በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዘነግህ ርእዮከ ማያት እግዚኦ ። ርእዮከ ማያት ወፈርሁ። ደንገጹ ቀላያተ ማያት ወደምጻማቲሆሙ። መዝ ፣76፣26። ምስባክ ዘቅዳሴ ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ። ወይርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ ። አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ። መዝ.። 113፣ 3። ቲቶ. 3፣-4-8። 1ይዮሓ. 5፣- 5- 13። ግ.ሓዋ. 10-34-39። ወንጌል. ሉቃ. 3-21-ፍጻሜ። ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)። ኣብ ዕለት ልደቱ ብምስክርነት መልእኽቲ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ግዝረት ማለት ሥጋ ዕልቦ ምእላይ ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምቲ “ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ/ ምስ ኅሩየይ ኪዳን ኣቶኹ” መዝ ፹፱፡፫/89፡3፤ ዝብል፤ ንኣቦና ኖኅ ናይ ቃል ኪዳን ንምልክት ይኹንካ ኢሉ ናይ ቀስተ ደመና ከም ዝሃቦ ንኣቦና ኣብርሃም ድማ ናይ ቃል ኪዳን ምልክት ምእንቲ ክኾኖ ግዝረት ሃቦ። ዘፍ ፲፯፡፲፩/17፡11። […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። "አንቲ ውእቱ መሶበ ወርቅ ንጹሕ እንተ ውስቴታ መና ኅቡእ፡ ኅብስት ዘወረደ እምሰማያት ወሀቤ ሕይወት ለኵሉ ዓለም" "ዝተሰወረ መና ዘለኪ ንጹሕ መሶብ ወርቅ ንስኺ ኢኺ። መና ውን ካብ ሰማይ ዝወረደን ንዓለም ዅሉ ሕይወት ዝዕድልን ሕብስቲ ኢዩ።" […]
“ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ኢሳ.53፣4-7። ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። […]
በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን። ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን እዚ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ እዋናዊት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ክካትዑላ ዝረኣየ ሓውና መልሲ ክትከውን ኢሉ ዘዳለዋ እያ። " ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ" ዮሓ.1፥18። በዚ ጥቕሲ ተላዒሎም፥ ወይ’ውን ነዚ ጥቕሲ ሒዞም ኣይኮነንዶ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ ፣ ጉባኤ ጸውዑ ።” ዩኤ.2፣15። እንቋዕ ናብ ጾመ ነብያት ኣብጽሓና! ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ ድኅነት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና። ዕለት ቀዳም ኅዳር 15-2011 ዓ.ም ( 11/24/18) ጀሚሩ ስጋብ ታኅሣስ 29-2011 ዓ.ም (01-07-2019) በዓለ ልደት ዝጽወም ጾም እዩ። ጾመ ነብያት ነብያት […]
በስም አብ ወወልድ ወንንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ኦ ቅድስቲ ድንግል ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ ካብ ርሑቕ ጠሚቱ ፍሉይ ዝኾነ ክብርኺ ከኣ ፈሊጡ «ጽድቃ ከም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድኃና ከኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል ብዛዕባ እምባ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ።»ኢሉ ብልዑል ቃል ከም ዝተናገረልኪ ኢሳ.62፥1። ሕና’ውን እንሆ ዓቕምና ዝፈቕዶ፥ ኣምላኽ ዝሃበና ነዚ መበገሲ ገይርና፣ […]
ኣብቲ እዋን ሠራዊተ እግዚአብሔር ካብ ሲዖል ወጹ። ንብዙኃትውን ተራእይዎም። ናብታ ቅድስቲ ከተማውን ኣተዉ። ጐይታ ነቲ ሽፍታ ብቅዱስ ደሙ ዝተኃትመ ማኅተም ሃቦ። ናብ ገነት ኪዱ፡ እዚ ሽፍታ ይምራሕኩም፡ ንሱ ብማኅተም ደመይ ይኽፈተልኩም። ንፍርዲ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኣብኡ ጽንሑ። አዳምን ደቁን ድማ ፊያታዊ ዘየማን እናመርሖም ብነፋስ ንላዕሊ ወጹ። ሠራዊተ መላእክት እናሓለውዎም ድማ ጥቓ ገነት በጽሑ። እቲ ኣብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ታቦት ብፍቃድ እግዚአብሔር ንክርስቲያን ናይ ኣምላኾቱ ምስክር ኮይኑ ንኽነብር ዝተፈቀደ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ካብ ዝነብሩ ንዋያተ ቅዱሳን ላዕላዋይ ደረጃ ኂዙ ዝርከብ ዝተፈልየ ክብርን ታሪኽን ዘለዎ ናይ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምልክት ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ማለት ካብ ነቢይ ሙሴ ተተሓሒዙ ዝመጸ እምበር ብፍልስፍና ሰብ ዝመጸ ሓድሽ ነገር […]
ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልኩ ንስካትኩም ድማ ነዓይ ምሰሉ ከምዝበሎ ክርስትና ንክርስቶስ ምምሳል እዩ 1ይ ቆሮ፣11፡1። እዚ ሰለ ዝኾነ ድማ ቅዱሳን ብኵሉ ንዕኡ መሲሎም ተረኪቦም እዮም።ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ነዓይ ክኽተል ዝደሊ(ክመስለኒ ዝደሊ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ፍቃድ ስጋኡ ይጠንጥን ብፍቃድ ነፍሱ ይንበር ስጋውን ዓለማውን ሽመቱን ሽልማቱን ይንዓቅ ፡ መስቀሉ […]