"ወውእቱ መጽአ ኒቆዲሞስ ኅበ ኢየሱስ ሌሊተ ወይቤሎ ረቢ መኑ …… ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥"መምህር፥በጀካ እቲ ……" ዮሐ. ፫፥፪/3፥2፡፡

እቲ ካልኣዊ ገጽ መልእኽቲ'ከ እንታይ እዩ ᎒

 ዝቐጸለ መወዳእታ ክፋል 
ዝሓለፈ ኣብነት ናይ ወርሒ ርኢና ኔርና። ከመይ ጌራ እትምግብ ብርሃናን ሕይወትና ከመይ ከምዝመሰልን ተመልኪትና ኔርና። ሕጅ ኸኣ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር እቲ ካብቲ ሥነ-ፍጥረት ኣንጻር ክንርኢ ኢና፥ ጥበቡን ምሥጢሩን ይዓድለና። 

እታ ወርሒ ካብ ምሉእ ብርሃና ምዕዳል (ዕለት ሓደ) ጀሚራ እንዳጎደለት እያ እትኸይድ፥ እቶም ከዋኽብቲ ኸኣ ትም ኢሎም ይርእይዋን ሓገዝ'ውን ኣይገብሩላን። እዚ ኸኣ ምስ መንፈሣዊ ሕይወትና ዝተኣሳሰር እዩ። ሓደ ሰብ ይዓቢ ኣሎ ክትብሎ ናይ ኣካለ ሥጋ ጥራይ ምውሳኽ ኣይኮነን ዘድልዮ፥ ልቦና'ውን ክገብር ኣለዎ። ንሕና ግን ክሳዕ ሕጂ ሕይወትና ከምታ ወርሒ እዩ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ንዓቢ ንድሕሪት ንምለስ፥ ኣብ ክንዲ ንልብም ካብ እንስሳ ገደድና። ከምቲ ልበ ኣምላኽ ዳዊት ከምዝበሎ "ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝኣበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።"መዝ. ፴፩፥፱/32፥9 ክንገብር ኣይኸኣልናን። ስለምንታይ ግን ከምዚ ዝኾንና ᎒ ናይተን ዓሰርተ ደናግል፥ ሓሙሽተ ድሉዋትን ለባማትን ምስ ቀንዴለን ዘይተንን ሓሙሽተ ዓያሹን ዘይድሉዋትን መርዓዊ ዝጽበያ ዝነበራ ብፍርቒ ለይቲ ዝመጸን ናይ ጐይታ ምሳሌ ኣይተነገረናን ዲዩ ᎒ እዘን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግል እንታይ ዲዩ ጥፍኣተን ዝነበረ ᎒ ዘይቲ ምንዳድ ብርሃን ውጽኢት ናይ ብዘይምንባረን’ዶ ኣይኾነን "…እተን ዓያሹ ነተን ለባማት፥ ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፥ ካብ ዘይትኽን ሀባና፥ በላኤን።" ማቴ ፳፭፥፰/25፥8። እስኪ ረኣዩ እዘን ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግልን እዛ ወርሒ እንታይ እዩ ፍልልየን ᎒ ክልቲአን ብርሃን ክሕልዋ እዩ ኔሩ፥ እንተኾነ እታ ወርሒ ፍጥረታ እዩ ንአንክሮ ንመምኃሪ ብእግዚአብሔር ዝተገብረ እዩ፥ ግን ናይተን ሓሙሽተ እቲ ጸጋ ብርሃነን ብፍቕሪ፥ ጾም፥ ጸሎት፥ ንጽሕናን ቅድስናን ከተግኃ ኣይኸኣላን እንዳተወድአ ደኣ መጸ። ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር ከኣ እቲ ብርሃን እንዳቀነሰ ይመጽእ እንዳኃለወ ምንም ነገር ዘይምግባረ እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ብመንፈሣዊ ሕይወት ክንደክም ኰለና እቲ ካብ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሥነ-ምግባር ማለት ፍቕሪ፥ ጾም፥ ጸሎት፥ ንጽሕናን ቅድስናን ስለዝጠፍአ እዩ፡፡ መን እዩ እስከ ቁስሉ ዝሓብእ ᎒ ክሓዊ ዘይደሊ ፍጹም የልቦን፥ እሞ እንታይ ደኣ ኾይኑ እቲ ጉዕዞ ከምታ ወርሒ ንድሕሪ ከም ሽንቲ ገመል ጥራይ ዝኾነ ᎒ ምስላ ኣቦታትናን ባህልናን እንታይ ዲዩ ዝብል ግዲ "ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ"። ሓኪም ንሕሙም ፈቲዩ ዲዩ መርፍእ ዝወግኦ ᎒ ፈቲዩ ዲዩ ተገዲዱ ወይስ ሓሊዩ ኣብ መጥባሕቲ ዝወስዶ ᎒ ፈቲዩ ዲዩ ተገዲዱ ወይስ ሓሊዩ እግርኻ መሺሚሻ ኣላ እሞ መላእ ኣካላትካ ከይትብክል እትቆረጽ ዝበለካ ᎒ ወይ’ውን ካብ ውሽጢ ኣካላትካ ናይ ካልእ ጥዑይ ዝትክእልካ ᎒ ንሕና ኸ ክንደይ ሻዕ ኢና ብቐትታን ብተዘዋዋሪን እቲ ሕማምና ክንኣልዮ ዘይተነገርና ᎒ እቲ ዝነገረና ኣቦ፥ ሓዊ፥ ሓፍቲ ዝነገረና ጸሊኡና ዲዩ ተገዲዱ ዲዩ ወይስ ካብ ልቢ ዝነቐለ ፍቕሪ ብጻይ እዩ ዝመዓደ/ት እስከ ንመርምር ᎒ ሕሰብ እስከ/ኪ "ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።" መዝ. ፲፰፥፩/19፥1 ንሕና ኸ እንታይ ነዘንቱ፥ እንታይ ኸ ነውሪ ᎒

