"ወውእቱ መጽአ ኒቆዲሞስ ኅበ ኢየሱስ ሌሊተ ወይቤሎ ረቢ መኑ …… ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥"መምህር፥በጀካ እቲ ……" ዮሐ. ፫፥፪/3፥2

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::

እዚ ናይ ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ዝተነበበ ናይ ሻብዓይ ሰምበት ጾም "ኒቆዲሞስ" ዕለት ወንጌል እዩ። ኒቆዲሞስ ኣብ ወንጌለ ዮሐንስ ምዕራፍ ፫/3 ከም ዝተገለጸ ኻብ ፈሪሳውያን ኾይኑ፥ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ ዝነበረ። እዛ ንባብ ናይ ኒቆዲሞስ ካብ ንእምነት ክርስትና ካብ ዝስሕባ ጽሑፍ እዩ ዘለዋ፥ ንሳ ድማ ፍቅዲ ፲፮/16፡፡ "ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።" እዛ ጥቅሲ እዚኣ፥ ካብተን ብዙሓት ብቛንቋ ዓለም ካብ ዝዝረባ እያ፡፡ ሎሚ እንዘራረበሉ ናይ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ጉዕዞ መንፈሳዊ ሕይወትና ከኣ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝብል እዩ ᎒ ምሥጢሩን ጥበቡን ይዓድለና።

ኒቆዲሞስ 

ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፥ ኣብዚ ዕለት እዚ ሓለቓ ናይ ፈሪሳውያን ዝኾነ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ጐይታና ከም ዝመጸን፥ ጐይታና ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀትን ዳግማይ ልደትን ንኒቆዲሞስ ከም ዝመሃሮ ቅዱስ ያሬድ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 3 ዘሎ እናጠቐሰ ስለ ዝዘመረ ስያሜኡ ኒቆዲሞስ ተባህለ።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኣርእስቲ

ሆረ ሃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ
ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ከደ

ኣብ ጊዜ ቕዳሴ ዚንበቡ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ

ሮሜ 7፡1-19  ዲያቆን (ገባሬ ሠናይ)
1ይ ዮሐ 4፡18 - ፍጻሜ ዲያቆን (ንፍቅ)
ግ.ሐዋ. 5፡34 - ፍጻሜ ካህን ተራዳኢ

ምስባክ

ሐወጽከኒ፡ ሌሊተ፡ ወፈተንኮ፡ ለልብየ፡
ወአመከርከኒ፡ ወኢተረክበ፡ ዐመፃ፡ በላዕሌየ።
ከመ፡ ኢይንብብ፡ አፉየ፡ ግብረ፡ እጓለ፡ እመሕያው፡

ንልበይ ፈተንካዮ ብለይቲ ኸኣ በጻሕካኒ
ፈተንካኒ ዋላ ሓንቲ ኸኣ ኣይረኸብካለይን
ኣፈይ ናይ ሰብ ሥራሕ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ /መዝ 17፡4/።

ወንጌል ዮሓንስ 3፡1-20 ካህን 

ቅዳሴ፦ ማርያም

፪/2፥ ንሱ ካብቶም ብመዓልቲ ዝመጹ ኣቐዲሙ ብለይቲ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጸ።

ትርጓሜ ወንጌል ከምዚ ኢሉ ናይ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ምምጽኡ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ፥ 

 መግለጺ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣይሁድ ብክርስቶስ ዝኣመነ ካብ ቤት ጸሎቶም ኪሰጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ እዩ /ዮሓ 9፥22/።

