ነገረ ቅዱሳን ንነገረ ክርስቶስ ሸፊንዎ (ቀዳማይ ክፋል)

ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ  “ኣነ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስካትኩም ድማ ነዓይ ምሰሉ ከምዝበሎ ክርስትና ንክርስቶስ ምምሳል እዩ 1ይ ቆሮ፣11፡1። እዚ ሰለ ዝኾነ  ድማ ቅዱሳን ብኵሉ ንዕኡ መሲሎም ተረኪቦም እዮም።ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ነዓይ ክኽተል ዝደሊ(ክመስለኒ ዝደሊ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ፍቃድ ስጋኡ ይጠንጥን ብፍቃድ ነፍሱ ይንበር ስጋውን ዓለማውን ሽመቱን ሽልማቱን ይንዓቅ ፡ መስቀሉ ተሸኪሙ ኵሉ መከራ  ተዓጊሱን ይከተለኒ  ዝበሎ ነዚ እዩ  ማቴ 16፣24 ።

ብተወሳኺውን ስለ ስመይ ኢሉ ቤቱ፣ ኣሕዋቱ፣ ኣሓቱ፣   ኣቡኡን ኣዲኡን  ደቁ ወይውን ርሻኑ ዝገደፈ ኵሉ ዕጽፊ ክቅበል’ዩ ፍጹም ዋጋ ውን ኣለዎ። ናይ ዘልዓለም ሕይወት ይወርስ ዝብል ኣሎ  ማቴ 19፣29 ። ቅዱሳ ቃሉ ኣኽቢሮም ስለ ክርስቶስ ክብሉ ኵሉ ገዲፎም እዮም። ምሉእ ዝመኖምውን ዓለምን ፍትወታን ኣይተፍቅሩ ኣብ ዓለም ዘለዉ ስጋዊ ምንዮትን፡ጠመተ ዓይኒ ዝስሕብ ዘብለጭልጭ ስሕበት ዓለም ወይ ፍቅሪ ገንዘብ ካብ ዓለም እንበር ካብ ኣቦ ስለ ዘይኮነ ዝኮነ  ፍቅሪ ዓለም ዘለዎ ፍቅሪ ኣቦ ኣብ ውሽጡ የለን ። ዓለምን ፍትወታን ክሓልፉ እዮም  ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቃድ ዝገብር ግን ንዘልዓለም ክነብር እዩ እናበሉ ብቃልን ብሕወትን ሰቢኾም እዮም 1ይ ዮሐ 2፡15 ።

ስለዚ  ናይ ዓለም ፍትወት ጌና ኣብ ውሽጦም ዘሎ ብናይ ዓለም ፍትወት ዝቃጸሉን፡ መናፍቃንን ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም  ካብ ናይ ዓለም ፍትወትን ምቾትን  ፈጺሞም ብምፍላይ ንክርስቶስ ዝመሰሉ  ቅዱሳን ከም ዝተክፍተ መቃብር ኣፎም ክከፍቱ ዘሕፍር እዩ ። ብ ዝኮነ መልክዕ ንቅዱሳን ምስትንዓቅ ጽድቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ “ብድፍረትን ብትዕቢትን ብምስትንዓቅን  ን ጻድቅ ዝጻረፉ ናይ ዕቡያት ከናፍር በሃማት ይኩና “ ይብል መዝ 30-18 ።  ቅዱሳን ንዓለም ኣትዮም  ኣንጻር ዓለም ስብከቶም  የጋውሑ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዓለም   ሱቅ ኢላ ምርኣይ ኣይፈቀደትን፡  መከራ ኣሰኪማቶም እያ ። ነዚ ኣመልኪቱ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ “ ኣብ ዓለም ክሳብ ዘለኹም መከራ ኣለኩም ፣ ነገር ግን ኣጆኩም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ “ዮሐ 16፣33  ዝበለ ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እንግዳዖም ቆሲሉ ቆርቦቶም ክሳዕ ዝግፈፍ ተገሪፎም ፡ ብሰንሰለት ተኣሲሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ዮሐ 12፣6 ።

ብበትሪ ተቀትቀጡ  ኣእጋሮም ውን ምስ ጉንዲ ኣሰርዎም ግ ሃዋ 16፣24 ብሰይፊ ክሳዶም ተመትረ ግ ሃዋ 12፣2 ንዝበለጸ ትንሳኤ ንኽረክቡ ኣብ ምጽኣት ወልደ እግዚኣብሄር ውን ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ውን ተጎናጺፎም ንኽትንስኡ ክሳዕ ሞት ምእንቲ ስመ እግዚአብሔር ተዋረዱ ካልኦትውን ካብዚ ንላዕሊ ምእንቲ ስሙ ክብሉ መከራ ጸጊቦም እዮም። እዚ ከም ዘሎ እናፈለጡ ድማ  ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን  ለቢሶም ዓለም ዞሩ ዓለም ንዖኦም ትበቅዕ ኮይና ኣይረከብዋን እሞ ኣብ ምድረበዳን ኣብ እንባታትን፣ኣብ በዓትታትን ኣብ ጎዳጉድን ምድርን ኮለል በሉ  ዕብ 11፣35። ቀዳማውን ዳሕረዋይን ብዘይብሉ ብሓደ ወዱ ፡ብኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ናይ ዘልዓለም ክብሩ ዝጸውዖም ናይ ኵሉ ጸጋታት ኣምላኽ ግን ፡ ድሕሪ መከራኦም ፍጹማት ጌርዎም ፡ ኣጽኒዕዎም ፡ ኣበርቲዕዎምውን እዩ ፣ 1ይ.ዼጥ5፡9። ነቶም ቀደም ዝመደቦም ነዓታቶም ከኣ ጸውዖም ነዓታቶም ድማ ኣጽደቆም ነኣታቶም ውን ኣኽበሮም ።

