ክስሕቅ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን

ክዋዘ ‘ዶ ይሕሸኒ ክሓዝን

እቶም ትፈትውኒ ጻላኢኺ ይሕዘን ኣፍኪ ብሰሓቅ ይምላእ ከም ትብሉኒ ይኣመን እየ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝበደልኩኹም እሞ ቂም በቀል ዝሓዝኩሙለይ  ድማ  ሕይወትኪ ብሓዘን ይምላእ ወይ ባዕልኺ ፍለጢ ትብሉ ትኾኑ  መን ይፈልጥ። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰባት ብፍላይ ምስ ይዕሩኽተይን መሓዙተይን ክዕልል ከለኹ ብዋዛ እናቀልድኩ ሓጎስን ደስታን ንነብስይ ክምእርረላ ይደሊ። ሰሓቅን ጸወታን ዘይብሉ ዕላላ ብጣዕሚ’ዩ ዘሰልችወኒ። ሳዕቢን ናይ ዋዛን ፈዘዛን  ምብዛሕ  ኣብ መንጎ ዕላል ቁም ነገር ክትዛረብ ከለኻ ዝኣምነካ ምሳኣን'ዩ። ዋዛን ቀልድን ካብ ሰባት ጥራይ ኣይኮንኩን ዝረኽቦ። በይነይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን  ሞባይለን  ተቃላጢፈ ብምልዓላ እንታይ ሓድሽ ኮሚዲ ወጽዩ ወይ እንታይ ሓድሽ ዝስሕቀኒ መደባት ከም ናይ በዓል ሱዝኒኖ፡ዮናስ ማይናስ፡ሳንድያጎ፡ናይ ኣምሓርኛ ዋዛታት፡ ናይ ቱርኪ ድራማ.....ወዘተ ኣብ ዩቲብ(YouTube) ፡ ገጽ-መጽሐፍ(Fecebook) ወጽዩ ብምባል ገለ ሓድሽ ምስሓቅ መድባት ከናዲ ሃስስ ይብል። ኣብ ትምህርትን ስራሕን ውዒለ ኣብ ገዛይ ደበኽ ኣብ ዝበልክሉ ሰዓት ተጓየ መስኮት ተለቪዝን ከፉተ ናይ ለይቲ ምርኢት(late Show) ብምኽፋት  ካብቲ ኮሚዲያን ዝቅርብዎ መደባት ሰሓቅን ደስታን ይሰንቅ። እናሰሓቅኩ ኮሚድያዊ ድራማ እናተዓዘብኩ  ኣብ ዓረተይ ልኹስስ ይብል። ኣንጊሀ ምስ ተሳእኩ ኣብ ትምህርቲ በዘዓባ እቲ ዝረኣኽዎ መስሓቅ መደባት ምስ ይዕሩኽተይ ፡ መሓዙተይ ብመልኽቲ ተሌፎን(texting)፡ ብቫይበር፡ኢሞ ..ወዘተ መልእኽተይ የመሓላልፍ። መዝሙር ወይ ቃል ኣምላኽ መልእኽቲ ምስ ዘመጸኒ ከይሰማዕኩ ከየንበብኩ ዝማሬ መልኣኽቲ ወይ ቃለ-ሕይወይ ይስምዓላና እናበልኩ ይምልስ።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ክፍሊ መዘምራንን ክፍሊ ድራማን  ተሳታፊት እየ።መዝሙር እናተላመድና ኣብ መንጎ መዝሙር ምቅላድ ልዕልቲ እቲ ዝዝምሮ መዝሙር ምስጋና በቲ ኣነ ዝዛረቦ ምስሓቂ ቃላት እቶም መዘምራን ክስሕቆ ካርካር ክብሉ ከለው ባህታን ሓጎስን  ይዘርአለይ። ድያቆን እከለ መዝሙር ከላማድና ከሎ ዓቅለ’ዩ ዝጽብበለይ፡ ማራ ድማ  ይስልቺውኒ ። ሓንሳብ ገጹ ምስ ኣሰረ ፡ እንትርፎ ክምዕድን ክግስጽን ፡ ኣብ መንጎ ምዝሙር ዕላል ኣይፍቀድን ፡ ሰሓቅ ኣይፍቀድን እናበለ ዓቅልና ሰለዘጽብበልና  መዘምራን ደርጋ ኵላትና በዘይካ ክልተ ሰለስተ ንሱ ከላምድና ኣይብርሃንን እዩ።ከምዚ ኣብ ማርያም ግቢ ዝተኣሰርና ኮይኑ’ዩ ዝስመዓና።ኣነ ዝዓበኽሉ ገዛውቲ ፐራዲዞ-ማይተመናይ ብሰሓቅን ጸወታን ዝተማእከለ ኣተዓባብያ ሰለ ዝዓበኹ መስለኒ ዘይቅልድ ወይ ዘይስሕቅ ሰብ ክቀርቦ ክንጽግዖ ኣይኮነን ክቅረቦ እኳ ንጋዶ ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጽሑፋት ዘዓባ ጽጌ ከንብብ ጀሚረ ኣለኹ ። ብፍላይ ዝሓለፈ ሰንበት ሓንቲ ትምስጣኒ መጽሐፍ የንብብ ነይረ ነቲ ዝነበሪ ዝንቡዕ ኣካያዳ ክቅይር ዓሰርተ ደቂቅ ጥራይ ወሲድለይ ። ፍኖተ መምርሒ ሕይወተይ ክቅይር ተገዲደ ።ብፍላይ  ሓደ ስልጣነ ክህነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ዮናስ ማይናስ ኮሜዲ ክራኢ ምስ ረኣኽዎ ሰንቢደ ክሳብ ቤተ-ክርስቲያን ዲና ኣብ ጺሕናዮ እዚ ኮሚዲታት ። ቅድሚ ክልተ ስሙን ይኸውን ሓደ ንሓደ ድያቆን ቤተ-ክርስቲያን ተኸፊቱ  ድዩ ᎒ጸሎት ቅድሴ ይህል’ዶ ይኸውን ኢለ ምስ ሓተትክዎ ኣብ መንጎ ቅዳሴ “እወ ኣቲ ደቃሲት ፍርቂ በጺሕና እቲ መዓጾ ተዓጽ’ዩ እዩ ተመለሲ ክክክክክክ” ክብል መሊስለይ። ደቂ ማሕበርና ነዓይ ቀላዲትት ተዋዛይትን ሰለ ዝሓስቡኒ ኣብ ኵሉ መልእኽቲ “lolololol ወይ ክክክክ” ዝብል ይጽሕፉለይ። እዚ ነገር ብጣዕሚ ከተሓሳስቢኒ ክግህየኒ ጀሚሩ። ንብሰይ ጥራይ ከይኣክል ንኻልእ ሰባት ከአ  እናበልኩ ብጣዕሚ ሓዚነ።

ናይ ቅዱሳን ሕይወት ክፍትሽ ድማ ደሪኹኒ ። ቅዱሳን ሙሉእ ሕይወቶም ቅልዲ ጥራይ’ዶ መሊኡ ነይሩ ይኸውን፡ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልኽቲ እናኣስሓቁን እናተዋዘዩን ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ይህልዶ ይኸውን ፡ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኣብ ዘመነ ሥጋዊኡ የስሕቅን ይቅልድ ነይሩ’ዶ ይኸውን .... ወዘተ ዝብል ሕቶታት ክልዕል ጀሚረ። እሪ ዘገርም ኣብ ወለሓንቲ ጽሑፍ ንሕቶይ ዝምለስ ኣይረኽርብኩን ።ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ክርስቶስ ኣብዛ ዓለም እንትርፎ ጸዋተ ወመከራ ተቀበል፡ በኽየ፡ ሓዘነ ዝብል ጽሑፍ ካልእ ኣየንበብኩን። “ተከዘት ነፍስየ እስከ ለሞት”(ነፍሰይ ንሞት ተከዘት) ክብል ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ብሓቂ ንቤዛ ክርስቶስ ሓዘን፡ መከራ ይግብኦ ደዩ᎒።እዚ ልዕሊ ዓቀን ዝሓለፎ ዋዛን ፈዘዛን ደኣ እንታይ ኣነ ኮኽሶ ዝውIል  እናበልኩ ንነብሰይ እቲ ሒዛቶ ዘላ ሰነ-ምግባር ጌጋ ከም  ዝኾነ ይሕብራ ኣለኹ።

