በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ ሕራይ እዝስ፣ " ነታ ንሱ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ብደቂ ሰባት ከይትፍለጥ ምግባሩኸ ንምንተይ እዩ᎒ እንተባህለ፥ ንሰባት ጥቕሚ እዩ። ነጊሩ እንተዝኸውን ነይሩ ሰባት ምጽኣቱ ኣትዩ እዩ ብዝብል ሻቕሎት ካብ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ሥራሕ በኺርና ንቐቢጸ ተስፋ ምተቃላዕና፥ እዚ ታህዋኽ ካባናወይውን ካብ'ቶም ካብ ሓቂ ከስድዑና ዝስለፉ ሓሰውቲ ክልዓል ይኽእል። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ «ብትንቢት ኮነ ብወረ ወይካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ "መዓልቲ ጐይታ መጺኣ እያ፥ ብምባል ብቐሊሉ ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚምምጽኡ፥ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ፥ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ፥ ከይተገልጸ፥ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ፥ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም። »ኢሉ ኣሎ። 2ይተሰ2፥2-3። እወ ዕላማን ኣድላይነትን ናይ ምጽኣት፥ ከምኡ ድማ ንሕና ንምጽኣት ከመይ ዚዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንጸንሕ ከምዝግባእ ፈሊጥና ደኣ ኩሉ ግዜ ክነቅሕ የድሊ እምበር ምርባጽን ምህዋኽን ግቡእ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፥ ገና እዩ ኢልና ድማ ነቒሕና ካብ ምድላው ንድኅሪት ምበልና፥ ከምተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ከኣ ምደቀስና ነይርና ጥራይ ዘይኮነሰባት ኣቐዲሞም ብንስሓ ሕይወት ተሓጺቦም ከይዳለዉ ከም ኣብ ዘመነ ኖኅ ገና እዩ ዝብል ከንቱነት ሓሳብ ኣብ ልቦም ስኢሎም ብኽፍኣትንብምብላዕ ምስታይን ጥራይ ከም ዝጽመዱ ዘተባብዑ፥ በዚ ከኣ ሰባት ካብቲ ሓቅን ቅኑዕን መገዲ ወጺኦም ክወናበዱ እምበር ብንስሓ ክዳለዉ፥ ኩሉግዜ ብንቕሓት ክመላለሱ ዘይገብሩ ሓሰውቲ ከም ዝለዓሉ ዝተገልጸሉ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ «ኣቱም ፍቁራት፣ እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነብያትዝተነግረ ቃልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ኣብተን ዳኅሮት መዓልታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዚመላለሱን ዘላግጹ መላገጽትን ከም ዝመጹ ቕድሚ ኹሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም "ተስፋ ምጽኣቱደኣ ኣበይ ኣሎ᎒ ካብታ ኣቦታትና ዝሞትላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ኩሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ " ኪብሉ እዮም።…ድኅሪ ምባል፥ ነቶም ፍቁራቱ ማለት ነቶም መልእኽቱ ዝሰደሎም ዘሎ ኣመንቲ ድማ ንኹሉ ኣጠቓሊሉ ከምዚ ይምልሰሎምን ይመኽሮምን÷" ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይኣብ እግዚአብሔር ሓንቲ መዓልቲ ከም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመት’ውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፥ እዛ ሓንቲ እዚኣ ኣይትረስዑ። ጐይታስ ኩላቶም ናብንስሓ ክበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይኣሎ᎒ ዝብሉ ዝድንጊ ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጉን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ፥ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለኺኃልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፥ ምድርን ኹሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኹም᎒ "ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታመዓልቲ እቲኣ ሰማይ ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፥ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር እያ። ንሕና ግና፥ ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ከኣ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘለኩምኮይንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ። እቲ ጐይታና ንኸድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ። ኣሜን።” 