በእንተ ጥምቀቱ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ምስባክ ዘነግህ

ርእዮከ ማያት እግዚኦ ።

ርእዮከ ማያት ወፈርሁ።

ደንገጹ ቀላያተ ማያት ወደምጻማቲሆሙ። መዝ ፣76፣26።

ምስባክ ዘቅዳሴ

ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ።

ወይርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ ።

 አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ።

    መዝ.። 113፣ 3።

ቲቶ. 3፣-4-8።  1ይዮሓ. 5፣- 5- 13። ግ.ሓዋ. 10-34-39።

ወንጌል. ሉቃ. 3-21-ፍጻሜ።

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)።

ኣብ ዕለት ልደቱ ብምስክርነት መልእኽቲ ዝተርኣየ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በእለተ ጥምቀቱ ከኣ ብምስክርነት ሰማያዊ ኣቡኡ ፣ ብባሕርይ ሕይወቱ መንፈስቅዱስ ገላጽነት ሰማያዊ ልደቱ ገሊጹ ኣረዲኡና። ኣብ ገማግም ወሓይዝ ሄኖን ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ዘጥምቀሉ ከም ሰብነቱ ሓንቲ ለይቲ ቆይሙ ኣብ መንጎ እቲ ሕዝቢ ክሓድር ከሎ ብጀካ ዮሓንስ ዝፈልጦ ኣይነበረን። ዘደንቅ ነገር እዩ። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ቃኤል ንሓዉ ኣቤል ዝቀተለሉ ቦታ ፣ ዓቢ ኃጥያት ዝተፈጸመሉ ቦታ ኔሩ ሎሚ ድማ “  ‹‹ወይደልወነ ከመ ንፈጽም ኩሎ ጽድቀ፤ ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይገበኣና እዩ። “  ማቴ 3÷15። ተባሂሉ ዓቢ ጽድቂ ዝተፈጸመ። ኣመጻጽኡ ንጽልኢ ንምቅታል፣ ናይ ኣቦታት ደም ንምምላስ እዩ’ሞ ንቀታሊ ነፍሲ ሰይጣን ዲያብሎስ ደምና ምፍሳስ ኣብ ዝጀምረሉ ቦታ ደው ኢሉ፣ ምኽሪ ዲያብሎስ ኣፍሪሱ ጽድቂ ክፍጽም ከም ዝመጸ ብግልጺ ብተግባር ኣርእዩና ።   

ባሕረ ዮርዳኖስ ኣምላኽነቱ ርእያ ሃዲማ፣ ናይ ደቂ ሰባት ኃጥያት ዚኣሊ ብጥምቀቱ እዩ እሞ ጥምቀቱ ስጋብ ዝፍጸም ዮርዳኖስ ንጌዚኡንድሕሪት ሃዲማ ፣ ዝወርድ ማይ ከም ዝተደርደረ እምኒ ኣብ ላዕሊ ተኾመረ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ማይ ወሪዱ ምስ ተወድአ፣ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምስ ቆመ ቲ’ዘጥምቅ ዮሓንስን ዝጥመቅ ኣምላኽና መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስን ናብቲ ማይ ኣተው፣ ከምዚ ብምግባሩ ካብ ዝሓለፈን ዝመጽእን ትውልዲ ኃጥያት ከምዘርሕቅ ኣርዲኡና። ባሕረ ዮርዳኖስ ብሓዊ ሓጹር ተሓጺራ፣ እቲ ሓዊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ ክኸውን ከሎ፣ ውልድነት ዘውህብ ማይ ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ምኻኑ ንምግላጽ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ከኣ እግዚአብሔር አብ ብደመና ኮይኑ ክዛረብ፣ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ ርግብ ክወርድ ንዘመናት ተሠዊሩ ዝነበረ ምሥጢረ ሥላሴ ግልጺ ኮይኑ ተገልጸ።  ሃይማኖትና ኣብ ዮርዳኖስ ተገሊጹ፣ ሰማይት ተኸፊቱ ተራእዩ ፣ ምድራዊ ሰብ ሰማያዊ ክኸውን ፣ ሰማይ ሓንቲ ነገር ንምድሪ ከይሐብአት ዝተሠወረ ምሥጢራ ግልጺ ጌራ ኣረዲኣ።

