ጉባኤ ሃገረ ስብከት ብዓወት ተዛዚሙ

መበል ፲፩ ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ካብ ሕዳር 18-19/2016 ኣብ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ዋሽንግቶን ዲሲ ንልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስቲያናት ወኪሎም ዝመጽኡ ካህናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ኣብ ዝተረኽብዎ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹዓን ኣቦታት አቡነ ባሲልዮስን አቡነ ሉቃስን ተረኺቦም ነይሮም። ጉባኤ...

Continue reading

ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቫንኮቨር

ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቅዳም ንኹሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ተቐማጦ ቫንኮቨር፤ ሕዳስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምምስራት መደብ ወጺኡ ስለዘሎ፤ ኩሉኹም ነበርቲ ቫንኮቨር ዝኾንኩም ህዝበ ክርስቲያን ተኻፈልቲ ናይዚ በረኸት ክትኮኑ ብስም እግዚአብሔር ኣምላኽና ንዕድም። ዕለት፥ ሕዳር 12, 2016 ዓ.ም ፈረንጂ ሰዓት፥ 3 ክሳብ 9...

Continue reading

ዑደትልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ንምስታፍ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ኣትዮም። ውሉደ ክህነትን ምእመናን ቤይ ኤርያ ድማ ብኽብ ዝብለ ክብሪ ተቐቢሎምዎም። ቅዱስ ሲኖዶስ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ውጥናት ሓደ ዑደት ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ኮይኑ፡ እዚ ድማ መቐጸልታ ናቱ እዩ። ብጹዓን ኣቦታት ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ሓዋርያዊ ዑደት ጉዳይ...

Continue reading