ጉባኤ ሃገረ ስብከት ብዓወት ተዛዚሙ
መበል ፲፩ ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ካብ ሕዳር 18-19/2016 ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ዋሽንግቶን ዲሲ ንልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስቲያናት ወኪሎም ዝመጽኡ ካህናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ኣብ ዝተረኽብዎ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዓን ኣቦታት አቡነ ባሲልዮስን አቡነ ሉቃስን ተረኺቦም ነይሮም። ጉባኤ...