ነብይ ኤርምያስ “ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ከይሃነጽኩኻ ፈለጥኩኻ ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ከኣ ቀደስኩኻ” ኢሉ ኣሎ ኤር 1:4 ። ናይ መላእኽቲ ሓለቃ ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ብዛዕባ ምውላድ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ከበስር እንከሎ “ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ መንፈስ ቅዱስ ክሓድር እዩ” ኢሉ አዩ ። ሉቃ 1፡15 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ከርሲ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄምን ካብ ቅድስቲ ኣዲኣ ሃናን ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ተጸንሰት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሓ ሓደ ግንቦት […]
ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስካትኩም ድማ ነዓይ ምሰሉ ከምዝበሎ ክርስትና ንክርስቶስ ምምሳል እዩ 1ይ ቆሮ፣11፡1። እዚ ሰለ ዝኾነ ድማ ቅዱሳን ብኵሉ ንዕኡ መሲሎም ተረኪቦም እዮም።ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ነዓይ ክኽተል ዝደሊ(ክመስለኒ ዝደሊ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ፍቃድ ስጋኡ ይጠንጥን ብፍቃድ ነፍሱ ይንበር ስጋውን ዓለማውን ሽመቱን ሽልማቱን ይንዓቅ ፡ መስቀሉ […]
ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ። ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ። ነቲ ዘይከውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚኣብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ መሰረት እምነት እያ (፩ይ ቆሮ. ፩፫።፩፫)፣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ የሕድር። ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ትስፍዋት ክንከውን ይግባኣና እዩ። ከመይሲ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ […]
ህዝበይ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ሆሴዕ ፬፡፮ ካብ ዝተዋህቦም ርስቲ ወጺኦም ኣብ ዘይግብኦም ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣበይ ኣሎኻ ዝብል ሕቶ ጻውዒት ናይ እግዚኣብሔር ልሙድ እዩ። ኣቦና ኣዳም ኣብ ዘይቦትኡ ኣትዩ ስለዝነበረ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ” ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ሕቶ ምስ ሰምዐ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ ኣብ ሓጢኣት ምህላዉ ስለዝፈለጠ “ነቲ […]
ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ቃል ኣምላኽ ክመሃር፡ መዝሙር ክሰምዕ ፍሉይ ባህታ ይፍጠረለይ ኴኖዚ ግና ነቲ ዘተመሃርክዎ ከስተማቅሮን ከስተንትኖን ተለኽ ክብል ከለኹ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍቅሪ ኣብ ልበይ ፈኸም ይብል።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣንጊሀ ተንሲአ “እንተዘይ ረዲእኻኒ ንበይነይ’የ ኣማንኤል ጐይታይ “ ትብል መዝሙር ወሊዓ ፡ ጮቕጮቕ ዝብል ድምጺ ጨራሩ እና ሰማዕኩ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸሓይ የስተማቅረሉ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን አሠሮ ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ኮነ ፍሥሐ ወሰላም።” ተምሳል ቀደም ዘመን እስራኤላውያን አብ ትሕቲ ኣርዑት ግብጻውያን (ፈርኦን) ይግዝኡ አብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ስቅያቶምን ጸበባኦምን ብሰሪ መጨነቕቶም ዘእውይዎ ኣውያትን እግዚአብሔር አምላኽ ሰምዐ'ሞ እቲ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይርስዕ አምላኽ ነኣቦታትና አብርሃም፡ ይስሐቅ፡ ያዕቆብ ዝኣተወሎም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቀዳም ቀዳም ስዑር÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኩሎም ፍጥረታቱ ምስ ፈጠረ ፈጺሙ ዘዕረፈላ ክብርቲ ዕለት እያ። ናይ ጥንቲ ወይ’ውን ናይ መጀመርታ በኹሪ ናይ በዓላት ስለ ዝኾነት ከኣ ቀዳመይቲ ሰንበት ተባሂላ ትጽዋዕ። ዘኽበራን ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝመደባን ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። “ ውእቱሰ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ። በእንቲአነ ሐመ ወንሕነ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ ብሕማም ፣ወውእቱሰ ቈስለ በእንተ ኃጢአትነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ፣ ትእምርተ ሰላምነ፣ ወበቊስለ ዚአሁ ሐዩነ ቊስልነ ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ዕለተ ኃሙስ፡- እዛ መዓልቲ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝተፈላለ ስያሜ ዘለዋ ዕለት እያ። 1.ሕጽበተ እግር÷ ኃሙስ በዚ ስም እዚ ክትጽዋዕ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥ ብባህሪኡ ክቡር ልዑል ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት ዓለባኡ ተዓጢቑ ናይ ሓዋርያቱ ኣእጋር ብምሕጻብ ፍጹም ንዝኾነ ትሕትናኡ ዝገለጸላ ንሕና’ውን ኣብ ንሓድሕድና ከምቲ ዝገበሮ […]