ስለዚ ግድሊ ቁዱሳን ማለት እዚ’ዩ   ቅዱሳን ፣ ዝመረጽዎ ንእየሱስ ክርስቶስ ዝመሰሉ  ወንጌል ብምምሃርን  ተኣምራት ምስራሕን ጥራይ ዘይኮነ  ኣብ ላዕሊ ከም ዝተፈጸመ  ጽኑዕ መከራ ብምውሳኽ እዩ ። ንኣብነት ንምጥቃስ  ፥ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል እንከሎ ነቶም መከራ ዘውረድሉን፡ዝገፍዕዎን ሰባት  “ኦ  ኣምላኽ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” ኢሉ ከም ዝተዛረበ  ቅዱስ እስጢፋኖስውን ጸላእቱ ብዳርባ እምኒ ንኽቀትልዎ ኣእማን እናወርወርሉ  እንከለዉ ንሱ ግን “ኦ ኣምላኸይ እዚ ከም ሓጥያት ኣይትቁጸረሎም”  እናበለ ብዓውታ ክጭድር ተሰሚዑ እዩ  ግ.ሓዋ 7፣60  ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ፦ ኣነ ንኽርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስካትኩምውን ነዓይ ምሰሉ ዝበሎነዚ እዩ  1ይ ቆሮ 11፡1 ። ምኽንያቱ ንቕዱሳን ምምሳል ንክርስቶስ  ክንመስሎ  ስለ ዝሕግዘና ።

ስለዚ ድማ እዩ “ነቶም  ን ኣምላክ ዘፍቅሩ ከም መኽሩ ውን ዝተጸውዑ ግና ኩሉ ንሰናዮም ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ፣ነቶም ቀደም ዝፈለጦም ንሱ ንብዙኃት ኣሕዋትሲ ቦኽሮም ምእንቲ ኪከውን ፣ ንምስሊ ወዱ(ኢየሱስ ክርስቶስ ) ኪመስሉ ቀደም ሃቦም ነቶም ቀደም ዝመደቦም ነኣታቶም ከኣ ጸውዖም ነቶም ዝጸውዖም ነኣታቶም ኣጽደቆም ነቶም ዘጽደቆም ነኣታቶም ውን ኣኽበሮም ሮሜ 8፡28 ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ገይታናን መድኃኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል  “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ከምዝተዛረበ  “ንስካትኩም ውን ብርሃን ዓለም ኢኹም” ኢሉ ተዛሪቡ’ዩ ማቴ 5፥14። ብርሃን ብብርሃን ይግለጽ  እንበር ብማንም ኣይሽፈንን  ስለዚ ንክርስቶስ ብምሉእ ልቦም ዝተቀበሉ ብኩልንትናኦም ንዑኡ መሲሎም ዝተረኽቡ ምዝላፍ ንዑኡ ምዝላፍ ከምዝኮነ ምፍላጥ ይግበኣና ።

ከም ውጽኢቱ “ነዓኹም ዝቅበል ነዓይ ይቅበል” ብምባል ገሊጽሎም እዩ ማቴ  10፥40 ። ንሙዃኑ መናፍቃን ቅዱሳን ከይተቀበሉ ጐይታ ተቀቢልና ዝብሉ በየናይ መንገዲ ስለ ዝሓለፉ እዮም ? ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝሰፈረ ትምህርትታቶም ምቅባል እኳ ንዖኦም ምቅባል እዩ ። ትምህርትታቶም ንቅበል ንዖኦም ግን ኣይንቅበልን ምባል ኣይከኣልን ።  ቅዱሳን ፣ ብኵልንትናኦም ንዑኡ መሲሎም ምርካቦም ብዛዕባኦም ምስባኽ ማለት ስለ ጐይታ ምስባኽ እዩ ፣ ምኽንያቱ ገድለ ቅዱሳን ዝተጻሕፈ ብስም እየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተጋደሉ እዩ ገድልታቶም ውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ኣትሒዙ ከም ዝመረጾም ይነግረና  እዚ ውን ኣብ ውሽጢ መጽሐፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ይርከብ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!

ካልኣይ ክፍላ ዝመጽእ ሰሙን

ጸሓፊ ፦ ዲ. ዳንኤል ክብረት

ትርጉም፦ ዮስኣብ የማነ

Comments are closed.