2ይጴጥ.3፥1-15። ነስተውዕል ቅዱስ ጴጥሮስ "ተስፋ ምጽኣቱ ደንጉያ ዘይኮነስ ንሕና ንንስሓ ስለ ዝደንጎና እዩ። " እዩ ዝብለና ዘሎ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። 2ይ ክፋልን መወዳእታን ………………………………. ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ዮሓ. 7፥50-51። ከም ዘመልክቶ ኒቆዲሞስ፥ ምሁራነ ሕጊ ኢና ባሃልቲ ሊቃነ ካህናት ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ንጐይታ ብዘይሕጊ ኂዞም ክፈርድዎ ብዝደለዩ ጊዜ "ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖንእቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርድ እዩ᎒ ኢሉ ተቢዑ ብምምላስ ኣፎም ኣትሒዝዎምን ኣሕፊርዎምን እዩ። ዮሓ7፥50። እዚ ከኣ ትብዓቱ ጥራይ ዘይኮነኒቆዲሞስ ብሕጊ ዝምራሕን ሓቀኛን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ። በዚ ንዝነበረ ኹፉእ ሓሳባቶም ስለ ዝበተነሎም ከኣ ተግባሮም ከይፈጸሙ ንድኅሪት ነናብቤቶም ከይዶም እዮም። ሓደ ይኹን ሓደ ካብዚ መወዳእታ እትስዕር ሓቂ ምዃና እውን ምርዳእ ይከኣል እዩ። ኒቆዲሞስ ወገነይ ከምዚ ክብሉኒ እዮምከይበለ ንዕኦም ከይፈርሐ ወይውን ከይተሰከፈፎም ኣብ ሓቂ ጸኒዑ ምስኣቶም ምምጓቱ፥ ነቶም ወገን ሓቂ ንምዃን ዝደልዩ ኣርኣያ እዩ። ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ዝመጸ ብለይቲ ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና። እዚ ከኣ ነቶም ምስ ኣምላኾም ክዘራረቡ ንምስጋናኡ ክቖሙ፥ ህያው ቃሉንምስማዕ ድማ ናብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት መንፈሳዊ ንቕሓት ኽህልዎምን ትግሃት ለይቲ ክገብሩ ዝዕድም ዓቢይ ትምህርትንእዩ።ከመይሲ ለይቲ ካብ ብቀትሪ ብምልኣት ልቢ ብሰቒለ ሕልና ኮይንካ ናብ ኣምላኽካ ክትቀርብ፥ ኣምልኾዃ ኩሉውን ተመስጦ ምእንቲ ክህልዎዝሕግዝ ምቹእ እዋን እዩ። ስለ ዝኾነ እያ እኮ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉ ጊዜ ወጋሕታ ለይቲ ናይ ተንሥኡን ንቕሑን ዘመልክት ደወላ ኣስሚዓማዕጾኣ ኣርሕያ፥ መቕረዛ ወሊዓ፥ ወይና ዘሊላ፥ ማኣዳውን ኣሰናድያ ንምእመናታ እትዕድም።ምሳ9፥1-። ጐይታውን ምእንትዚ በቶም ቅዱሳንሓዋርታቱ ኣቢሉ "እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትውስ ንቕሑን ጸልዩን፥ መንፈስ ድልዊ እዩ ሥጋ ግና ድኹም እዩ።"ኢሉና እዩ። ማቴ.26፥41። ኣብዚኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መጸ ብዙኅ ዓበይት ዝኾኑ ሰማያዊ ምሥጢራት ንምርኣይ በቒዑ እዩ። ቅድስት ቤተክርስትያን’ውን ከም ኒቀዲሞስ ተጊሁ ብለይቲ ንዝኸዳ ብዙኅ ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሰማያዊ ምሥጢራት እትምግብ፥ ናይቲ ጸጋን በረኸትን ተሳታፊ ንምዃንድማ እተብቅዕ ኣካል ናይ ክርስቶስ እያ። ካልእ ኒቆዲሞ ወንጌል ከም ዝበሎ ኣብ ስቕለት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እኳ ንሱ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ግዜ ናይቲ ዕለት እንተ ዘይነበረበታ ሰዓት እቲኣስ ብጀካ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ዮሓንስ ወንጌላዊ፥ ማርያም በዓልቲ መግደላዊትን ካልኦት ውሑዳት ገዲፍካን ኣብ ዝወዓሎዝወዓሉ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓደሩ፥ ቃል ትምህርቱ ኮፍ ኢሎም ብኣእዛኖም ዝሰምዑ፥ ንመለኮታዊ ኃይሊ ተኣምራቱ ብዕይንቶም ዝረኣዩ፥ ስለ ስቕለቱኣመልኪቱ ከኣ ኣቐዲሙ ዘፍለጦም፥ ካብዚ ሓሊፉ ክሳዕ ሞት ይኹን ካባኻ ኣይንፍለን ኢና ዝበልዎ ሓዋርያቱ ከይተረፈ እኳ ገዲፎሞ ብምህዳም ኣብዝተበተኑሉ ጊዜ ንሱ ጎደሎ እምነቱ ምልኣት ስለ ዝረኸበት ክሳዕ ቀራንዮ መስቀል ተኸቲሉ፥ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስት ነፍሱካብ ክቡር ሥጋኡ ብተፈለየትሉ ሰዓት ኣብኡ ተረኺቡ ምስ ካልኣዩ ዮሴፍ በዓል ኣርማትራያስ ነፍስ እተፈለየቶ መለኮት ዝተወሃሃዶ አብን መንፈስቅዱስ ህልዋን ዝኾንዎ ንህያው ብመለኮት ክቡር ሰብነቱ ካብ መስቀል ኣውሪዱ ንምግናዝን ኣብ ሓዲሽ መቓር ንምቕባርን ዝበቐዐ ክቡርን ንኡድን ሰብእዩ። ዮሓ.19፥38-42። ሕይወት ክርስትና ምጅማሩ ጥራይ ዘይኮነ ጀሚርካ ክሳዕ መወዳእታ ብምጽናዕ እሙን ኮይንካ ምርካብን ንድሕሪት ከይበልካከኣ ክሳዕ ኣብቲ ኣኽሊል ዓወት እትቕበለሉ ሕንጻጽ ምብጻሕን ምዃኑ ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ማቴ.10፥38።2ይጢሞ.4።1-8።ራእ2፥10። ስለዚ ሕይወት ኒቆዲሞስ ብጽንዓት ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኮይንካ ንምርካብ ብሓፈሻ ንሕይወት ክርስትና ዓቢይ ትምህርቲ እዩ። እቲ ቃል "ነታመጀመርታ እሙንቶና ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ኃዝናያ መማቕልቲ ክርስቶስ ንኸውን።"ዝብል እዩ። እብ.3፥14። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እዛ ዕለት ሻሙነይትን ናይ መወዳእታን ሰንበት ዓቢይ ጾም ኮይና«ሆሣዕና» ተባሂላ ትጽዋዕ። ሆሣዕና ማለት /ሆሻአና/ እቲ ቃል ናይ ዕብራይስጥኮይኑ፥ ትርጉሙ ከኣ “መድኃኒት፥ ሎሚ ኣድኅን፥ ኣቕንዓና”ዝብል እዩ። ሆሣዕና ሓንቲ ካብቶም ትሽዓተ (9) ዓበይቲ በዓላት ናይ ክርስቶስ መድኃኔዓለም እያ። እዛ ሰሙን እዚእ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ኣብ መንበረ ክብሩ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ፡ቅዱስ ልዑል እናተባህለ በቶም ትጉሃት መላእኽቱ ብፍርሃትን ምንቅጥቃጥን ዝምስገን፥ ካብቶም ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ዝበሃሉ ሓደ ቅዱስ ኢሳ.6፥3። ኣብቲ ዳኅራይ ዘመን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ ግን ፍቓዱ ኮይኑ ብዝተፈልየ ኣካሉ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ዝተገልጸ፡ ኣብ ሆሣዕና ኣብዓባይ ኣድግን ኣብ ጻዕቢ ኣድግን ተወጢሑ ብፍጹም ትሕናን ክብርን ናብ ኢዮሩሳሌም ምእታዉ ንሕዝቡ ሰላሙ ምብሳሩ ንቤተ መቕደሱውን ምኽባሩእንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ። ነብያቱ ዘኽብር ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ «ኦ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብታሕጓስ ዕልል በሉ። እንሆ ንጉሥኩም ናባኹምይመጽእ ኣሎ፥እወ መድኃኒ ዓወት ለቢሱ ብግርማ ይመጽእ ኣሎ።ግናኸ ንሱ ትሑት እዩ፥ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ።» ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ነቢይ ተፈጸመ ዘካ.9፥9።ተመልከት። ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ሳምንት ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተነጊሩ ኣሎ። ኣብዞም ዚስዕቡ ምዕራፋትን ጥቕስን ምዉካስ ይከኣል። ማቴ.21፥1-17። ማር.11፥1-11። ሉቃ.19፥28-40። ዮሓ,2፥13-22፣ ዮሓ.12፥12-19። ኣሕጽር ኣቢልና ናብ ትሕዝቶኡ ምስ እንኣቱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷ ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት ፋጌ በጽሑ። "ፋጌ" ቀራና መገዲ ማለት እዩ። ሽዑ ጐይታ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልተንቅዱስ ጴጥሮስን ንቅዱስ ዮሐንስ ልኢኹ"ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፥ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹም።ፈቲሕኹም ከኣኣምጽኡለይ። ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ በለኩም 'ጐይታ ይደልዮም ኣሎ'በሉ፥ ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ"በሎም። ማቴ.21፥1-3።