከባቢ ኣቦና ነቶም ሽዑ ኣበምኔት ዝነበሩ ኣቡነ ሕዝቂያስ ብራእይ ተገሊጾም ዓጽሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከእትውዎ ተማሕጸንዎም። ብግንቦት 12 ኣብቲ በዓቲ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ኣትዮም ዓጽሞም ብምርካብ ናብ ደብረ ሊባኖስ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። ኣቦና ብ ሕዳር 24 ምስ 24 ካህናተ ሰማይ መበል 25 ኮይኖም ዘገልገልዎ ይዝከር።

 ታሕሳስ 24 ልደቶም፡ ጥሪ 24 ስባር ዓጽሞም፡ መጋቢት 24 ጽንሰቶም፡ ግንቦት 12 ፍልሰተ ዓጽሞም፡ ነሐሴ 24 ድማ ዕረፍቶም ብቤተ ክርሰቲያን ይኽበር። በረኸቶምን ጸሎቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብ ናይ  ጻድቅ ኣቦና አቡነ ተክለ ሃይማኖት በረከትን ረድአትን ይኽፈለና። ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ  ቅዱሳን ጻድቃን ተራዳኢት ኣይፈለየና።

አርኬ፣

ሰላም ለልደትከ ድኅረ ነበረት መካነ ። ለእምከ ልባ ከመ ቃለ መልአከ አምነ። ተክለሃይማኖት በርትዕ እንተ ቀነይከ አዝማነ። መልአ ምድረ ትምህርትከ እምወሰን ወሰነ፣ ወሰማያተ ጽድቅከ ከደነ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።   

ዘሚካኤል

Comments are closed.