ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ።
ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ።

ኣብዚ ወርሒ እዚ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ቅዱስ ኢያቄምን ካብ ቅድስቲ ኣዲኣ ሃናን ብብዙሕ ልመና ተረኺባ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ተጸንሰት ድሕሪ ትሽዓተ ወርሓ ሓደ ግንቦት ተወሊዳ። ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ካብ ዝተጸንሰትሉ ዕለት ጀሚራ ፣ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዲኣ ከላ ብዝሕ ተኣምራት ዝገብረት እያ።  ድምጸ ሃና፣ ጽላሎተ ሃና፣ ማኅጸነ ሃና ተኣምራት (ፈውስ) ጌሩ እዩ።  ኣብኣን ኣዲኣን ከኣ  ኣብ ቤቶም ዓቢ ፍስሓን ሓጎስን ኮነ ፡ ቤቶም ከኣ ብብርሃን መልአ፡፡ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቲ ከኣ ማርያም ኢሎም ስም ኣውጹኡላ። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርርይማ ወላዲተ ኣምላክ ጣዕማን ፍቕራን ኣይፈለየና።

ብሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቑ።  : https://eritreantewahdo.org/?sermons=ኢያቄም-ወሐና-ወለዱ-ሰማየ-ሰማዩሙኒ-አሥረ

 

 

 

 

 

Comments are closed.