

መበል 17 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ካቴድራል እንድያናፖሊስ ብዕወት መንፈስ ተኻይዱ
ኲለን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ኣድባራት ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓባር ብምእካብ ዘካይድኦ ስሩዕ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሎሚ ዓመት እውን ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ “ተዘከር ማኅበረከ ዘኣቅደምከ ፈጢረ” መዝ ፸፫፡ ፪ ኣቀዲምካ ዝፈጠርካያ ማህበርካ ዘክር ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ ዓርቢ ዕለት ፮ ክሳብ ዕለት ፰ ሰነ ፳፻፲ወ፯ (13-15 ሰነ 2025) ንሰለስተ መዓልታት ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።
እዚ ብሓፈሻ ንመበል 17 ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮይኑ፡ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ እዚ ሃገረ ስብከት እዚ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ ድማ፡ ብፍላይ ንሳልሳይ ዓመት ብሓድነትን ርግኣተ መንፈስ፡ ንቤተክርስቲያንን ሃገረ ስብከት ዝምልከቱ ኣገደስቲ ኣጀንዳታት ሰሪዑ እዩ ዝጋባእ ዘሎ።
ፈለማ ዓርቢ ወጋሕቲ ቤተክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ደወላ ደዊላ ኣጋይሻ ተቀቢላ ብሕብረት ስብሓታተ ነግህ ክበጽሕ ኣርፊዱ። ብምቕጻል ኣብቲ ንጉባኤ ተባሂሉ ብኣዝዩ ደስ ዘብል ምድልዋት ዝተሰናድአ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምምራሕ፡ ብብፁዕነቶም መኅረነ ተባሂሉ ውዳሴ ማርያም ብምዕዳል ንዕለቱን ነቲ ጉባኤ ዝሰማማዕ መሪሕ ቴማ እውን ዝኾነ “ተዘከር ማኅበረከ ዘአቅደምከ ፈጢረ፡ ወአድኅንከ በትረ ርስትከ፡ ደብረ ጽዮን ዘኅደርከ ውስቴታ” ዝብል ምስባክ ብዲያቆናት ድሕሪ ምስባኹ፡ ወንጌል ቅዱስ ተባሂሉ ካብ ወንጌለ ዮሓንስ ምዕራፍ ዓሰርተ ተነበ። ስዒቡ “ዮም ጸለሉ መላእክት ላእለ ማርያም፡ ወላእለ ወልዳ ክርስቶስ በደብረ ገነት፡ እንዘ ይብሉ ስብሐት በኣርያም” ዝብል ለዘብ ብሊቃውንቲ መምህራን ድሕሪ ምውራቡ ብሕብረት ድማ ተሸብሺቡ።
ጉባኤኛታት ተወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝኾነ ኣማሓደርቲ ኣድባራት፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤታት፡ ተወከለቲ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት፡ ተወከልቲ ምእመናን ከካብ ወኪሎም ዝመጽእዎ ኣድባራት ሕጋዊ ናይ ውክልና ደብዳቤታቶምን ኣስማቶምን መሪሕነቶም ብምርካብን ንጉባኤ ብምግላጽን ናይ ሌላ መደብ ተገብረ። ስለስተ ተሓዝቲ ቃለ ጉባኤ ብምምራጽ፡ ምልኣተ ጉባኤ ብምርግጋጽ ስሩዕ ጉባኤኡ ብወግዒ ምጅማሩ ተበሰረ።
ቀጺሎም መእተዊ ቃል ዝሃቡ ሊቀ ኅሩያን ቀሲስ ሚካኤል መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኮይኖም፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነዚ ናይ 2025 ዓመታዊ ጉባኤ ዘራኸብና ክብሪ ይኽኖ ብምባል፡ ዓመታዊ ጉባኤ እቲ ጊዜኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክኸውን ዝግብኦ እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ሥርዓተ ሢመት ፮ይ ቅዱስ ፓትርያርክ ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ ኤልያስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ናብ ሃገርና ብምጋሻም፡ ተናዊሑ ምጽንሑ ብምሕባር ሕጂ ግን ፍቓድ እግዚኣብሔር ኮይኑ ኣብዚ ዕለትን ሰዓትን እዚ ብከምዚ መልክዕ ምርካብ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ብምቕራብ ናይቲ ዕለት ኣቐዲሞም ዝወጸ መዘራረቢ ኣጀንዳታት ከከም ቀዳምነታቶም ዕቤቶምን ኣገዳስነቶም ብምቕራብ እቲ ጉባኤ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብምልዓል ብዓወት ክዛዛም ዘለዎም ትምኒት ገሊጾም።
ቃል ወኪል ቤተክርስቲያን ሰበካ ጉባኤ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ኣቶ ሰሎሞን ተኽለ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ነቲ ደብሪ ብምውካል ነዚ መበል 17 ዓመታዊ ጉባኤ ከነአንግድ ዝተዋህበና ዕድል ነመስግን፡ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት እንዲያና ካብ ዝምስረት ዝመጽእ ዓመታዊ በዓል መበል 24 ዓመት ንምክባር ይዳለዉ ምህላዎም ብምግላጽ ድማ እዚ ጉባኤ እዚ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያኖም ምግባሩ ፍሉይ ከም ዝገብሮ ብምሕባር ዝግባእ ምድላዋት እኳ ጌርና እንተዘይብለና ኣብ ኩሉ መዳይ ክንለኣኽ ግን ድልውነቶም ነረጋግጽ ብምባል ሰናይ ምንዮት እቲ ጉባኤ ብምግላጽ ዛዚሞም።
ቀጺሎም ወግዓዊ መኽፈትን መልእኽትን ንቅዱስ ሲኖዶስን ንሃገረ ስብከትን ብምውካል ዘቕረቡ ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ፡ ፈላም ከምዚ ኢልና ክንእከብ ዝፈቀደ ልዑል እግዚኣብሔር ነመስግን ብምባል ምእካብና ፍረ ክህልዎ ነቲ ዝበሃለና ቃላት ሰሚዕና ዘለና ጉድለት ተኣራሪምና ሽግራትና ፈቲሕና እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና ንቤተክርስቲያና ምልማዕ፡ ንምእመናና ብሓቅን ቅንዕናን ምጒሳይ እዩ፡ ብምባል ናይ ኣቦታትና ሠለስቱ ምእት ኣሰር ብምሓዝ ኢና፡ ኣብዚ ተረኪብና ዘለና እሞ፡ ብቤተክርስቲያናዊ ዝኾነ መንገዲ ክንመላለስ፡ ቤተክርስቲያናዊ ዝኾነ ኣንደበት ክንሕዝን፡ ነታ ቤተክርስቲያን ብጽቡቕ ክንመርሕ ነቲ ዝበሃለና ቃላት ሰሚዕና ክንትግብሮ ይሓግዘና፡ ነቶም ኣቦታትና ሓዋርያት ምስጢሩ ዝገለጸሎም ንዓና ድማ ከምኡ ክገልጸልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና እንዳበልኩ ደጊመ ድማ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም እብል ብምባል ኣባታዊ ምኽርን ማዕዳን ቡራኬ ሂቦም።
ካብዚ ብምቕጻል ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ስራሕ ሃገረ ስብከት ብመራሕ ስራሕ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሚካኤል ተኽላይን ብዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ዲያቆን ሲኖዶን ብተባርዮን ብቀደም ተኸተልን ብኣዝዩ ጽፉፍን መሳጥን ኣገባብ ንተጋባእቲ ብፓወር ፖይንት ተሰንዩ ቀሪቡ። ሊቀ ካህናት ኣብ መግለጺኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸሙ ኣገደስቲ ዕዪታት ዓበይቲ ዓወታትን ዘጋጠሙ ብድሆታት ንምፍትሖም ዝተወስደ ስጉምታት ዝርዝራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ቀሪቡ፡ ሓደ ሓደ ነጥብታት ንምጥቃስ ዝኣኽል ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልየ ዝጸንሓ እሞ ኣብ ዕርቂ ዝመጻ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ንኣብነት ዝኣክል፡ ጽርሓ ኣርያም ቅድስት ሥላሴ ምስ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ዲሲ፡ ደብረ ኢየሱስ ሂዪስተንን ምስ ቅድስት ማርያም፡ ደብረ ታቦር መድኃኔ ዓለም ምስ ቅዱስ ገብርኤል ሎስ ኣንጀለስ ዝተገብረ ዕርቂ ከምኡን ኣብ ሲያትል ኣብ መንጎ 4 ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ከባቢ ካሊፎርንያ በይ ኤርያ ዝርከባ 5 ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት በዓለ መስቀልን በዓለ ጥምቀት ብሓባር ኣብ ሓደ ቦታ ብምዓለ ካብቲ ኣዝዩ ፍሉይ ፍጻሜ ምዃኑ በሪሁ። ኣብዚ ንዝተዋስኡ ኩሉም ሽማግለታት ውሉደ ክህነት ዓበይቲ ዓድን ምእመናን ናይ ምስጋና መልእክቲ ተመሓላሊፉ። ብኣንጻሩ ድማ ብሰንኪ ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ውሉደ ክህነት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሕጊ ረጊጸን ዝኸዳ ዘለዋ ሓደ ሓደ ኣብያተ ክርስቲያን መረዳእታን መብርህን ተዋሂቡ።