 ካልኣይ፦ ብለይቲ ምምጽኡ ኣብ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘይነበሮ እዩ።

ሣልሳይ፦ ክሳዕ ሎሚ መምህር እናተባህለ ነይሩስ፡ ሕጂ ኣብ ክርስቶስ ይመሃር ኣሎ፡ ከይብልዎ ውዳሴ ኸንቱ ስለ ዝደለየ እዩ።

ሕጂ ግን ምስ ሕይወትና ነረኣእዮ፥ ለይቲ ከመ እንፈልጦ ግዜ ኣራዊት ዝንቀሳቀስሉ እዩ፥ ግዜ ዕረፍቲ ወዲ ሰብ፥ ግዜ ባርነት፥ ግዜ ሓዘን፥ ግዜ በደል፥ ግዜ ባርነት ሓጢኣት……… ወዘተረፈ ይምሰል። ክንርእዮ ደሊየ ዘለዅ ግን ግዜ ባርነት ኃጢኣት/ ኣበሳን ናብ እግዚአብሔር ዘይምምላስናን እዩ፡፡ ወዲ ሰብ ንእግዚአብሔር ከገልግሎ ዝደሊ ብግዜ ሓጎስ እምበር ብግዜ ጸበባ ሽግር ብበደል ኣይመጽእን እዩ፡፡ ዝገርም ናይ እግዚአብሔር ሥነ-ፍጥረት እንተሪኢና ዘደንቅ እዩ። ንኣብነት ጸሓይ ንምድሪ ብግዜ ቐትሪ ትምግባ፥ ብግዜ ምሸት/ለይቲ ግን ወርሒ ትዅን ከዋኽብቲ ብግዲ መግቦት ናይ ብርሃን ኣለዎም ብዓቅሞም። ወርሒ ክላእ ከዋኽብቲ ኣለዋ እንዶ ኣነ ኸኣ ብርሃነይ ደኺሙ ኣሎ ኣይትብልን፥ ከምኡ'ውን ከዋኽብቲ ኸኣ ሎሚ መጀምሪ ወርሒ እዩ እሞ፥ ብርሃን ወርሒ ክብርትዓና ክንደየናይ ከይደምቕ መግቦት/ግደ ብርሃን ኢሎም ኣየቋርጹን። ወዲ ሰብ'ውን ካብዚ ክመሃር ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ኣብነት ብግዜ ቀትሪ ተባሂሉ ዘሎ ብግዜ ንስሓ ተሓጺብካ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምብጻሕ እዩ። እታ ወርሕ ብክርስቲያን ከዋኽብት ዝበሃለ ግን ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ፈተናን ሽግርን ዝበጽሖ እዩ። ወርሒ ካብ ጸሓይ ብእትረኽቦ ምሉእ ብርሃን ንዝተወሰነ እዋን ኣጽኒሓ እንዳጎደለት ክሳዕ ምጥፋእ ትበጽሕ፥ ግን መግቦት ብርሃን ፍጹም ኣይተቋርጽን። እዚ ካብ ጸሓይ እትወስዶ ብርሃን፥ ካብ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ ጸጋ ውልድነት እዩ፥ ወርሒ ምብርሃ ክርስቲያን "ብርሃን ዓለም ምዃኖም ምግላጽ"፥ ጉዕዞ ክርስትና፥ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፥ ወርሒ ጠፊኣ ትሕቲ ከዋኽብቲ ምዃና ብኃጢኣት ምውዳቕና፥ መሊሳ ብሓድሽ ወይ መጀመርታ ወርሒ ምድማቓ ብጸጋ ምሥጢር ንስሓ ዝርከብ ጸጋ፥ እንደገና ብርሃና ምዕዳላ መገዲ ቅድስና፥ ኣገልግሎትካ… በርቲዕኻ ምቅጻል እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣብነት ናይዚ ሥነ-ፍጠረት ኸኣ መምሃሪ ዝኾነና፥ ቀጻሊ እቶም ከዋኽብቲ ምስታ ወርሒ ኣለዉ፥ ዝስወርሉ ኣለዉ። እቲ ቐጻሊ ምስኣ ምህላዎም፥ ፈተናን ሽግርን ጸበባን ዋላ እቲ ዕብየቱ እኳ እንተተፈልየ፥ ቀጻሊ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ኣለዉ፥ ክጠፍኡ ከለዉ ኸኣ ናይ ምሕረት እግዚአብሔርን ኣማላድነት ቅድሳንን ዘመልክት እዩ። በዚ ኸኣ ኣየናይ ብዙሕ ጸጋ ከምዝህብ ይነግር። 
ነገራት ኩሉ  ብትሕትና ዝኣሊ ካህን፡ “ፍቑር ሓወይ፡ ኣነ ኣብ’ዚ ምሳኻ ዕረፍቲ ክረክብ ኢለ መጺአካ፡ እታ ዝጽልየላ ዝነበርኩ ሥፍራ ድልየቶም ይገብሩንን ዝእዝዙንን ኣሕዲጎምኒ። ብርሃን ምስ ወጸ ድማ፡ ብሰንኪ ክፉእ ምግባረይ ምስኦም ክቕመጥ ኣይከኣልኩን። ብእሙን ኣምላኸይ ኣብ ጸሎትካ ክትድግፈኒ ድልየተይ እዩ። ተስፋ ከይቆርጽ ሓግዘኒ።”

