በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። “ ንገዛእ ነብስና እንተፈሪድና እግዚአብሔር ብኣና ይሕጎስ ” አባ እንጦስ። ሓዲሽ ዓመት ክበሃል ከሎ ሓዲሽ መስከረም :ሓዲሽ መዓልቲ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ሓዲሽ ናይ ምብርባርን ምንቃሕን፡ ምጽራይ፡ ናይ ቀደም ገዲፍካ ሰብነትካ ምስትኽኻል ማለት እዩ። ኮታ ብኹለንተናኻ ኣሰረ ፍኖት እግዚአብሔር ምስዓባ፡ ነፍስኻ ብንስሓ ምጽራይ ማለት እዩ። “አእትቱ እምላዕሌክሙ ግዕዘክሙ […]

Continue reading

ሓደ እዋን ቅዱስ ኣባ መቃርስ ዓቢ፡ ኣብ በዓቶም ብጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ተማሃሮ ናብኦም ቀሪቡ፡ "ኣባ ኵሉ ነገር መኒነ ንክርስቶስ ከገልግሎ እንታይ ክገብር ኣሎኒ" ብምባል ሓተቶም። ኣባ መቃርስ "ዝወደይ ብሓቂ’ዶ ንክርስቶስ ኪትስዕቦ ወሲንካ ኢኻ " ብምባል ንሕቶኡ ብሕቶ መለስሉ። እቲ መንእሰይ ብዘይምምታእ "እወ ኣቦና ወሲነ ኢየ " ኢሉ መለሰ። […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ወዲ ሰብ ካብ ፈተና ምእንቲ ክድኅን ኩሉ ግዜ ከየቋረጸ ናይ ኣምላኹ ክጽሊ ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ማቴ.26፣41። << ናብ ፈተና ከይተኣይዉስ ንቅሑን ጸልዩን።>>  ዝበሎም ንኣቦታትና ሓዋርያት።  ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንምእመናን ደቃ በብዕለቱ ተጊሆም ናብ ኣምላኾም ምእንቲ ክጽልዩ መዓልታዊ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታት ክጽልዩ ሥርዓት […]

Continue reading