ደቀ መዛሙርቱድማ ኸይዶም ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ኣምጽእሉ። ክዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ኣንበሩለን። ኪሩቤልን ሱራፌልንጸወርተ መንበሩ ጐይታ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ተወጥሐ።ማቴ.21፥6-7። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ከምጽእሉ ንሓዋርያቱ ምልኣኹ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተመልከትናዮ ዝተነግረ ቃልትንቢት ምፍጻሙ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ። ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ ዝበሎ ድማ፥ እተን ኣእዱግ ንኹሉ ሰብ ዝውክላ ብምዃነን "ኣዳምን ዘርኡን ካብማእሰርቲ ሓጢኣት ዝፍትሓሉ፥ ካብ ፍዳ ዝወጽእሉ ጊዜ ከም ዝበጽሐ ንምግላጽ እዩ። ትርጉሙ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይዝበሎ ነተን ኣእዱግ ናይ ምእመናን ምሳሌ ጌይሩ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ነቶም ሓዋርያቱ እዩ፥«ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ኣብ ምድሪዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፥ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።» ወይውን፥"ኃጢኣቶምንዝኃደግኩምሎም ማለት ኃጢኣትኩም ይተኃደገልኩም ንዝበልኩምዎም ክኅደገሎም እዩ፥ንዘይኃደግኩምሎም ማለት ኣይተኃደገልኩምንዝበልኩምዎም ግና ኣይኅደገሎምን እዩ።"ዝበሎ። ማቴ.18፥18።ዮሓ.20፥23። ጐይታ ድሕሪ'ቲ ናይ ምድኃን ሥርሑ ምፍጻሙ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ምሃቡ ዘመልክት ቃል እዩ። ጎዶሎ እምነቱ ዝኾኑተጣራተርቲ ሰባት ኃይሊ ኣምላኽ ኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ከይፈለጡ ጓሎም ወዶም ኩላትና ካህናት ክርስቶስ ኢና ብምባል ንኹሎም ናይምፍታሕን ምእሳርን ሥልጣን ከም ዝተዋህቦም ጌሮም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና።እዚ ግን ኢኣ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ዘነጽር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእፋይዳ ዘይብሉ እዩ።ንሳቶም ጓሎም ወዶም ኩላቶም ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ተዋሂቡና እዩ ካብ በሉ። እቲ ዝተኣሰር መን እዩ ᎒ እቲዝፈትሕከ መን እዩ᎒ እስከ መረዳእታ ይሃቡና። ሕጊ ዚሥራዕ ንኣመንቲ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነት ዝሃበ ንሓዋርያቱ ጥራሕ እዩ። ዝስዕብዎ ብዙሓትኣመንቲ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣነ ክህነትን ክህብ እንከሎ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ፈልዩ ጥራይ ሥልጣነትክህነት ዝዓደሎም ።እንጌራ ኣበርኪቱ ክምግቦም ከሎ ከምኡ ኣይገበረን። ብዛዕባ እዚኸ እንታይ መረዳእታ ኣለኩም ንብሎም᎒ እዚ ግን ካብኣቶም ቅኑዕመልሲ ንምርካብ ዘይኮነስ ስሕተቶም ንምግላጽን እቲ ሓቂ ክበርሃሎም ንምባል እዩ። ጐይታ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ፈቲሖም ከምጽእሉ ክልእኾም እንከሎ፥" ዝኾነ ሰብ ገለ እንተ በለኩም ‹ጐይታ› ይደልዮም ኣሎ። "በሉ ኢልዎም እዩ። ፈጣሪኦም ዝኾነ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ በሉ ማለቱ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህሪይ ኣምላኽነትን ፈጣሪነትን ዘነጽር ዓቢይ ቃል እዩ። ከምኡ ዝተዋህቦም ሥልጣን ሰማያዊ ምዃኑ ንምርዳእ ከኣ፥"ሓደስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ ‹ጐይታ›ይደልይኦ ኣለዋ በልዎ በሉ በሎም። ከመይሲ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣብ መንጉኡንኣተዓረቕቲ መንጎኛታት ኮይኖም ንምእመናን ናብኡ ከቐርቡን ምስ ገዛእ ርእሱ ከተዓርቑን ሥልጣን ዝሃቦም ንሳቶም እዮም። መዓርግ ኮነ ትእዛዝ ኣምላኽ ድማ ንፍቓዱ ክስዕሮ ዝኽእል ኣካል የልቦን። ስለዝኾነ ከኣ ኪዱ ከምዚ እንተደኣ ኢልኩምዎ "ብኡብኡ ኪሰዶም እዩ በለ።ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ «እወ፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ገዛእ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ ብክርስቶስ ገይሩ እዩ፥ በደሎም ኣይሓዘሎምን፥ ንዓና ኸኣመልእኽቲ ዕርቂ (ኪዱ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎም ዝብል )ሃበና። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ። ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣ አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣ ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው። ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ። መዝ.16፣3 (17-3) ወንጌል ዮሓ.3፣1-10 ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ ሮሜ.7፣1-19 1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም እዛ ሳምንት እዚአ ሻውዓይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ኮይና፥ ኒቆዲሞስ ዚብል ስያሜ ኣለዋ። ኒቆዲሞስ ስሙ ናይ ኣይሁድ ቃሉ ከኣ ናይ ግሪክ ኮይኑ ንሕዝቢ ዘሸነፈ ማለት እዩ። ኒቆዲሞስ ሓደ ኻብ ወገን ፈሪሳውያንን ሓለቓ ኣይሁድን ዝነበረኣዝዩ ምሁር ሰብ እዩ። ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ከምተን ካልኦት ሰናብቲ በዛ ሰንበት እዚኣውን መዝሙራትን ንባባትን ሠሪዑ እዩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣዝቐርብ መዝሙራት ኮነ ንባባት÷ «ወሀሎ ኣሓዱ ብእሲ እም ፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልኣኮሙ ለኣይሁድ…»ዝብል ስለ ዝኾነ ከኣ ንዕኡመዘከርታ ብስሙ"ኒቆዲሞስ" ተባሂላ ትጽዋዕ። ትርጉም÷ "ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ "። ሓለቓ ኣይሁድ ምባሉ ብመምህርነት፡ ብሃብቲ ብሹመትሓለቓኦም ማለቱ እዩ። " ወውእቱ መጽኣ ኅበ እግዚእ ኢየሱስ ቀዲሙ ሌሊተ" ከም ዝበሎ፥ ብለይቲ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እናመጸይመሃር ከም ዝነበረ ከኣ ይነግር። ኣቐዲሙ ዝበሎ ድሒሩ ክገንዞ መጸ ዝብል ስለ ዝኾነ እዩ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ዳግም ከም ዝመጽእ ዘረድእ ጽሑፋት ኣብ ብዙኅ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑተነጊሩ እዩ። ንምሳሌ " ሎቱ ስብሐት " ነዚ ኣመልኪቱ ባዕሉ ክዛረብ እንከሎ «ልብኹም ኣይሸበር፥ ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ ማለት ብናይባህሪይ ኣቦይ ብእግዚአብሔር አብ፥ ብናይ ባህሪይ ሕይወተይ ብእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እመኑ፥ ፍጹም ኣምላኽ ንዓኻትኩም ከድኅን ፍጹም ሰብብዝኾንኩ ብእግዚአብሔር ወልድ ብኣይ’ውን ደኣ እመኑ እምበር ብዓይኒ ሥጋ ኣይንርእዮን ካባና ተፈልዩ ኢልኩ ኣይትሸበሩ። ኣብ ቤት ኣቦይ (ኣብመግሥተ ሰማያት) ብዙኅ መኃድር ኣሎ፥ መኃድር እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፥ ሕጂ ግና ሥፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ከይደሥፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልው፥ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ። » ይብል። ዮሓ.14፥1-3። ቅዱሳን መላእክት’ውን " ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹ እናጠመትኩም ደው ኢልኩምዘለኹም᎒ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዚዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ (ብክበበ ትሥብእቱ) ዝረኣኽምዎ፥ ከምኡ ገይሩ ኸኣ (ብክበበትሥብእቱ ኩሉ እናረኣዮ) ኺመጽእ እዩ። » ክብሉ ኣብ ግዜ ዕርገቱ ምስክርነት ሂቦምሉ እዮም። ግ.