ነዚ ዝሰመዐ ባሕታዊ፡ ብምጽፋዕ ገዛእ ገጹ ጀመረ። ሓመድ ኣብ ርእሱ ድማ ደፍአ። ከምዚ ድማ በለ፡ “ኣንቱም ኣቦና፡ ንስኹም ቀንዴል እንከለኹም ንዓይ ንኃጢኣተኛ ብምንታይ ዓቕመይ እሞ፤ እዋይ! ኣነ መን ምዃነይ እንተትፈልጡንስ፤” ብዛዕባ ነፍሱ ክገልጸሉ ጀመረ። ተቐላጢፉ እቲ ካህን፡ ነቲ እከይ ነገራት ከይነግሮ ለመኖ። እዚ ድማ ሕማቕ ቃል ንቕኑዕ ልቢ የዝሕሎን ንእዝኒ የርክሳን ስለዝኾነ። ቀኖና ወሲዱ ድማ ለይትን መዓልትን ኣፍ ልቡ እናወቐዐ ክበኪ፡ ንነፍሱ ይወቕሳን የሕስራን ነበረ። ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ድማ ብኸምዚ ኣገባብ ቀጸለ። ከም ልማዶም እቶም ካህን ካብ ጸሎት ምስ ተመልሱ፡ ናብታ ሥፍራ ተመልከቱ። ርኹሳት መናፍስቲ ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ኢሎም ጸንሕዎም። ዝኾነ ክገብሩ ስለዘይከኣሎም፡ ነቲ ማዕጾ ክሰብሩዎ ይፍትኑ ነበሩ። በዚ ድማ እቶም ካህን ፡ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ኣብ ጸሎቱ ከም ተዓወተ ፈለጠ። ተሓጒሱ ድማ ማዕጾ ኳሕኮሐ። ብዛዕባ ሕይወቱ ክሓቶ ምስ ጀመረ፡ እቲ ባሕታዊ ብክቱር ጓህን ሓዘንን ቃል ከውጽእ ኣይኸኣለን። “ርአ ኣቦና፡ ኣነስ ዳግም ከም ባሕታዊ ክቁጸር ኣይክእልን እየ፡ ብንጽህና ጸጋታት እግዚአብሔር ዝቕበል ከመይ ዝበለ’ዩ፤ ዝፈረሰስ መዓስ’ዩ ዝጽገን፤ እቲ ጉዕዞ ከመይ ዝበለ እዩ፤” እናበለ ነቲ ካህን ይምልሰሉ ነበረ። ካብቲ ባሕታዊ ዝወጽእ ዝነበረ ካህን፡ “ጐይታ ሠራዊት ይኽበር ይመስገን፡ ብንጹህ ልቦና ናባኻ ዝምለስ ኃጥእ ስለዝተቐበልካ፡ ካብቲ ዝነበሮ ዚበለጸ ገይርካ ድማ መለስካዮ። እቲ ባሕታዊ ካልኣይ ሰሙን በዚ ኣጋባብ ምስ ቀጸለ፡ እቲ ክበጽሖ ዝመጽእ ዝነበረ ካህን ከም ልማዱ ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ምስ በለ፡ እቶም ርኹሳት መናፍስቲ፡ ክዳኑ ቀዲዶም ጭሕሙ ነጽዮም፡ ናብ ቤትካን ጎረቤትካን ክንኣቱ ዘይምኽኣልና ኣይኣኽለካን። ሕጂ ድማ ካብዞም ኩሎም ሓደ ተሪፉና ዝነበረ፡ብሰንክኻ ክጻባኣናን ክዋጋኣናን ለይትን መዓልትን ገበርካዮ። ብጸሎቱ ንቃጸል ኣሎና። ኢሎም ኣብ ጥቃ ማዕጾ እቲ ባሕታዊ ወዲቁ ገደፍዎ። ካብቲ ማዕጾ ስለዘይረሓቀ ድማ ኳሕኮሐ፡ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ውጽእ ምስ በለ፡ ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ረኣዮ። ሓተቶ ድማ፡ “መን ደኣ እዩ እዚ ኩሉ ከምዚ ዝገበረካ፤” መልሲ፡ “እቶም ኣዕሩኽትኻ ዝነበሩ” ኢሉ ካብ መጀመርያ እቲ ታሪኽ ኣዘንተወሉ። እዚ ዝፈለጠ ባሕታዊ ኣቦ፡ ረድኤት ኣምላኽ በቲ ካህን ከም ዝበጽሖ ፈሊጡ ንኣምላኽ ኣመስገነ። ርኹሳት መናፍስቲ ካብቲ ቦታ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ኣግለሱ። እቲ ባሕታዊ ድማ ተጊኁ ይሠርሕ ነበረ፡፡ ከምዚ ዝረኣናዮ ፈተነታት እቶም ባሕታውን እቶም ኣቦይ ቐሽን ዋላ ብማዕርግ እንተተፈላለዩ፥ ካብ ምፍታንን ምዕንቃፍን ግን ኣይተረፉን። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ከዋኽብቲ መጠን ብርሃን ዝህብዎም ከምዝፈላለይን፥ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝወርድ ፈተና ኸኣ ዝተፈላለየ እዩ።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብዛ ዓለም እንታይ እዩ ኣብ ጸላም ዘንብረና ዘሎ ᎒ እዛ ወርሒ ሓንቲ መዓልቲ እኳ እንተጠፍአት ናብ ምምጋብ ብርሃና ምምላሳ ግን ኣይተረፈን፥ ኣይሽኳይ እዚስ ብዓብይ ብርሃን ደኣ ናይ ኣግልግሎት ብርሃና መግቦታ ደኣ ትገልጽ። ኣብዚ ምጥፋእ ተባሂሉ ዘሎ ንሕና ሰባት ኣብ ግዜ ኃጢኣት ዝወድቀሉ ካብ እግዚአሔር ንርሕቅ። ዋላሓደ ጌርና ክንነጽሕ ወይ ኸኣ ንጽህና ክንምለስ ንኽእል ኣይንብልን። ዋይ ኣነ እንታይ ኾይነ እየ ኢልና ነብስና ናይ ልዕልና ዘለዎ እቲ ፈተና ኸኣ ዋላ ሓደ ዘይረብሕ ጌርና ንቖጽሮ፥ እንደገና በታ ፈተና ኸኣ ንወድቕ። እቲ ዓብይ መግቦት ምምላስ ተባሂሉ ዘሎ ብዘይምሕላል ናይ ኣገልግሎት ዕዮ ምዕባይን ምብርታዕ፥ እዚ ድማ ብጾም፥ ብጸሎት፥ ብምምጽዋት፥ ስግዳን…… ብምስናይ እዩ። 

