ኣብ ግብረ ሕማማት ዝርከቡ ቃላትን ትርጉሞምን

ኪርያላይሶን፡ ኪርያላይሶን፡ ኪርያላይሶን!!!

ናይ ሰንበት በረከት
ኣብ ግብረ ሕማማት ዘለዉ ቃላት ብግእዝ ይኹን ብትግርኛ ከይተተርጎሙ

ከም ዘለውዎ ካብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተወሲዶም ንጥቀመሎም ቃላት

ኣለዉ ። ናይዞም ቃላት እዚኣቶም ትርጉም ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

1, ኪርያላይሶን፥ ኪርያላይሶን ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ኣናብብኡ

“ኪርዬ ኤሌይሶን” እዩ። “ኪርያ” ማላት “እግዝእትነ” ማለት

ክኸውን ከሎ “ኪርዬ” ማለት ድማ “እግዚኦ” ማለት እዩ። ክንበብ

ከሎ “ኪርዬ ኤሌይሶን” ክበሃል ኣለዎ። ትርጉሙ ከኣ ኦ እግዚኦ

ማሓረና፣ ማለት እዩ።

2, ናይናን፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ “መሓረነ፡

መሓረና” ማለት እዩ።

3, እብኖዲ፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ” ኣምላኽ”

ማለት እዩ። “እብኖዲ ናይናን” ክብል ከሎ ድማ “ኦ ኣምላኽ

መሓረና” ማለት እዩ።

4, ታኦስ፥ ታኦስ ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ “ጎይታ ፡ኣምላክ”

ማለት እዩ። ” ታኦስ ናይናን” ማለት ድማ “ኦ ጎይታ መሓረና” ማለት

እዩ።

5,ማስያስ ፥ ማስያስ ቃሉ ናይ ዕብራኢስጥ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ”

መሲሕ” ማለት እዩ። ” ማስያስ ናይናን” ማለት ድማ ” ኦ መሲሕ

መሓረና” ማለት እዩ።

6, ትስቡጣ፥ “ዴስፖታ” ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመጸ ኮይኑ

ትርጉሙ ድማ ሓያል ገዛኢ ማለት እዩ።

እግዚኣብሔር ብሰላም ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር

 ምንጪ

haimanoteabew@gmail.com

Kifle Rekebat

Post a comment

You must be logged in to post a comment.