ሓዋ.1፥11። ድኅሪዚ ከኣ ካብ ሓዋርያት ጀሚሩብሰፊሑ ተነጊሩን ይንገርን ኣሎ። እቶም ብጥንቲ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያንስ ኣብ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን ዝነበሮም ጽኑዕ እምነትንምግላጽ ከምኡውን "ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ፥ ናይ ቤተ ክርስትያን ተስፋ ስለ ዝኾነ፥ ሰላምታ ክለዋወጡ እንከለው «ማራና ታ» ይብሉ ከምዝነበሩ ይንገር።«ማራና ታ»ማለት" ክርስቶስ ተንሢኡ፥ ዓሪጉ እዩ፥ ዳግምውን ክመጽእ እዩ።" ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ካልእ ማራና ታ÷ "ኦጐይታ፣ ንዓ" ማለት እዩ። 1ይቆሮ.16፥22። ተመልከት። እዚ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ÷ "ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓ" ምስ ዝበሎ ሓደመልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ራእ.22፥20። እዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ንዘሎና ጽኑዕ እምነትን ተስፋን የርኢ። ኣብ ናይ ዘውትርን ናይ ሃማኖትን ዘሎ ጸሎትናውን "ምእንታናምእንቲ ሰብ፥ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፥ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመንጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተስቕለ፥ መከራ መስቀል ተቐበለ፥ ሞተ፥ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታትተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ። ከም ብሓዱሽ ንሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ፥ ንመንግሥቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። " ዝብል ጽኑዕ ናይ እምነትን ተስፋን ምስክርነት እዩ።" ተመሊሰ ክመጽእ እየ፥ ዳግማይ ምጽኣት’ውን ከምብሓዱሽ ክመጽእ እዩ" ዝብሉ ቃላት ቀዳማይ ምጽኣት ከም ዝነበረ የመልክቱ። ቀዳማይ ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሑተገሊጹ ከም ዘሎ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብዚ ናይ ሃይማኖት ጸሎትውን ንርእዮ ከም ዘለና፥ ክርስቶስ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣዴናቅድስት ድንግል ማርያም ካብታ ዘርኢ ኣዳምን ወገን ዳዊትን ዝኾነት ሰብ ዝዀኖ፥ ሰብ ኮይኑውን ንምድኃና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝተገልጾ እዩ። ሕጽርዝበለ ቀዳማይ ምጽኣት ክርስቶስ፥ ዓለም ንምድኃን ሰብ ዝዀኖ፥ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ። መኑ ውእቱ ገብርኄር ። ምስባክ ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ.39፣8 (40-8) ወንጌል ማቴ.25፣14-31 ግ.ሓዋ.1፣6-9 2ይጢሞ.2፣1-16 1ይጴጥ.5፣1-12 ቅዳሴ. ባስልዮስ ኣብ ሕይወትና ጥዕና፥ ንጉዕዞ ምንቅስቓሳትና ኃይሊ፥ ንሥራሕና ኣሳልጦ ከምኡውን ፍረን በረኸትን፥ ንሠናይ ሓሳብትና ስምረት፥ ንንስሓ ዝኸውንድማ ዕድመ ሂቡ ክሳብ እዛ መዓልትን ሰዓትን ዘብዝሓና ብረዲአቱውን ዘይተፈለየና ልዑለ ባሕርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ይኽበር ይመስገን። ። እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንት ሻዱሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም እዩ። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። "እቲ ዘንብብ የስተውዕል። " ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኅልቀት ዓለምን ምልክታቱን ማለት ብዋዜማ ኅልቀት ዓለም ስለ ዝኸውን ነገር ክዝርዝር ድሕሪምጽናሕ፥ ቀጺሉ ከኣ ብዛዕባ ምምጻእ ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ ኣመልኪቱ «እቲ ብነቢይ ዳኒኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት (ሓሳዊ መሲሕ) ኣብታቕድስቲ ሥፍራ ቖይሙ ምስ ርኣኹም፥ ማለት ንሱ እቲ ሓሳዊ መሲሕ መጺኡ ኣብ ልቢ ሰባት ተኣሚንሉ ኣብ ቅዱስ መቕደስነት ሰብነቶም ነጊሱ ክሳዕክምለኽ በጺሑ ምስ ርኣኹም «እቲ ዘንብብ የስተውዕል፥እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለው ናብ እምባታት ይህደሙ። እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዝጸንሐ ድማ ኽዳኑ ክወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ በለ። ማቴ.24፥15-18። እዚ ብዘመንእቲ ሓሳዊ መሲሕ ሰባት ክንገብሮን ክንኮኖን ዘሎና ዘረድእ ቃል እዩ። ምንባብ፥ ምስማዕ፥ ምርኣይ ካልእ እዩ። ምስትውዓል ከኣ ካልእ ነገር እዩ። ምስትውዓል፣ ምርዳእን ንነገራት ብዝግባእ ፈላሊኻ ክትፈልጥ ምኽኣልን ማለት እዩ ። ብዓይንኻ እትርእዮ ዘይክትርድኦን ዘይከተስተውዕሎንትኽእል ኢኻ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ኣምላኽ እናሃለወ፥ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ሓጺቡ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግንመጀመርታ ንምንታይ እግሮም ይሓጽቦ ከም ዝነበረ የስተውዕልዎ ከም ዘይነበሩ ዓይነት ማለት እዩ። ኣይተረድኦምን እምበር ብዓይኖም ግን ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም ተቐመጠ እሞ፥ « እዚ ዝገበርኩልኩምሲኣስተውዒልኩምዎ’ዶ ፥(ተረዲእኩምዎዶ) ኣለኹም ᎒ ኢሉ ድሕሪ ምሕታት " ንስኻትኩም መምህር ጐይታ ኢልኩም ትጽውዑኒ ፥ ከምኡ ስለ ዝኾንኩኸኣ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ ጐይታን መምህርን ከሎኹ ኣእጋርኩም ካብሓጸብኩ፥ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግባኣኩምእዩ። ከምቲ ኣነ ንዓኻትኩም ዝገበርኩዎ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኽትገብሩ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። » ብምባል" ሎቱ ስብሐት " ንሱ ጐይትኦምንኣምላኻምን ክሓጽቦም ይግብኦ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ ትሕትና ክምህሮም፥ ንሠናይ ዘበለ ኩሉ ኣርኣያ ክኾኖም፥ ንዕኦም ኣብነት ክኸውን ኢሉ ዝገበሮምዃኑ" ገለጸሎም። ዮሓ.13፥12-15። ምስትውዓል ምፍላጥ ምርዳእ ማለት ምዃኑ ሓዋርያቱ ኣቐዲሞም ንምንታይ ይገብሮ ከም ዝነበረ ዘይፈለጡምንባሮም ኣመልኪቱ ኣስዒቡ ምስ ነገሮም ማለት እዩ።" እንሆ ነዚ ነገር እዚ ፈሊጥክምዎ ኣለኹም ፥ እንተ ፈጸምክምዎ ብጹኣን ኢኹም " በሎም ። ምርኣይ ምርዳእ ወይ’ውን ምፍላጥ ማለት ከምዘይኮነ ዘረድእ ነዚ ዝመስል ብዙሕ እዩ። እቲ እተንብቦ’ውን ብዛዕባ እንታይን ንምንታይን ይዝረብ ከምዘሎ ዘይክትፈልጦን ዘይክርትርድኦን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መጽሓፍ ትንቢተ ኢሳይያስ ዘንብብ ዝነበረ " ስሉብ " ግን ከኣ ነቲ ዘንብቦ ዝርድኦ ዘይነበረዓይነት ማለት እዩ። ታሪኹ ግ.ሓዋ.8፥26-40። ዘሎ ረኣ ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብኣእዛኖም ሰሚዖም ነቲ ዝሰምዕዎዘየስተውዕልዎ፥ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ዝኾኑ፥ ብዓይኖም ርእዮም ስለ ዘየስተውዓልዎ ግን ከም ዘይረኣዩ ዝኾኑ፥ ተስፋኡ፥ ትንቢቱ፥ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ሕራይ እዚ ናይ ምጽኣቱን ኅልቀት ዓለምን ነገርከ ከመይ እዩ᎒ ምልክታቱኸ᎒ እንተተባህለ፥ ትምህርቱ ሰፊሕ፥ምስጢሩውን ዓሚቕ እዩ።ነገር ግን ዓቕምና ዝፈቕዶ፥ንሱ ብዝረድኣና መጠን ካብቲ ባዕሉ ዝነገረና እናወሰድና ንመረዳእታ ዝኣክልጥራይ ገለ ክንጠቅስ። ጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ እንከሎ፥ ብዛዕባ ምፍራስ ናይ ቤተ መቕደስ ንሓዋርያት ምስ ነገሮም፥ሓዋርያቱ ከኣ ብሕት ኢሎም፥ "እዚ መኣዝ እዩ ዝኸውን᎒" ኢሎም ድሕሪ ምሕታት ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ " "ናይ ምምጻእካን ናይ ኅልቀት ዓለምን’ከምልክቱ እንታይ እዩ ? እስከ ንገረና እናበሉ ናብኡ ቀረቡ። ማቴ.24፥1-3። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብዚ ፍቕዲ ቀጺሉ ዘሎ ኩሉ ዘርዚሩ ነገሮም። መጀመርታ ግን «ሓደ እካ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነክርስቶስ እየ'እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም፥ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም ።» ብምባል ፈለሞ። ማቴ.24፥4-5። ቅድሚ ሕጂ ኣነ ክርስቶስእየ ኢሎም ብስሙ ዝተላዕሉ ብዙሓት እዮም፥ ብሕጂ’ውን ገና ክለዓሉ እዮም። ንብዙሓት ፥ከስሕቱ’ውን እዮም። ግን እቶም ዝቐደሙ ሓሰውቲብምንባሮም ከምዝጠፍኡ እቶም ብሕጂ ንስሙን ንቅዱስ ወንጌሉን ሽፋን ተጠቒሞም ብምትንሣእ ዘደናግሩውን ምጥፎኦም ዘይተርፍ እዩ። ምስዚእዞም እምነት ኮነ ብቕዓት ከይሃለዎም፥ "ኢየሱስ ብሕልሚ ተራእዩኒ፥ ብራኢ ተገሊጹለይ……ዝብሉ ሓሰውቲ ብሓሶት ከኣ ንሰብነቶም ዘርክሱ፥ነ ቶም "ኣነ ክርስቶስ እየ። " ኢሎም ዝትንሥኡ ጸረግቲ መንገድን ብናይቲ ሓሳዊ መሲሕ መንፈስ ዝዓዩን ልኡኻቱ ምዃኖም ክንፈልጦ ይግብኣና። ነዚብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ «ብትንቢት ኮነ ብወረ፥ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ "መዓልቲ ጐይታ መጺኣ እያ። " ብምባልብቐሊሉ ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ፥ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ ማለት እቲ "ኣነ ክርስቶስ እየ። " ዝብል ሓሳዊ መሲሕ፥ እቲንጥፍኣት ዝተመደበ፥ ከይተገልጸ፥ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ፥ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም። » ክብል ብንጹር ገሊጽዎ እዩ። 2ይተሰ2.1-3። ቅድሚ ምጽኣቱ ካብ ዝፍጸሙ ምልክታት ሓደ እዚ እዩ። መጀመርታ ዝትንሥኡ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ «ውሽጦም ዝምንጥሉተኻሉ፥ ናይ ሞት ደብዳቤ ዝሓዙ ኣባጊዕ መሲሎም ማለት ብሓሶት ስም ክርስቶስ እናጸውዑ፥ ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበለና ከኣ ካብ ሓዋርያትዝተቐበልዋ መልእኽቲ ዝሓዙ ብምምሳል ብጉልባብ ወንጌል፡ ቃል መጽሓፍ እናጠቐሱ ክመጽኡ እዮም። » ኢልዎም ዘሎ ከሓድትን መናፍቓንንእዮም። ማቴ7፥15-22። ብናቶም ናይ ስሕተት መንገዲ ኣቢሉ ከኣ፥ እቲ "ኣነ ክርስቶስ እየ " ዝብል ሕጊ ዘይብሉ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ርኽሰትማለት እቲ ሓሳዊ መሲሕ ክመጽእ እዩ። እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ድማ " ሎቱ ስብሐት ክርስቶስ ክመጽእ እዩ። እዚ ናይ ስሕተት መንፈስ ብብዙሕ ሜላዓይነቱ እናቐያየረ ድሮ ንዓለም ተቓጻጺሩዋ ይርከብ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ኣመልኪቱ "ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዝእመን ዘበለኩሉ መንፈስ፥ ካብ ኣምላኽ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ኩሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ከኣ እቲ ከምዚመእጽ ሰሚዕኩምዎ ዘለኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። "ኢሉ ኣሎ። 1ይዮሃ4፥1-3። እዞም ኣብ ዘመናክርስትያን ኢና እናበሉ ዝሽቅጡ ዘለው ዝተፈላለዩ ትካላት፥ካብ ፕሮቴስታንት ጀሚርካ ንዕኦም ዝመስሉ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከምዝመጸ ኣይኣምኑንእዮም። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት። ምስባክ እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን ኣብ ቅድሚኡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ አምላኩሰ ለአዳም። ምስባክ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ። መዝ.á.×-Ø (41፣3-4) ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣ ግ.ሓ.3፣1-1-12 ገላ.5፣1 ያዕ.5፣14 ቅዳሴ. ነአኩተከ እቲ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም መጻጕዕ ይበሃል። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሳምንት ። መጻጕዕ ሕሙም፥ ድውይ፥ ዝጎበጠ፥ ድኑስ …………ማለት እዩ። እዛ ሰንበት ወይ ሳምንት መጻጕዕ ዝብል ስያሜ ክትሕዝ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥«ሎቱ ስብሐት» ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስንዓና ከድኅን ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንለምጻማት ምንጽሁ፥ […]