እቲ ካልኣዊ ገጹ መልእኽቲ’ከ እንታይ እዩ᎒

ይቕጽል 

ብሂል ቅዱሳን አበው 
"ንዓይ ንድኹም ባርያኻ ናይ ሥጋን ነፍስን ሕይወት ሃበኒ።"
ውዳሴ አምላክ ዘሮብዕ

"ኣሕዋተይ ኣሓተይን እቲ ኄር /መሓሪ/ እግዚአብሔር ኣብዚኣ ሕይወትን ኣብታ እትመጽእ ክልቲአን ሓጎስ ክንረክብ እዩ ድልየቱ፡፡"
ቅዱሳን አበው

ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ማለት ግን፥ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ምምሃርን ምዃንን እዩ። 
አቡነ ሽኖዳ

“ንቤተ ክርስቲያን (ንምእመናን) ከምዚ በለለይ ኣብ ጊዜ ፈተና ካብ ቤተ ክርስቲያን ምህዳም ማለት ብጠቕላላ ካብ እግዚአብሔር ምህዳም እዩ።” 
ኣባ ጳውሊ ዘየዓቢ እምኵሎሙ ገዳማውያን ወዘውገ መላእክት ትጉኃን ፪/2 የካቲት

ሰብ ካብ ሃገሩ ክስደድ ይኽእል እዩ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተተፈልየ ግን ጥፍኣት እዩ።
ቅዱሳን አበው 

"ከምቲ ጐይታና ዝበለና ዮሓ. 15፥5። " ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ ..." ኣብ እትገብርዎ ኩሉ እግዚኣብሔር ምሳኩም ክህሉስ፡ ኩሉ ግዜ ትጉህን ጸልዩን፡፡"
ብሂል ባሕታውያን ቅዱሳን

"ይቅሬታካ ብሂገ ብንግሆ ካብ ድቃስ ነቂሐ ናብካ ገስገስኩ።" 
ውዳሴ አምላክ ዘሮብዕ 

"መንገዲ እግዚአብሔር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ብእኡ ይመላለሱ፡ ኃጥኣን ግና ይጠፍኡ (ይዕንቀፉ)።"
* ሆሴ 14፥9

"እምበኣር ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት እንዳተጨነቕና ዘይኰነስ፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፣ ንቅድስና ዝበቅዕ ናብራ ንንበር።" 
* ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ

"ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም አሎኹ።" 
* ዕብ 13፥22

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰርኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" 
* ዕብ 13 ፥ 7

እቲ ካልኣዊ ገጽ መልእኽቲ ከ እንታይ እዩ ᎒

ይቕጽል......... 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

ዲ. ማቴዎስ ክንፉ

Comments are closed.