እታ ወርሒ ብርሃና ካብ ጸሓይ እያ እትረክብ፥ ግን ግዝያዊ እዩ። ንስኻ ኸኣ በቲ እግዚአብሔር ዝፈጠርካ ዘልዓለማዊ ብሕይወት ማለት ብብርሃን ብቅድስና እንዳኣጼጌኻ ዘልዓለም ክትነብር እዩ፡፡ ጐይታ ሠራዊት ኣብ ኣንቀጸ ብፁኣን ዝመሃሮ እንታይ እዩ ዝበለ "አንትሙሰ ብርሃኑ ለዓለም… ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም" ማቴ ፭፥፲፬/5፥14። ወዲ ሰብ ግን እዚ ኣይገብርን ምሕረት እግዚአብሔር ቀጻሊ ይርስዕ ኣይ ከምታ ወርሕ ወትሩ ብርሃና ምስ ወድአት መሊሳ ሓቲታ ኣገልግሎታ እትምለስ፥ ጸሓይ (እግዚአብሔር) ቀጻሊ ብዘይምንዓቅ ብርሃን ትዕድላ፡፡ ቃል ነብይ ኢሳይያስ ዝበሎ እስከ ነስተንትን "ረሲእ መገዱ፥ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፥ ናብ እግዚአብሔር ይመለስ፥ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፥ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፥ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።" ኢሳ. ፶፭፥፯/55፥7፥ ዘሕዝን ነገር ንስኹም ዓመጽቲ ኃጥኣን ኢኹም ኣይበለን፥ ወትሩ ደኣ ንዑ ይብል፡፡ ኦ እግዚአብሔር ንስኻ ንኃጥእ ወድ ሰብ ክጠፍእ እኳ ኣይትደልዮን፥ ዝብል እዩ ተሣኢኑ፡፡ ውዳሴ አምላክ ዘሮቡዕ ከምዚ ይብል "ይቕሬታኻ ብሂገ ንግሆ ካብ ዓራተይ ናብ መቕደስካ ገስገስኩ፡፡" ኣብዚ ዓራት ዝተበሃለ ብኃጢኣት ምውዳቕን ግዙእ ናቱ ምዃንን እዩ። ይቕሬታኻ ብሂገ ምባሉ ምሕረትኻ ኣስተማቒረ፥ ኣድኒቐ እየ ምባሉ እዩ። ንግሆ ናባኻ ገስገስኩ ምባሉ ብዝገበርክዎ ኣበሳ ብብዝሒ ምሕረትኻ ከምትሓድገል ከም በዓል መፃጉዕ ሕማሙ ዝፈወስካ እፈልጥ እየ፥ ደጊም ውን ከይእብስ ከም ፍቑር ወላዲ ንውልዱ ከምእትሓቅፎንን ከምእትምዕደኒ እኣምን እየ። 

