ስልሳይ ክፋል መሲሎም ንዝመጹ ብኸመይ ንፈልጦም፧ ከምቲ ተኹላ በጊዕ መሲሉ ኢዩ ዝመጽእ። ሰይጣን’ውን መልኣኽ ናይ ብርሃን መሲሉ ኢዩ ዚመጽእ። 13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሓዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሓዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።15 ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መቀጸልታ ካብ ዝሓለፈ ፍቁራተይ! ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንደቂ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘገድስ ብዘይካ እቲ “ሓድሽን ኣከራኸርቲ ትምህርትን” ዝተላዕለ ነጥቢ: ጉዳይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ። ብዛዕባ ምንፍቅናዊ ትምህርቲ እንታይ ተባሂሉ ፧ ብዛዕባ ቅዱስ ሲኖዶስ ከ፧ እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፎም ንመልከቶ። እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣብዘን ክልተ ሕቶታት ዘተኮረ ክኸውን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ “ጸብጻብ ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ዝብል 25 ገጽ ዝሓዘ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት በጺሑኒ። ቅድሚ ኣብቲ ውሽጢ ትሕዝቶ ትንታኔ ምሃበይ። ዝኾነ ሰብ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ርእዩ ጥራይ እኳ፡ ኣበይ ኣለኹ፧ ምስ መን እኸይድ ኣለኹ፧ ናበይ እኸይድ ኣለኹ፧ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ነቢይ ማለት "ናቪ" ካብ ዝብል ቋንቋ እብራይስጥ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ኸኣ ምጽዋዕ፡ ምብሳር፡ ምንጋር ማለት ዩ። እቶም ንብሉይ ኪዳን ናብ ቋንቋ ግሪክ ዝተርጐምዎ ሊቃውንት ነዚ ቃል'ዚ ክትርጒምዎ ከለው "ፕሮፌቴስ" ዝብል ትርጕም ኢዮም ሂቦሞ። ነዚ ነገር'ዚ በብሓደ ክንርእዮ እንተድኣ ፈቲና፡ "ፕሮ" ማለት ንቅድሚት ዝኸውን ወይ ንመጻኢ ዝፍጸም ክኸውን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ካብ ኅዳር 6 - ታኅሣሥ 6 ዘሎ 31 መዓልታት ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ኣስተምህሮ ማለት ኸኣ 'ይቕሬታ ወይ ምሕረት' ማለት 'ዩ። - ኣብ ውሽጢ ዘመነ ኣስተምህሮ 4 ወይ 5 ሰናብት ይርከባ። ንሳተን ከኣ ፦ ሀ. ካብ 13 - 19 ኅዳር 'ቅድስት' ፡ ለ. ካብ 20 - 26 ኅዳር' ምኵራብ' […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና! ምስባክ “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፣ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት፣ወይድኅኑ ፍቁራኒከ ።” “ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቅ ዕላማ ሃብካዮም፣ ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፣ ብየማነይትኻ ኣድኅን እሞ ስምዓና።” መዝ. 59፣40 (60፣40)። መስቀል ዕጸ ሕይወት እዩ። መስቀል ዕጸ መድኃኒት እዩ። መስቀል ዕጸ ትንቢት እዩ። መስቀል […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንዓኻትኩም ይኩን እንዳበልና ከምቲ ሓ.ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ 'ንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ፣ ንሕናሲ ነቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ኢና ንሰብክ' 1 ቆሮ 1፡23። ሎሚ ኣብ ዓምዲ 'መልሲ ንሕቶኹም!'፡ ካባኹም ንዝመጸና ሕቶ መልሲ ንምሃብ መጺና ኣሎ። እቲ ሕቶ ኸመዚ ይብል፣ 'ናይ መን ሥጋ ንበልዕ፧!'። እዛ ሕቶ ካብ […]
ሽዑ ሠራዊተ እግዚአብሔር ካብ ሲዖል ወጹ። ንብዙኃትውን ተራእይዎም። ናብታ ቅድስቲ ከተማውንኣተዉ። ጐይታ ነቲ ሽፍታ ብቅዱስ ደሙ ዝተኃትመ ማኅተም ሃቦ። ናብ ገነት ኪዱ፡ እዚ ሽፍታ ይምራሕኩም፡ ንሱ ብማኅተም ደመይ ይኽፈተልኩም። ንፍርዲ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኣብኡ ጽንሑ። አዳምን ደቁን ድማ ፊያታዊ ዘየማን እናመርሖም ብነፋስ ንላዕሊ ወጹ። ሠራዊተ መላእክት እናሓለውዎም ድማ ጥቓ ገነት በጽሑ። ንተወሳኺ ቅድሚ ሕጂ ወጺኡ ካብ […]
ሰሙነ ሕማማት ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት […]
ዕለተ ሰኑይ ነግህ ዲያቆን ደወል እንዳወለ ሠለስተ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ይዞራ። ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም አንቀጸ ብርሃን ፣መዝሙረ ዳዊት 150 ተዓዲሉ ይንበብ። ድሕሪኡ እቲ መምህር (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ የዝይም። ናይ ሎሚ ሰኑይ ብየማን ዘሎ መምህር እንተ መሪሑ ሰሉስ ከኣ ብጸጋም ዘሎ ይመርሕ። ከምዚ እንዳተዘዋወረ ከኣ ይቅጽል። ናይ ዕለት ድጓ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣመላሊሶም […]