ካብ ዘይፍላጥ ጠፊኢና ከይንህሉ ንጠንቀቅ

ህዝበይ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ይጠፍኡ ኣለዉ፣ ሆሴዕ ፬፡፮

ካብ ዝተዋህቦም ርስቲ ወጺኦም ኣብ ዘይግብኦም ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣበይ ኣሎኻ ዝብል ሕቶ ጻውዒት ናይ እግዚኣብሔር ልሙድ እዩ። ኣቦና ኣዳም ኣብ ዘይቦትኡ ኣትዩ ስለዝነበረ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ” ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ሕቶ ምስ ሰምዐ ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ ኣብ ሓጢኣት ምህላዉ ስለዝፈለጠ “ነቲ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ ፈራሕኩ ጥራየይ እየ እሞ ተሓባእኩ” ዝብል ድምጹ ኣስሚዑ ምህላዉ ኣረጋገጸሉ (ዘፍ. ፫።፩0) ፣ ንሕና ናይ’ዚ ዘመን እዚ ወለዶ ግና ነዚ ጻውዒት አግዚኣብሔር ጸማም እዝኒ ሂብና ንርከብ ኣሎና። ስለምንታይ እንተበልና ድማ ኣበይ ከምዘሎና ስለ ዘይንፈልጥ ኢዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ትምህርቱ ሰባት እንታይነቶም ከምዝፈልጡ ይገብር ኔሩ። ንኣብነት እታ ከንኣናዊት ሰበይቲ ንጓላ ንኸድሕነላ (ክፍውሰላ) ክትልምኖ እንከላ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ንኣኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ” ምስ በላ እወ ጐይታይ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይቶቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም ብምባል ትሕትናኣ ኣረጋገጸትሉ (ማቴ. ፩፭።፪፮)፣ ነቶም መን ምዃኖም ፈሊጦም ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርቡ ኩሎም ንኸድሕኖም እሙን ኣምላኽ ከምዝኾነ ካብዛ እምነታ ዝተመስከረላ ከነኣናዊት ሰበይቲ ክንምሃር ንኽእል። ኣብዚ ናይዚ ዘመን እዚ ወለዶ ግና ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ትንቢታትን ክነታትን ብዘይ ምፍላጥን ዘይምርዳእን መን ምዃና ንኽንፈልጥ የጸግመና ኣሎ። ሓደ ግዜ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ጽቡቕ ሕይወት ተበላሽዩ ምእዛዝ ኣብዮም ብፍቓድ ርእሶም ዝኸድሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ ይግስጾም ነበረ። “ኣብ ቅድመይ ክፉእ ግብሪ ሕደጉ ብፍጹም ልቢ ተመላለሱ” ኢሉ በዚ ነቢይ ኣቢሉ ከም ዝነገሮም ንርኢ። ንእግዚኣብሔር ዘምልኽ ብሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ክጉዓዝ ይግብኦ። ንሕናኸ በዚ ቃል ትንቢት ንርእስና እንተ መርሚርና ሕይወትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እንታይ ይመስል? ኣብ መንጎና ከም ፍቓድ ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ዝኸይድ መን ኮን ይኸውን? ናብ ቤተክርስቲያን ክንመጽእ ከሎና እግዚኣብሔር ጥራይ ንኽርእየና ብትሕትናን ፍቕርን ተመሊእና ከምኡ’ውን ትዕግስትን ንጽህናን ሰኒቕና እንቐርብ በዓል መን ኮን ንኸውን? ምትእኽኻብና ካብ ሕሜትን ክፍኣትን ባእስን ኮታ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓጢኣት ዝረሓቐ ኮይኑ እግዚአብሔር ዝሕጎሰሉን ዝምስገነሉን ቅዱሳን ዝኸብርሉን ስርዓት ዝፍጸመሉን’ዶ ይኸውን? ኣብ መንጎና ብሓጢኣቱ ተጣዒሱ ብሓቂ ዝበክን ዝንሳሕን መን እዩ? ብሓቂ ሕዝበ ክርስቲያን ኩሉ ሕይወትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ድዩ? እዞም ሕቶታት እዚኣቶም እናኣስተንተና ንነፍስና ክንግምግም ይግባእ። መን ምዃንና ብዘይምፍላጥና ጠፊእና እንተሃሊና ክንምለስ ልዑል እግዚኣብሔር በቲ ዘይውዳእ ትዕግስቱ ጻውዒቱ የመሓላልፈልና ኣሎ። ተመለሱ ዝብል ድምጺ ክንሰምዕ ከሎና ንልብና ክነትርሮ ኣይግባእን፣ እቶም ኣብ ጥፍኣት ኮይኖም ንልቦም ዘትረሩ ኣቦታትኩም ነታ ክወርስዋ ትግብኦም ምድሪ ርስቲ ከይወረሱ ኣብ ምድረ በዳ ቀባሕባሕ ኢሎም ተረፉ ኢሉ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ከምዝመኸረና ነስተውዕል። መን ምዃንና ጠፊኡና ኣብ ናይ ደንበርበር ዓለም ከይንህሉ ንክርስቶስ ክንለብሶን ኩሉ ጾርና ዘበለ ናብኡ ከነራግፎን ይግባእ። ክርስትና ብመንፈሳውነት ዝተኣርነበ ክርስቶስ ዝማእከልነቱ እምበር ስምዒታዊ ሕይወት ኣይኮነን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ይብል “ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ፣ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ ልበይ ‘ውን ትሑት እዩ እሞ ንኣርዑተይ ፁሩ ካባይ ‘ውን ተማሃሩ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም”። ሓጢኣትና ንዝኸበደና ተነሲሕና ክነጽህ እሞ ዕረፍትን ፍጹም ሰላምን ዘለዎ ህይወት ክንረክብ ኢና፣ ስለዚ ናብቲ ምድራዊ ዘይኮነስ ሰማያዊ፡ ስጋዊ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ጾር ዘይብሉን ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት ክነቛምት ይግባእ። እምበኣርከስ ንእግዚኣብሔር ዘሐጕስ ፍጹም ትሕትና ለብስና፡ እምነትን ስነ ምግባርን ሰኒቕና ብስርዓት ኣቦታትና ክንማላለስን ብንስሓ ተሓጺብና፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ተመጊብና ናይ ክብሩ ወረስቲ ክንከውን ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ረድኤትን በርኸትን ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን።

 “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር። ኣብ ጽላል እቲ ንኹሉ ዝኽእል ይነብር፣” (መዝ ፱፩፡፩)

 ስብሐት ለእግዚአብሔር፤

ምንጪ፡ መጽሔት ቃለ ጽድቅ

Comments are closed.