No comments yet

ክብረ በዓል ቤተክርስትያን ኃመረ ኖኅ ቅድስት ድንግል ማርያም ዋሺንግቶን ዲሲ

ክብረ በዓል ቤተክርስትያን ኃመረ ኖኅ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካ ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ብክብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተባዒሉ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኃመረ ኖኅ ቅድስት ማርያም ዓመታዊ ናይ ልደት ኣዴና ቅድስት ማርያም ክብረ በዓል ብዕለት 1ን 2ን ግንቦት2017 ዓ ም ግ ዕለት 5/11 /2025 ፈ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡ ውን መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ከናዳን ሊቀ ሕሩያን ቀሲስ ሚክኤለ ተኽላይን ብድምቀት ተጸምቢሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ኣብ ዘለውሉ ድሮ ዋዜማ ዓርቢ ሰዓት 4: 00 ኣጋምሸት ምስቶም ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካ ከብዕሉ ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ድማ ብሓባር ንታሪኽ ክብርን ቅድስናን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ዋዜማ ድሕሪ ምብጻሕ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ንጽባሒቱ ለይቲ ሰዓት 2:00 ቤተ ክርስቲያን ተደዊሉ ብምንቃሕ ሊቃውንት ንክብሪ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ንልቢ ዝምስጥ ሥርዓተ ማኅሌት ተምሳል መላእክትን ኮይኖም ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳሮም ብመሪሕነ ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ሥርዓተ ቅዳሴ በጽሐ ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት ድኅሪ ቅዳሴ፡ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብመልኣከ ብርሃን ቀሲስ ፀጋዘኣብ ነጋሽ ካህን ኣመሓዳሪ ደብረ ግዕዛን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍላደልፍያ ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምዉታት ትደልያኦ ኣለኽን ዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ካብ ወንጌለ ሉቃስ 24:5 ናይቲ ዘመንን ዕለትን ዝሰማማዕ ቀሪቡ፤

ካብዚ ብምቕጻል ብፁዕ አቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከናዳን ፡ ቃለ ቡራኬን ኣባታዊ ምክርን ማዕዳን ሂቦም ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለየ እስቴት ካብ ኒውጀርሲ ካብ ሲንሲናቲ ካብ ራሊ ካብ ሃይፖይንት ዝመጹ 7 መንእሰያት መዓርገ ዲቁና :ሓደ ዲያቆን ድማ መዓርገ ክህነት ቀቢኦም::

ብድሕሪ'ዚ ብወኪል ሰበካጉባኤ ኣቶ ቴዎድሮስ ብርሃነ ብዛዕባ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣመጻጽኣን ዘሎ ምዕባለን ሓጺር ጸብጻብን ምስጋናን ኣቕሪቦም። ብምቕጻል ታቦተ ሕጉ ብጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ ክርስቲያን ብካህናትን ሊቃውንትን ብመንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ድሙቕን መሳጥን መዝሙራት እናኣቕረቡ ኣዴታት ድማ ብዕልልታን ምኅለላን ብኃባር ድኅሪ ምዕዋዶም፡ ሰላመ ኣብ ተባሂሉ ጸሎተ ምህለላ በጽሐ። ብሰበካ ጉባኤን ህዝብን ዝተዳለወ ናይ ዕለቱ መኽፈልቲ ብምኽፋል ድማ መደብ ናይቲ በዓል ብናይ ብፁዕነቶም ቡራኬን ሥርየትን ተፈጸመ።

Post a comment

You must be logged in to post a comment.