ትንሣኤ ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ኣብጽሓና።  ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን  በዓብይ ኃይል ወሥልጣን አሰሮ ለሰይጣን አግኣዞ ለኣዳም  ሰላም  እምይእዜሰ  ይኩን  ፍስሃ ወሰላም እዚ ዕለት እዚ ተኣኪብና ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጊዜ ንዝክረሉ ዕለት ኢዩ። ንሱ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉ ጥራይ ዘይኮነ ትንሣኤና ዝኣወጀሉ፡ ኃይሊ ሞት ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘጥፍኣሉ እዩ'ውን […]

Continue reading

እቲ ካልኣዊ ገጽ መልእኽቲ'ከ እንታይ እዩ ᎒  ዝቐጸለ መወዳእታ ክፋል  ዝሓለፈ ኣብነት ናይ ወርሒ ርኢና ኔርና። ከመይ ጌራ እትምግብ ብርሃናን ሕይወትና ከመይ ከምዝመሰልን ተመልኪትና ኔርና። ሕጅ ኸኣ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር እቲ ካብቲ ሥነ-ፍጥረት ኣንጻር ክንርኢ ኢና፥ ጥበቡን ምሥጢሩን ይዓድለና።  እታ ወርሒ ካብ ምሉእ ብርሃና ምዕዳል (ዕለት ሓደ) ጀሚራ እንዳጎደለት እያ እትኸይድ፥ እቶም ከዋኽብቲ ኸኣ ትም […]

Continue reading

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።

2ይ ክፋልን መወዳእታን † ኣምላኽ ንሕና ክንኮኖ ዝደልዮ÷ 1. ብዝተገብረልና ኩሉ ኣምላኻዊ ሓልየቱን ናይ ምድኃኑ፣ ሥራሕን ኣመስገንቲ ክንከውን ፥ “ ጐይታይ፥ ምስጋናኻ ክነግርሲ ክእለት ዘረባ ሃበኒ።”መዝ.51፥15። " ይኣኽለኒ ዝሰፈኖ ሃይማኖት ዓቢይ ረብሓ እዩ። "1ይጢሞ.6፥6። ፊሊ.4፥6። ኤፌ.5፥19-20። ቆላ3፥16። 2. ሕጉ ብምሕላው፣ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ […]

Continue reading

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: እዚ ናይ ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ዝተነበበ ናይ ሻብዓይ ሰምበት ጾም "ኒቆዲሞስ" ዕለት ወንጌል እዩ። ኒቆዲሞስ ኣብ ወንጌለ ዮሐንስ ምዕራፍ ፫/3 ከም ዝተገለጸ ኻብ ፈሪሳውያን ኾይኑ፥ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ ዝነበረ። እዛ ንባብ ናይ ኒቆዲሞስ ካብ ንእምነት ክርስትና ካብ ዝስሕባ ጽሑፍ እዩ ዘለዋ፥ ንሳ ድማ ፍቅዲ ፲፮/16፡፡ "ኣምላኽ፡ በቲ […]

Continue reading

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።

በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ወቕቲ ጾም፥ ብዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ጸጋን በረኸትን እግዚአብሔር እንሓፍሰሉ ግዝያት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ጾሙ ባዕሉ ጐይታ ዝጸሞ ፍሉይ ብምዃኑውን መለኮታዊ ፍቕሩ እንዝክረሉ እዩ። ከመይሲ እዚ ኩሉ ንዓናን ምእንታናን ዝተገብረ ስለ ዝኾነ። «ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። » ከም ዝተባህለ 1ይዮሓ.4፥8፥ ፍቕሪ መለኮታዊ ስምን ባሕርይን እግዚአብሔር እዩ። […]

Continue reading

እቲ ዝጉዳእ መን እዩ᎒

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምሃሮም ትምህርቲ ሓደ “ ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረገምኹም መርቑ ፣ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ዝበደልኹምን ዘሳደድኩምን ጸልዩ። ” ዝብል ይረከቦ። ማቴ.5፣43-44፣ ብዙሓት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። […]

Continue reading

  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ ተኣምር ክትንበብ እንከላ እንታይ ይስመዓኩም፥ ቁሩብ'ከ ኣብ ኅሊናኹም እንታይ ይመላለስ᎒     ካብ'ቲ ብዙሕ ትሕትናኣ ከም ትብሉኒ ኣይጠራጠር ኢየ በሉ ነታ ዝበልኩማ መሰረት ብምግባር ተኣምራ ክንበብ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተአምራ ንነፍስና ነዚ ዘክሪ ንበላ!!! እቲ ዝበለጸ ዘገርም ትሕትናኣ ግን ንማይ ቐዲሓ ዕትሮኣ መሊኣ ክትምለስ […]

Continue reading

ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታወይ እዘን ምክረ አበው ከቀድም ዘሚኬኤል ዓርከይ ብምባል ድሕሪ ሰላምታ ናብ ጽሑፉ ኣስጊሩኒ ።  ሠናይ ንባብ።   † ሓደ ኣቦ አበምኔት ገዳም ኣብ ሓደ እዋን ንአባ ባይሞን ዝበሃሉ ኣቦ “ ፍርኃት እግዚአብሔር ከመይ ጌረ ኣብ ሕይወት ኩሉ ግዜ ክኅልወኒ ይኽእል።” ኢሎም ሓቲቶሞም። እሶም ክምልሱ ከለዉ “ ሰብ ከመይ ብጽቡቕ ጥዕሙን ብልዕን መስተን […]

Continue reading

“ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር”1ቆር11፡4። ሰብኣይ ርእሱ ኣይሸፍን እናተባሃለና ከሎ ስለምንታይ ስልጣነ ክህነት ዘለዎም ( ጳጳስ፡ካህን(ቀሺ)፡መርጌታ፡ድያቆን) ክጽልዩ ከለዎ ቆቢዕ ዝገብሩⵗ እናበሉ ንቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ክጸርፉን ክዘልፉን ሰባት ሰሚዓ ኣለኹ። ሶሲ መሓዛይ ምስ ሓንቲ ምስኣ ትመሃር መሓዝኣን ስለምታይ ካህናት ቆቢዕ ኣብ ርእሶም ዘንበሩⵗ ክትብል ትሓታ ኣላ። ሶሲ ብዝከኣላ መጠን […]

Continue reading

ታቦትን ኢየሱስ ክርስቶስን

ኣብ ልዕሊ ታቦት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ ⵗ ተባሂልኩም እንተትሕተቱ እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም? “ዓሰርተ ትእዛዛት” እንተኾይኑ መልስኹም ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅድሚ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምምላስና ኣቐዲምና ብዛዕባ ታቦት ቁሩብ ነገራት ክንምልከት። ብዙኃ ግዜ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዱስ ታቦት ኣብ ዝለዓሉ መብርሂታት ብዛዕባ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ዝጥቐሱ ጥቕስታት ነቲ ዝሰፍሐ ክፋል […]

Continue reading