ብጥምቀተ ክርስቶስ ካብ ባርነት ነጻ ወጺና

ባርነት ዘይግብኦ ዝነብረ ናይ ሰብ ባሕርይ ሎሚ “ እቲ ዝፈትዎ ወደይ ……” ተባሂሉ ካብ ሰማይ ድምጺ መጺእዎ። ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ፍጥረታት ኩሎም ብትእዛዙ ክንበሩ “ ንዕኡ ስምዖዎ “ ተባሂሉ ንምድራውያን ፍጥረታት ኩሎም ትእዛዝ ተዋሂብዎም። “ አዳም ገብሩ ..ሔዋን አመቱ” ዝብል ናይ ዕዳ ደብዳቤና ብምቅዳዱ ብሥራት ተበሲሩ። ጥንቲ ኣቦታትና “ እግዚአብሔር ንሰብ ብምፍጥሩ ተጣዒሱ። “ ዘፍ.6፣6። ዝተባህለ ተሪፉ “ ብእኡ ደስ ዝብለኒ………. “ ተባሂሉ ተነጊሩሉ። ብሓቂ ዘይግብኣና ከሎ ልዑል እግዚአብሔር ምሕረቱ ዝገለጸላ መዓልቲ እያ’ሞ፣ መዓልቲ ምግላጽ “ አስተርእዮ”  ንብላ።

ብጥምቀተ ክርስቶስ ኣብ ኦሪት ዝተሓተተ ሕቶ ተመሊሱ

ዘመነ ምግላጽ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ዝነበሩ ነብያተ እግዚአብሔር ሓደ ነገር ከምዚ ኢሎም ሓተቱ “ ኣቦይ ሓዊን ዕንጨይትሲ እንሆ እቲ ንዝሓርር መሥዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ። “። ኣቦ ካብ ወዱ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ክመጾ ከሎ ነቲ ሕቶ ብሕቶ ከምዚ ኢሉ ይምልሰሉ “ ወደይ እቲ ንዝሓርር መሥዋእቲ ዝኸውን በጊዕሲ እግዚአሔር ከዳልወልና እዩ። ”  ዘፍ.22፣7-8። ካብዚ ንላዕሊ ካልእ እንታይ ኢሉ ክምልሰሉ ይኽእል። እዚ ከኣ ዘመኑ ምስ ኣኸለ ዝምለስ ሕቶ እዩ እምበር ኣብቲ ዘመን ንዝነብር ሰብ ዝምለስ ሕቶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ዕንጨይትን ሓዊን እምበር ናይ መሥዋእቲ በጊዕ ግና ኣይነበሮምን። መሥዋእቲ ክሥውእ ዝኸይድ ኣቦ ክኸወው ከሎ መሥዋእቲ ግን ገና ዘዳሎዎ እግዚአብሔር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ነበረ ። እንታይ ይግበር ዘመኑ ናይ ምግላጽ “ አስተርእዮ” ስለዘይነብረ ንምሥዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ፈሊኻ ምርኣይ ኮነ ምንጋር ኣይተኻእለን።  ኮይኑ ግና ጊዜኡ ምስ በጽሐ ሎሚ ኣብ ዮርዳኖስ ንፈጣሪኡ ከጥምቅ ዝተሓርየ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ “ነዋ በግዑ ለእግዚአብሔር ዘየዐትት ወያሴስል ኃጢአተ ዓለም፣ እንሆ ኃጥያት ዓለም ዜርሕቅ ገንሸል እግዚአብሔር በለ “ ዮሓ. 1፣29። ከምዚ ኢሉ ብምጥማቁ ኣብ ክግለጸሉ ዘይነበረ እዋን ዝተላዕለ ሕቶ ክምልስ ንርእዮ። ዘመኑ ናይ ምግላጽ ዘመነ አስተርእዮ ስለዝኾነ ናይ ገንሸል መሥዋእቲ ፈሊዩ ምርኣይ ኪኢሉ።  