ኣብዚ ዓመት ብሃገረ ስብከት ዝተዋህቡ ስልጠናታትን፡ ናብ መሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ሃገረ ስብከት ካብ ወጺኦም ጌጋኦም ብምጥዓስ ናብ ቅድስት ቤተክርስቲያኖም መሪሕነቶም ናይ ዝተመልሱ ኣብያተ ክርስትያናትን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ብደረጃ ሃገረ ስብከት እውን ዝርዝራዊ መብርሂ ተዋሂቡ። ብወገን ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ዝቀረበ መግለጺ ዘለዎም ሕቶን ርእይቶን ደገፍን ሓደ ብሓደ ተሰሚዑ።
ካልኣይ ኣገዳሲኣጀንዳ ኮይኑ ዝቕረበ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ኮይኑ፡ ብዶክተር ቢንያም ኣባል ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ብኣዝዩ ንጹርን ግሉጽን ሞያዊ ኣገባብን ኮይኑ ሓፈሻዊ ኣታዊታት ወጻኣኢታት ህልዊ ሚዛንን ጠቕላላ በጀት እዚ ሃገረ ስብከት ኣብ ፋይናንሳዊ ደረጃ ዘለና ድክመንት ምዕባለን መጠናዊ ዕብየትን ብዘረድእ ኣገባብ ኮይኑ ተጋባእቲ ካብዚ ሓሳባት እዚ ብምብጋስ ብከምዚ ንጹርን ግሉጽን ኣገባብ ምቕራቡን ነፍሲ ወከፍ ተጋባእቲ ንጹር ስእሊ ምሓዙ ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላጽ ባጀታዊ ኣሰራርሓ ብምትእትታው ሃገረ ስብከት ዝዓብየሉ ሓሳባትን ርእይቶታትን ሂቦም። ምስኡ ዝተሓሓዝ ድማ እቲ ዝቐረበ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምልኣተ ጉባኤ ዝተመርጹ ሰለስተ ኦዲተራት ብሕጋዊ መንገድን ብሞያ ደረጃ ብወኪሎም ዶክቶር ሰመረ ኣቢሉ ኦዲታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቦም፡ ቀዳማይ እብረ ብምዝዛም ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ተገብረ።
ድሕሪ ሓጺር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ድማ፡ ናብ ጉባኤ ብምምላስ ብናይ ሓባር ወረብን ሸብሸቦን ናይ መንፈስ ምንቅቃሕ ብምግባር ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ “ሓዋርያ ጒስነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ትምህርቲ ብብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ተዋሂቡ።፡ ናይዚ ዓመት ሓፈሻዊ ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን፡ ምስ ሕቶን መልስን ዝተሰንየ መደባት ብኣቦ ወንበር ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቀሲስ ኪዳነ ካብ ሃገረ ካናዳን ዲያቆን በሪሁን ቀሪቡ። ቀጺሉ ኣዝዩ ኣገዳስነ ንኲለን ኣድባራት ኣብያተ ክርስቲያናት ከስርሕን ዝኽእል መስርሕ ኣባልነት ካርድ ምእመናን ቤተክርስቲያን ብመርበባዊ ሓበሬታ ኣብ ኮምፒዩተር ተሰሪሑ ዘሎ ብናይቲ ሞያ ዓውዲ ክኢላ ዝኾኑ መልኣከ ገነት እንጂነር ቀሲስ ብንያም ኣማሓዳሪ ቤተክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ብመሳጢ ኣገባብ ቀሪቡ። ኣብዚ እውን ርእቶን ሓሳባትን ተሳተፍቲ ንምህብታሙ እቲ መርበብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ብጸሎትን ቡራኬን ብፁዕነቶም ድማ እቲ ናይ ፈለማ መዓልቲ ጉባኤ ኣማስያኡ ተዛዘመ።