ዘመኑ ስደት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዝክረሉ ብሕልና ምስኣ ናብ ሃገረ ግብጺ ንስደደሉ ቅነ  ኢዩ።  ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ትውልደ ፡ ክሳብ ናብ ሰማይ ትዓርግ እንተርፎ ሓዝንን መከራን ስደትን ካልእ ኣይገጠማን። መጋቢ ሓዲስ ቅዱሳ ገብርኤል ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ትፈስሒ ፍስሕት ኦ ምልእተ ፀጋ ክብላ ከሎ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ኣዴና ሰራ ኣይሰሓቀትን ። ልባ ተፈሲሁ ሓጎስን ዕልልታ ደርጉሓቶ ዝብል ጽሑፍ ኣይነብብ እንታይ ደኣ ኵሉ ነገር ኣብ ልባ ትግብሮ ነበረት ይብለና መጽሕፍ ቅዱስ።ጻድቅ  ኣረጋዊ ዮሴፍ ኣብቲ ቤት-መቅደስ ነቲ ሕፃን ክርስቶድ መሓቆፎ ፡ ኣምላከ ኣማልክት ሰለ ዝወለድኪ ተሓጎሲ ባህ ይበልኪ ኣይበላን ብኣንጻሩ እኳ ደኣ “ ሕሳብ ብዙሓት ምእታን ክግለጽ ንኸብድኺ ሰይፍ ክስንጥቆ’ዩ” ብምባል ዝሕዝን ዜና ነገራ። ኣዲና ቅድስር ድንግል ማርያም ንክርስቶስ ኣብ ዝወለደትሉ መዓልቲ ብቁርን ኣሳሕይታን ብዙኃ ተጓዒዛ  ኣብ መብልዒ ማል ወለደቶ ። ኣብ ግዜ ወሊደ ከምዚ ናይ ዘመና መድኃኔት ናይ ቃንዛ ወሲዳ፡ ኣብ ማሙቅ ዓራትን ገዛን መወልዳን ኣይተነጽፈላን  ንመከራን ሓዘነት ኣባ ደኣ ተጋለጽት። ድሕረ ወሊድ ንክርስቶስ ሓቌፋ ፡ሓዚላ ናብ ስደት ኣምርሓት፡ ክሳብ እግረ መስቀል እናበኸየትን እናሓዘነት ንወዳ ሰዓበቶ።

ሰለዚ ኣብ ዓለም መከራን ሽግርን ብኽያትን ፀጋ ይዕድለካ።ዋዛ ፡ቀልዲ፡ ኮሚዲ፡ ሰሓቅ፡ ሃብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣየፍርየልካን። ሰለዚ’ዩ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኣብቲ ኣንቅፀ ብፁኣን “ዝሓዝኑ መጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም” ዝበሎም። “በቡዙኃ ጻማ ወመከራ ሃለወነ ንባእ ለመንግስተ ሰማይ “ ( ንመንግስቲ ኣምላክ ብብዙሕ መከራን ኢና ) ተባሂሉ ከም ዝተነገረግና መንግስቲ ኣምላኽ ንወርስ ድሎት ምቾት እናተመገብና ጣዕሚ እዚ ዓለም እናኣስተማቀርና ብዋዛን ፈዘዛና ግዜ እናሰዋዕና ኣይኮነን። ኣብዛ ዓለም ብኽያትን ሓዘንን ጽድቂ ከም ዝውህበና ምዝካር የድሊ። ሓዋርያት ኣብዛ መድሪ ዓለም ከም ዝበኸዩን ከም ዝሓዘኑን ክገለጽ ከምዚ መጽሐፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና “ወለሃዩ ብዙኅ ለሃይ”(ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ)ግብ8፡3። ሰለዚ ስብ ብሓዘን እምበር ብሓጎስ ንዓለም ኣይስዕራን። ሓደ ክርስቲያን ብልዕን መግብን ሓልዮት ናይዛ  ናይዛ ዓለም ውሒድዎ ጠመኹ፡ ጸማእኩ እናበለ ኣይሽገርን ኣይሳቀይን ። ከም ቅዱሳን ኣቦታቱ ሓዋርያት ጽምእን ጥምየትን መከረን ሓዘንን ሰማያዊ ጽድቂ ከም ዝውርሶ ይፈለጥ።ኣብ ውሽጢ ሓዘንን መክራን ተገሊጹ ዘይውዳእ ፀጋሓጎስ ኣሎ። ብጐይት ተሓጎዱ ደስ ይበልኩም ኢና ትባሂልና እምበር ብብልዕን መስተን፡ ደርፍን፡ ዳንኬራን፡ ገንዘብ ሃብቲ እዛ ዓለም ኣይኮነን ሓጎስን ትድላን ዝርከብ።  ሎሚ እንተ ሓዚነ ጽባሕ “ረከብከ ሞጎሰ በሃበ እግዚአብሔር “ከም ንበሃል ርግጸኛ እየ። ከም  ኣዳም ኣቦና ሓዚና፡ ተኪዘና ናይ ዘልዓለም ሓጐስ ንምርካብ ‘ዶ ንጽዓት ወይስ ከም ኣህዛብ ሲሕቅና ተጻዊትና ናይ ዘልዓለም  ሰቆቃ ንውረስ እቲ መርጫ ናባኹም ይገድፎ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!

ልዋምን ራህዋ-ተስፋይን

10-16-2018

Comments are closed.