ብጥምቀቱ እንኸዶ ፍኖተ ጽድቂ ሓቢሩና

ብተወሳኺ ካብዚ ንላዕሊ እግዚአብሔር ንገዛእ ርእሱ ትሕት ኢሉ ንሰብ ከመይ ከም ዘኽበሮ ዝተረዳእናሉ ዕለት እዩ። ናብ ዮሓንስ ቀረጽትን ክፋኣት ጭፋራታት እንዳመጹ ይጥመቁ ከምዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር እዩ። ሉቃ.3፣10-14። እዚኦም ኩሎም ተጠሚቆም ምስ ወድኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዮሓንስ መጺኡ ኣጥምቀኒ ኢልዎ። ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ቀዳማዊ ቃል ዳኅራዊ ሥጋ ከምዝተዋሕደ ንምርኣይ ንምግላጽ ድሕሪ ኩሉ ናብቲ ማይ መጺኡ። ድሕሪ ኩሉ ዋላ እንተ መጸ ግና ንኹሉ ቀዲሙ እዩ ናብ ዮርዳኖስ ዝኣተወ፣ ብዘይከኡ ዝኣተወ ማንም የለን።  ሕዝበ እስራኤል ናብ ምድረ ርስቲ ምድረ ተስፋ ዝኣተውላ መገዲ ባሕረ ዮርዳኖስ ቆሪጾም እዮም ። ኢያሱ ንሕዝቡ ዝመርሖም ባሕረ ዮርዳኖስ ቆሪጾም ብዝሓለፉ መገዲ እዩ፣ ምድረ ርስቲ ስግር ዮርዳኖስ ስለትርከብ። ኢያ.3፣1።

ወዲ ድንግል ማርያም መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ንሕዝቡ ናይ ምድረ ተስፋ ክምርሕ ዝመጸ ፣ ምድረ ተስፋ ናይ መንግሥተ ሰማይ፣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኢያሱ ኣምላኽን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕዝቡ ናብ ጽድቂ ክመርሖም ፍኖተ ዮርዳኖስ ሒዙ ተጓዒዙ። “ ኅድግ ምዕረሰ እስመ ይደልወነ ከመ ንፈጽም ኩሎ ጽድቀ፤ ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይገበኣና እዩ’ሞ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ ።” ማቴ 3÷15። ብዝበሎ ቅዱስ ቃል ይፍለጥ። ምድረ ርስቲ ምድረ ተስፋ ንምውራስ ኢያሱ ዝመረጾ ዮርዳኖስ እምበር ሄኖን ኣይነበረን ስለዚ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብነገር ኩሉ ንኣቦታት ክመስል ይግብኦ እዩ እሞ እቶም ለውሃት ኣቦታት ዝተጓዓዝዎ ፍኖት መሪጹ ከደ።

ብጥምቀቱ ጸጋ በረከቱ በዚሑልና

ኣብ ካልእ ቦታውን ዝተመዝገበ ቃለ እግዚአብሔር ክንሪኢ ከለና ኤልያስ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ባሕረ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምኻኑ ንርዳእ። 2ይነገ.2፣7። ሰረገላ ሓዊን ኣፍራስ ሓውን ኣብ መንጉኦም መጺኡ ዝፈላለዮም ፣ ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኣብ ገማግም ባሕረ ዮርዳኖስ እዩ። ንዮርዳኖስ ከየተሳገርካ ኣብ ናይ ሓዊ ሰረገላን ኣፍራስ ሓዊን ምቅማጥ ከመይ ይከኣል ፧ ብህቦብላ ንፋስ ንምራግስ ንመን ይከኣሎ፧ እቲ ኹሉ ንዮርዳኖስ ዝተሳገረት ነፍሲ ዝተዋህበ ጸጋታት እዩ። ኤልሳእ ናብ ኣቡኡ በረኸት ዝወረሰ ከም ኣቡኡ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክፈርድ ዝተመልሰ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ መጸ እዩ። “ እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ነብያት ምስ ረኣይዎ ድማ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ ኣሎ በሉ። “ ስጋብ ዝብሉ ናይ ኣቡኡ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ይረኣ ነበረ።

ንሕና ከኣ ናይ ኣቦና እግዚአብሔር መልክዕ ንመስሎ ፣ በረኸት ንወርስ ዮርዳኖስ ( ብጥምቀት) ምስ ሓለፍና እዩ። ድሕሪኡ’ውን ኢልሳእ መምህሩ ኤልያስ ተኪኡ ክሰርሕ ንርእዮ ኢና። “ እግዚ አብሔር ኣምላኽ ኤልያስከ ንሱ ኣበይ ኣሎ ፧ “ 2ይነገ.2-14። ካብ መምህሩ ዝበለጸ ዕጽፊ ድርብ ተኣምራት ክገብር ንርእዮ። ብጥምቀት ንክርስቶስ ዝመሰሉ ሓዋርያት መምህሮም ኣምላከ ቅዱሳን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ድንቂ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ስጋብ ምውት ምትሣእ ክገብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። ባዕሉ  ወናኒ ኩሉ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኪኣትወሎም ከሎ “ኩሉ ዘየአምን ብየ ግብረ ዘአነ እገብር ውዕቱኒ ይገብር ወዘ የዐቢ እምኔሁ ይገብር፤ ብኣይ ዚ ኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ከም ዚገብር ካብኡ ዚዓብ’ውን ከም ዚገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ” ዮሐ14÷12። ኢሉ ቃልኪዳን ሂብዎም እዩ። እዚ ናይ ዮርዳኖስ ( ናይ ጥምቀት ) በረከት እዩ።

ኤልያስ ድማ ንወዲ መዝሙሩ “ ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ሪኢኻኒ ግና ከሙኡ ክኾነልካ እዩ። እንተ ዘይኮነ ግና ኣይኸውንን እዩ በለ። “ 2ይነገ.2-10።  ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝረኣዮዎ ደቂ መዛምርቱ ካብ ሰማይ ጸጋኡ ኢሊኹሎም እዩ። ግ.ሓዋ.1.11። 2፣2። ስጋብ ዮርዳኖስ ሲዒቡ ብዘይ በረከት ዝተመልሰ መን ኣሎ ፧ ሓዋርያ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝተዛረቦ። “ ሕጂ ግና እትሓይሽ ማለት ሰማያዊት ይናፍቑ ኣለዉ፣ ስለዚ ድማ ኣምላኽ ከተማ ኣዳሊውሎም ኣሎ እሞ ኣምላኾም ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን እዩ። “እብ. 11፣16። 

ኣቀዲሞም ብትንቢት ብነብያት ብዙሕ ግዜ ዝተላዕለት ባሕረ ዮርዳኖስ ኣቀዲሞም ብዙሓት ቅዱሳን ዝተመላለሱላ፣ ናይ እግዚአብሔር ታቦትን ሕዝብን መሰጋገሪት ፣ ሕዝበ እግዚ አብሔር ናብ ምድረ ተስፋ ንምብጻሕ ፍኖቶም መዘከሪት ዝነበረት እያ። ሕጂ ድማ ንሕዝቡ ካብ ኃጥያቶም ዘድኅኖም ክርስቶስ ምምጻኡን ትንቢተ ነብያት ምፍጻሙን ክረድእ መጥምቁ ቅዱስ ዮሓንስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፣ “ ንዓይ ብኣኻ ምጥማቅ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ ኢሉ ኣበዮ። “ ማቴ.3፣13። “ባሕርኒ ርዕየት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ፤ ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት ፣ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።” መዝ.114፣3። ተባሂሉ ዝተዘምረ መዝሙር ነዚ መዓልቲ ምኻኑ ፈለጥናን ተረደኣናን።

ካብ ከውሒ ምንጪ ማይ ፣ ካብ ደረቅ ራሕሲ ዘውጽእ ኣምላከ ያዕቆብ፣ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚኡ ኮይና ንድሕሪት ምህዳማ ንዓቀብ ምፍሳሳ ንምንታይ ኢሉ ዝኸሳ መን ኣሎ ፧ ባሕሪ ዝሃደምኪ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ዝተመለስኪ እንታይ ኮንኪ ኢኺ ኢልና ክንሓታ’ዶ ንኽእል ኢና ፧ እዚ ዝገርም ይኸወን እዩ ፣ኮይኑ ግና ብዝለዕለ ከገርመናን ከደንቀናን ዝግብኦ እቲ ወዲቁ ዝነበረ ናይ ወዲ ሰብ ባሕርይ ናብ ላዕሊ ክብሪ ወጺኡ ካብ ሥላሴ ሓደ ኮይኑ ናይ ባሕርይ ምስጋና ክቀርበሉ፣ ናይ ባሕርይ ስግደት ክስገደሉ ምርኣይ እዩ ዝያዳ ዘደንቅ እምበር።