ንጽባሓይቱ ቀዳም ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤተክርስቲያን ብኣግኡ ስብሓታተ ነግኅ ብምብጻሕ ናይ ቁርሲ መደብ ብምክፋል ብጸሎትን ቡራኬን ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ቀጺሉ ኣርፊዱ። ኣብ ናይ ቀዳም ንግሆ ዝተጠቓለሉ ኣርእስታት ምስ እንምልከት ድማ ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ ክእረሙ ዘለዎም ጉዳያት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስርሕ ሓድሽ ክምስረት ተሓሲቡ ዘሎ ገዳም ተስፋ ስዱዳን ደብረ ሲና ቅድስት ማርያም እዚ ሃገረ ስብከት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ብቀሲስ ክብሮምን ኣቶ ዮሴፍን አቶ ሙሴን ቀሪቡ፡ ድሕሪ እዚ መደብ ብቀጥታ፡ እቲ ብንእሽቶ ቤተክርስቲያን እትምሰል መሰረታዊት ስድራ ቤት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምስ መብርሂኡ ብቀሲስ ሃብተኣብን ቀሲስ ብሥራትን ዲያቆን ናታንን በብኣርእስቱ ተከፋፊሉ ቀሪቡ።
ሓፈሻዊ ኪደት ቅድስት ቤተክርስቲያንን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ሃገራውን ዓለምለከውን ዕዮታት ብዓቢኡ ድማ ኣብ መስርሕ ሥርዓተ ምርጫ፡ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፮ ቅዱስ ፓትርያርክ ሰፊሕ መብርህን መግለጽን ብቀሲ በረኸት ኪዳነ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፕሮቶኮላዊ ጉዳያትን ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቡ። ተጋባእቲ ድማ ደጊሞም ቤተክርስቲያን በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣገደስቲ ምዕባለታትን ሓጎሶምን ደገፎምን ብምግላጻ ሓጺር ናይ ምሳሕን እንግዶትን ዕረፍትን ንምግባር ቀዳማይ ክፍለ ጊዜ ብጸሎንት ቡራኬን ብፁዕነቶም ተሰጋገረ።
ናይ ድሕሪ ቀትሪ ካልኣይን መወዳእታን ክፍለ ጊዜ ድማ ድሕሪ ዝቐረበ ሓባራዊ ወረብ፡ እቲ ኩሉ ውሉደ ክህነት ክጽበዮ ዝጸንሐ ረኪበ ካህናት ኣቐዲመ ብዝወጸ መርኅ ግብር መሰረት ኣብ ብሑት መከቢ ኣደራሽ ተቓኒዑ። ኣብዚ ኣብ ስርዓታትን ኣገባባትን ኣካይዳን ንክተሎም ዘለና ኣገባባትን ሓባራዊ ርድኢትን መብርሂ ዘድልዮም ስርዓታትን ተዘርዚሮም ቀሪቦም፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ፡ ዘለዎ ኣገዳስነትን ዓብይን ፍሉይን ስለ ዝኾነ ኣብ ስርዓተ ጒስነት እውን ሓጋዚ ብምዃኑ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ጊዜ ረኪበ ካህናት ዝካየደሉ ጉባኤ ብወገን ሃገረ ስብከት ክስራዕ ሓሳብን ርእቶን ብምቕራብ ተዛዚሙ። ጒኒ ጒኑ እውን ተጋባእቲ ምእመናን ወምእመናት በይኖም ብምዃን ኣብ ሓፈሻዊ ኪደት ቤተክርስቲያን ኣተገባብራ መምርሒታት ሃገረ ስብከትን ሰንሰለታዊ ርክብ ሰበካ ጉባኤን ዝምልከት ብመሪሕነት ዶክቶር ብንያም ዝቀረበ መጽናዕቲ ተዘትይሉ። ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ሕቶን ርእይቶን መግለጽን ብምስማዕ ድማ እዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዝተፈላለዩን ዓበይትን ኣገደስትን ኣርእስታት ሒዙ ክኻየድ ዝቀነየ ጉባኤ ልዑል እግዚኣብሔር ብጸግኡ ሰሚሩ፡ ብዓወትን ፍሬ መንፈስ ቅዱስን ውሳኔታት ሒዙ ክወጻእ ምኽኣሉን ንዝመጽእ ዓመት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብሰላምን ብሕብረትን ክንጋባእ ብምምምናይ ብጸሎትን ቡራኬን ብጹዕነቶም ዝተጀመረ ብድጋሜ ድማ ብብራኬኦምን ማዕዳኦምን ሥርየቶምን ናይ ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ ኤልያስ ተዛዚሙ። ድማ እዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ምልኣት ጉባኤ ድማ ሰንበት ካብ ሰዓት ሓደ ለይቲ ጀሚሩ ብስብሓታትን ማኅሌትን መዝሙርን ቅዳሴን ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተክርስቲያን ብምሕዳር ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ማኅተም መንፈስ ቅዱስ ተፈጸመ። ነዚ ጉባኤ እዚ ክውን ክኸውን ብግልቦቶምን ንዋቶም ገንዞቦም ዝጸዓሩ ኲሎም ብፍላይ ድማ ኣዴታት ኣኣጋዲት ቤተክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት እንዲያና ፍሉይ ምስጋና ክብርን ሞሳን ይግባእ።