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ጐይታ ሠራዊት ዝበሎ ድልዋኒኩሙ ንበሩ… ድሉዋት ኮይንኩም ንበሩ እሞ፥ ነፍሰ ሥጋ ጥራይ ንቀስም ከይንህሉ ንጠንቐቅ። ኣብታ ብኣካል ሥጋ ዝቖመት እትድህሰስ ኣካል ዘይትርአን ዘይትመውትን እስትንፋስ ሕያው እግዚአብሔር ነፍስኻ ከምዘላ ኣይትዘንግዕ። ልክዕ ድምጺ ንፋስ ትሰምዕ ኢኻ፥ ካበይ ከምዝመጸን ናበይ ከምዝኸይድን ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፥ ፈተናታት ሥጋ ዋላ እንተመጽኡኻ መፈጸምትኦም ግን ንዕቤት ነፍስኻን ሥጋኻን እዩ ኣይትፍራሕ፥ ብጓሻ ትምህርቲ ኣይትበርዞ ኣእምሮኻ፥ ዓለም ብእትፈጥሮም ነገራት ሥጋኻ ምኖት ኣይስዓረካ/ኪ። ብፍላይ ግዜ ጾመ እግዚእነ ኢየሱስ ካብ ሃለኻ/ኺ ስቓይን መከራን መድኃኔ ዓለም ኣስተንትን/ኒ ኢሳ. ፶፫፥፩-፲፪/53፥1-12 "ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ……" ምሉእ ምዕራፍ ንመልከት፥ ማኅሌታይ ያሬድ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ካብ ዝበሎን ካብ እንዝምሮን ሓንቲ እስከ ንመልከት "ሃበነ ኦ እግዚኦ አምላክነ አዕይንተ አእምሮ ወትረ ኪያከ፥ ወአዕዛንነኂ ቃለ ዘባሕቲትከ ይስምዓ … ኦ ጐይታ ኣምላኽና ንዓኻ ወትሩ ዝርእያ (ዘቋምታ/ዝጥምታ) ኣዕይንቲ ኣዕምሮ፥ ከምኡ'ውን ኣዕዛንና ናትካ ቃላት ጥራይ ክሰምዓ ሃበና" ነዚ ክንገብር እግዚአብሔር ኣምላኽና ወትሩ ቅዱስ ፍቓዱ እዩ እሞ ጉዕዞና ንጀምር፡፡ ጾምና ጾመ ሥርየት ይግበረልና፥ ዝተረፈ ግዜና ባሪዅን ቀዲሱን ይሃበና፡፡

 

ብሂለ ቅዱሳን አበው 
"ኢትፍርኅዋ ለሞት ፍርኅዋ ለኃጢአት…… ንኃጢኣት እምበር ንሞትስ ኣይትፍርሕዋ፡፡"
ቅዱሳን አበው

"ዘወትር ንሕና ብብዙሕ ፈተና፡ ጸበባ፡ ህውከት፡ ሽግር፡ እንተተፈተንና ንዕኡ ኣሚንና ሰላም ክንረክብ ኢና።"
ቅዱስ ቀሌሜንጦስ

 "ኣብ’ዚ ዓለም ከለና ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ኣዝመራ ነፍሪ።"
ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ 

"ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ መንገዲ ዝግ ኢልካ ኣይትጎዓዝ፥ ኣብ ጎደና ብትርእዮም ነገራት ኣይትማረኣክ፥ ደው ኣይትበል ጸላትካ ይኹን ፈተውትካ ከሰናክሉኻ ኣይትፍቀደሎም።"
ኣቡነ ሽኖዳ 

"መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ግዜ ምስ ዕብየት ዝተሓሓዘ ስለዝዀነ፥ ካብ ፍጹምነት ናብ ኣዝዩ ፍጹም እንሰጋገረሉ እዩ።"
ኣባ ሽኖዳ

"ፈተና፥ መከራን ሽግርን 'ተዘየለ ኣክሊል ዓወት፥ ክፋእ 'ተዘየለ ሠናይ ምግባር ኣይምሃለወን።" 
ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ 

"ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ማለት ግን፥ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ምምሃርን ምዃንን እዩ።"
ፖፕ ሽኖዳ 3ይ 

" ካብ ክፉእ ሥራሕ ዘበለ ርሓቁ።" 
ቅዱስ ፖሊካርፐስ (ፖሊካርፕ)

" እምበኣር ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት እንዳተጨነቕና ዘይኰነስ፣ ነቲ ዝተማሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፣ ንቅድስና ዝበቅዕ ናብራ ንንበር።" 
ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ

ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ 
" ማንም ተስፋ ዝቖርጽ ሽልማት ኣይረክብን፣ ማንም ብትህኪት ዝቃዝን ዉን ኣብ ዓወት ኣይበጽሕን።"

"ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም አሎኹ።" 
* እብ 13፥22

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰርኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" 
* ዕብ 13 ፥ 7

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!!!

ዲ. ማቴዎስ ክንፉ 
ዘኒቆዲሞስ እምዓብይ ጾም 03/ 2018

Comments are closed.