ታሕተዋይ ወዲ ሰብ ላዕለዋይ ኣምላኽ፣ ላዕለዋይ ኣምላኽ ታሕተዋይ ወዲ ሰብ ኮይኑ እዩ’ሞ እዚ ምሥጢር ክግለጽ ዮሓንስ ብልዕልና “ መጥምቀ መለኮት “ ተባሂሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትሕትና ብኢደ ባርያኡ ተጠሚቑ ተባሂሉ ክንገረሉ ምእንቲ ናብ ባሕረ ዮርዳኖስ ሓቢሮም ኣተዉ። መዓልቱ ልዑለ ኣምላኽ ትሑት፣ ትሑተ ዮሓንስ ልዑል ዝኾነሉ መዓልቲ ብምዃኑ ዮርዳኖኖስ ብምድናቅ መገዱ ቀየረ። ዳሕራይ ንነፍስና ተድላ ሓጎስ ዝፈጥረላ ካብ ማህጸን ደቂ ኣንስትዮ ምውጻእ ዘይኮነ ካብ ማኅጸን ዮርዳኖስ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ምውጻእና እዩ። ነዚ እዩ ዮርዳኖስ ብብሥራትን ደስታን ንላዕሊ ዝዘለለት ።

ካብዚ መዓልቲ ጀሚሩ ዮርዳኖስ ዝተቀደሰት ማኅጸን ኮነት። ስጋብ ሕጂ ብቃለ ነብያቱ ደዌ ሥጋ ተርሕቅ ኔራ ፣ ከም ኢዮብ ፣ ንእማን ዘለዎ ኣመንቲ ፈውሲ ትህብ ኔራ። 2ነገ.5-14። ሎሚ  ብኣካላዊ እግዚአብሔር ቃል  ብክርስቶስ ስለተቀደስትን ተባረኸትን ቅድስት ኮይና ንኹሎም ፍጥረታት ደዌ ነፍሲ ከተርሕቀሎም ።

ብጥምቀቱ ፍቅሩ ገሊጹልና

ናይ ጥንቲ ፍቅሩ ከም ዝመለሰልና ክንፈልጥ ምእንቲ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ ርግብ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ክዝንቢ ተራእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነገርና “ወመንፈሰ እግዚአብሔር ይጼልል መልዕልተ ውእቱ ማይ፤መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ። ዘፍ 1÷2። ሰብን እግዚአብሔር ድሕሪ ምበኣሶም ግና ማይ ናይ ጥፍኣት መሳርሒ ኮነ ፣ንምድሪ ቁጥዐ እግዚአብሔር ከኣ ማኅደረ ሬሳ ገበራ። ዘፍ.7-17። ዳግማይ ዕርቂ ከምዝተፈጸመ ንምግላጽ መንፈሰ እግዚአብሔር ኣብዚ ዕለት ክዝንቢ ተራእዮ ፣ ቀደም ብማይ ዝጠፍአ ዓለም ዳግማይ ብማይ ከድኅኖ ምእንቲ ቅዱስ መንፈሱ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ገለጾ። 

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝቀደሙ ሰባት ዝወረደ ናይ ማየ ጥፍኣት ክገልጾ ከሎ “ እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳል ማለት ጥምቀት የድኅነኩም ኣሎ። “ 1ይጴጥ.3፣21። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝበሎ ንምድሪ ዘጽረያ እዚ ማይ ንጥፍኣት ኽፉኣታ ዝዘነበ ዋላ እንተኾነ ኮይኑ ግና ብኽፉኣት ንዝኸፍኣት ምድሪ ግና ኣጽርይዋ እዩ። ጥምቀት ከኣ ፍቓደ ሥጋ ቀቲሉ ሕይወተ ነፍሲ ዘለምልም ተስፋ ኣጋንንቲ ዘጸልም እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “አንተ ሰበርከ ርእሰ ከይሲ በውስተ ማይ ወአንተ ቀጥቀጥከ አርእስቲሁ ለከይሲ፤ ንስኻ ንባሕሪ ብኃይልኻ መቐልካዮ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ፣ ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ። “ መዝ 74÷13። ብማይ ዝግበር ጥምቀት ሓሳብ ጸላኢ ከምዝብትን፣ ናይ ደቂ ሰባት ኣርዑት ባርነት ከምዝሰብር ኣርጊጹ ነጊሩና እዩ።

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ነዚ ናይቅዱስ ዳዊት ኣብ ዝተርጎምሉ ድርሳኖም “ወቅጥቃጤሁሰ ለርእሰ ከይሲ ከመ ኢይትነሣእ ዳግመ ………ነኀልዮ ከመ ዘሞተ ወኢንዝክሮ ከመ ዘሀሎ፤ ርእሲ ገበላት ጨፍለቕካ ተባሂሉ ምጽሓፉ፣ ብጥምቀት ዳግማይ ከምዘይትሥእ ኮይኑ  ምማቱ ንኽገልጽ እዩ ። ንሕና ከኣ ከምዝሞተ እምበር ብሕይወት ከም ዘሎ ኣይንሕሰቦ።  “ ብማለት ይትርጉሞ።

ብጥምቀቱ ብኽብሪ ካብ ውድቀትና ኣተንሢኡና

ሠራሒ መሬት ዝሰርሖ ሥርሑ እንተነቂዕዎ ዳግማይ ደቂሱ ፣ ብማይ ኣለስሊሱ፣ ብሓዊ ኣሚቑ ናብ ዝነብሮ ክብሩ ይመልሶ እምበር ኣውጺኡ ኣይድርብዮን እዩ፣ ከሙኡ ከኣ ኣምላኽና እግዚአብሔር ብኢዱ ዝቀረጾ ፣ ብኸብዲ ኢዱ ኣወቃቂሩ ዝሰርሖ ወዲ ሰብ ብኃጥያት ወዲቁ፣ ዘይጠቅም ኮይኑ ምስረኸቦ ዳግማይ ክፈርስ ፈሪድዎ ግና ከምዝፈረሶ ኮይኑ ክተርፍ ፍቓዱ ስለዘይኮነ ዳግም ብጥምቀት ኣረስሪሱ ፣ ብእሳተ መንፈስ ቅዱስ ኣሚቑ ሓዲሽ ጌሩ ሰሪሕዎ። ሓዲሽ ሰብ ዳግማይ ካብ ማኅጸነ ዮርዳኖስ ፣ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ክውለድ ዝብላዕ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ኣዳልዩ እዩ ዝጽበዮ። ኣደ ንውላዳ ምስ ተወልደ ዝጠቦ ጸባ ጡባ ከምትቅርበሉ ፣ ንሕና ደቁ ከም ህጻናት ኣብ ቅድሚኡ ዝርእየና እግዚአብሔር ብዓይኒ ዘይረኣ ሰማያዊ ልብሲ ኣልቢሱ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን መጊቡ ንዓና ሰባት የዕብየና። ስጋብ ዝተፈቅደልና ከምዚ ጌሩ የንብረና። ድሕሪኡ ሞተ ሥጋ ከኣ ዳግማይ ብኽብሪ ኣተንሢኡ ኣብቲ ናይ ዘልዓለም መንግሥቱ መንፈሳዊ መግቢ ንዘልዓለም እንዳመገበና ንነብር።

ብጥምቀቱ ዝተወለድና ደቂ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዓቢ ዝኾነ ፍቕሩ ብከምዚ ገሊጹልና። ንሕናከ

በዓለ ጥምቀቱ ከመይ ኢና ነብዕሎ ᎒ ብብዙሕ ምብላዕን ብምስታይን ፣ ብኽቡር ዋጋ ዝተዓደጉ ኣልባሳት ጥራሕ ዘይኮነ ነንሕድሕድና ብምፍቃር ንእግዚአብሔር ዘለና ፍቕሪ ብምግላጽ ካብ ገቢረ ኃጥያት ብምርሓቅ፣ በረከት ዘለዎ ዕድመ ክህልወና ብንስሓ ናቡኡ ብምቅራብ፣ ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታትና ተኸቲልና ሃይማኖትና ብምሕላው ክኸውን ይግባእ።

ርሑስ በዓለ ጥምቀቱ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና።

በዓልና በዓለ ፍስሐ ወሐሴት፣ በዓለ ጸጋ ወምሕረት ፣ በዓለ በረከተ ወጽድቅ ይግበረልና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።  

   በረከተአብ

Comments are closed.